ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ኪቐርጸካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ኪቐርጸካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

“እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ ዘሎ፡ ከምኡ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም።”—ኤር. 18:6

መዝሙር፦ 23, 22

1, 2. ኣምላኽ ንዳንኤል፡ “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ዳንኤል እዙዛት ክንከውን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ጥንታዊት ባቢሎን ምስ በጽሑ፡ ጣኦታት ዝመልአት ከተማን ባሮት እኩያት መናፍስቲ ዝዀኑ ህዝብን እዮም ጸኒሖምዎም። ይኹን እምበር፡ ከም ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣይሁድ፡ ብናይ ባቢሎን ዓለም ኪቕረጹ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። (ዳን. 1:6, 8, 12፣ 3:16-18) ዳንኤልን ብጾቱን ነቲ ዚቐርጾም ሰራሕ ካይላ ዝዀነ የሆዋ በይኑ ውፉያት ኪዀኑ ቘሪጾም ነይሮም እዮም። ተዓዊቶም ድማ እዮም። ዳንኤል ዳርጋ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ባቢሎን ይነብር እኳ እንተ ነበረ፡ መልኣኽ ኣምላኽ “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ኢልዎ እዩ።—ዳን. 10:11, 19

2 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰራሕ ካይላ ንመሬት ናብ ዝደለዮ ቕርጺ ይቐርጾ ነይሩ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታኦም፡ ማለት ንህዝብታትን ንኣህዛብን ኪቐርጽ ስልጣን ከም ዘለዎ ይቕበልዎ እዮም። (ኤርምያስ 18:6 ኣንብብ።) ኣምላኽ በብውልቂ ኪቐርጸና እውን ስልጣን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ስለ ዜኽብረልና፡ ብፍታው ክንግዝኦ እዩ ዚደሊ። ከመይ ጌርና ኣብ ኣእዳው ኣምላኽ ከም ልምሉም ካይላ ኽንከውን ከም እንኽእል ንምርዳእ ኣብዚ ሰለስተ መዳያት እስከ ነተኵር፦ (1) ከመይ ጌርና ኢና ምኽሪ ኣምላኽ ዘይሰምዑ ተረርቲ ኺገብረና ዚኽእል ባህርያት እነወግድ፧ (2) ከመይ ጌርና ኢና ልምሉማትን ተገዛእትን ኪገብረና ዚኽእል ባህርያት እነማዕብል፧ (3) ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ኣብ ዚቐርጹሉ እዋን፡ ከመይ ገይሮም እዮም ንኣምላኽ ዚግዝእዎ፧

ንልብኻ ዜትርሮ ባህርያት ኣወግድ

3. እንታይ ባህርያት እዩ ንልቢ ኼትርሮ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

3 ምሳሌ 4:23፡ “ምንጭታት ህይወት ካብኡ እዩ እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ” ትብል። እሞ ደኣ ንልብና ኻብ ዜትርሮ እንታይ ባህርያት ኢና ኽንሕሎ ዘሎና፧ ትዕቢትን ብሓጢኣት ምምልላስን ዘይምእማንን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። እዚ ባህርያት እዚ፡ መንፈስ ዘይተኣዛዝነትን ዕልወትን ኪወልድ ይኽእል እዩ። (ዳን. 5:1, 20፣ እብ. 3:13, 18, 19) ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ብርግጽ ዕቡይ እዩ ነይሩ። (2 ዜና መዋእል 26:3-5, 16-21 ኣንብብ።) ኣብ ፈለማ፡ ዑዝያ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር፡” “ንኣምላኽ [ድማ] ይደልዮ” ነይሩ እዩ። ብርታዐኡ ኻብ ኣምላኽ ዝረኽቦ እኳ እንተ ነበረ፡ “ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ።” ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን ፈተነ፣ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ካብ ዘርኢ ኣሮን ንዝዀኑ ኻህናት እተሓዝአ እዩ ነይሩ። ካህናት ምስ ተቓወምዎ ድማ፡ ዑዝያ ዕቡይ ብምንባሩ ነደረ! እሞኸ እዚ እንታይ ኣስዒቡሉ፧ ኣምላኽ ስለ ዘዋረዶ፡ “ውድቀት” እዩ ኣስዒቡሉ፣ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ እውን ድዉይ ኰይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ።—ምሳ. 16:18

4, 5. ካብ ትዕቢት እንተ ዘይተሓሊና፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

4 ካብ ትዕቢት እንተ ዘይተሓሊና፡ ንሕና እውን ‘ብዛዕባ ርእስና ኻብቲ ዚግብኣና ኣዕዚዝና ኽንሓስብ፡’ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:3፣ ምሳ. 29:1) ጂም ዝስሙ ምኩር ክርስትያን ሽማግለ ምስ ብጾቱ ሽማግለታት ከይተሰማምዐ ምስ ተረፈ ዘጋጠመ ነገር እሞ ንርአ። ጂም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቶም ኣሕዋት ፈቃራት ከም ዘይኰኑ ነጊረ ኻብቲ ኣኼባ ወጺአ” ኢሉ የዘንቱ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ኣብ ጥቓኦም ናብ እትርከብ ጉባኤ ገዓዘ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብኣ ሽማግለ ዀይኑ ኣይተሸመን። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ተደቚሰ እየ። እምብዛ ተመጻዳቒ ብምንባረይ፡ ካብ ሓቂ ወጺአ” ኢሉ ተኣመነ። ንዓሰርተ ዓመት ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይንጡፍ ኰነ። ቀጺሉ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ኬዘንቱ ኸሎ፡ “እተዋረድኩ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ በቲ ዚኸውን ዝነበረ ንየሆዋ ተሓታቲ ኽገብሮ ጀሚረ ነይረ እየ። ንብዙሕ ዓመታት ኣሕዋት ኪበጽሑንን ከዘራርቡንን እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣነ ግና ሓገዞም ክቕበል ፍቓደኛ ኣይነበርኩን” በለ።

5 ትዕቢት ንተግባራትና መመኽነይታ ኸም እነቕርብን ንምቕራጽ ዜሸግሩ ተረርቲ ኸም እንኸውንን ዚገብረና ምዃኑ ኻብ ተመክሮ ጂም ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ኤር. 17:9) ጂም፡ “ኣብ ናይ ካልኦት ጌጋ ኻብ ምትኳር ከቋርጽ ኣይከኣልኩን” ይብል። ክርስትያን ብጻይካ ጐዲኡካ ወይ ገሊኡ ፍሉይ መሰል ብምስኣንካ ጕሂኻዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እንታይ ምላሽ ሂብካ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ትዕቢት ኣሸጊርካዶ፡ ወይስ ምስ ሓውካ ምትዕራቕን ንየሆዋ እሙን ምዃንን እዩ ብቐንዱ ኣተሓሳሲቡካ፧—መዝሙር 119:165፣ ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።

6. ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና እንታይ ሳዕቤን እዩ ዜስዕበልና፧

6 ገሊኦም ብሓጢኣት ዚመላለሱ፡ ምናልባት እውን ብሕቡእ ሓጢኣት ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ካብ ኣምላኽ ንዚመጽእ ምኽሪ ኣይቅበሉን እዮም። ሓጢኣት ምግባር ድማ እናቐለሎም ይኸይድ። ሓደ ሓው፡ እቲ ሕማቕ ኣካይዳኡ እናሓደረ ጠሪሱ ዘይርብሾ ዀይኑ ነይሩ እዩ። (መክ. 8:11) ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ ዝነበሮ ኻልእ ሓው ድማ፡ “ንሽማግለታት ናይ ምንቃፍ መንፈስ ኣማዕቢለ ነይረ እየ” ኢሉ ጸኒሑ ተኣሚኑ እዩ። ልማዱ ንመንፈሳውነቱ ኺሃስዮ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ተግባራቱ ተቓሊዑ፡ ዜድልዮ ሓገዝ ድማ ተዋሂብዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኵላትና ዘይፍጹማት ምዃንና ዚክሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ካብ ኣምላኽ ይቕረታን ሓገዝን ኣብ ክንዲ ምድላይ፡ ናይ ነቐፌታ መንፈስ ወይ ንጌጋና መመኽነይታ ናይ ምቕራብ መንፈስ ከነማዕብል እንተ ጀሚርና፡ ልብና ኺተርር ጀሚሩ ኣሎ ማለት እዩ።

7, 8. (ሀ) ዘይምእማን ንልቢ ኸም ዜትርሮ፡ ጥንታውያን እስራኤላውያን ብኸመይ መለበሚ ይዀኑና፧ (ለ) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

7 ዘይምእማን ከመይ ገይሩ ንልብና ኼትርሮ ኸም ዚኽእል፡ እቶም የሆዋ ኻብ ግብጺ ዘውጽኦም እስራኤላውያን መለበሚ ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። እቶም ህዝቢ እቲኦም ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ተኣምራት ርእዮምዎ ነይሮም እዮም፣ ገሊኡ ኸኣ መስተንክር እዩ ነይሩ! ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ቀረቡ ግና፡ ኣይኣመኑን። ብየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚእመኑ፡ ፈሪሆም ንሙሴ ኣጕረምረሙሉ። እዚ ኸይኣክል፡ ናብታ ባሮት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ግብጺ ኺምለሱ ደለዩ! የሆዋ በዚ ኣመና ጐሃየ። “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧” ድማ በለ። (ዘሁ. 14:1-4, 11፣ መዝ. 78:40, 41) ልቦም ብምትራሩን ብዘይምእማኖምን ከኣ፡ ኣብ በረኻ ጠፍኡ።

8 ሎሚ፡ ናብ ሓዳስ ዓለም ክንቀርብ ከለና፡ እምነትና ይፍተን ኣሎ። እምበኣር፡ እምነትና ኽሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ኽንምርምር ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ተመዝጊቡ ብዛዕባ ዚርከብ ቃላት የሱስ ዘሎና ኣረኣእያ ኽንምርምሮ ንኽእል ኢና። ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ቀዳምነት ዝህቦ ነገራትን ውሳነታተይን ንቓላት የሱስ ብሓቂ ኸም ዝኣምነሉ የርኢ ድዩ፧ ዝያዳ ኣታዊ ኽረክብ ኢለ ኻብ ኣኼባታት ወይ ካብ ኣገልግሎት ወፍሪ እበኵር ድየ፧ ዓለማዊ ስራሐይ ጸቕጢ እንተ ገይሩለይ እንታይ እየ ዝገብር፧ ዓለም ክትቀርጸኒ፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ካብ ሓቂ ኸተውጽኣኒ አፍቅድ ድየ፧’

9. ስለምንታይ ኢና ብእምነት እንተ ኣሊና ‘ብቐጻሊ ኽንፍትን’ ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

9 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ብዛዕባ ዕርክነት፡ ውገዳ፡ ወይ መዘናግዒ ንእተዋህበ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕብ ኣገልጋሊ የሆዋ እሞ ሕሰብ። ‘ኣነኸ ኣብ ገሊኡ መዳይ ከምኡ ደዀን እኸውን፧’ ኢልካ እውን ንርእስኻ ሕተት። ኣብዚ መዳይ እዚ ልብና ይተርር ከም ዘሎ እንተ ተፈሊጡና፡ ብህጹጽ ንእምነትና ኽንምርምሮ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ይመኽረና እዩ። (2 ቈረ. 13:5) ወትሩ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ገዛእ ርእስና ኽንግምግም ኣሎና።

ወትሩ ተቐራጺ ኹን

10. ኣብ ኣእዳው የሆዋ ኸም ልምሉም ካይላ ኽንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

10 ከም ልምሉም ካይላ ኽንከውን ካብ ዚሕግዘና መሰናድዎታት ኣምላኽ፡ ቃሉን ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣገልግሎት ወፍርን ኪጥቀስ ይከኣል። ከምቲ ማይ ንኻይላ ዜለምልሞ፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣብ ኢድ የሆዋ ተቐረጽቲ ኽንከውን ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ንነገስታት እስራኤል፡ ሕጊ ኣምላኽ ቀዲሖም ኪጽሕፉን መዓልቲ መዓልቲ ኼንብብዎን ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 17:18, 19) ሃዋርያት ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ንኣገልግሎቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቦም ነይሮም እዮም። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸኣ ኣማእታት ሳዕ ኣብ ጽሑፋቶም ጠቒሶም እዮም፣ ነቶም ዚሰብኩሎም ሰባት እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባቢዖምዎም እዮም። (ግብ. 17:11) ሎሚ፡ ንሕና እውን መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ምንባብን ብጸሎት ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣገዳሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (1 ጢሞ. 4:15) ከምኡ ምስ እንገብር፡ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሑታት፡ ኣብ ኣእዳዉ እውን ተቐረጽቲ ንኸውን ኢና።

ወትሩ ተቐራጺ ምእንቲ ኽትከውን፡ ንመሰናድዎታት ኣምላኽ ተጠቐመሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-13 ርአ)

11, 12. የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ኸከምቲ ዜድልየና ዚቐርጸና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

11 የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ኸከምቲ ዜድልየና ገይሩ ይቐርጸና እዩ። ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጂም ብብሕቲ ኺግደሰሉ ምስ ጀመረ፡ ኣረኣእያ ጂም እናለስለሰ ኸደ። ጂም ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዅነታተይ ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ኣይወቐሰንን ወይ ኣይነቐፈንን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣወንታዊ እዩ ነይሩ፡ ናይ ብሓቂ ኺሕግዘኒ ኸም ዚደሊ ድማ ገሊጹለይ” በለ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ እቲ ሽማግለ ንጂም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዓደሞ። ጂም ከኣ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “እታ ጉባኤ ሓንጐፋይ ኢላ እያ ተቐቢላትኒ፡ ፍቕሮም ድማ ንዓይ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዝገብር እዩ ገይሩኒ። ስምዒታተይ ቀንዲ ነገር ዘይምዃኑ ኽግንዘብ ጀሚረ። ብሓገዝ ኣሕዋትን ብሓገዝ እታ ብመንፈሳዊ መዳይ ጠሪሳ ሰንከልከል ዘይበለት ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይን በብቝሩብ መንፈሳዊ ብርታዐይ ረኺበ። በተን ‘የሆዋ ዝውቀስ ኣይኰነን’ ከምኡ ድማ ‘ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልግልዎ’ ዘርእስተን ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ ዓንቀጻት እውን ብዙሕ ተተባቢዐ እየ።”

12 ድሕሪ ግዜ፡ ጂም ዳግም ሽማግለ ዀይኑ ተሸመ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ፡ ንኻልኦት ኣሕዋት ተመሳሳሊ ፈተናታት ሰጊሮም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፦ “ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ዘሎኒ ይመስለኒ ነይሩ፣ ከም ሓቂ ግና ኣይነበረንን። ትዕቢተይ ነቲ ዝያዳ ዜገድስ ነገር ከይርኢ ኼዑረኒ፡ ኣብ ጕድለት ሰባት ድማ እምብዛ ኸተኵር ምፍቃደይ የጣዕሰኒ እዩ።”—1 ቈረ. 10:12

13. ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ ባህርያት ከነማዕብል እዩ ዚሕግዘና፧ እዚኸ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

13 ከመይ ገይሩ እዩ ኣገልግሎት ወፍሪ ጽቡቕ ገይሩ ዚቐርጸና፧ ብስራት ንሰባት ምክፋል፡ ትሕትናን እተፈላለየ መዳያት ፍረ መንፈስን ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘማዕበልካዮ ጽቡቕ ባህርያት እሞ ሕሰብ። ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስብእና ምስ ኣማዕበልና ኸኣ፡ ንመልእኽትና ንስልሞ ኢና፣ እዚ እውን ንኣረኣእያ ገሊኦም ሰብ ቤት ይጸልዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሕማቕ ዘረባ እተዛረበቶም ብዓልቲ ቤት ብኣኽብሮት ሰምዕዋ። ጸኒሓ ግና፡ ብተግባራታ ተጣዒሳ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጸሓፈት። እቲ ዝጸሓፈቶ ድማ ብኸፊል ከምዚ ዚብል ነበረ፦ “ተመጻዳቒትን መስተናዓቒትን ብምዃነይ፡ ነቶም ክልተ ኣዝዮም ዕጉሳትን ትሑታትን ውልቀ ሰባት ይቕረታ ኺገብሩለይ ክሓትቶም እደሊ እየ። ኣብ ቅድሚ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰብኩ ኽልተ ሰባት ደው ኢለ ኽሰጕጎም ምፍታነይ ዕሽነት እዩ ነይሩ።” እቶም ኣስፋሕቲ ቝሩብ እንተ ዚቝጥዑ ነይሮም፡ እታ ብዓልቲ ቤት ከምኡ ኢላ ምጸሓፈትዶ፧ ምናልባት ኣይምጸሓፈትን። እወ፡ ኣገልግሎትና ንዓና ዀነ ንሰባት ብሓቂ ጠቓሚ እዩ!

ንደቅኻ ኣብ እትቐርጸሉ እዋን፡ ንኣምላኽ ተገዝኣዮ

14. ወለዲ ንደቆም ኣብ ዚቐርጹሉ እዋን ብሓቂ ውጽኢታውያን ንምዃን እንታይ ኪገብሩ ይግባእ፧

14 መብዛሕትኦም ቈልዑ ንትምህርቲ ህንጡያትን ትሑታትን እዮም። (ማቴ. 18:1-4) ስለዚ ድማ፡ ጥበበኛታት ወለዲ ኣብ ኣእምሮን ልብን ሕጻናት ደቆም ፍልጠት ሓቅን ፍቕሪ ሓቅን ኪተኽሉ ይጽዕሩ እዮም። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ዕዉታት ንምዃን ግና፡ ንሓቂ ቕድም ኣብ ልቦም ኪቐርጽዎ፡ ማለት ንሓቂ መገዲ ህይወቶም ኪገብርዎ ኣለዎም። ወለዲ ኸምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ደቆም ንሓቂ ይሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ህይወቶም እውን ይምከርዎ እዮም። ካብ ወለዶም ዚውሃቦም ተግሳጽ ንፍቕሪ የሆዋ ኸም ዜንጸባርቕ መግለጺ ፍቕሪ ጌርካ ምርኣዩ ኸኣ ይምሃሩ እዮም።

15, 16. ውሉድ እንተ ተወጊዱ፡ ወለዲ ብኣምላኽ ከም ዚእመኑ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

15 ገሊኦም ውሉዳት ብክርስትያናት ወለዲ እኳ እንተ ዓበዩ፡ ጸኒሖም ንሓቂ ብምግዳፎም ወይ ብምውጋዶም፡ ንስድራ ቤቶም ጓሂ ልቢ ዀይኖምዎም እዮም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ፡ “ሓወይ ምስ ተወገደ፡ ከም ዝሞተ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ልቢ ዚሰብር ኵነታት እዩ ነይሩ!” በለት። እሞኸ ንሳን ወለዳን እንታይ ገይሮም፧ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ እዮም ስዒቦም። (1 ቈረንቶስ 5:11, 13 ኣንብብ።) ወለዳ ኸኣ፡ “ብመገዲ ኣምላኽ ምምልላስ ብሉጽ ፍረ ኸም ዚህልዎ ስለ ዝፈለጥና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኢና ቘሪጽና። ንውገዳ ኸም መለኮታዊ ተግሳጽ ጌርና ኢና ርኢናዮ፣ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ ብልክዕ ከም ዚግስጽ እውን ኣሚንና ኔርና ኢና። ስለዚ፡ ምስ ወድና ዝነበረና ርክብ፡ ኣብቲ ንስድራ ቤት ዚምልከት ጕዳይ ጥራይ ከም ዚሕጸር ጌርናዮ” በሉ።

16 እቲ ወዶምከ ኸመይ ተሰምዖ፧ “ስድራ ቤተይ ከም ዘይጸልኡኒ፡ የግዳስ ንየሆዋን ንውድቡን ይእዘዙ ምንባሮም እፈልጥ ነይረ እየ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ካብ የሆዋ ረድኤትን ይቕረታን ክትልምን ከለኻ፡ ንሱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜድልየካ ትግንዘብ ኢኻ” በለ። እዚ መንእሰይ እዚ ኻብ ውገዳ ምስ ተመልሰ፡ እታ ስድራ ቤት እተሰምዓ ሓጐስ እሞ ገምቶ! እወ፡ ኣብ ኵሉ መገድታትና ንኣምላኽ ምስ እነስተብህለሉ፡ ብሉጽ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 3:5, 6፣ 28:26

17. ወትሩ ንየሆዋ ኽንግዝኦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ ብኸመይ ይጠቕመና፧

17 ነብዪ ኢሳይያስ፡ እቶም ምርኮ ኣይሁድ ኣብ ዜብቅዓሉ ግዜ ዚንስሑ ዘበሉ፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ። ንሕና ኻይላ ኢና፣ ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ ኢኻ፣ ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና” ኸም ዚብሉ ገሊጹ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ “ስሕተትና ንዘለኣለም ኣይትዘክር። ኵላትና ህዝብኻ ኢና እሞ፡ በጃኻ ተመልከተና” ኢሎም ከም ዚልምኑ ሓቢሩ ነይሩ። (ኢሳ. 64:8, 9) ንሕና እውን ወትሩ ንየሆዋ እንተ ተገዚእናዮ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ንነብዪ ዳንኤል ገይሩ ዝርኣዮ ኣብ ቅድሚኡ ኣዚና እተፈቶና ኽንከውን ኢና። ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብውድቡን ኣቢሉ ብቐጻሊ ኪቐርጸና እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ ፍጹማት “ደቂ ኣምላኽ” ኴንና ኣብ ቅድሚኡ ኽንቀውም ኢና።—ሮሜ 8:21