ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ

ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ

“ሰላም፡ ከመይ ውዒልካ፧”

ብዙሕ ሳዕ ከምዚ ዓይነት ሰላምታ ኸም እትህብ መሸም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ኢድካ ብምዝርጋሕ ወይ ብምሕቋፍ ሰላም ትብል ትኸውን። ሰላምታ ዚውሃበሉ ልምድን ቃላትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ መሰረታዊ ኣገባብ ሰላምታ ግና ተመሳሳሊ እዩ። ሰላምታ ዘይምሃብ ወይ ሰላም ክትብሃል ከለኻ ምላሽ ዘይምሃብ፡ ፍቕሪ ኸም ዘይብልካ ወይ ከኣ ከም ሕማቕ ስነ ምግባር ኪርአ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ሰላምታ ዚህቡ ዅሎም ሰባት ኣይኰኑን። ገሊኦም ሓፋራት ስለ ዝዀኑ ወይ ንርእሶም ኣመና ኣትሒቶም ስለ ዚርእይዋ ሰላምታ ምሃብ ይኸብዶም እዩ። ገሊኦም ከኣ እተፈልየ ዓሌት፡ ባህሊ ወይ ማሕበራዊ መነባብሮ ንዘለዎም ሰባት ሰላምታ ምሃብ ይኸብዶም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓጺር ሰላምታ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ሰላምታ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ቃል ኣምላኽከ ብዛዕባ ሰላምታ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧’

“ንዅሉ ዓይነት ሰብ” ሰላም በሉ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ኣህዛብ ንመጀመርታ ግዜ ክርስትያን ዝዀነ ቆርኔሌዎስ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪቕበሎ ኸሎ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ” በለ። (ግብ. 10:34) ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ኣምላኽ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” ኸም ዚደሊ ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 3:9) ነዘን ጥቕስታት እዚአን ኣብ ፈለማ ኸነንብበን ከለና፡ ንሓደ ሓቂ ዚምሃር ዘሎ ሰብ ጥራይ ከም ዚምልከታ ንሓስብ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡ ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ” ኢሉ እውን ምዒድዎም እዩ። (1 ጴጥ. 2:17) እሞ ደኣ ሰባት ዘለዎም ዓሌት፡ ባህሊ ወይ ማሕበራዊ መነባብሮ ብዘየገድስ፡ ንዅሎም ሰላምታ ኽንህቦም ጽቡቕዶ ኸይኰነ፧ ከመይሲ፡ ሓደ ኻብቲ ንሰባት ዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን ከነርኢ እንኽእለሉ መገዲ፡ ሰላምታ ብምሃብ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ፡ “ከምቲ ክርስቶስ እተቐበለና፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” በሎም። (ሮሜ 15:7) ነቶም “ዜበራትዕ ደገፍ” ዝዀንዎ እውን ጠቒሱ እዩ። ንሕና ድማ ኣብዚ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ዜውርደሉ ዘሎ እዋን እንነብር ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀንና፡ ዝያዳ መበራትዒ የድልየና እዩ።—ቈሎ. 4:11፡ እ.ጽ.፣ ራእ. 12:12, 17

ሰላምታ ምሃብ ንኻልኦት ብሓጐስ ከም እተቐበልናዮም ዜርኢ ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኻብ ዘሎ ኣብነታት ክንምሃር ንኽእል ኢና።

መረጋገጽን መተባብዕን ፍቕርን

ህይወት ወዲ ኣምላኽ ናብ ማህጸን ማርያም ዚመሓላለፈሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ የሆዋ ንማርያም ኬዛርባ ሓደ መልኣኽ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ሰላም፡ ኣቲ ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት፡ የሆዋ ምሳኺ እዩ” በላ። ማርያም ግና፡ ስለምንታይ መልኣኽ ከም ዘዛረባ ስለ ዘይፈለጠት፡ “ብዙሕ ተረበሸት።” እቲ መልኣኽ ድማ ማርያም ከም እተረበሸት ምስ ረኣየ፡ “ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ” በላ። መሲሕ ክትወልድ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ድማ ገለጸላ። ድሕሪኡ፡ ኣይተረበሸትን፣ የግዳስ፡ “እነኹ ባርያ የሆዋ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” ብምባል እዝዝቲ ኸም ዝዀነት ገለጸት።—ሉቃ. 1:26-38

እቲ መልኣኽ ናይ የሆዋ መልእኽተኛ ዀይኑ ኺዓይዪ ምኽኣሉ ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንዘይፍጽምቲ ሰበይቲ ምዝራብ ከም ውርደት ገይሩ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ብሰላምታ እዩ ዘረባኡ ጀሚሩ። ካብዚ ኣብነት እዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንኻልኦት ሰላምታ ኽንህቦምን ከነተባብዖምን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ብሒደት ቃላት እኳ ንኻልኦት ርእሰ ተኣማንነት ኬጥርዩ ኽንሕግዞምን ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ኸም ዚስምዖም ክንገብርን ንኽእል ኢና።

ጳውሎስ ኣብ ንእሽቶ እስያን ኤውሮጳን ንዝነበራ ጉባኤታት ይፈልጠን ነይሩ እዩ። እተን መልእኽትታቱ ድማ ብዙሕ ሰላምታታት ዝሓዛ እየን። ሓደ ኣብነት፡ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 16 ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ኣብኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት ሰላምታ ልኢኹሎም እዩ። ንኣብነት ንፌቤን፡ “ሓብትና” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ፣ ነቶም ኣሕዋት ከኣ፡ “ንቕዱሳት ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፣ ብዜድልያ ዘበለ እውን ደግፍዋ” በሎም። ጳውሎስ ንጵርስካን ኣኪላስን እውን ሰላምታ ልኢኹሎም እዩ፣ ብዛዕባኦም ከኣ፡ “ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ፡ ኵለን ጉባኤታት እውን የመስግናኦም እየን” በለ። ን“ኤጴኔጦስ እቲ ፍቑረይ” ከምኡ ድማ “ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን” ሰላም በሉለይ እውን ኢሉ እዩ። እወ፡ ጳውሎስ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ መንነቶም ብዙሕ ዘይፍለጥ ሰባትን ንኻልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ኢልዎም እዩ።—ሮሜ 16:1-16

እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ጳውሎስ ከም ዝዘከሮም ምስ ፈለጡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! ንጳውሎስን ንኻልኦትን ዝነበረቶም ፍቕሪ ወሲኻ ኽትከውን ትኽእል እያ። ካልኦት ክርስትያናት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላምታ ምስ ሰምዑ፡ ብእምነት ኪጸንዑ ተተባቢዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እወ፡ ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነትን ናእዳን ዜንጸባርቕ ሰላምታ፡ ዕርክነት የደልድልን ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓድነት የምጽኣሎምን እዩ።

ጳውሎስ ኣብ ወደብ ጱተዮሉስ ምስ ኣተወን ናብ ሮሜ ገጹ ምስ ከደን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪቕበልዎ መጹ። ጳውሎስ ካብ ርሑቕ ምስ ረኣዮም ከኣ፡ “ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን።” (ግብ. 28:13-15) ሓድሓደ ግዜ፡ ብፍሽኽታ ወይ ኢድና ብምውዝዋዝ ጥራይ ሰላም ንብል ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ምግባርና ጥራይ እውን ምናልባት ንእተደቝሰ ወይ ንዝሓዘነ ሰብ ኬተባብዖ ይኽእል እዩ።

ሓባራዊ ባይታ

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንክርስትያናት ተሪር ምኽሪ ኺህቦም ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ዓለም ዕርክነት ብምምስራት መንፈሳዊ ዝሙት ፈጺሞም ነበሩ። (ያእ. 4:4) ያእቆብ ነታ መልእኽቱ ብኸመይ ከም ዝጀመራ ግና ኣስተብህለላ፦

“ካብቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ዝዀነ ያእቆብ፡ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ 12 ነገዳት፦ ሰላም።” (ያእ. 1:1) ያእቆብ ነቶም ነታ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት፡ ኣምላኽ ንዕኡን ንዓታቶምን ብማዕረ ኸም ዚርእዮም ምግላጹ፡ ነቲ ዝሃቦም ምኽሪ ብቐሊሉ ኪቕበልዎ ኸም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ፡ ትሕትና ዜንጸባርቕ ሰላምታ ኸቢድ ጕዳያት ብዝሓሸ መገዲ ንኽትመያየጥ መገዲ ይኸፍት እዩ።

እቲ እትህቦ ሰላምታ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ዚኽእል ካብ ልብን ብፍቕርን ምስ ዚቐርብ እዩ። ዋላ እውን ሰብ እንተ ዘየስተብሃለሉ ኸምኡ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 22:39) ሓደ ግዜ፡ ሓንቲ ኣብ ኣይርላንድ እትነብር ሓብቲ፡ ኣኼባ ቐቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ በጽሐት። ተሃዊኻ ኽትኣቱ ኸላ ኸኣ ሓደ ሓው ፍሽኽ ኢሉ “ሰላም። እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ” በላ። እታ ሓብቲ ኸኣ ስቕ ኢላ ኾፍ በለት።

ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ፡ ናብቲ ሓው ከይዳ ኣብ ቤታ ዜጨንቕ ኵነታት ኣጋጢምዋ ኸም ዝነበረ ነገረቶ። “ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣዝየ ጕህየ ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ኣኼባ ኽተርፍ ሓሲበ ነይረ። ኣብቲ ኣኼባ ኻብ እተምሃርኩዎ ኸኣ ሰላምታኻ እንተ ዘይኰይኑ ብዙሕ ካልእ ኣይዝከረንን እዩ። ብሓቂ እየ ተሓጒሰ። አመስግነካ” ድማ በለቶ።

እቲ ሓው፡ እታ ዝሃባ ሓጻር ሰላምታ ኽሳዕ ክንደይ ጥቕሚ ኺህልዋ ኸም ዚኽእል ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እተን እተዛረብኩወን ሒደት ቃላት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐማኣ ምስ ነገረትኒ፡ ጻዕሪ ብምግባረይ ብዙሕ ባህ ኢሉኒ እዩ። ብሓቂ እየ ተሓጒሰ።”

ሰሎሞን፡ “ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ፣ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታትሲ መሊስካ ኽትረኽቦ ኢኻ” በለ። (መክ. 11:1) ብፍላይ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ሰላምታ ምሃብ ዘለዎ ጥቕሚ ምስ እንግንዘብ፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ኢና እንጠቅም። ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ ኣትሒትና ኣይንርኣዮ።