ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጕድለት ካልኦት ኪዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ

ጕድለት ካልኦት ኪዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ

“ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ።”—ቈሎ. 3:13

መዝሙር፦ 53, 28

1, 2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወሰኽ ህዝቢ የሆዋ እንታይ እዩ ተነብዩ፧

ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ማለት መሰኻኽሩ፡ ፍልይቲ ውድብ ኣቚሞም እዮም። ኣባላት እታ ውድብ እቲኣ ዘይፍጹማትን ጕድለታት ዘለዎምን ምዃኖም ንጹር እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነዛ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ኸም እትስስንን ከም እትብልጽግን ኪገብር ጸኒሑ እዩ። የሆዋ በቶም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዘይፍጹማት ሰባት እንታይ ዜደንቕ ነገራት ይገብር ከም ዘሎ እስከ ንርአ።

2 ብ1914 ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተዛማዲ ሒደት እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዕዮ ስብከቶም ባሪኽዎ እዩ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሂሮም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እዮም። የሆዋ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ዕቤት እዚ፡ “እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ” ብምባል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 60:22) እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ይፍጸም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ቝጽሪ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብ ቍጽሪ ህዝቢ ሓያሎ ሃገራት ይበዝሕ።

3. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣብዚ እዋን እዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ነታ ዓብላሊት ዝዀነት ባህርዩ፡ ማለት ፍቕሪ ኼማዕብሉ ሓጊዝዎም እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) እቲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝቐድሓ የሱስ፡ ንሰዓብቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሃገራት ንሓድሕደን ኪዋግኣ ኸለዋ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጥራይ እኳ ኣስታት 55 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዓለምለኻዊ ውግእ እዚ ኣይተኻፈሉን። (ሚክያስ 4:1, 3 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ፡ ‘ካብ ደም ኵሉ ንጹሃት ኪዀኑ’ ሓጊዝዎም እዩ።—ግብ. 20:26

4. ወሰኽ ህዝቢ የሆዋ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዛ ጸላኢቶም ዝዀነት ዓለም እናነበሩ እዮም ዕቤት ዜርእዩ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ዝዀነ ሰይጣን ከም ዘላ ይገልጽ እዩ። (2 ቈረ. 4:4) ሰይጣን፡ ንፖለቲካዊ ባእታታት እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሓንን ይቈጻጸሮ እዩ ዘሎ። ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኬብሎ ግና ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዝተረፎ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሰባት ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኼርሕቖም ይጽዕር እዩ፣ ነዚ ንምግባር ከኣ እተፈላለየ መገድታት እዩ ዚጥቀም።—ራእ. 12:12

ናይ ተኣማንነት ፈተና

5. ሓድሓደ ግዜ፡ ካልኦት ኪጐድኡና ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኣምላኽን ንሰባትን ምፍቃር ኣገዳሲ ምዃኑ ተጕልሕ እያ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ መለሰ። (ማቴ. 22:35-39) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ኵላትና ዘይፍጹማት ኴንና ኸም እተወለድና ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 5:12, 19 ኣንብብ።) ስለዚ ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ብዘረባኦም ወይ ብግብሮም ኪጐድኡና ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ እታ ንየሆዋን ንህዝቡን ዘላትና ፍቕሪ ኽትፍተን ትኽእል እያ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀኑ፡ ብዘረባኦም ወይ ብግብሮም ንኻልኦት ጐዲኦምዎም እዮም። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚህቦ ሓሳባት ከኣ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ኤሊን ደቁን ዝነበሩሉ እዋን ኣብ እስራኤል ትነብር ኔርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ኤሊ ንደቁ ዘይገሰጾም ብኸመይ እዩ፧

6 ንኣብነት፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ሕጊ የሆዋ ዘይሕልዉ ኽልተ ደቂ ነይሮምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ ኤሊ ኸኣ እኩያት ነበሩ፣ ንየሆዋ ድማ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን” ይብል። (1 ሳሙ. 2:12) ኤሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ኣገዳሲ ተራ እኳ እንተ ነበሮ፡ እቶም ክልተ ደቁ ግና ከቢድ ሓጢኣት ይፍጽሙ ነበሩ። ኤሊ ብዛዕባ እዚ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኪግስጾም ድማ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ሸለል በሎም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንቤት ኤሊ ኸቢድ ፍርዲ ፈረዳ። (1 ሳሙ. 3:10-14) ዘርኢ ኤሊ ኸም ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ። ኣብ ግዜ ኤሊ ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኤሊ ንሓጢኣት ደቁ ዕሽሽ ኪብሎ ኽትርኢ ኸለኻ እንታይ ምገበርካ፧ ብእኡ ተዓንቂፍካ ንኣምላኽ ምግልጋል ምገደፍካዮዶ፧

7. ዳዊት እንታይ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ፈጺሙ፧ ኣምላኽከ እንታይ ገበረ፧

7 ዳዊት ብየሆዋ ይፍቶ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ንዳዊት “ከም ልቡ ዝዀነ ሰብኣይ” ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (1 ሳሙ. 13:13, 14፣ ግብ. 13:22) ይኹን እምበር፡ ጸኒሑ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጸመ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። እዚ፡ ሰብኣያ ኡርያ ኣብ ሰራዊት ኬገልግል ከሎ እዩ ተፈጺሙ። ኡርያ ንግዜኡ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ዳዊት እቲ እተጠንሰ ቘልዓ ኻብ ኡርያ ምእንቲ ኺመስል፡ ንኡርያ ምስ ባትሴባ ጾታዊ ርክብ ከም ዚፍጽም ኪገብሮ ጸዓረ። ኡርያ ንሓሳብ ንጉስ ዳዊት ኪፍጽም ስለ ዘይደለየ፡ ዳዊት ንኡርያ ኣብ ውግእ ከም ዚቕተል ገበሮ። ዳዊት በቲ ዝፈጸሞ ገበን ተቐጺዑ እዩ። እወ፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤቱን መዓት ወሪዱ እዩ። (2 ሳሙ. 12:9-12) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነዚ ብሓፈሻ “ብንጽህና ልቢ” እተመላለሰ ሰብኣይ ምሒርዎ እዩ። (1 ነገ. 9:4) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እንተ ትነብር ኔርካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ በቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ኣበሳ ምተዓንቀፍካዶ፧

8. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃሉ ዘይሓለወ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ንዕኡ ብቐጻሊ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

8 ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነት ከኣ ሃዋርያ ጴጥሮስ እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ሃዋርያቱ ኪኸውን መሪጽዎ ነይሩ እዩ። ምስናይዚ ግና ጴጥሮስ ጸኒሑ እተጣዕሰሉ ነገራት ተዛሪቡ ወይ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣገዳሲ ህሞት፡ ሃዋርያት ንየሱስ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም እዮም። ጴጥሮስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ካልኦት እኳ ንየሱስ ሓዲጎምዎ እንተ ሃደሙ፡ ንሱ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድጎ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማር. 14:27-31, 50) የሱስ ኪእሰር ምስ ተወስደ ግና፡ ኵሎም ሃዋርያት፡ እንተላይ ጴጥሮስ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። ጴጥሮስ ብተደጋጋሚ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ኸሓደ። (ማር. 14:53, 54, 66-72) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ተጣዒሱ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ብቐጻሊ ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ወደ መዝሙር ኔርካ እንተ ትኸውን፡ እቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ነገራት ነቲ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ምጸለዎዶ ነይሩ፧

9. የሆዋ ወትሩ ፍትሓዊ ምዃኑ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

9 ንኻልኦት ዚጐድእ ነገራት ብዛዕባ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ሒደት ኣብነታት ጥራይ ኢና ርኢና። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ይኹን ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ እሞ ሕማቕ ተግባራት ዝፈጸሙን ንኻልኦት ዚጐድኡን ሓያሎ ሰባት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። እቲ ዜገድስ ግና፡ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ብጕድለታቶም ተዓንቂፍካ፡ ንየሆዋን ንህዝቡን፡ እንተላይ ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ትሓድጎም ዲኻ፧ ወይስ፡ የሆዋ ነቶም በደለኛታት ኪንስሑ ግዜ ይህቦም ከም ዘሎ እሞ፡ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ጕድለት ከም ዚእርሞን ፍትሓዊ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ትግንዘብ ኢኻ፧ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት ንምሕረት የሆዋ ይነጽግዎ፡ ኣይንስሑን ድማ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ግዜኡ ኸም ዚፈርዶም፡ ምናልባት እውን ካብ ጉባኤ ኸም ዚውግዶም ትኣምን ዲኻ፧

ተኣማንነትካ ዓቅብ

10. የሱስ ብዛዕባ ጕድለት ይሁዳ ኣስቆሮታውን ብዛዕባ ጕድለት ጴጥሮስን እንታይ እዩ ዚርዳእ ነይሩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካልኦት ከቢድ ጕድለት እናፈጸሙ ኽነሶም ንየሆዋን ንህዝቡን እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩ፡ 12 ሃዋርያት መረጸ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ይሁዳ ንክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ፡ ክርስቶስ እቲ ምስ ኣቦኡ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ በዚ ኺጽሎ ኣይፈቐደን፣ ጴጥሮስ ምስ ከሓዶ እውን እንተ ዀነ፡ ብእኡ ኺጽሎ ኣይፈቐደን። (ሉቃ. 6:12-16፣ 22:2-6, 31, 32) የሱስ እዚ ተግባራት እዚ ጕድለት የሆዋ ወይ ብሓፈሻ ጕድለት ህዝቢ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብ ሰዓብቱ እኳ እንተ ኣጕሃይዎ፡ ነቲ ዜደንቕ ዕዮኡ ቐጺልዎ እዩ። የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ዓስቡ ሂብዎ፡ ጸኒሑ ድማ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ገይርዎ እዩ።—ማቴ. 28:7, 18-20

11. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

11 የሱስ ንየሆዋን ንህዝቢ የሆዋን እሙናት ክንከውን ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። እሙናት እንዀነሉ ብቑዕ ምኽንያት ድማ ኣሎና። ነቲ የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብኣገልገልቱ ገይሩ ዚፍጽሞ ዘሎ ነገራት እንተ ሓሲብናሉ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። የሆዋ ነዛ ሓድነት ዘለዋ ጉባኤኡ ይመርሓ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ንሓቂ ዚሰብኽ ዘሎ ህዝቢ፡ ህዝቢ የሆዋ ጥራይ እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቡ ዚርአ ዘሎ መንፈሳዊ ዅነታት፡ “እንሆ፡ ገላዎይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ እዮም” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።—ኢሳ. 65:14

12. ንጕድለት ካልኦት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

12 ኣገልገልቲ የሆዋ ብእኡ ስለ ዚምርሑ፡ በቲ ዚገብርዎ ሰናይ ግብሪ ይሕጐሱ እዮም። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኣብ ዘላ ዓለም ዚነብሩ ኻልኦት ሰባት ግና፡ ኵነታት እናኸፍአ ስለ ዚኸይድ ይሓዝኑ እዮም። ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዝፈጸምዎ ጕድለት ንየሆዋ ወይ ነታ ጉባኤኡ ምውቃስ ዕሽነትን ጌጋን እዩ። ንሕና እውን ንየሆዋን ንስርዓታቱን ዘሎና ተኣማንነት ክንዕቅብ፡ ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ጕድለት ብኸመይ ከም እንርእዮን እንታይ ከም እንገብርን ድማ ክንፈልጥ ኬድልየና እዩ።

ንጕድለታት ምቍጽጻር

13, 14. (ሀ) ንሓድሕድና ኽንተዓጋገስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ነየናይ ተስፋ ኢና ኽንዝክሮ ዘሎና፧

13 ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘረባኡ ወይ ብተግባሩ ምስ ዚጐድኣና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነዚ ኺሕግዘና ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵራ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዚሓድር እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ይብል። (መክ. 7:9) ኵላትና ኻብቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ ፍጽምና ሰባት ንኣስታት 6000 ዓመት ርሒቕና ኸም ዘለና ንዘክር። ዘይፍጹማት ሰባት ጌጋታት ንምግባር እተቓልዑ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ካብ ክርስትያን ብጾትና እምብዛ ኽንጽበ የብልናን፡ ጕድለታቶም ድማ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ኬጥፍኣልና ኸነፍቅደሉ የብልናን። ብጕድለት ካልኦት ተዓንቂፍና ንውድብ የሆዋ ኽንሓድግ እሞ ኸኣ ዝኸፍአ ጌጋ እዩ። ነዚ ጌጋ እዚ እንተ ጌርና፡ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ረኺብናዮ ዘለና ፍሉይ መሰል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ክንስእኖ ኢና።

14 ነቲ ዓሚቝ ሓጐስናን ጽኑዕ ተስፋናን ምእንቲ ኽንዕቅቦ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዜጸናንዕ ተስፋ ወትሩ ኽንዝክሮ ኣሎና። የሆዋ፡ “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን እፈጥር ኣለኹ፣ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ” በለ። (ኢሳ. 65:17፣ 2 ጴጥ. 3:13) ጕድለት ካልኦት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ንኸይትረክብ ኪዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ።

15. የሱስ፡ ካልኦት ምስ ዚጋገዩ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እዩ ዝገለጸ፧

15 ይኹን እምበር፡ ሕጂ ኣብ ሓዳስ ዓለም ስለ ዘየለና፡ ካልኦት ብዘረባኦም ወይ ብተግባሮም ምስ ዚጐድኡና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ምእንቲ ኽንፈልጥ ብዛዕባ እዚ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና። ንኣብነት፡ እቲ፡ “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣ ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ” ዚብል የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ሓደ ኻብቲ ኽንዝክሮ ዘሎና መሰረታዊ ስርዓት እዩ። ብዘይካዚ፡ ጴጥሮስ፡ ይቕረ ኽንብል ዘሎና “ኽሳዕ ሸውዓተ ሳዕ” እንተ ዀይኑ ምስ ሓተተ፡ የሱስ፡ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ ኸም ዝመለሰሉ እውን ንዘክር። የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ይቕረ ንምባል ወትሩ ፍቓደኛታት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—ማቴ. 6:14, 15፣ 18:21, 22

16. ዮሴፍ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

16 ዮሴፍ—ሓደ ኻብቶም ካብ ራሄል እተወልዱ ኽልተ ደቂ ያእቆብ—ንጕድለት ካልኦት ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም ዘሎና ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ያእቆብ ካልኦት ዓሰርተ ደቂ እውን ነይሮምዎ እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ኣቦኦም ንዮሴፍ ሓለፋኦም ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ንሓዎም ቀንኡሉ። ናብ ባርነት ድማ ሸጥዎ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ግብሪ ስለ ዝገበረ፡ ንገዛኢ እታ ሃገር ካልኣዩ ኪኸውን በቕዐ። ኣብቲ ዞባ ድርቂ ምስ ኰነ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ እኽሊ ኺዕድጉ ናብ ግብጺ ኸዱ፡ ንሓዎም ግና ኣየለለይዎን። ዮሴፍ ብስልጣኑ ተጠቒሙ ንኣሕዋቱ በቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ተግባር ሕነ ኺፈድዮም ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣሕዋቱ ኣተሓሳስባኦም ቀይሮም እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሉ ፈተኖም። ብሓቂ ኸም እተቐየሩ ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንነቱ ገለጸሎም፣ ጸኒሑ ድማ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነ ንዓኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክምግበኩም እየ” በሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዒቡ፡ “በዚ ኸምዚ፡ ኣጸናንዖም፡ ልቦም ድማ ኣቕሰነሎም” ይብል።—ዘፍ. 50:21

17. ካልኦት ኪጋገዩ ኸለዉ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

17 ኵላትና ጕድለት ስለ ዘሎና፡ ንኻልኦት ከነጕህዮም ከም እንኽእል ክንዝክር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ሰብ ከም ዘጕሃናዮ እንተ ኣስተውዒልና፡ ናብቲ ሰብ ኬድና ኽንዕረቕ ክንጽዕር ከም ዘሎና እዩ ዚነግረና። (ማቴዎስ 5:23, 24 ኣንብብ።) ክንጋገ ኸለና ኻልኦት ኪቕየሙልና ስለ ዘይንደሊ፡ ንሕና እውን ክንቅየመሎም የብልናን። ቈሎሴ 3:13፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ” ብምባል ትምሕጸነና። ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:5፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊት ፍቕሪ፡ “ኣይትቕየምን እያ” ትብል። ንኻልኦት ይቕረ ንብለሎም እንተ ዄንና፡ የሆዋ እውን ይቕረ ኺብለልና እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣቦና የሆዋ ኽንጋገ ኸለና ዚምሕረና፡ ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ካልኦት ኪጋገዩ ኸለዉ ንምሓሮም።—መዝሙር 103:12-14 ኣንብብ።