ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

የሆዋ ንእስራኤላውያን ኪዋግኡ ዜፍቅደሎም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ፈቃር እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ እከይን ጭቈናን ንህዝቡ ዜስግእ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ፡ ውግእ ኪግበር ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ መን ከም ዚዋጋእን መዓስ ከም ዚዋግኡን ዚውስን ነይሩ።—w15 1/11፡ ገጽ 4-5

ወለዲ ንመንእሰያት ውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ንምስልጣን እንታይ ኣገዳሲ ነገራት ኪገብሩ ኣለዎም፧

ወለዲ ንመንእሰያት ውሉዳቶም ኬፍቅርዎምን ብትሕትናኦም ኣብነት ኪዀንዎምን ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ወለዲ ብልቦና ኺመላለሱን ንውሉዳቶም ኪርድእዎምን ይግባእ።—w15 15/11፡ ገጽ 9-11

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተካኢ ጴጥሮስ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 16:17, 18 ሃዋርያ ጴጥሮስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዚኸውን ኣይትገልጽን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጴጥሮስ ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበለ ቦታ ኸም ዚህልዎ ዘይኰነስ፡ የሱስ እምኒ መኣዝን ጉባኤ ኸም ዚኸውን እዩ ዚሕብር። (1 ጴጥ. 2:4-8)—w15 1/12፡ ገጽ 12-14

ቅድሚ ምዝራብና እንታይ ነገራት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግብኣና፧

ንልሳንና ብጽቡቕ ምእንቲ ኽንጥቐመሉ፡ (1) መዓስ ከም እንዛረብ (መክ. 3:7)፡ (2) እንታይ ከም እንዛረብ (ምሳ. 12:18)፡ (3) ብኸመይ ከም እንዛረብ (ምሳ. 25:15) ክንሓስበሉ ይግባእ።—w15 15/12፡ ገጽ 19-22

ብቕንዕና ዘይመላለሱ ዚገብርዎ እንታይ ተግባራት እዩ ክርስትያናት ኬወግድዎ ዚግባእ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይሕስዉን፡ ንኻልኦት ድማ ኣይሓምዩን እዮም። ንስም ሰብ ዜጸልም ሓሶትን ሃሳይን ዘረባ ኣይዛረቡን፡ ኣይሽፍጡን፡ ኣይሰርቁን እዮም።—wp16.1፡ ገጽ 5

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ “ሊቃውንቲ ኻህናት” መን እዮም፧

እቲ “ሊቃውንቲ ኻህናት” ዚብል መጸውዒ፡ ንኣውራታት ኣባላት ክህነትን ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ንዝነበሩን ዜጠቓልል እዩ።—wp16.1፡ ገጽ 10

ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ንዚወስድ ሰብ ብኸመይ ክንሕዞ ኣሎና፧

ክርስትያናት ካብቲ ቕጫን ወይንን ንዚወስዱ ሰባት ልዕል ኣየብልዎምን እዮም። ናይ ሓቂ ቕቡእ ድማ ካልኦት ክብ ኬብልዎ ኣይደልን እዩ፣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እውን ኣየቃልሖን እዩ። (ማቴ. 23:8-12)—w16.01፡ ገጽ 23-24

ኣብርሃም ፈታው የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧

ኣብርሃም ብዛዕባ የሆዋ ምናልባት ካብ ሴም ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ኣምላኽ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ዝሓዘሉ መገዲ ድማ ተመክሮ ኣጥርዩ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—w16.02፡ ገጽ 9-10

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዕራፋትን ፍቕድታትን እተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ መበል 13 ዘመን ዝነበረ ስተፈን ላንግቶን ዚብሃል ካህን እዩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋት ከፋፊልዎ። ኣይሁድ ቀዳሕቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ድሕሪኡ ኣብ መፋርቕ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ሮበርት ኢስቲን ዚብሃል ምሁር ድማ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብፍቕድታት ከፋፊሎምዎ።—wp16.2፡ ገጽ 14-15

ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ ብኣካል ናብ ቤተ መቕደስ ወሲድዎ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣብ ማቴዎስ 4:5⁠ን ኣብ ሉቃስ 4:9⁠ን ዘሎ ጸብጻብ፡ የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ብራእይ ከም እተወስደ ወይ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ጫፍ እታ ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ ኸም ዝነበረ ኼመልክት ይኽእል እዩ።—w16.03፡ ገጽ 31-32

ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኸም ኣውሊ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ኣውሊ ቐስ ኢሉ ዜረስርስን መንፈስ ዜሐድስን ህይወት ዚህብን እዩ። ኣውሊ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ በረኸት እዩ። (ዘዳ. 33:13) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ዚገብርዎ ጻዕሪ እውን ተመሳሳሊ እዩ።—w16.04፡ ገጽ 4