ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን”

“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን”

“ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወሊደ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።ዮሃ. 18:37

መዝሙር፦ 15, 74

1, 2. (ሀ) ዓለም ብዝያዳ እትከፋፈል ዘላ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

ኣብ ደቡባዊ ኤውሮጳ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወታ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ግፍዒ ርእየ እየ። ነቲ ኣብ ሃገረይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ነጺገ ኸኣ፡ ብብዙሓት ሱር በተኽ ጌርካ ዚእመነሉ ኣረኣእያ ኽድግፍ ጀሚረ። ንነዊሕ ዓመታት ከኣ ንሓደ ኣሸባሪ ዓርኩ እየ ነይረ።” ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዚነብር ሓደ ሓው፡ ቀደም ብዓመጻ ፍትሒ ኸተስፍን ምጽዓር ቅኑዕ ከም ዝዀነ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ዓሌተይ ካብ ኵሉ ዓሌት ጸብለል ዝበለ ኸም ዝዀነ እኣምን ስለ ዝነበርኩ፡ ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኰይነ። ንተቓወምትና፡ እንተላይ ነቶም ካብ ዓሌትና ኽነሶም ንኻልእ ፖለቲካዊ ውድባት ዚድግፉ ሰባት ብዂናውቲ ኽንቀትሎም ተማሂርና ኢና።” ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ እትነብር ሓብቲ ድማ ከምዚ በለት፦ “ብኣድልዎ ዝፈርድ ሰብ ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ናተይ እተፈልየ ዓሌትን ሃይማኖትን ንዘለዎም ሰባት እጸልኦም ነይረ እየ” በለት።

2 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሰባት ዝነበሮም ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ብዓመጻ ናጽነት ኪረኽባ ይፍትና እየን። ፖለቲካዊ ክፍፍል ከኣ ዝያዳ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ወጻእተኛታት ድማ፡ ደቂ እታ ዚነብሩላ ዓዲ ኸም ዚጸልእዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት “ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ” ሰባት ከም ዚበዝሑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 3) ክርስትያናት ኣብዛ ብዝያዳ ተኸፋፊላ ዘላ ዓለም ሓድነቶም ኪዕቅቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብእተፈላለየ ሓያል ፖለቲካዊ ስነ ሓሳባት ተኸፋፊሎም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝሓዞ ብምምርማር፡ ካብ የሱስ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። እምበኣር ነዚ ዚስዕብ ቀንዲ ነጥብታት ንመርምሮ፦ የሱስ ኣብ ምንቅስቓሳት ተነጸልቲ ጕጅለታት ዘይተጸንበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምስ ሓደ ጕጅለ ኺውግኑ ኸም ዘይግብኦም የሱስ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ናይ ዓመጻ ስጕምቲ ምውሳድ ግቡእ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዝመሃረኸ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ናጽነት ዝነበሮ ኣረኣእያ

3, 4. (ሀ) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ፖለቲካዊ ትጽቢት እዩ ነይርዎም፧ (ለ) እዚ ስምዒት እዚ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

3 እቶም ስብከት የሱስ ዝሰምዑ ኣይሁድ ካብ ግዝኣት ሮሜ ሓራ ኺወጹ ሃረር ይብሉ ነበሩ። ኣይሁድ ዝዀኑ ጥሩፋት ወይ ሃገራውያን ድማ ንስምዒት እቲ ህዝቢ የለዓዕልዎ ነበሩ። ሓያሎ ኻብቶም ጥሩፋት ከኣ ንሓሳባት ይሁዳ እቲ ገሊላዊ ሰዓቡ። እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ናይ ሓሶት መሲሕ ንሓያሎ ሰባት ኣስሓተ። ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ይሁዳ “ንደቂ ዓዱ ኺዓልዉ ኣተባቢዕዎም እዩ። ንሮማውያን ግብሪ ብምኽፋሎም ፈራሃት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኸኣ ገኒሕዎም እዩ” በለ። ሮማውያን ንይሁዳ ቐቲሎምዎ እዮም። (ግብ. 5:37) ገለ ኻብቶም ጥሩፋት ሸቶኦም ንምውቃዕ ዓመጻ ዝመልኦ ተግባራት ይፍጽሙ ነበሩ።

4 ግናኸ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ፖለቲካዊ ናጽነት ዜምጽኣሎም መሲሕ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነይሮም እዮም። እቲ መሲሕ ምስ መጸ፡ ክብሪ እቲ ህዝቢ ኸም ዚመልስን ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ሮሜ ሓራ ኸም ዜውጽእን ይሓስቡ ነበሩ። (ሉቃ. 2:38፣ 3:15) ብዙሓት ከኣ፡ እቲ መሲሕ ኣብ ሃገረ እስራኤል መንግስቲ ኸም ዜቕውም፡ ሽዑ ኸኣ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ይኣምኑ ነበሩ። ሓደ እዋን፡ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓቲትዎ ኸም ዝነበረ ትዝክር ትኸውን። (ማቴ. 11:2, 3) ዮሃንስ ነቲ ኣይሁድ ዝነበሮም ተስፋ ዚፍጽም ካልእ ሰብ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እዩ ዚሓትት ነይሩ። እቶም ንየሱስ ኣብታ ናብ ኤማሁስ እትወስድ መገዲ ዝረኸብዎ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ እውን ንመሲሕ ብዚምልከት ዘይተፈጸመ ተስፋ እዩ ነይርዎም። (ሉቃስ 24:21 ኣንብብ።) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ሃዋርያት የሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተቱ።—ግብ. 1:6

5. (ሀ) ሰብ ገሊላ ንየሱስ ኬንግስዎ ዝደለዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሱስ ንኣተሓሳስባኦም ዝኣረሞ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣይሁድ እቲ መሲሕ መጺኡ ንጸገማቶም ኪፈትሓሎም ትጽቢት ይገብሩ ነይሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሰብ ገሊላ ንየሱስ ኬንግስዎ ደለዩ። የሱስ ብሉጽ መራሒ ኸም ዚዀነሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ ፍሉይ ናይ ምዝራብ ክእለት ዘለዎን ንሕሙማት ዜሕውን ንዝጠመዩ ዚምግብን እዩ ነይሩ። የሱስ ንኣስታት 5,000 ሰብኡት ምስ መገበ፡ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ተገሪሞም ነበሩ። የሱስ ከኣ እንታይ ከም ዝሓሰቡ ፈሊጡ ነበረ። ስለዚ፡ “መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣልገሰ።” (ዮሃ. 6:10-15) ንጽብሒቱ፡ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ ምስ ከደ፡ ስምዒት እቲ ህዝቢ ሃዲኡ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ናይ ሓቂ ዕላማ ዕዮኡ ነገሮም። መንፈሳዊ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ጥቕሚ ኼምጽኣሎም ከም ዘይመጸ ኸኣ ነገሮም። “ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ” ድማ በሎም።—ዮሃ. 6:25-27

6. የሱስ ኣብ ምድሪ ስልጣን ኪረክብ ከም ዘይደሊ ብንጹር ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

6 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ገሊኦም ሰዓብቱ ኣብ የሩሳሌም መሰረት ዝገበረት ምድራዊት መንግስቲ ኬቕውም ትጽቢት ይገብሩሉ ኸም ዘለዉ ተገንዘበ። ብዛዕባ ምና ምሳሌ ብምሃብ ከኣ ንሓሳቦም ኣረሞ። እቲ “ወዲ ዓበይቲ” እተባህለ የሱስ፡ ንነዊሕ እዋን ከም ዚኸይድ ድማ ኣግሃደሎም። (ሉቃ. 19:11-13, 15) የሱስ ብዛዕባ ሰበ ስልጣን ሮሜ ዘለዎ ገለልተኛ መትከል እውን ገሊጹ እዩ። ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ዮሃ. 18:33) እቲ ሹም፡ የሱስ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ከየምጽኣሉ ሰጊኡ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ጲላጦስ ኣብ ኵሉ ዘመን ግዝኣቱ ብቐንዱ ዜሻቕሎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እዩ ነይሩ። የሱስ ግና፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 18:36) እወ፡ መንግስቱ ሰማያዊት መንግስቲ ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ ነይሩ። ንጲላጦስ ከኣ፡ “ንሓቂ ኽምስክር” ከም ዝመጸ ነገሮ።ዮሃንስ 18:37 ኣንብብ።

ኣብዚ ናይዛ ዓለም ጸገማት ዲኻ እተተኵር ወይስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብልብና እውን እንተ ዀነ ኸይንድግፍ እንገብሮ ጻዕሪ ኪኸብደና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

7 የሱስ መዝነቱ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን መዝነትና እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብልብና እውን እንተ ዀነ ኣይንድግፍን ኢና። እዚ ቐሊል እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ሓደ ገያሺ ሓላዊ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ከባቢና ዚነብሩ ሰባት ሱር በተኽ ለውጢ ዚደሊ ኣረኣእያ እዮም ዚስዕቡ። ሃገራውነት ይስዕርር ኣሎ። ሓያሎ ሰባት ከኣ ብፖለቲካዊ መዳይ ርእሶም ኬመሓድሩ ናጽነት እንተ ረኺቦም ህይወቶም ከም ዚመሓየሽ ይኣምኑ እዮም። ኣሕዋትና ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምትኳር ክርስትያናዊ ሓድነቶም ኪሕልዉ ምርኣይና ግና ባህ ዜብል እዩ። ንዜጋጥመና ግፍዕን ካልእ ጸገማትን ኣምላኽ ኬወግዶ እዮም ትጽቢት ዚገብሩ።”

የሱስ ካብ ከፋፋሊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

8. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ዘይፍትሓዊ ነገር እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ፧

8 ሰባት ዘይፍትሓዊ ነገራት ብዙሕ ግዜ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኪሳተፉ ይለዓዓሉ እዮም። ብግዜ የሱስ፡ ቀንዲ ፖለቲካዊ መዛረቢ ዝነበረ ኸቢድ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ እዩ ነይሩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ይሁዳ እቲ ገሊላዊ እውን ኣብ ልዕሊ ሮሜ ዓመጻ ዘለዓዓለ፡ ሮማውያን ግብሪ ንምእካብ ምእንቲ ኺጥዕሞም ኢሎም ኵሉ ህዝቢ ኺምዝገብ ስለ ዝኣዘዙ እዩ። ተገዛእቲ ሮሜ፡ እንተላይ እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ናይ ንብረትን መሬትን ቤትን ግብሪ ኪኸፍሉ የድልዮም ነበረ። እቶም ኣከብቲ ግብሪ ኣመና ብልሹዋት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ጸገም ኣጋዲዶምዎ ነበሩ። ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስልጣን ይዕድጉ፡ በቲ ዝዓደግዎ ስልጣን ከኣ ብዙሕ ገንዘብ ይድልቡ ነበሩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ያሪኮ ዝነበረ ዘኬዎስ ዝስሙ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ብምዝራፍ ሃብቲሙ ነበረ። (ሉቃ. 19:2, 8) ብዙሓት ካልኦት እውን ከምኡ ይገብሩ ነበሩ።

9, 10. (ሀ) ጸላእቲ የሱስ ንዕኡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኬእትውዎ ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

9 ጸላእቲ የሱስ ኣብ ጕዳይ ምኽፋል ግብሪ ናብ ሓዲኡ ወገን ምእንቲ ኺውግን ፈቲኖምዎ እዮም። እዚ ዚዛረቡሉ ዝነበሩ ግብሪ፡ ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ኪኸፍሎ ዚግባእ ሓደ ዲናር ግብሪ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 22:16-18 ኣንብብ።) ኣይሁድ ነዚ ግብሪ እዚ ብፍላይ ይጸልእዎ ነበሩ። ከመይሲ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮሜ ኸም ዘለዉ ዜዘኻኽሮም እዩ ነይሩ። እቶም ነዚ ሕቶ እዚ ዘልዓሉ “ሄሮድሳውያን፡” የሱስ ነዚ ግብሪ እዚ እንተ ዀኒንዎ፡ ንህዝቢ ብምንዓብ ከም ዚኽሰስ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ ግብሪ ግድነታዊ ሓላፍነት ከም ዝዀነ እንተ ተዛሪቡ ኸኣ፡ ሰዓብቱ ኺጸልእዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

10 የሱስ ኣብዚ ንግብሪ ዚምልከት ጕዳይ ገለልተኛ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” ድማ በሎም። (ማቴ. 22:21) ብርግጽ፡ የሱስ እቶም ኣከብቲ ቐረጽ ብልሹዋት ከም ዝዀኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣስጊሉ ኣብኡ ኼተኵር ኣይደለየን። የግዳስ፡ ኣብታ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ መፍትሒ እተምጽኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ኣተኲሩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንዅሎም ሰዓብቱ ሰናይ ኣብነት ሓደገሎም። ስለዚ፡ ገሊኡ ፖለቲካዊ ጕዳያት ቅኑዕ ወይ ፍትሓዊ እኳ እንተ መሰለ፡ ፈጺምና ጣልቃ ኽንኣቱ የብልናን። ክርስትያናት መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ዘይፍትሓዊ ነገራት ምስ ዜጋጥም፡ ክንጻረር ወይ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ኸነስምዕ ኣይንጽዕርን ኢና።—ማቴ. 6:33

11. ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ባህጊ ብግቡእ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቐደም ዝነበሮም ተሪር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣወጊዶምዎ እዮም። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ዩኒቨርስቲ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ኼጽንዕ ከለኹ፡ ሱር በተኽ ለውጢ ዚደሊ ኣረኣእያ ኣማዕቢለ ነይረ እየ። ጸለምቲ ብዙሕ ግፍዒ ስለ ዝበጽሓና፡ ንመሰል ጸለምቲ ኽጣበቕ እደሊ ነይረ። ኵሉ ሳዕ ኣብ መጐተ እዕወት እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሓጐስ ዚብሃል ግና ኣይረክብን እየ ነይረ። ምንጪ እቲ ብሰንኪ ዓሌት ዚወርድ ግፍዒ ኻብ ልቢ ደቂ ሰብ ኪምሓው ከም ዘለዎ ኣይተገንዘብኩን ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ፈለማ ንልበይ ከጽሪ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ከምኡ ኽገብር ዝሓገዘትኒ ድማ ሓንቲ ጻዕዳ ሓብቲ እያ ነይራ። ሕጂ ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ንዅሎም ዓይነት ሰባት ክሕግዞም ድማ እጽዕር ኣለኹ።”

“ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ”

12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እንታይ ዓይነት “ማይ ብሑቝ” ኬርሕቑ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧

12 ብግዜ የሱስ፡ ሃይማኖት ብዙሕ ሳዕ ምስ ፖለቲካ ይተሓናፈጽ ነበረ። ደይሊ ላይፍ ኢን ፓለስታይን ኣት ዘ ታይም ኦቭ ክራይስት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣይሁድ ተኸፋፊሎሙለን ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት፡ ፖለቲካውያን ውድባት እየን ነይረን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለት። ስለዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ማር. 8:15) እቶም ሄሮድስ ተባሂሎም ዘለዉ ነቶም ሄሮድሳውያን ዚብሃሉ ጕጅለ እዩ ዜመልክት ኪኸውን ዚኽእል። ፈሪሳውያን ነቲ ኣይሁድ ንናጽነት ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ይድግፍዎ ነይሮም እዮም። እቲ ኣብ ማቴዎስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሱስ ንሰዱቃውያን እውን ምሳታቶም ከም ዝጠቐሶም ይገልጽ እዩ። ሰዱቃውያን እቲ ዝነበረ ስርዓት ኪቕጽል ይደልዩ ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም ኣባላቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሮሜ ፖለቲካዊ ስልጣን ረኺቦም ነይሮም እዮም። የሱስ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ወይ ካብ ትምህርቲ እዞም ሰለስተ ጕጅለታት ኪርሕቁ ብጽኑዕ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ማቴ. 16:6, 12) እቲ ዜገርም ከኣ፡ እዚ ዝነገሮም እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ኻብ ዝፈተኑሉ እዋን ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ።

13, 14. (ሀ) ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ናብ ዓመጻን ዘይፍትሓውነትን ዚመርሕ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዘይፍትሓውነት ንዓመጻ መመኽነይታ ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

13 ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ምስ ዚተሓናፈጽ፡ ብቐሊሉ ዓመጻ ኼለዓዕል ይኽእል እዩ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ገለልትነቶም ኪሕልዉ ምሂርዎም እዩ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ንየሱስ ኪቐትልዎ ዝሃቀኑሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ከመይሲ፡ ንስልጣኖም ዚጻባእ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ተቓዋሚ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። “ከምዚ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኵላቶም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፣ ሮማውያን መጺኦም ድማ ቦታናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” ድማ በሉ። (ዮሃ. 11:48) ስለዚ፡ እቲ ቀያፋ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ኬቕትል መሪሕነት ወሲዱ ውዲት ኪኣልም ጀመረ።—ዮሃ. 11:49-53፣ 18:14

14 ቀያፋ፡ ወተሃደራት ብጸልማት ተጐልቢቦም ንየሱስ ኪሕዝዎ ለኣኸ። የሱስ ድማ ነዚ ዜሕፍር ውጥን እዚ ፈሊጥዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ናይ መወዳእታ ድራር ዝበልዓላ ምሸት፡ ኣስያፍ ኪሕዙ ነገሮም። ነቲ ዝሓሰቦ ትምህርቲ ንምምሕልላፍ ከኣ ክልተ ሰይፊ ጥራይ እኹላት ነበራ። (ሉቃ. 22:36-38) ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ጴጥሮስ ብሓንቲ ኻብተን ኣስያፍ ገይሩ ንሓደ ኣባል እቶም ጭፍራ ኣጥቅዖ። በቲ ኣብታ የሱስ እተኣስረላ ምሸት ዝረኣዮ ዘይፍትሓውነት ኣዝዩ ተቘጢዑ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ርዱእ እዩ። (ዮሃ. 18:10) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” በሎ። (ማቴ. 26:52, 53) እዚ ሓያል ትምህርቲ እዚ ምስቲ የሱስ ኣቐዲሙ በታ ምሸት እቲኣ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይኰኑ ዝጸለዮ ጸሎት ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:16 ኣንብብ።) እወ፡ ንዘይፍትሓውነት ዜወግዶ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

15, 16. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ካብ ጐንጺ ኺርሕቁ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኪዕዘባ ኸሎ፡ ንልቡ ባህ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

15 እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ኣብ ደቡባዊ ኤውሮጳ እትነብር ሓብቲ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ተማሂራ እያ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ዓመጻ ፍትሒ ኸም ዘየምጽእ ተገንዚበ እየ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ብዓመጻ ለውጢ ኼምጽኡ ዚጽዕሩ ኺሞቱ ርእየ እየ። ሓያሎ ኻልኦት ከኣ በቲ ዅነታት ይምረሩ እዮም። ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኼስፍን ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተምሃርኩ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ድማ፡ ነዚ መልእኽቲ እዚ ሰቢኸ እየ።” እቲ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዚነብር ሓው ከኣ፡ ሕጂ ኻብ ኵሉ ዓሌት ንዝዀኑ ሰባት መልእኽቲ ሰላም ስለ ዚሰብኽ፡ ንዂናውቱ በቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ለዊጥዎ እዩ። (ኤፌ. 6:17) እታ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ እትነብር ሓብቲ እውን፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት ንሓደ ኻብቶም ቀደም እትጸልኦም ዝነበረት ዓሌት ንዝዀነ ሓው ተመርዓወት። ሰለስቲኦም ኣሕዋት እተቐየሩ፡ ንክርስቶስ ኪመስልዎ ስለ ዝበሃጉ እዮም።

16 እዚ ለውጢ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ ምስቲ ናብዝን ናብትን ዚናወጽ ሰላም ዘይብሉ ባሕሪ እዩ ዜመሳስሎም። (ኢሳ. 17:12፣ 57:20, 21፣ ራእ. 13:1) ፖለቲካዊ ጕዳያት ንሰባት ኬናዕቦምን ኪኸፋፍሎምን ናብ ትርጉም ኣልቦ ዓመጻ ኺመርሖምን ከሎ፡ ንሕና ግና ሰላምናን ሓድነትናን ንሕሉ ኢና። የሆዋ ነዛ እተኸፋፈለት ዓለም ኪዕዘባ ኸሎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነት ምስ ዚርእስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!ጸፎንያስ 3:17 ኣንብብ።

17. (ሀ) ሓድነትና ኸነማዕብለሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 ክሳዕ ሕጂ፡ ክርስትያናዊ ሓድነትና ብሰለስተ መገዲ ኸነማዕብል ከም እንኽእል ርኢና ኢና፦ (1) እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም እተዐርዮ ንእመን ኢና፣ (2) ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምስ ዝዀነ ይኹን ጕጅለ ኣይንውግንን ኢና፣ (3) ንዓመጻ ንነጽጎ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣድልዎ ንሓድነትና ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ብድሆ እዚ ኸምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ብዓወት ክንምክቶ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።