ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ኸም ዚቐርጸና ነስተውዕል

የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ኸም ዚቐርጸና ነስተውዕል

“ኦ የሆዋ፡ . . . ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ ኢኻ፣ ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና።”—ኢሳ. 64:8

መዝሙር፦ 11, 26

1. የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሰራሕ ካይላ እዩ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ሕዳር 2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እተገብረ ጨረታ፡ ንሓደ ኣብ መበል 18 ዘመን ብሰራሚክ እተሰርሐ ሳርማ ቻይና ንምዕዳግ ዳርጋ 70 ሚልዮን ዶላር ተረቚሑ። እምበኣር፡ ሓደ ሰራሕ ካይላ ንሓደ ብቐሊሉ ዚርከብን ሕሱርን ጭቃ ናብ ውቁብን ክቡር ዝዋጋኡን ስርሓት ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሉጽ ዚብሃል ሰራሕ ካይላ ዝዀነ ሰብ ምስ የሆዋ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ ኣምላኽ “ካብ ሓመድ ምድሪ” ፍጹም ሰብ ገይሩን ባህርያቱ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ሂብዎን እዩ። (ዘፍ. 2:7) ስለዚ፡ እቲ ኻብ መሬት እተገብረ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም፡ “ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ምጽዋዑ ጌጋ ኣይኰነን።—ሉቃ. 3:38

2, 3. ከመይ ገይሩ እዩ ኸምቲ ነቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ዝነበሮም ዓይነት ባህርይ ኪህልወና ዚኽእል፧

2 ይኹን እምበር፡ ኣዳም ካብ ገባሪኡ ምስ ዓለወ፡ ወዲ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰሉ ሰኣነ። ግናኸ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ወለዶታት፡ “ክንድዚ ዚኣኽሉ ደበና” እተባህለሎም ብዙሓት ዘርኢ ኣዳም ንልዑላውነት ኣምላኽ ደጊፎም እዮም። (እብ. 12:1) ብትሕትና ንፈጣሪኦም ስለ እተገዝእዎ ድማ፡ ሰይጣን ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኣቦኦምን ቀራጺኦምን ኪኸውን ከም ዚደልዩ ኣርእዮም እዮም። (ዮሃ. 8:44) እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት፡ ነቲ እተነስሑ እስራኤላውያን ከም ዚብልዎ ብኢሳይያስ እተነግረ ትንቢት እዩ ዜዘኻኽረና፣ ንሳቶም፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ። ንሕና ኻይላ ኢና፣ ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ ኢኻ፣ ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና” ኸም ዚብሉ ተገሊጹ ኣሎ።—ኢሳ. 64:8

3 ሎሚ፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኽዎ፡ ተመሳሳሊ ትሕትናን ተገዛእነትን የርእዩ እዮም። ንየሆዋ ኸም ኣቦኦም ምጽዋዖምን ከም ዚቐርጾም ሰራሕ ካይላ ዚግዝእዎ ምዃኖምን ከም ክብሪ እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ ንርእስኻ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዘላ እሞ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኸም ተብሃጊት ኣቕሓ ኽትቅረጽ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነት ልምሉም ካይላ ጌርካ ዲኻ እትርእያ፧ ንነፍሲ ወከፍ መንፈሳዊ ሓውካን ሓብትኻን ብኣምላኽ ይቕረጹ ኸም ዘለዉ ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ኣብዚ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ የሆዋ ኸም ዝገበረና ሰራሕ ካይላ መጠን ዚገብሮ ሰለስተ ነገራት፡ ማለት ነቶም ዚቐርጾም ብኸመይ ከም ዚሓርዮም፡ ስለምንታይ ከም ዚቐርጾም፡ ከምኡ ድማ ብኸመይ ከም ዚቐርጾም እስከ ንርአ።

የሆዋ ነየኖት ከም ዚቐርጽ ይሓሪ

4. የሆዋ ነቶም ናብኡ ዚስሕቦም ከመይ ገይሩ እዩ ዚሓርዮም፧ ኣብነታት ሃብ።

4 የሆዋ ንሰባት ኪርእዮም ከሎ፡ ኣብ ደጋዊ ትርኢቶም ኣይኰነን ዜተኵር። የግዳስ፡ ልቢ ወይ ውሽጣዊ እንታይነት እዩ ዚምርምር። (1 ሳሙኤል 16:7ለ ኣንብብ።) ኣምላኽ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኺድኵና ኸሎ፡ እዚ ኣጸቢቑ ተራእዩ እዩ። ብዓይኒ ሰብ ዘይብሃጉ ዚመስሉ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ናብኡን ናብ ወዱን ስሒብዎም እዩ። (ዮሃ. 6:44) ሓደ ኻባታቶም እቲ “ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን” ዝነበረ ሳውል ዝስሙ ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ። (1 ጢሞ. 1:13) እቲ “ንልቢ ዚምርምሮ” ኣምላኽ ግና፡ ንሳውል ከም ዘይረብሕ ጭቃ ገይሩ ኣይረኣዮን። (ምሳ. 17:3) የግዳስ፡ ተቐሪጹ ተብሃጊ ኣቕሓ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገይሩ እዩ ርእይዎ፣ አረ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ደቂ እስራኤልን” ዚምስክር “ሕሩይ ኣቕሓ” ኸም ዚኸውን ገይሩ እውን እዩ ርእይዎ። (ግብ. 9:15) ኣምላኽ፡ ኣቐዲሞም ሰኽራማትን ኣመንዝራታትን ሰረቕትን ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት እውን፡ “ንኽብሪ” ዚኸውን ኣቕሑ ኪዀኑ ዕቑር ዓቕሚ ኸም ዘለዎም ርእዩ እዩ። (ሮሜ 9:21፣ 1 ቈረ. 6:9-11) ንሳቶም ድማ ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብዝረኸቡን እምነቶም ብዘርኣዩን መጠን፡ የሆዋ ኪቐርጾም ፈቒዶምሉ እዮም።

5, 6. የሆዋ ኸም ዝገበረና ሰራሕ ካይላ መጠን ንኣምኖ እንተ ዄንና፡ (ሀ) ነቲ ኣብ ክልና ብዛዕባ ዘለዉ ሰባት፡ (ለ) ነቲ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ይጸልዎ፧

5 እዚ ሓሳብ እዚ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ኣብቲ የሆዋ ንልብና ኣንቢቡ ነቶም ንሱ ዝሓረዮም ናብኡ ኺስሕቦም ዘለዎ ኽእለት ምስ እንኣምን፡ ኣብ ክልና ዀነ ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ሰባት ኣይንፈርድን ኢና። ማይክል ዝስሙ ሰብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዚመጹኒ፡ ዝባነይ ሂበ ኸምዛ ዘይረኣኽዎም ኰይነ እየ ዝኸይድ ነይረ። ስዲ እየ ነይረ! ጸኒሐ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ብጽቡቕ ኣካይዳኦም ምስ ዘድንቖም ስድራ ቤት ተራኺበ። ሓደ መዓልቲ ዝፈለጥክዎ ነገር ከኣ ኣሰምቢዱኒ—ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም! እቲ ባህርዮም ድማ ነቲ ንጽልአይ መሰረት ዝዀነኒ ነገር ክምርምር ደሪኹኒ። ኣረኣእያይ ኣብ ድንቍርናን ኣብ በላበለውን ደኣ እምበር፡ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ከም ዘይተመስረተ ፈሊጠ።” ማይክል ብዝያዳ ኺፈልጥ ብምድላዩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ፍቓደኛ ዀነ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ናብ ሓቂ መጸ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ኣተወ።

6 ንየሆዋ ኸም ዚቐርጸና ሰራሕ ካይላ ምቕባልና፡ ነቲ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ዘሎና ኣረኣእያ እውን ይጸልዎ እዩ። ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከምቲ ኣምላኽ ገይሩ ዚርእዮም፡ ማለት ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ዘይተወድአ ፍርያት ጌርካ ትርእዮም ዲኻ፧ ንሱ ንውሽጣዊ እንታይነቶምን ምስ ቀረጾም እንታይ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉን ኪርኢ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ እምበር፡ ኣብ ግዜያዊ ዘይፍጽምናኦም ኣየተኵርን እዩ። (መዝ. 130:3) ንሕና ኸኣ ብዛዕባ ኣገልገልቱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብቲ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ዚገብርዎ ጻዕሪ ብምድጋፍ፡ ምስቲ ዝገበረና ሰራሕ ካይላ ተሓባቢርና ኽንዓዪ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:14, 15) ሽማግለታት፡ “ውህበት ሰባት” ስለ ዝዀኑ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ መሪሕ ግደ ኺህልዎም ይግባእ።—ኤፌ. 4:8, 11-13

ስለምንታይ እዩ የሆዋ ዚቐርጸና፧

7. ንተግሳጽ የሆዋ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

7 ‘ወሊደ ኽሳዕ ዝርእዮ፡ ወለደይ ዚህቡኒ ዝነበሩ ተግሳጽ ኣይተረድኣንን ነይሩ’ ዚብል ሰብ ኣጓኒፉካ ይኸውን እዩ። ኣብ ህይወት ዝያዳ ተመክሮ ምስ ረኸብና፡ ንተግሳጽ ብእተፈልየ ዓይኒ ንርእዮ፡ ከምቲ የሆዋ ገይሩ ዚርእዮ ድማ ከም መግለጺ ፍቕሪ ጌርና ንርእዮ ኢና። (እብራውያን 12:5, 6, 11 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ኻብታ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ፡ ብትዕግስቲ ይቐርጾም እዩ። ጥበበኛታትን ሕጉሳትን ክንከውን፡ ንዕኡ እውን ከነፍቅሮ እዩ ዚደልየና። (ምሳ. 23:15) ብመከራና ባህ ኣይብሎን እዩ፣ ከምቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ “ደቂ ቝጥዓ” ዄንና ኽንመውት እውን ኣይደልየናን እዩ።—ኤፌ. 2:2, 3

8, 9. የሆዋ ሎሚ ብኸመይ ይምህረና ኣሎ፧ እዚ ትምህርቲ እዚኸ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኪቕጽል እዩ፧

8 “ደቂ ቝጥዓ” ብምንባርና፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ባህርያት፡ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ከም ናይ ኣራዊት ዝበለ ባህርያት ነርኢ ኔርና ኢና! የሆዋ ስለ ዝቐረጸና ግና ተለዊጥና ኢና፣ ከም ኣባጊዕ ድማ ኴንና ኣለና። (ኢሳ. 11:6-8፣ ቈሎ. 3:9, 10) ስለዚ፡ እቲ ሕጂ የሆዋ ንዓና ዚቐርጸሉ ዘሎ ሃዋህው፡ ከም መንፈሳዊ ገነት ጌርካ ይርአ እዩ። ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም እክይቲ እኳ እንተ ዀነት፡ ንሕና ግና ድሕንነትን ውሕስነትን ይስምዓና ኣሎ። እቶም ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ስድራ ቤት ዝዓበና ዘበልና ድማ፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንረክብ ኢና። (ዮሃ. 13:35) ንኻልኦት ብኸመይ ፍቕሪ ኸም እንርኢ ኸኣ ተማሂርና ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ፈሊጥናዮ፡ ኣባታዊ ፍቕሩ እውን ጥዒምና ኢና።—ያእ. 4:8

9 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ መንፈሳዊ ገነት ዜምጽኦ በረኸት ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕሮ ኢና። ሽዑ፡ ምስቲ መንፈሳዊ ገነት ዚሳነ ቓል ብቓሉ ገነት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህሉ እዩ። ኣብቲ ምድሪ እትሕደሰሉ እዋን፡ የሆዋ ንነበርቲ ምድሪ ኪቐርጾም፡ ሕጂ ኽንግምቶ ኻብ እንኽእል ንላዕሊ ድማ ኪምህሮም እዩ። (ኢሳ. 11:9) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንኣእምሮናን ንሰብነትናን ፍጹም ስለ ዚገብሮ፡ ትምህርቱ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ብዘይ እንታ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኢና። ስለዚ፡ ንዓና ንምቕራጽ ዚገብሮ ጻዕሪ ኸም መግለጺ ፍቕሪ ጌርና ብምርኣይ፡ ብሕጂ እውን ንየሆዋ ንገዝኣዮ።—ምሳ. 3:11, 12

የሆዋ ብኸመይ ይቐርጸና፧

10. የሱስ ንትዕግስትን ንኽእለትን እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ኽኢላ ሰራሕ ካይላ ብምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ “ኻይላ” እንታይ ዓይነት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ ከከም ዓይነቱ ገይሩ ድማ እዩ ዚቐርጾ። (መዝሙር 103:10-14 ኣንብብ።) እወ፡ ድኽመታትናን ዓቕምናን መንፈሳዊ ዕቤትናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ በብውልቂ እዩ ዚሕዘና። ንዘይፍጹማት ኣገልገልቱ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ወዱ እውን ተንጸባሪቑ እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ሃዋርያቱ ዝረኣዮ ጕድለት፡ ምናዳ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ስልጣን ዚገብርዎ ዝነበሩ ኽርክር ብኸመይ ከም ዝሓዞ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቶም ሃዋርያት ኪካትዑ እንተ ትርኢ፡ ትሑታትን ተቐረጽትን ከም ዝዀኑ ጌርካዶ ምረኣኻዮም፧ የሱስ ግና ብዛዕባኦም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይሓዘን። እቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብለውሃትን ብትዕግስትን ምኽሪ ምስ ዚውሃቦም፡ ኣብነት ትሕትናኡ እውን ምስ ዚርእዩ፡ ኪቕረጹ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማር. 9:33-37፣ 10:37, 41-45፣ ሉቃ. 22:24-27) የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ እሞ ኣብቶም ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰ፡ ንሳቶም ኣብ ቦታ ወይ ስልጣን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝሃቦም ዕዮ እዮም ኣተኲሮም።—ግብ. 5:42

11. ዳዊት ከም ልምሉም ካይላ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኽንመስሎ ንኽእል፧

11 የሆዋ ሎሚ ንኣገልገልቱ ብቐዳምነት ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ እዩ ዚቐርጾም። ቃል ኣምላኽ ብቝም ነገር ከነንብብን ከነስተንትነሉን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ሓገዝ የሆዋ ኽንልምንን ከለና፡ ንቕረጽ ኢና። ዳዊት፡ “ኣብ ዓራተይ ኰይነ እዝክረካ፡ ብግዜ ሓለዋታት ለይቲ ኸኣ ብዛዕባኻ አስተንትን እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 63:6) “ነቲ ዝመኸረኒ የሆዋ ኽውድሶ እየ። ብለይቲ እኳ ውሽጣዊ ሓሳባተይ ይእርመኒ” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 16:7) እወ፡ ዳዊት፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚውሃቦ ምኽሪ ይቕለሎ ወይ ይበርትዓዮ ብዘየገድስ፡ ኣብ ውሽጡ ኺሓድርን ንውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ኪቐርጾ ፈቒዱ እዩ። (2 ሳሙ. 12:1-13) ከመይ ዝበለ ኣብነት ትሕትናን ተገዛእነትን ኰን እዩ ዝዀነና! ንስኻኸ ንቓል ኣምላኽ ተስተንትነሉዶ፧ ኣብ ውሽጥኻ ኺሓድርከ ተፍቅደሉዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸተመሓይሽ የድልየካ ድዩ፧—መዝ. 1:2, 3

12, 13. የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ብመንፈስ ቅዱሱን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ ዚቐርጸና፧

12 መንፈስ ቅዱስ ብሓያሎ መገድታት ይቐርጸና እዩ። ንኣብነት፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ባህርያት ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ፣ እዚ ባህርያት እዚ ድማ ንእተፈላለየ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ የጠቓልል። (ገላ. 5:22, 23) ሓንቲ ኻብቲ እተፈላለየ መዳያት እቲ ፍረ ኸኣ ፍቕሪ ኽትጥቀስ ይከኣል። ንሕና ንኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና፣ ትእዛዛቱ ኸቢድ ከም ዘይኰነ ስለ እንፈልጥ ድማ፡ ክንእዘዞን ብእኡ ኽንቅረጽን ንደሊ ኢና። ነቲ ዓለምን እቲ ኽፉእ መንፈሳን ንምቕራጽና ዜሕድሮ ጽልዋ ምእንቲ ኽንጻረሮ እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 2:2) እቲ ብንእስነቱ ብመንፈስ ትምክሕቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣጸቢቑ ተጸልዩ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ጸኒሑ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ኺጽሕፍ ክኢሉ እዩ። (ፊል. 4:13) ስለዚ፡ ከም ጳውሎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ብቐጻሊ ንለምን። የሆዋ ነቲ ዓቃላት ብትሕትና ዜቕርብዎ ልማኖ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ።—መዝ. 10:17

የሆዋ ብክርስትያን ሽማግለታት ገይሩ ዚቐርጸና እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግና እጃምና ኽንገብር ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

13 የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤን ብሓለውታን ገይሩ፡ በብውልቂ ይቐርጸና እዩ። ንኣብነት፡ ሽማግለታት መንፈሳዊ ጸገማት ከም ዘሎና እንተ ኣስተውዒሎም፡ ኪሕግዙና ይጽዕሩ እዮም፣ ግናኸ ብሰብኣዊ ጥበብ ኣይኰኑን ኪሕግዙና ዚጽዕሩ። (ገላ. 6:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ልቦናን ጥበብን ንምርካብ፡ ብትሕትና ንኣምላኽ ይልምንዎ እዮም። ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ተመርኲሶም ንዅነታትና ኣብ ግምት ዜእቱ ምርምር ብምግባር ከኣ፡ ምስ ጸሎቶም ተሰማሚዖም ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። እዚ ድማ ምስ ኵነታትና ዚሰማማዕ ሓገዝ ኪህቡ የኽእሎም። እሞኸ ብለውሃትን ብፍቕርን ኪሕግዙኻ ምስ ዚመጹ፡ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣከዳድናኻ ምኽሪ ምስ ዚህቡኻ፡ ነቲ ዚህቡኻ ምኽሪ ኸም መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ጌርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ከምቲ ኣብ ኢድ የሆዋ ኪቕረጽ እተዳለወ ልምሉም ካይላ ኽትከውን ኢኻ።

14. የሆዋ ኣባና ስልጣን ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣምላኽ ብኸመይ ይቐርጸና ኸም ዘሎ ምርዳእና፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ኰነ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰራሕ ካይላ፡ ሓመድ ኵዒቱ ኣምጺኡ ብኡብኡ ኣይኰነን ኪቐርጽ ዚጅምር ነይሩ። ፈለማ፡ ካብቲ ሓመድ ኣእማንን ዘይድለን ነገራትን የወግድ ነይሩ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ እውን፡ ኣምላኽ ንፍቓደኛታት ውልቀ ሰባት ምእንቲ ኪቕረጹ የዳልዎም እዩ። ለውጥታት ኪገብሩ ኣይግድዶምን እዩ፣ ግናኸ፡ ህይወቶም ምእንቲ ኼጽርዩ ወይ ብፍታዎም ምትዕርራያት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ቅኑዕ ስርዓታቱ ይገልጸሎም እዩ።

15, 16. ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብየሆዋ ኪቕረጹ ኸም ዚደልዩ ኸመይ ገይሮም የርእዩ፧ ኣብነት ሃብ።

15 ተሲ ንዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ንዓኣ መጽናዕቲ ዝመርሓትላ ሓብቲ ብዛዕባኣ ኸምዚ ትብል፦ “ተሲ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ፍልጠት ብቐሊሉ እያ ተረዲኣቶ። ኰይኑ ግና፡ ዚረብሕ መንፈሳዊ ዕቤት ኣይገበረትን፣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ኣይተኣከበትን። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ብዙሕ ምስ ሓሰብኩሉ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኸቋርጾ ወሲነ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኰይኑ። ንመወዳእታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረላ ኢለ ኣብ ዝሓሰብክዋ መዓልቲ፡ ተሲ ልባ ኸፊታትለይ። ምጥላዕ ስለ እትፈቱ፡ ግብዝቲ ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ ኸም ዝነበረ ገሊጻትለይ። ሽዑ ግና ነቲ ወልፊ ኽትሓድጎ ወሲና ነይራ እያ።”

16 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ተሲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ድማ ከተርኢ ጀመረት፣ ዋላ እኳ መዋዕልታ እንተ ኣላገጻላ፡ ድሕር ኣይበለትን። እታ ሓብቲ ብዛዕባ ድሕሪኡ ዝዀነ ኸተዘንቱ ኸላ፡ “ድሕሪ ግዜ፡ ተሲ ተጠሚቓ፡ ጸኒሓ ኸኣ ንኣሽቱ ውሉዳት እኳ እናሃለውዋ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኣገልጊላ እያ” በለት። እወ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ኢሎም ንህይወቶም ኬጽርዩ ምስ ዚጅምሩ፡ ንሱ ይቐርቦም፡ ተብሃግቲ ኣቕሑ ኪዀኑ እውን ይቐርጾም እዩ።

17. (ሀ) የሆዋ ኪቐርጸካ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እንታይ መዳያት ምቕራጽ ኢና ኽንምርምር፧

17 ክሳዕ እዚ ግዜና፡ ገሊኦም ሰራሕቲ ኻይላ ነቲ ዚሰርሕዎ ኻይላ ተጠንቂቖም ብኢዶም እዮም ዚሰርሕዎ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ምኽሪ ብምሃብ ብትዕግስቲ ይቐርጸና እዩ፣ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ከኣ ተጠንቂቑ ይዕዘበና እዩ። (መዝሙር 32:8 ኣንብብ።) እሞኸ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ይፍለጠካዶ ኣሎ፧ በተን ሓለይቲ ኣእዳዉ ትቕረጽ ከም ዘለኻ ይርኣየካዶ ኣሎ፧ እሞ ደኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ልምሉምን ተቐራጽን ምእንቲ ኽትከውን፡ እንታይ ተወሳኺ ባህርያት ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ተሪርን ዘይተቐራጽን ምእንቲ ኸይትኸውን፡ እንታይ ባህርያት ከተወግድ ኣሎካ፧ ወለዲኸ ንደቆም ንምቕራጽ፡ ብኸመይ ምስ የሆዋ ኺተሓባበሩ ይኽእሉ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ጕዳያት እዚ ኽትምርምሮ እያ።