ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ‘ይሓልየልካ’ እዩ

የሆዋ ‘ይሓልየልካ’ እዩ

የሆዋ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልካ ርግጸኛ ኸም እትኸውን ዚገብረካ እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧ ሓደ ምኽንያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከምኡ ዚብል ምዃኑ እዩ። ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:7“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ትብል። የሆዋ ንዓኻ ኸም ዚሓልየልካ እንታይ መርትዖ ኣሎካ፧

ኣምላኽ ንህዝቡ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት የማልኣሎም

ክንቀድሖ ዚግባእ ባህርያት የሆዋ፦ ለዋህን ለጋስን

ቅድም ቀዳድም፡ ኣምላኽ ከምቲ ኻብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ እትደልዮ ዓይነት ባህርያት ኣለዎ። ንሓድሕዶም ዚለዋውሁን ዚለጋገሱን ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ይዀኑ እዮም። የሆዋ እውን ንሰባት መዓልቲ መዓልቲ ኸም ዚልውሃሎምን ከም ዚልግሰሎምን ብቐሊሉ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴ. 5:45) ጸሓይን ዝናምን እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ ኣምላኽ ብእኡ ገይሩ ንሰባት ‘ብምግቢ የጽግቦም፡ ንልቦም እውን ብሓጐስ ይመልኦ’ እዩ። (ግብ. 14:17) እወ፡ የሆዋ ንምድሪ እኹል ምግቢ ኸም እተፍሪ ገይሩ እዩ ፈጢርዋ፣ ጥዑም ብልዒ ኸኣ ባህ የብለና እዩ።

ስለምንታይ ደኣ እዮም ብዙሓት ዚጠምዩ፧ ሰብኣውያን ገዛእቲ ንህይወት ሰባት ኣብ ክንዲ ዜመሓይሹ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣኖምን ኣብ ገንዘባዊ መኽሰቦምን ስለ ዜድህቡ እዩ። የሆዋ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት በታ ወዱ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብምትካእ፡ ነዚ ስስዐ ዘምጽኦ ጸገም፡ ፍታሕ ኪገብረሉ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ እኳ ኣይኪጠምን እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ይዕንግሎም ኣሎ። (መዝ. 37:25) እዝስ መርኣያ ሓልዮቱ ደይኰነን፧

የሆዋ ግዜኡ ኣይበቅቀልናን እዩ

ክንቀድሖ ዚግባእ ባህርያት የሆዋ፦ ግዜኡ ዘይበቅቕ

ሕያዋይ ዓርኪ ግዜኡ የካፍለካ እዩ። ብዛዕባ ዜገድሰካ ነገራት ንሰዓታት ኬዕልለካ ይኽእል እዩ። ጸገማትካን ጭንቀታትካን ክትነግሮ ኸለኻ እውን ጽን ኢሉ ይሰምዓካ እዩ። እሞኸ የሆዋ ኣብዚ መዳያት እዚ ጽን በሃሊ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብጸሎት ጽንዑ፡” “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ኢሉ ዜተባብዓና።—ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰ. 5:17

የሆዋ ንጸሎትና ንምስማዕ ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚህበና፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ኣብነት፡ ነዚ ምላሽ ይህበና እዩ። የሱስ ንሃዋርያቱ ቕድሚ ምሕራዩ፡ “ምሉእ ለይቲ . . . ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ሓደረ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ሉቃ. 6:12) ኣብ ጸሎቱ ኸኣ፡ ስማት ሓያሎ ደቀ መዛሙርቱ እናረቝሐ ሓያል ጐድንታቶምን ድኽመታቶምን ጠቒሱ፡ ንመኖም ከም ዚሓሪ ድማ ካብ ኣቦኡ ሓገዝ ሓቲቱ ኪኸውን ኣለዎ። ምድሪ ወጊሑ ጸሓይ ኣብ እትበርቀሉ እዋን፡ ሃዋርያቱ ዀይኖም ንምግልጋል ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎም ከም ዝሓረየ ርግጸኛ ነይሩ እዩ። የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” ብምዃኑ፡ ብቕንዕና ንእነቕርቦ ዅሉ ጸሎት ኪሰምዕ ባህ ይብሎ እዩ። (መዝ. 65:2) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዜተሓሳስቦ ነገር ንሰዓታት እኳ እንተ ጸለየ፡ የሆዋ በቲ ዘሕለፎ ግዜ ኣይጸባጸቦን እዩ።

ኣምላኽ ይቕረ ንምባል ድልዊ እዩ

ክንቀድሖ ዚግባእ ባህርያት የሆዋ፦ ንይቕረታ ድልዊ

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እውን ከይተረፉ ይቕረ ምባል ቃልሲ ይዀኖም እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ይቕረ ምባል ስለ ዚኸብዶም፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ዕርክነቶም ይብተኽ። የሆዋ ግና ከምኡ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ እሞ” ብምባል፡ ንዅሎም ቅኑዓት ሰባት ይቕረታኡ ኺልምኑ ጻውዒት የቕርበሎም እዩ። (ኢሳ. 55:6, 7) ኣምላኽ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ብናጻ ይቕረ ዚብል፧

ኣምላኽ መወዳድርቲ ዘይብላ ፍቕሪ ኣላቶ። ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ካብ ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኼድሕኖም፡ ንወዱ የሱስ ክሳዕ ዚህብ፡ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ። (ዮሃ. 3:16) እቲ እተኸፍለ በጃ፡ ካብዚ ንላዕሊ ጥቕምታት እውን ኣለዎ። ብመስዋእቲ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅሮም ብናጻ ይቕረ ይብሎም እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና . . . እሙንን ጻድቕን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 1:9) ሳላ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ኸኣ፡ ሰባት ምስኡ ዕርክነት ኪህልዎም ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ውሽጥና ይትንክየና እዩ።

ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ እዋን ይሕግዘካ

ክንቀድሖ ዚግባእ ባህርያት የሆዋ፦ ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ዚሕግዘና

ናይ ሓቂ ዓርኪ፡ ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ እዋን ይሕግዘካ እዩ። የሆዋኸ ኸምኡ ይገብር ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ [ንእሙን ኣገልጋሊኡ] ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡ እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን” ትብል። (መዝ. 37:24) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብእተፈላለየ መገድታት ‘ይድግፎም’ እዩ። ሰይንት ክሮይ ካብ እትብሃል ደሴት ካሪበያ እተረኽበ ተመክሮ እሞ ርአ።

ሓንቲ ጓል ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ስለ ዘይሃበት፡ ደቂ ኽፍላ ጸቕጢ ገበሩላ። ንሳ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላያ፡ ነቲ ጕዳይ ክትገጥመሉ ሓሰበት። ኣብቲ ኣብ ክፍላ እተቕርቦ ሪፖርት፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ብዛዕባ ምሃብ ከተቕርብ ወሰነት። በታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ፡ ዛንታ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ውሳነኣ እንታይ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ገለጸትሎም። “የሆዋ ነቶም ሰለስተ እብራውያን፡ ንምስሊ ብዘይምምላኾም ኣዕቊብዎም እዩ” ድማ በለቶም። ድሕሪኡ፡ ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ኪወስዱ ኸም ዚኽእሉ ሓበረቶም። ዓሰርተው ሓደ ኻብቶም መማህርታ ኸኣ ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ኪወስዱ ደለዩ። እታ ጓል ኣብቲ ተኣፋፊ ጕዳይ ንምምስካር፡ የሆዋ ብርታዐን ጥበብን ከም ዝሃባ ስለ ዘስተውዓለት፡ ኣዝያ ተሓጐሰት።

የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ እንተ ተጠራጢርካ፡ ንኸም መዝሙር 34:17-19፣ 55:22፣ 145:18, 19 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንትነሉ። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚዀኑ ነዊሕ ንዝገበሩ ክርስትያናት ድማ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓለየሎም ሕተቶም። ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ እዋን ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። የሆዋ ኸም ‘ዚሓልየልካ’ ድማ ነዊሕ ከይጸናሕካ ኽትርኢ ኢኻ።