ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 6 ነሓሰ ኽሳዕ 2 መስከረም 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን”

የሱስ ብዛዕባ እቲ ብግዜኡ ዝነበረ ክርክር ዝሓዞ መትከል ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት ንዘሎና ኣመለኻኽታ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና

ሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ

ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ዝሓደጎ ኣብነት፡ የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኺርእዮ ዚደሊ ቐንዲ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ

ኣምላኽ ናይ ስነ ምግባር ኮምፓስ ሂቡና እዩ፣ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዚመርሓና እንተ ዀይኑ ግና ከነረጋግጽ ኣሎና።

ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ብስራት ምስባኽ ጥራይ እኹል ኣይኰነን።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኵሉ ጭንቀተይ መጸናንዒ ረኺበ

ኤድዋርድ ባዘሊ ናይ ስድራ ቤት ጸገማትን ሃይማኖታዊ ምጽራርን ብሕታዊ ጸገማትን ጭንቀትን ኣጋጢሞ።

ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ

ሓጺር ሰላምታ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

ትዝክሮዶ፧

ነዚ ኣብ ናይ ቀረባ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ እተመስረተ ሕቶታት ክትምልዶ ትኽእልዶ፧