ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣልማዝ ዚበልጽ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርይ

ካብ ኣልማዝ ዚበልጽ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርይ

ኣልማዝ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኸም ክቡር ማዕድን ጌርካ ኺርአ ጸኒሑ እዩ። ገሊኡ ዓይነት ኣልማዝ ሚልዮናት ዶላራት እዩ ዜውጽእ። ይኹን እምበር፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ካብ ኣልማዝ ወይ ካብ ካልእ ክቡር ማዕድን ዚበልጽ ነገራት ኣሎዶ፧

ኣብ ኣርመንያ እትነብር ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ዝዀነ ሃይካኑሽ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኣ ፓስፖርት ረኸበት። ኣብ ውሽጢ እቲ ፓስፖርት ድማ ደቢት ካርድታትን ብዙሕ ገንዘብን ነበረ። ሃይካኑሽ፡ ንሰብኣያ ነገረቶ፣ ንሱ እውን ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እዩ ነይሩ።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ከቢድ ቍጠባዊ ጸገማትን ዕዳን ነይርዎም እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ነቲ ገንዘብ ብመሰረት እቲ ኣብቲ ፓስፖርት ዝነበረ ኣድራሻ ናብ ዋናኡ ኺልእክዎ ወሰኑ። እቲ ፓስፖርቱ ዝጠፍኦ ሰብኣይ፡ ንብረቱ ምስ ተመልሰሉ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ደንጽይዎም እዩ። ሃይካኑሽን ሰብኣያን፡ ቅንዕና ኺገብሩ ዝደረኾም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምሃሩ ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ገለጹ። ብቕንዕና ኺመላለሱ ኸም ዘለዎም ወሰኑ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ከኣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዛረቡ፡ ነታ ስድራ ቤት ከኣ ጽሑፋት ገደፉላ።

እታ ስድራ ቤት፡ ንሃይካኑሽ እተወሰነ ገንዘብ ክትህባ እኳ እንተ ደለየት፡ ሃይካኑሽ ግና ምቕባል ኣበየት። ንጽብሒቱ፡ ሰበይቲ እቲ ፓስፖርት ዝጠፍኦ ሰብኣይ ናብ እንዳ ሃይካኑሽ ከይዳ፡ ከም መግለጺ ሞሳ ስድራ ቤታ፡ ንሃይካኑሽ ካብ ኣልማዝ እተሰርሐ ቐለበት ክትቅበል ግዲ በለታ።

እታ ስድራ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ብዙሓት ሰባት እውን በቲ ሃይካኑሽን ሰብኣያን ዘርኣይዎ ቕንዕና ኸም ዚግረሙ ፍሉጥ እዩ። የሆዋኸ ይግረም ድዩ፧ ንቕንዕናኦም ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ቅንዕናኦም ዓስቢ ኣለዎ ድዩ፧

ካብ ስጋዊ ነገራት ዚበልጽ ባህርያት

መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ኣሸጋሪ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ባህርያት የሆዋ ምንጽብራቕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኣልማዝ፡ ካብ ወርቂ፡ ወይ ካብ ካልእ ስጋዊ ነገራት ከም ዚበልጽ ይኣምኑ እዮም። እወ፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኽቡር ነገራትን ክቡር ዘይኰነ ነገራትን ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ካብ ኣረኣእያ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈልየ እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ኣገልገልቱ ድማ እቲ ንባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ንምንጽብራቕ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽቡር ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምስትውዓልን ጥበብን እንታይ ከም ዚብል ንርአ። ምሳሌ 3:13-15፡ “ጥበብ ዚረክብ፡ ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ፣ ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ፡ ንዓኣ ምኽሳብ ከኣ ወርቂ ኻብ ምኽሳብ ይበልጽ። ካብ ኣዕናቝ ትኸብር፣ እትምነዮ ዅሉ ድማ ኣይወዳደራን” ትብል። የሆዋ ነዚ ባህርያት እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ መዛግብቲ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ እምበኣር ንጹር እዩ።

ብዛዕባ ቕንዕናኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

የሆዋ ንባዕሉ ቕኑዕ እዩ፣ ንሱ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” እዩ። (ቲቶ. 1:2) ንሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና እሞ፡ ብቐጻሊ ጸልዩልና” ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ።—እብ. 13:18

የሱስ ክርስቶስ ንቕንዕና ብዚምልከት ሰናይ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ፡ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካ ኽትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ!” ምስ በሎ፡ የሱስ ሓቂ እንተ ተዛሪቡ፡ እቲ ዋዕላ ኸም ተጻራፊ ኪቘጽሮን ንኪቕተል ኪፈርዶን መገዲ ዚኸፍት እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ መሲሕ ምዃኑ ብቕንዕና ገሊጹ እዩ።—ማቴ. 26:63-67

ንሕናኸ፧ ንዅሉ ነገራት ዘይምንጋር ወይ ከኣ ጠዊኻ ምንጋር ስጋዊ ረብሓ ዜምጽኣልና ምስ ዚኸውን፡ ብቕንዕና ንመላለስ ዲና፧

ቅንዕና ዘለዎ ብድሆ

ሎሚ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ “ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ” ስለ ዝዀኑ፡ ብቕንዕና ምንባር ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:2) ቍጠባዊ ቕልውላው ምህላዉ ወይ ስራሕ ብቐሊሉ ዘይርከብ ምዃኑ፡ ብቕንዕና ንኸይትነብር ጽልዋ ኺገብር ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ምስራቕ፡ ምትላል፡ ወይ ካልእ ዘይቅኑዕ ተግባራት ምፍጻም ጌጋ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኣዝዩ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ ብዙሓት ሰባት ስጋዊ ረብሓ ኽትረክብ እንተ ዄንካ ብቕንዕና ኽትመላለስ ከም ዘይብልካ እዮም ዚሓስቡ። ገሊኦም ክርስትያናት እውን ከይተረፈ፡ “ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ” ኢሎም፡ በዚ መዳይ እዚ ሕማቕ ውሳነ ስለ ዝገበሩ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ጽቡቕ ኣቕዋም ኣባላሽዮም እዮም።—1 ጢሞ. 3:8፣ ቲቶ. 1:7

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ንየሱስ ይመስልዎ እዮም። ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሃብቲ ወይ ረብሓ ኸም ዚበልጽ ይግንዘቡ እዮም። ስለዚ፡ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ኣይቀድሑን እዮም። (ምሳ. 20:23) ዋላ እኳ ሃይካኑሽ ቅንዕና ብምግባራ ዓስቢ እንተ ረኸበት፡ ብቕንዕና ምንባር ወትሩ ዓስቢ ኸም ዘየውህብ ግና ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብቕንዕና ምንባር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ኽቡር ዝዀነ ንጹህ ሕልና ኽንዕቅቦ የኽእለና እዩ።

ጋጊክ ዝሓደጎ ኣብነት ነዚ የብርሃልና እዩ። ጋጊክ ኸምዚ በለ፦ “ክርስትያን ቅድሚ ምዃነይ፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ኩባንያ እሰርሕ ነበርኩ፣ ዋና እታ ኩባንያ ኻብቲ ዚርከብ መኽሰብ ኣትሒቱ ይነግር ስለ ዝነበረ፡ ኪኸፍሎ ዚግብኦ ግብሪ ኣይከፍልን እዩ ነይሩ። ንዓይ ከኣ ከም ሓላፊ መጠን፡ ነቲ ግብሪ ዜኽፍል ወኪል፡ እታ ኩባንያ ንእትገብሮ ምትላል ዕሽሽ ምእንቲ ኺብሎ ጉቦ ብምሃብ ምስኡ ‘ኺሰማማዕ’ ትጽቢት ይግበረለይ ነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዘይቅኑዕ ከም ዝዀንኩ ይውረየለይ ነበረ። ሓቂ ምስ ፈለጥኩ፡ ሽሕ እኳ ብዙሕ ይኽፈለኒ እንተ ነበረ፡ ነዚ ተግባር እዚ ኸቋርጾ ወሰንኩ። ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ስራሕ ጀመርኩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ ኸኣ ንኩባንያይ ብሕጊ ኣመዝገብክዎ፡ ንዅሉ ግብሪ ኸኣ እኸፍል እየ።”—2 ቈረ. 8:21

ጋጊክ ኣስዒቡ ኸምዚ በለ፦ “እቶተይ ብፍርቂ ስለ ዝነከየ፡ ንስድራ ቤተይ ክኣሊ ኣጸጋሚ ዀይኑኒ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዝያዳ ሕጉስ እየ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልና ኣሎኒ። ነቶም ክልተ ደቀይ ሰናይ ኣብነት እየ ዝዀኖም፡ ኣብ ጉባኤ ኸኣ ፍሉይ መሰላት ክረክብ በቒዐ እየ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ተቘጻጸርቲ ግብርን ካልኦት ብንግድ ዚረኽቦም ሰባትን ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እዮም ዚፈልጡኒ።”

የሆዋ—ምንጪ ሓገዝ

የሆዋ ነቶም ንትምህርቱ በቲ ብሉጽ ባህርያቱ፡ እንተላይ ብቕንዕና ገይሮም ዚስልምዎ ሰባት የፍቅሮም እዩ። (ቲቶ. 2:10) ንንጉስ ዳዊት፡ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን” ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ።—መዝ. 37:25

ተመክሮ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ እምንቲ ዝነበረት ሩት ነዚ የረጋግጸልና እዩ። ሩት ነታ ኣሪጋ ዝነበረት ሓማታ ናእሚ ሓዲጋታ ኽትከይድ ኣይደለየትን፣ ኣብ ክንዳኡስ ምስኣ ለገበት። ምስ ሓማታ ድማ ናብ እስራኤል፡ ማለት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ እተምልኸሉ ሃገር ከደት። (ሩት 1:16, 17) ኣብ እስራኤል ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ብትግሃት እኽሊ እናቐረመት፡ ቅንዕትን ጻዕረኛን ምዃና ኣርኣየት። ከምቲ ዳዊት ጸኒሑ ኣብ ህይወቱ እተመከሮ፡ የሆዋ ንሩትን ንናእምን ኪሽገራ ኣይሓደገንን። (ሩት 2:2-18) የሆዋ ንሩት ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ እዩ ገይሩላ። እናሓጎ ንጉስ ዳዊትን እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕን ክትከውን ሓርይዋ እዩ።—ሩት 4:13-17፣ ማቴ. 1:5, 16

ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ሓድሓደ ግዜ ዜድልዮም ነገራት ንምርካብ ኣዝዩ ኼጸግሞም ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ቀሊልን ዘይቅኑዕን ዝዀነ መገዲ ኣብ ክንዲ ዜናድዩ፡ ፋሕተርተር ኪብሉን ኪተግሁን እዮም ዚጽዕሩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ብሉጽ ባህርያት ኣምላኽ፡ እንተላይ ንቕንዕና፡ ካብ ስጋዊ ነገራት ኣብሊጾም ከም ዚምልከትዎ የርእዩ።—ምሳ. 12:24፣ ኤፌ. 4:28

ከምቲ እታ ጥንቲ ዝነበረት ሩት ዝገበረቶ፡ ሎሚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ክርስትያናት፡ የሆዋ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም። እወ፡ ኣብቲ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ዚብል ተስፋ ዝሃበ ኣምላኽ ምሉእ እምንቶ ኣለዎም። (እብ. 13:5) የሆዋ ነቶም ወትሩ ብቕንዕና ዚመላለሱ ኣገልገልቱ ኸም ዚሕግዞም ብተዳጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። መሰረታዊ ነገራት ከም ዚህቦም ንዝኣተዎ ቓል ወትሩ ይፍጽሞ እዩ።—ማቴ. 6:33

እወ፡ ሰባት ኣልማዝን ካልእ ክቡር ነገራትን ከም ዓስቢ ይህቡ እዮም። ግናኸ፡ ሰማያዊ ኣቦና፡ ቅንዕናን ነቲ ኻልእ ባህርያቱን ምንጽብራቕና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ክቡር ኣልማዝ ኣዝዩ ኣብሊጹ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ብቕንዕና ምንባርና፡ ንጹህ ሕልና ኺህልወናን ኣብ ኣገልግሎት ከይተሰከፍና ኽንዛረብን የኽእለና