ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ናይ ምዝማር ክእለትና ኸነመሓይሽ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣርባዕተ ነገር እንታይ እዩ፧

ነቲ ናይ መዝሙር መጽሓፍና ሓፍ ኣቢልና ብምሓዝ ኣቃውማና ኸነዐሪ ንኽእል ኢና። ብዚግባእ ከነስተንፍስ ኣሎና። ኣፍና ኣስፍሕ ኣቢልና ኸፊትና ንዝምር እንተ ዄንና፡ ዓው ኢልና ኽንዝምር ይሕግዘና እዩ።—w17.11፡ ገጽ 5

እቲ ናብተን ኣብ እስራኤል ዝነበራ ኸተማታት ዕቝባ ዚወስድ ቦታታትን መገድታትን ዚምስጠና ስለምንታይ እዩ፧

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ነይረን እየን። ናባታተን ዚመርሕ ምሹእ መገድታት ድማ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብቕልጡፍን ብዘይ ምንም ጸገምን ናብተን ከተማታት ዕቝባ ኺበጽሕ ይኽእል ነበረ።—w17.11፡ ገጽ 14

እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ዝሃበና በጃ ብሉጽ ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንዘለኣለም ክንነብር ዘሎና ባህጊ የዕግበልናን ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ የውጽኣናን እዩ። ኣምላኽ ንዘርኢ ኣዳም ስለ ዚርሕርሓሎም፡ ገና ሓጥኣን ከለና ምእንታና በጃ ኪኸውን ንየሱስ ኣዳለዎ።—wp17.6፡ ገጽ 6-7

መዝሙር 118:22 ንትንሳኤ የሱስ እተመልክት ብኸመይ እያ፧

እቲ መሲሕ ዝነበረ የሱስ ተናዒቑን ተቐቲሉን እዩ። “ርእሲ እምኒ መኣዝን” ምእንቲ ኪኸውን ድማ ኪትንስእ ነበሮ።—w17.12፡ ገጽ 9-10

እቲ ናብ መሲሕ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ምስ መሰል ብዅርና ምትእስሳር ነይርዎ ድዩ፧

እዚ መስመር ወለዶ እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ በቲ በዅሪ ወዲ ኣቢሉ ይሓልፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ሳዕ ግና ኣይኰነን። ዳዊት ንእሰይ በዅሪ ወዱ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ መሲሕ ግና ብዳዊት ኣቢሉ እዩ መጺኡ።—w17.12፡ ገጽ 14-15

ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕክምናዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ገሊኡ ዓይነት ተመሓላላፊ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ንበይኖም ይውሸቡ ነበሩ። ሰባት ሬሳ ድሕሪ ምትንካዮም፡ ኢዶም ኪሕጸቡ ነበሮም። ሕጊ ሙሴ፡ ቀልቀል ሰባት ኪውገድ ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነበረ። ግዝረት ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኺግበር ነበሮ፣ ከመይሲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ደም ብንቡር ደረጃ ኺረግእ ይጅምር እዩ።—wp18.1፡ ገጽ 7

ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ግቡእ ፍቕሪ ኺህልዎ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ንብጻይና ኸም ነፍስና ኢና እነፍቅሮ። (ማር. 12:31) ሰብኡት “ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን” ኣለዎም። (ኤፌ. 5:28) ሓቂ እዩ፡ ጥቕሚ ርእሱ ዚደሊ ፍቕሪ፡ ቄናን ዓይነት ፍቕሪ እዩ።—w18.01፡ ገጽ 23

ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንዓቢ ኽንወስዶ እንኽእል ገለ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንን ንእተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን የድልየና። ኣእምሮናን ልብናን ብመንፈስ ቅዱስ ኪጽሎ ኽንፈቕደሉን ካልኦት ንዚህቡና ሓገዝ ብሓጐስ ክንቅበልን ኣሎና።—w18.02፡ ገጽ 26

ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ብዛዕባ መጻኢ ኺነግረና ዘይክእለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተሎ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ግና መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲኡ ተግባራት ይዅንኖ እዩ።—wp18.2፡ ገጽ 4-5

ንመኣዲ ዕድመ ምስ እንቕበል፡ ኣኽብሮትና ኸነርኢ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

ዕድመ እንተ ተቐቢልና፡ ቃልና ኽንሕሉ ኣሎና። (መዝ. 15:4) ብጢጥ ቅሚጥ ክንስርዝ የብልናን። እቲ ዝዓደመና ሰብ ንምእንጋድና ብዙሕ ደኺሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—w18.03፡ ገጽ 18

እተሸሙ ሰብኡት ካብ ጢሞቴዎስ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

ጢሞቴዎስ ንሰባት ብሓቂ ይሓልየሎምን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ይህብን ነይሩ እዩ። ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣበርቲዑ ይዓዪን ንእተማህሮ ኣብ ግብሪ የውዕሎን እውን ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንርእሱ ብቐጻሊ የሰልጥናን ኣብ መንፈስ የሆዋ ይውከልን ነይሩ። ሽማግለታትን ካልኦትን ኣብነቱ ኺስዕቡ ይኽእሉ እዮም።—w18.04፡ ገጽ 13-14