ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ

ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ

ኵላትና ንየሆዋ ኸነገልግሎን ሞገሱ ኽንረክብን ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ንመን እዩ ሞገሱን በረኸቱን ዚህቦ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ዋላ እኳ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም ይፈልጡ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ሞገሱ ሂብዎም እዩ። ዚንኣድ ባህርያት ዝነበሮም ካልኦት ሰባት ግና ሞገስ ኣምላኽ ኣይረኸቡን። ስለዚ፡ “የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኺርእዮ ዚደሊ ቐንዲ ነገር እንታይ እዩ፧” ኢልና ንሓትት ንኸውን። እቲ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ዝገበሮ ነገር፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሓርጐጽጐጽ ዝነበሮ ኣጀማምራ

ኣቦ ሮብዓም እቲ ኣብ እስራኤል 40 ዓመት ዝነገሰ ሰሎሞን እዩ ነይሩ። (1 ነገ. 11:42) ሰሎሞን ብ997 ቅ.ክ. ሞተ። ስለዚ፡ ሮብዓም ንግስና ኪቕበል ካብ ሰሜን የሩሳሌም ናብ ሴኬም ተጓዕዘ። (2 ዜና 10:1) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሰር እቲ ብፍሉይ ጥበቡ ዚፍለጥ ዝነበረ ሰሎሞን ምስዓብ ዘፍርሆዶ ይመስለካ፧ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሮብዓም እተሓላለኸ ጸገማት ኪፈትሕ ዚኽእል ጥበበኛ ሰብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዜርኢ ግድል ኣጋጠሞ።

እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዅነታት ንሮብዓም ጭንቀት ፈጢሩሉ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ግዜ፡ ተወከልቲ እቲ ህዝቢ ናብኡ መጺኦም ብዛዕባ ዜተሓሳስቦም ነገር ብቐጥታ ነገርዎ። “ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርቲዑልና። ግናኸ፡ ነቲ ብርቱዕ መግዛእቲ ኣቦኻ እንተ ኣቕሊልካልና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኸቢድ ኣርዑት ድማ እንተ ኣፍኲስካልና፡ ክንግዝኣካ ኢና” ድማ በልዎ።—2 ዜና 10:3, 4

ሮብዓም ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንሓሳብ እቲ ህዝቢ እንተ ተቐቢሉ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስትን ዝነበሮም ምሾትን ዚረኽብዎ ኣታውን ኪንኪ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንሓሳቦም እንተ ነጺግዎ እቲ ህዝቢ ኺዓሉ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ሮብዓም እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ እዚ ሓድሽ ንጉስ መጀመርታ ምስቶም ኣማኸርቲ ሰሎሞን ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ተማኸረ። ድሕሪኡ ግና፡ ካብቶም መሳቶኡ ዝዀኑ መንእሰያት ምኽሪ ደለየ። ንምኽሪ እቶም መንእሰያት ሰሚዑ ድማ ነቶም ህዝቢ ብጭካነ ኺሕዞም ወሰነ። “ኣርዑትኩም ከኽብዶ እየ፣ ክውስኸሉ እውን እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ” ኢሉ ድማ መለሰሎም።—2 ዜና 10:6-14

ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ እወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጥበብ ኪርከብ ዚከኣል ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝበሰሉ ዓበይቲ ሰባት ብምስማዕ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ዝበሰሉ ዓበይቲ ሰባት፡ ብዙሕ ተመክሮ ስለ ዘለዎም፡ እንገብሮ ውሳነ ዘለዎ ውጽኢት ኣቐዲሞም ብምስትውዓል ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቡና ይኽእሉ እዮም።—እዮ. 12:12

“ቃል የሆዋ ተኣዚዞም”

ሮብዓም ምስቶም ዓለወኛታት ኪዋጋእ ሰራዊቱ ኣዕጠቐ። የሆዋ ግና ብነብዪ ሸማዕያ ኣቢሉ፡ “ምስ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ” በሎም።—1 ነገ. 12:21-24 *

እቲ ‘ኣይትዋጋእ’ ዚብል ትእዛዝ ንሮብዓም ክሳዕ ክንደይ ኣጨኒቕዎ ኸም ዝነበረ ኽትሓስቦ ትኽእል ኢኻ! እቲ ንተገዛእቱ “ብጭጕራፍ” ከም ዚቐጽዖም ዜፈራርህ ዝነበረ ንጉስ፡ ነዚ ዜሰምብድ ዕልወት እዚ ስቕ ኢሉ ምስ ዚርእዮ እቲ ህዝቢ ኸመይ ከም ዚስምዖ እሞ ሕሰቦ። (ምስ 2 ዜና መዋእል 13:7 ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር፡ ንጉስን ሰራዊቱን “ቃል የሆዋ ተኣዚዞም፡ ከምቲ የሆዋ ዝነገሮም ናብ ቤቶም ተመልሱ።”

ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ንኣምላኽ ምእዛዝ ላግጺ ኼስዕበልና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከምኡ ምግባርና ጥበባዊ እዩ። ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ምእዛዝ፡ ሞገሱን በረኸቱን ከም እንረክብ ይገብረና እዩ።—ዘዳ. 28:2

ሮብዓም እንታይ ኣጋጠሞ፧ ንቓል ኣምላኽ ተኣዚዙ ምስቲ ሓድሽ እተመስረተ ህዝቢ ምውጋእ ሓደጎ። የግዳስ፡ ነተን ነጊሱለን ዝነበረ ኣብ ነገዳት ይሁዳን ብንያምን ዚርከባ ኸተማታት ኣብ ምስራሕ ኣተኰረ። ንሓያሎ ኸተማታት ከኣ፡ “ኣዝዩ . . . ኣጽንዐን።” (2 ዜና 11:5-12) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ንእተወሰነ ግዜ ንሕግታት የሆዋ ስዒቡ እዩ። እታ ኣብ ትሕቲ የሮብዓም ዝነበረት ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል፡ ጣኦት ከተምልኽ ምስ ጀመረት፡ ብዙሓት ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደው ብምባል ናብ የሩሳሌም ከይዶም “ንሮብዓም . . . ደገፍዎ።” (2 ዜና 11:16, 17) በዚ ኸምዚ፡ ሮብዓም ስለ እተኣዘዘ ንግስናኡ ጸኒዑሉ እዩ።

ሓጢኣትን እተወሰነ ንስሓን

ሮብዓም ንግስናኡ ምስ ጸንዓሉ ግና፡ ዘይተሓስበ ነገር ገበረ። ሕጊ የሆዋ ምስዓብ ገዲፉ ኣረማዊ ኣምልኾ ኼምልኽ ጀመረ። ስለምንታይ እዩ ግና ከምኡ ገይሩ፧ እታ ዓሞናዊት ዝነበረት ኣዲኡ ጽልዋ ስለ ዘሕደረትሉ ደዀን ይኸውን፧ (1 ነገ. 14:21) ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ስዒቦምዋ እዮም። ስለዚ፡ የሆዋ ንሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ነተን ሮብዓም ዝዓረደን ብዙሓት ከተማታት ይሁዳ ኺሕዘን ፈቐደሉ።—1 ነገ. 14:22-24፣ 2 ዜና 12:1-4

ሺሻቅ ናብታ ግዝኣት ሮብዓም ዝነበረት የሩሳሌም ምስ መጸ፡ እቲ ዅነታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጽሐ። ሽዑ፡ ነብዪ ሸማዕያ ንሮብዓምን ንመሳፍንቱን፡ “ንስኻትኩም ሓዲግኩምኒ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓዲገኩም እየ” ዚብል መልእኽቲ ኣምላኽ ነገሮም። እሞ ደኣ ሮብዓም ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ነቲ ተግሳጽ ተቐቢልዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሽዑ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሓቱ፡ ‘የሆዋ ጻድቕ እዩ’ ድማ በሉ” ይብል። ስለዚ፡ የሆዋ ንሮብዓምን ንየሩሳሌምን ካብ ጥፍኣት ኣድሓኖም።—2 ዜና 12:5-7, 12

በዚ ኸምዚ፡ ሮብዓም ኣብ ልዕሊ ደቡባዊት መንግስቲ ዝነበሮ ንግስና ቐጸለ። ቅድሚ ሙማቱ ንብዙሓት ደቁ ብልግሲ ህያባት ሃቦም። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቲ ወራሲኡ ዝነበረ ኣብያ ዕልወት ምእንቲ ኸየጋጥሞ ኢሉ እዩ ዚኸውን። (2 ዜና 11:21-23) በዚ ኸምዚ፡ ሮብዓም ኣብ መጀመርታ ዘይነበሮ እተወሰነ ምስትውዓል ኣርእዩ እዩ።

ጥዑይ ድዩ ነይሩ ወይስ ክፉእ፧

ሮብዓም ዚንኣድ ነገራት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሞገስ የሆዋ ግና ኣይረኸበን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንግስናኡ “ኽፉእ ገበረ” ብምባል ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጸልና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሱ “ንየሆዋ ኺደልዮ ብልቡ ኣይቈረጸን።”—2 ዜና 12:14

ሮብዓም ከም ዳዊት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣይነበሮን

ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ሮብዓም ንየሆዋ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ኢሉ ድማ ገለ ጽቡቕ ነገራት ገይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ ወይ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ዝነበሮ ሓያል ባህጊ ኣይቀጸሎን። ስለዚ፡ ሓጢኡን ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጥሒሉን እዩ። እምበኣር፡ ‘ሮብዓም መለኮታዊ መአረምታ ኺውሃቦ ኸሎ፡ ንስሓ ዘርኣየን ንኣምላኽ ንምሕጓስ ባህጊ ዘሕደረን፡ ካብ ልቡ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ጽልዋ ስለ ዝገበሩሉ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። (2 ዜና 11:3, 4፣ 12:6) ጸኒሑ፡ ሮብዓም ናብቲ ኽፉእ ተግባሩ ተመሊሱ እዩ። ከምቲ ኣቦሓጎኡ ዝዀነ ንጉስ ዳዊት ኣይነበረን። እወ፡ ዳዊት ጌጋታት ይገብር እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ኣፍቂርዎን ርእሱ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ወፍዩን ንዝፈጸሞ ሓጢኣት ናይ ሓቂ ንስሓ ኣርእዩን እዩ።—1 ነገ. 14:8፣ መዝ. 51:1, 17፣ 63:1

ካብቲ ሮብዓም ዝገበሮ ነገር ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሰባት ንስድራ ቤቶም ኪናብዩን ጠቓሚ ዕዮ ኺዓይዩን ዚንኣድ እዩ። መለኮታዊ ሞገስ ንምርካብ ግና፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸነቐድምን ክንድግፍን ኣብኡ ኽንጸንዕን ኣሎና።

ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር፡ ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኺህልወና ኣለዎ። ከምቲ ሓዊ ምእንቲ ኸይጠፍእ ዕንጨይቲ ወይ ፈሓም እንውስኸሉ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ምእንቲ ኸይትጠፍእ እውን ንቓሉ ብስሩዕ ከነንብቦን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንን ብጸሎት ክንጸንዕን የድልየና እዩ። (መዝ. 1:2፣ ሮሜ 12:12) እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ድማ፡ ብዅሉ ተግባራትና ንዕኡ ኸነሐጕሶ ንዘሎና ባህጊ ኸተሐይሎ እያ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓጢኣት ክንገብር ከለና እውን ናይ ሓቂ ንስሓ ኸነርኢ ትድርኸና እያ። በዚ ኸምዚ፡ ከም ሮብዓም ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንጸንዕ ኢና።—ይሁ. 20, 21

^ ሕ.ጽ. 9 ሰሎሞን እሙን ብዘይ ምዃኑ፡ ኣምላኽ እታ መንግስቲ ኽትምቀል ምዃና ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ ነበረ።—1 ነገ. 11:31