ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ”

“የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ”

“ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፦ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።”—ዘዳ. 6:4

መዝሙር፦ 1, 2

1, 2. (ሀ) እተን ኣብ ዘዳግም 6:4 ዚርከባ ቓላት ፍሉጣት ዝዀና ስለምንታይ እየን፧ (ለ) ሙሴ ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን ስለምንታይ እዩ፧

ህዝቢ ኣይሁድ ነተን ኣብ ዘዳግም 6:4 ዘለዋ ቓላት፡ ከም ክፍሊ ፍሉይ ጸሎት ገይሮም ንዘመናት ኪጥቀሙለን ጸኒሖም እዮም። በብመዓልቱ፡ ንግሆን ምሸትን ድማ እዮም ዚደግምወን። እቲ ጸሎት፡ ሸማ ይብሃል። እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብ ዘዳግም 6:4 ኣብ ቅድሚት እያ እትርከብ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ በዚ ጸሎት እዚ ገይሮም ንኣምላኽ ንበይኑ ተወፋይነት ከም ዚህብዎ እዮም ዜርእዩ።

2 እተን ቃላት እቲአን፡ ብ1473 ቅ.ክ. ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ስንብታ መደረ ኺህቦም ከሎ እተዛረበን እየን። ሽዑ እስራኤላውያን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ተዳልዮም ነበሩ። (ዘዳ. 6:1) እቲ ን40 ዓመት ዚኣክል መራሒኦም ዝነበረ ሙሴ፡ ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ብድሆታት ብትብዓት ኪሰግርዎ ይደልዮም ነበረ። ኣብ የሆዋ ኺውከሉን ከም ኣምላኾም መጠን ንዕኡ እሙናት ኪዀኑን የድልዮም ነበረ። እተን ሙሴ እተዛረበን ናይ ስንብታ ቓላት፡ ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ጽልዋ ኸም ዝገበራሎም ፍሉጥ እዩ። ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛትን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ካልእ ሕግታትን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ነቲ ኣብ ዘዳግም 6:4, 5 ዚርከብ ሓያል መዘኻኸሪ ሃቦም። (ኣንብብ።)

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 እቶም ምስ ሙሴ ተኣኪቦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣምላኾም ከም “ሓደ የሆዋ” ገይሮም ኣይፈልጥዎን ድዮም ነይሮም፧ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። እሙናት እስራኤላውያን ንሓደ ኣምላኽ፡ ማለት ነቲ ኣምላኽ ኣቦታቶም—ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን—ጥራይ እዮም ዚፈልጡን ዜምልኹን ነይሮም። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ሙሴ፡ የሆዋ ኣምላኾም፡ “ሓደ የሆዋ” ኸም ዝዀነ ዘዘኻኸሮም። ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 5 ተገሊጹ ዘሎ፡ “ሓደ የሆዋ” ኺብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ብምሉእ ልብን ብምሉእ ነፍስን ብምሉእ ሓይልን ምስ ምፍቃር እተተሓሓዘ ደዀን ይኸውን፧ እተን ኣብ ዘዳግም 6:4, 5 ዘለዋ ቓላት ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለወን፧

ኣምላኽና “ሓደ የሆዋ” እዩ

4, 5. (ሀ) እታ “ሓደ የሆዋ” እትብል ሓረግ፡ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) የሆዋ ኻብ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

4 ፍሉይ። እታ “ሓደ” እትብል ቃል፡ ብእብራይስጢ ዀነ ብኻልእ ሓያሎ ቛንቋታት ንቝጽሪ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ንሓደ እተፈልየ፡ ማለት ሓደን በይኑን ንዝዀነ ኣካል እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ሙሴ ነቲ ትምህርቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነ ስላሴ ጌጋ ምዃኑ ኼረድእ ይጽዕር ዝነበረ ኣይመስልን እዩ። የሆዋ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን፡ ማለት ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ብዘይካኡ ኻልእ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የለን፣ ከምኡ ዝበለ የልቦን። (2 ሳሙ. 7:22) ስለዚ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን ንየሆዋ ንበይኑ ጥራይ ኬምልኽዎ ኸም ዘለዎም እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ። ነቶም እተፈላለዩ ኣማልኽቲ ዜምልኹ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኪስዕቡ ኣይግባእን እዩ ነይሩ። ገለ ኻብቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣብ ልዕሊ ገሊኡ ኽፍሊ ተፈጥሮ ኸም ዚገዝኡ ጌርካ እዮም ዚሕሰቡ ነይሮም።

5 ንኣብነት፡ ግብጻውያን ራ ዚብሃል ኣምላኽ ጸሓይ፡ ነት እትብሃል ኣምላኽ ሰማይ፡ ጌብ ዚብሃል ኣምላኽ ምድሪ፡ ሀይፒ ዚብሃል ኣምላኽ ኒል፡ ከምኡ እውን ካልእ ማእለያ ዘይብሎም እንስሳታት ከም ቅዱሳት ገይሮም የምልኹ ነይሮም እዮም። የሆዋ በቲ ዓሰርተ መዓት ኣቢሉ ንመብዛሕትኦም እዞም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዚኦም ኣዋሪድዎም እዩ። እቲ ኣምላኽ መፍረ ዝነበረ፡ ከም ኣምላኽ ጸሓይን ዝናብን ማዕበልን ጌርካ እውን ዚሕሰብ ዝነበረ በዓል፡ ውሩይ ኣምላኽ ከነኣን እዩ ነይሩ። ኣብ ሓያሎ ቦታታት ከኣ፡ ዕቝባ ዚህብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ይምለኽ ነበረ። (ዘሁ. 25:3) ስለዚ፡ እስራኤላውያን፡ እቲ “ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ዝዀነ ኣምላኾም፡ “ሓደ የሆዋ” ምዃኑ ኺዝክሩ የድልዮም ነይሩ እዩ።—ዘዳ. 4:35, 39

6, 7. እታ “ሓደ” እትብል ቃል፡ እንታይ ካልእ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ የሆዋ “ሓደ” ምዃኑ ዘርኣየኸ ብኸመይ እዩ፧

6 ጽኑዕን እሙንን። እታ “ሓደ” እትብል ቃል፡ ኣብ ዕላማን ኣብ ንጥፈትን ንዘሎ ሓድነት እውን ተመልክት እያ። የሆዋ ኣምላኽ እተኸፋፈለ ወይ ኣብ መትከሉ ዘይጸንዕ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወትሩ እሙንን ጽኑዕን ሓቅን እዩ። ንኣብርሃም፡ ዘርኡ ምድሪ ተስፋ ኸም ዚወርሱ ኣተስፍይዎ ነይሩ እዩ፣ ቃሉ ምእንቲ ኺፍጽም ከኣ ሓያል ተግባራት ፈጺሙ እዩ። ተስፋ ድሕሪ ምሃቡ፡ 430 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ የሆዋ ቓሉ ኣይዓጸፈን።—ዘፍ. 12:1, 2, 7፣ ዘጸ. 12:40, 41

7 የሆዋ ዘመናት ጸኒሑ፡ ንእስራኤላውያን ከም መሰኻኽሩ ገይሩ ኺዛረበሎም ከሎ፡ “ኣነ ወትሩ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትርድኡ . . . ቅድመይ ኣምላኽ ኣይተደኰነን፣ ድሕረይ እውን ኣይኰነን” በሎም። ዕላማኡ ኸም ዘይቅየር ንምጕላሕ ድማ፡ “ኣነ እውን ወትሩ ኣነ እየ” በለ። (ኢሳ. 43:10, 13፣ 44:6፣ 48:12) እስራኤላውያን ኰኑ ንሕና ኣገልገልቲ እቲ ጽኑዕን ብዅሉ መገድታቱ እሙንን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽና ኽንከውን ምኽኣልናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!—ሚል. 3:6፣ ያእ. 1:17

8, 9. (ሀ) የሆዋ ንኣምለኽቱ እንታይ ብቕዓት ኬማልኡ እዩ ዚደልዮም፧ (ለ) የሱስ ንመልእኽቲ እተን ሙሴ እተዛረበን ቃላት ብኸመይ እዩ ኣጕሊሕዎ፧

8 እወ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን የሆዋ ንዕኦም ኣብ ዜርእዮ ፍቕሪ ዀነ ሓልዮት ጽኑዕን ዘይቅየርን ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ኪህብዎ፡ ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓይሎምን ድማ ኬፍቅርዎ ግቡእ እዩ ነይሩ። ቈልዑ እውን ንየሆዋ ንበይኑ ምእንቲ ኼምልኽዎ፡ ወለዲ ንደቆም ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ የሆዋ ኺምህርዎም የድልዮም ነበረ።—ዘዳ. 6:6-9

9 የሆዋ ብዛዕባ ፍቓዱን ዕላማኡን ዘይቅየርን ጽኑዕን ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ እውን እቲ ኻብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ዚጽበዮ መሰረታዊ ብቕዓታት ከም ዘይተቐየረ ንጹር እዩ። ኣምልኾና ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ንሕና እውን ንዕኡ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦን ብምሉእ ልብናን ኣእምሮናን ሓይልናን ከነፍቅሮን ይግባእ። የሱስ ክርስቶስ ንሓደ ሓታቲ ልክዕ ከምኡ ኺገብር እዩ ነጊርዎ። (ማርቆስ 12:28-31 ኣንብብ።) ቀጺልና እምበኣር፡ ነቲ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” ዚብል ሓሳባት ብሓቂ ኸም እተረዳእናዮ ብኸመይ ብተግባርና ኸነርኢ ኸም እንኽእል ንመርምር።

ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ሃቦ

10, 11. (ሀ) ንየሆዋ ንበይኑ ኸነምልኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እብራውያን መንእሰያት ንየሆዋ ንበይኑ ኸም ዜምልኽዎ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

10 ንየሆዋ ኸም ሓደን በይኑን ኣምላኽና ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ይግባእ። ንዕኡ እናኣምለኽና፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸነምልኽ፡ ወይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ሓሳባትን ተግባራት ከነተኣታቱ ኣይንኽእልን ኢና። ንየሆዋ ሓደ ኻብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ኸም ዝዀነ እሞ፡ ካባታቶም ዝለዓለን ዝሓየለን ከም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስቦ የብልናን። ኪምለኽ ዘለዎ የሆዋ ጥራይ እዩ።—ራእይ 4:11 ኣንብብ።

11 ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ ብዛዕባ እቶም እብራውያን መንእሰያት ዝዀኑ ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ነንብብ ኢና። ርኹስ ምግቢ ኸይበልዑ ብምእባይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ኸይሰግዱ እውን ብምእባይ ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ከም ዚህብዎ ኣርእዮም እዮም። ቀዳምነት ዚህብዎ ንመን ምዃኑ ንጹር እዩ ነይሩ፣ ኣብ ኣምልኾኦም ፈጺሞም ኣይተለማለሙን።—ዳን. 1:1–3:30

12. ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ምእንቲ ኽንህቦ፡ ካብ ምንታይ ኢና ኽንሕሎ ዘሎና፧

12 ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ምእንቲ ኽንህቦ፡ ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ጥራይ ክንህቦ ዚግባእ ቦታ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ከይንህቦ ኽንጥቀቕ ኣሎና። እዚ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ የሆዋ ኣብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ህዝቡ ብዘይካኡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹ፡ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ ጣኦት እውን ከይገብሩ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። (ዘዳ. 5:6-10) ሎሚ፡ ኣምልኾ ጣኦት ብዙሕ መልክዕ እዩ ዘለዎ፣ አረ ገሊኡስ ብቐሊሉ ኸተለልዮ እኳ ኣይከኣልን እዩ። ግናኸ፡ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት ሕጂ እውን ኣይተቐየረን፣ እወ፡ ሎሚ እውን “ሓደ የሆዋ” እዩ። እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ቐጺልና ንርአ።

13. ካብ የሆዋ ንላዕሊ፡ እንታይ ከነፍቅር ኢና ኽንድረኽ እንኽእል፧

13 ኣብ ቈሎሴ 3:5 ነቲ ክርስትያናት ምስ የሆዋ በይኑ ዘለዎም ርክብ ኪበትኮ ዚኽእል ነገር ብዚምልከት ሓያል ምኽሪ ተዋሂቡ ኣሎ። (ኣንብብ።) ስስዐ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ተኣሳሲሩ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። እቲ ሓደ ሰብ ዚብህጎ፡ ከም ሃብቲ ወይ ምሾት ዝኣመሰለ ነገር፡ ንህይወቱ ኣዝዩ ኺቈጻጸሮ ስለ ዚኽእል፡ ከም ሓደ ሓያል ኣምላኽ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ነታ ጥቕሲ ብምልእታ እንተ ርኢናያ ግና፡ ኵሉ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኻልእ ሓጥእ ተግባራት እውን ምስ ስስዐን ምስ ኣምልኾ ጣኦትን ብገለ መገዲ ኸም እተተሓሓዘ ኸነስተብህል ንኽእል ኢና። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንሃርፍ እንተ ዄንና፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንዕኡ ኸነፍቅር ክንድረኽ ንኽእል ኢና። ነዚ ነገራት እዚ፡ ንየሆዋ ኸም “ሓደ የሆዋ” ጌርና ንኸይንርእዮ ኣብ ልዕሌና ጽልዋ ኽሳዕ ዚገብር ክንፈቕደሉ ንደሊ ዲና፧ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና።

14. ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ፧

14 ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ተመሳሳሊ ነጥቢ ኣጕሊሑ ኣሎ። ንሱ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ “ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን” ኪፈቱ እንተ ጀሚሩ፡ “ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን” ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:15, 16) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ልብና ብዓለማዊ መዘናግዒታት፡ ብምሕዝነት፡ ብቕዲ ኽዳውንትን ኣመለኻኽዓን ምእንቲ ኸይሰድዕ፡ ወትሩ ኽንምርምሮ ኼድልየና እዩ። ወይ ከኣ፡ ንዓለም ምፍታው ኪብሃል ከሎ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ብምክትታልን ብኻልእ መገድን “ዓበይቲ ነገራት” ክትረክብ ምጽዓር እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ኤር. 45:4, 5) ኣብ ድርኵዂት እታ ኣምላኽ ዘተስፈወና ሓዳስ ዓለም ኢና እንርከብ ዘለና። ስለዚ፡ ነቲ ሙሴ እተዛረቦ ሓያል ቃላት ወትሩ ኽንዝክሮስ ኣየ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! ነቲ፡ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” ዚብል ሓሳባት ብንጹር እንተ ተረዲእናዮን ብሓቂ እንተ ኣሚንናሉን፡ ንየሆዋ ኸምቲ ዚደልዮ ጌርና ብምግልጋል ንዕኡ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ዚከኣለና ኽንገብር ኢና።—እብ. 12:28, 29

ክርስትያናዊ ሓድነት ዓቅብ

15. ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ኣምላኽ “ሓደ የሆዋ” ምዃኑ ዘዘኻኽሮም ስለምንታይ እዩ፧

15 “ሓደ የሆዋ” ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ዕላማ ንዘሎ ሓድነት እውን የመልክት እዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና ኸም ኣምለኽቱ መጠን ከነማዕብሎ ዚግብኣና ባህርይ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኣይሁድን ብግሪኻውያንን ብሮማውያንን ካልእ ዜግነት ብዝነበሮም ሰባትን ዝቘመት እያ ነይራ። እቶም ሰባት እተፈላለየ ሃይማኖትን ድሕረ ባይታን ልምድታትን ስምዒታትን ዝነበሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ገሊኣቶም ነቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣምልኾ ኪቕበልዎ ወይ ከኣ ነቲ ናይ ቀደም መገድታቶም ምሉእ ብምሉእ ኪሓድግዎ ይኸብዶም ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንክርስትያናት ሓደ ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ጥራይ ከም ዘለዎም ኬዘኻኽሮም እምበኣር ሓቁ እዩ።1 ቈረንቶስ 8:5, 6 ኣንብብ።

16, 17. (ሀ) ኣብ ግዜና እንታይ ትንቢት እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧ እንታይ ውጽኢትከ ኣለዎ፧ (ለ) ንሓድነትና ኼዳኽሞ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

16 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ኸም ዚውሕዙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቶም ህዝብታት፡ “[የሆዋ] ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” እዮም ዚብሉ። (ኢሳ. 2:2, 3) እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኺፍጸም ከሎ ምርኣይሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት እተፈላለየ ዓሌትን ባህልን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ ይውድስዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ እዚ ፍልልያት እዚ ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና ጸገማት ኪፈጥር ይኽእል እዩ።

ሓድነት ጉባኤ ንምዕቃብ እጃምካ ተበርክትዶ ኣሎኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-19 ርአ)

17 ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ባህልና እተፈልየ ባህሊ ዘለዎም ክርስትያናት እንታይ ስምዒት እዩ ዘሎና፧ ቋንቋኦም፡ ቅዲ ኽዳውንቶም፡ ባህርያቶም፡ ምግቦም ካብቲ ዝለመድካዮ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ካባታቶም ተፈሊኻ፡ ከምቲ ናትካ ዓይነት ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዲኻ እትቐርብ፧ ወይ ከኣ፡ እቶም ኣብ ጉባኤኻ፡ ኣብ ወረዳኻ፡ ወይ ኣብ ክሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ እተሸሙ ሓለውቲ ብዕድመ ኻባኻ ዝነኣሱ ምስ ዝዀኑ፡ ወይ ካብቲ ናትካ እተፈልየ ባህሊ ወይ ዓሌት ምስ ዚህልዎምከ፧ እዚ ፍልልያት እዚ ነቲ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኺህሉ ዘለዎ ሓድነት ኬዳኽሞ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

18, 19. (ሀ) ኣብ ኤፌሶን 4:1-3 እንታይ ምኽሪ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሓድነት ምእንቲ ኺዕቀብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ነዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ኢና ኽንኣልዮ እንኽእል፧ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ብልጽግትን እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዝነበርዋን ከተማ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ግብራዊ ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (ኤፌሶን 4:1-3 ኣንብብ።) ንሱ መጀመርታ፡ ትሕትናን ልእመትን ዓቕልን ፍቕርን ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። እዚ ባህርያት እዚ፡ ምስቲ ንሓንቲ ቤት ዜቕውም ኣዕኑድ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ቤት ብዘይካ ኣዕኑድ፡ ጽገና እውን ብስሩዕ ኪግበረላ ኣለዎ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ በብግዜኡ እናዓነወት ክትከይድ ትኽእል እያ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ሓድነት መንፈስ” ንምዕቃብ ልባዊ ጻዕሪ ኺገብሩ ተማሕጺንዎም እዩ።

19 ነፍሲ ወከፍና፡ ሓድነት ጉባኤ ምእንቲ ኺዕቀብ እጃምና ኸነበርክት ሓላፍነትና ምዃኑ ኽንቅበሎ ይግባእ። እሞኸ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ መጀመርታ፡ ነተን ጳውሎስ ዝጠቐሰን ባህርያት—ትሕትናን ልእመትን ዓቕልን ፍቕርን—ከነማዕብለንን ከነንጸባርቐንን ንትጋህ። ድሕሪኡ፡ “ማእሰር ሰላም” ከነስፋሕፍሕ ልባዊ ጻዕሪ ንግበር። ንዝዀነ ይኹን ኪፍጠር ዚኽእል ነቓዓት ክንጽግን ድማ ንጽዓር። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኽቡር ሰላምናን ሓድነትናን ንምጽጋን እጃምና ነበርክት።

20. ነቲ፡ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” ዚብል ሓሳባት ከም እተረዳእናዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

20 “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።” እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓያል ቃላት ኰን እዩ! እዚ መዘኻኸሪ እዚ፡ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ኪቀራረቡ ኸለዉ ኣብ ቅድሚኦም ንዝነበረ ብድሆታት ኪገጥምዎ ኣዕጢቕዎም እዩ። ንሕና እውን ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናየን ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ኽንሰግሮን ኣብታ ስዒባ እትመጽእ ገነት ከኣ እጃምና ኸነበርክትን ኬዕጥቓና እየን። ሃየ እምበኣር፡ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ብምፍቃርን ብምግልጋልን ሓድነት ክርስትያናዊ ሕውነትና ንምዕቃብ ልባዊ ጻዕሪ ብምግባርን ወትሩ ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ንሃቦ። ብቐጻሊ ኸምዚ እንተ ጌርና፡ የሱስ ከም ኣባጊዕ ኪፈርደና፡ “ኣቱም ኣቦይ ዝባረኸኩም ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ብምባል እተነበዮ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ኸኣ ክንርኢ ኢና።—ማቴ. 25:34