ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ

ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ

ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ እየ።”—መዝ. 119:99

መዝሙር፦ 127, 88

1. ሰባት ካብ እንስሳታት ዝበለጹ ዚገብሮም ሓደ ውህበት እንታይ እዩ፧

ሰባት ካብ እንስሳታት ዝበለጹ ፍጥረታት ዚገብሮም ሓደ ውህበት፡ ሕልና እዩ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ኣትሒዙ እዚ ውህበት እዚ ኣለዎ። ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ የሆዋ ምስ ጠሓሱ፡ ተሓቢኦም እዮም። እዚ ድማ ሕልናኦም ይርብሾም ከም ዝነበረ ዜረጋግጽ እዩ።

2. ሕልናና ኸም ኮምፓስ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ዘይሰልጠነ ሕልና ዘለዎም ሰባት፡ ብእተበላሸወ ኮምፓስ ምስ እትምራሕ መርከብ ኪመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። ቅኑዕ ኮምፓስ ከይሓዝካ ጕዕዞ ባሕሪ ምጅማር ሓደገኛ እዩ። ንፋስን ማዕበል ባሕርን ንሓንቲ መርከብ መገዳ ኼስሕታ ይኽእል እዩ። ብዚግባእ ዚዓዪ ኮምፓስ ግና ንሓደ ሓለቓ መርከብ ንመርከቡ ኻብ መገዳ ኸይወጸት ከም እትጐዓዝ ንኺገብራ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ሕልናና እውን ምስ ናይ ስነ ምግባር ኮምፓስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብቕኑዕ መገዲ ኺመርሓና ዚኽእል ቅኑዕን ጌጋን ዚፈሊ ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። ሕልናና ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኺመርሓና ግና፡ ብዚግባእ ኪተዓራረ ወይ ኪዋሃሃድ ኣለዎ።

3. ሕልና ብዚግባእ እንተ ዘይሰልጢኑ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

3 ሕልና ሓደ ሰብ ብዚግባእ እንተ ዘይሰልጢኑ፡ ጌጋ ኻብ ምግባር ኪገትኦ ኣይክእልን እዩ። (1 ጢሞ. 4:1, 2) ብዚግባእ ዘይሰልጠነ ሕልና፡ እቲ ‘ኽፉእ ጽቡቕ’ ከም ዝዀነ ኼእምነና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 5:20) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 16:2) እቶም ንወደ መዝሙር እስጢፋኖስ ኰነ ንኻልኦት ዝቐተልዎም ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም። (ግብ. 6:8, 12፣ 7:54-60) ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ብስም ኣምላኽ ሕማቕ ገበን ፈጺሞምን ሰባት ቀቲሎምን እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ እዚ ተግባር እዚ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ። (ዘጸ. 20:13) ሕልናኦም ኪእመን ዘይክእል መራሒ ኸም ዝዀኖም ርዱእ እዩ።

4. ሕልናና ብዚግባእ ምእንቲ ኺሰርሕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

4 ሕልናና ብዚግባእ ምእንቲ ኺሰርሕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን፡ “ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን . . . ዚጠቅም እዩ።” (2 ጢሞ. 3:16) ስለዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ምስ እነጽንዖ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘንበብናዮ ምስ እነስተንትን፡ ከምኡ እውን ነቲ ኻብኡ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ንሕልናና ሓሳብ ኣምላኽ ኪፈልጥን ዜተኣማምን መራሒ ኪኸውንን ከነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንርአ።

ሕግታት ኣምላኽ የሰልጥንካ

5, 6. ሕግታት ኣምላኽ ምስ እንስዕብ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

5 ካብ ቃል ኣምላኽ ክንጥቀም እንተ ደኣ ደሊና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡ ወይ ምፍላጡ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ከነፍቅሮን ከነኽብሮን ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፡ “ክፉእ ጽልኡ፡ ጽቡቕ ከኣ ኣፍቅሩ” ይብለና። (ኣሞ. 5:15) ከምኡ ኽንገብር እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ብምሓዝ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ድቃስ ምድቃስ ከም ዘሸገረካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሓኪምካ፡ እተወሰነ ዓይነት ኣመጋግባ ኽትስዕብ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር፡ ከምኡ እውን ኣነባብራኻ ኽትልውጥ ኣዚዙልካ ንበል። ነዚ ምስ ሰዓብካ፡ ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ጀሚርካ። እሞ ደኣ ነቲ ሓኪምካ ብዙሕዶ ኣይመመስገንካዮን፧

6 ብተመሳሳሊ፡ ፈጣሪና ኻብ ከቢድ ሳዕቤን ሓጢኣት ኪሰትረናን ህይወትና ኼመሓይሸልናን ዚኽእል ሕግታት ሂቡና እዩ። ነቲ ብዛዕባ ሓሶትን እኩይ ሓሳብን ስርቅን ምንዝርናን ዓመጻን ጥንቈላን ዚገልጽ ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንስዕቦ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀም እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ምሳሌ 6:16-19 ኣንብብ፣ ራእ. 21:8) መገድታት የሆዋ ብምስዓብና እንረኽቦ ብዙሕ በረኸት ምስ ኣስተማቐርና፡ ልብና ንየሆዋን ንሕግታቱን ዘለዎ ፍቕርን ሞሳን ዝያዳ ይዓቢ እዩ።

7. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ ሓቂ ዛንታታት ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን እንታይ ክንገብር እዩ ዚሕግዘና፧

7 ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስ ዜስዕቦ ጕድኣት ክንፈልጥ ኢልና ነቲ ሕግታት ክንጥሕሶን ሕማቕ ሳዕቤን ክንዓጽድ ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ ካብቶም በደሎም ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰባት ዝገበርዎ ጌጋታት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ምሳሌ 1:5፡ “ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ” ይብለና። እወ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ ሓቂ ዛንታታት ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ካብ የሆዋ ብሉጽ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዳዊት ትእዛዝ የሆዋ ጥሒሱ ምስ ባትሴባ ምስ ዘመወ ዘጋጠሞ ጸገማት ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (2 ሳሙ. 12:7-14) ነዚ ጸብጻብ እዚ ኸነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና፦ ‘ንጉስ ዳዊት ካብቲ ብሰንኪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ዘጋጠሞ ጓሂ ልቢ ኺናገፍ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ተመሳሳሊ ፈተና እንተ ደኣ ኣጋጢሙኒ፡ ካብቲ ፈተና ኽርሕቕ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ከም ዮሴፍ እሃድም ድየ ወይስ ከም ዳዊት ኢደይ እህብ እየ፧’ (ዘፍ. 39:11-15) ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኼጋጥመና ዚኽእል ሕማቕ ሳዕቤን ምስ እንሓስብ፡ ልብና ብዝያዳ ‘ኽፉእ ዘበለ ኺጸልእ’ እዩ።

8, 9. (ሀ) ዕላማ ሕልናና እንታይ እዩ፧ (ለ) ስርዓታት የሆዋን ሕልናናን ብሓንሳእ ዚዓይዩ ብኸመይ እዮም፧

8 ኣምላኽ ዚጸልኦ ዘበለ ተግባራት ኣይንገብርን ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንጹር ዝዀነ ሕጊ ዘይንረኽበሉ ንጥፈታት ወይ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዜጋጥመና፡ ኣምላኽ ዚቕበሎን ዜሐጕሶን እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንሕልናና ብመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ እንተ ኣሰልጢንናዮ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

9 የሆዋ ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዝሰልጠነ ሕልናና ብሓባር ዚዓዪ ስርዓታት ሂቡና እዩ። ንሱ ባዕሉ ኸኣ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉና ኣሎ። (ኢሳ. 48:17, 18) ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቝና ምስ እንሓስብን ንልብና ምስ ዚትንክፎን፡ ንሕልናና ኽንእርሞን ክንመርሖን ክንቀርጾን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ እተቐርጸ ሕልና ኸኣ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ኪሕግዘና እዩ።

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመራሕ

10. ስርዓታት ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ብዚግባእ እተጠቕመሉኸ ብኸመይ እዩ፧

10 ስርዓት ኪብሃል ከሎ፡ ኣተሓሳስባኻ ወይ ተግባርካ እትምስርተሉ መሰረታዊ ሓቂ ወይ ሰረተ እምነት ማለት እዩ። ንሓደ ስርዓት ክንርድኦ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንሓሳብ እቲ ወሃብ ሕግን እቲ ሕግታት ንእተዋህበሉ ምኽንያትን ክንርድኦ ኣሎና። የሱስ ኣብ መላእ ኣገልግሎቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ገሊኡ ኣተሓሳስባ ወይ ተግባር ዘለዎ ሳዕቤን ኪምህሮም ኢሉ መሰረታዊ ሓቅታት ምሂሩ እዩ። ንኣብነት፡ ቂም ምሓዝ ናብ ዓመጻ፡ ብፍትወት ምጥማት ከኣ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ከም ዚኽእል ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 5:21, 22, 27, 28) ብስርዓታት ኣምላኽ ምስ እንምራሕ፡ ሕልናና ብዚግባእ ኪስልጥን፡ ንኣምላኽ ከኣ ክብሪ ኸነምጽኣሉ ኢና።—1 ቈረ. 10:31

ሓደ ብሱል ክርስትያን ንሕልና ኻልኦት የኽብር እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

11. ሕልና ሰብ ዚፈላለ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ገሊኡ ነገራት፡ ሕልናኦም ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ኽልተ ክርስትያናት እተፈላለየ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምውሳድ ኣይክልክልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኽንሰቲ ዀነ ኽንሰክር ከም ዘይብልና ይመኽረና እዩ። (ምሳ. 20:1፣ 1 ጢሞ. 3:8) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ጥራይ እንተ ሰትዩ ኻልእ ዜተሓሳስቦ ነገር የለን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ሕልናኡ ዚፈቕደሉ እንተ ዀነ እውን፡ ብዛዕባ ሕልና ኻልኦት ግና ኪሓስብ ኣለዎ።

12. እቲ ኣብ ሮሜ 14:21 ዚርከብ ቃላት ንሕልና ኻልኦት ከነኽብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ንሕልና ኻልኦት ከነኽብር ከም ዘሎና ገሊጹ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ገለ እኳ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ዝሓሸ እዩ።” (ሮሜ 14:21) መሰልካ ዝዀነ ነገር እውን ከይተረፈ ንሕልና ሓውካ ዚርብሾ እንተ ደኣ ዀይኑ ኽትሓድጎ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ከምኡ ኸም እትገብር ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገሊኦም ኣሕዋትና፡ ፍልጠት ሓቂ ቕድሚ ምርካቦም ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ይሰትዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጂ ግና ካብ መስተ ኺሕረሙ ወሲኖም እዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትና ናብቲ ሕማቕ ልማዳቶም ንኺምለሱ ምኽንያት ከይንዀኖም ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ቈረ. 6:9, 10) ስለዚ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትና ናብ ቤትና ተዓዲሞም ምስ ዚመጹ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸም ዘይሰትዩ እንተ ነጊሮምና፡ ከነገድዶም የብልናን።

13. ጢሞቴዎስ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምቕዳም ጽቡቕ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

13 ጢሞቴዎስ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ኸሎ ኺግዘር ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ነቶም ዚሰብከሎም ኣይሁድ ዕንቅፋት ምእንቲ ኸይከውን ኪሳቐ መሪጹ እዩ። ኣረኣእያኡ ድማ ምስ ኣረኣእያ ጳውሎስ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። (ግብ. 16:3፣ 1 ቈረ. 9:19-23) ንስኻኸ ኸም ጢሞቴዎስ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢልካ ብሕታዊ መስዋእትታት ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧

“ናብ ብስለት ንገስግስ”

14, 15. (ሀ) ናብ ብስለት ምግስጋስ ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ንኻልኦት ምፍቃር ምስ ክርስትያናዊ ብስለት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

14 ኵሎም ክርስትያናት ነቲ ‘ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ’ ሰጊሮም ‘ናብ ብስለት ኪግስግሱ’ ኣለዎም። (እብ. 6:1) እዚ ግና ብቕጽበት ዚኸውን ነገር ኣይኰነን። ‘ክንግስግስ’ ወይ ከኣ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። መንፈሳዊ ብስለትካ ምዕባይ፡ ፍልጠትን ልቦናን ምውሳኽ የጠቓልል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መዓልቲ መዓልቲ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ መተባብዒ ዚውሃበና። (መዝ. 1:1-3) ንስኻኸ ብብሕትኻ እዚ ሸቶ እዚ ኣሎካዶ፧ ከምዚ ዓይነት ንባብ፡ ብዛዕባ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ከኣ ዓሚቝ ምርዳእ ኪህልወካ ኺሕግዘካ እዩ።

15 እታ ዝዓበየት ሕጊ ክርስትያናት፡ ሕጊ ፍቕሪ እያ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:35) እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ንፍቕሪ፡ “ንጉሳዊ ሕጊ” ኢሉ ጠቒስዋ ኣሎ። (ያእ. 2:8) ጳውሎስ ከኣ፡ “ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ” በለ። (ሮሜ 13:10) ፍቕሪ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲት ምዃና ኣየገርመናን እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃ. 4:8) ፍቕሪ ኣምላኽ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን። ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 4:9) እወ፡ እታ ኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ስጕምቲ ኺወስድ ደሪኻቶ እያ። ንሕና እውን ንየሆዋን ንየሱስን ንኣሕዋትናን ንኻልኦትን ምስ እነፍቅር፡ ክርስትያናዊ ብስለትና ኢና እነርኢ።—ማቴ. 22:37-39

ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪትና ምስ እንሓስብ፡ ሕልናና ብዝያዳ ዜተኣማምን መምርሒ ይዀነና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ናብ መንፈሳዊ ብስለት ክንግስግስ ከለና፡ ንስርዓታት ብዝያዳ ኽንፈትዎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክትግስግስ ከለኻ፡ ንስርዓታት ብዝያዳ ኽትፈትዎ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ፡ ሕጊ ንእተወሰነ ዅነታት ጥራይ ዚምልከት እኳ እንተ ዀነ፡ ስርዓታት ግና ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ዚውዕል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ቘልዓ ሕማቕ ዕርክነት ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ እቶም መስተውዓልቲ ወለዱ ምእንቲ ኼዕቍብዎ ኢሎም ሕግታት የውጽኡሉ እዮም። (1 ቈረ. 15:33) እቲ ቘልዓ ኺዓቢ ኸሎ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ እውን ስለ ዚዓቢ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓስብ ይጅምር እዩ። ስለዚ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ኣብ ምግባርን ኣዕሩኽ ኣብ ምምራጽን በብግዜኡ እናተመሓየሸ እዩ ዚኸይድ። (1 ቈረንቶስ 13:11፣ 14:20 ኣንብብ።) ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንሓስብ፡ ሕልናና ብዝያዳ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ስለ ዚሳነ፡ ዝያዳ ዜተኣማምን መምርሒ ይዀነና እዩ።

17. ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ነገራት ኣሎና እንብል ስለምንታይ ኢና፧

17 ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ነገራት ኣሎና ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ምስ እንጥቀመሉ፡ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ” ሰብ ኢና እንኸውን። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ስለዚ፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ” ኸተስተውዕል ዚሕግዘካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ድለ። (ኤፌ. 5:17) ብክርስትያናዊት ጉባኤ እተዳለወ፡ ከም ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዎችታወር ላይብረሪ፡ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛኣፕሊኬሽን JW Library ዝኣመሰለ ንመጽናዕቲ ዚሕግዘካ ናውቲ ተጠቐመሉ። እዚ ናውቲ እዚ፡ ካብ ብሕታዊ መጽናዕትናን ካብ መጽናዕቲ ስድራ ቤትናን ብዙሕ ክንጥቀም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና በረኸት የምጽእ

18. ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ሓሊና ምስ እንመላለስ፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

18 ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ምስ እንሕሉ፡ ብዙሕ በረኸት ኢና እንረክብ። መዝሙር 119:97-100 ከምዚ ይብል፦ “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ! ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ ኣለኹ። ትእዛዝካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ጥበበኛ ይገብረኒ እዩ። ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ እየ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ልቦና ኣሎኒ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ ሓለፋ ዓበይቲ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።” ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ‘ንሓስበሉ’ እንተ ዄንና፡ ግብርታትና ዅሉ ዝያዳ ጥበብን ልቦናን ምስትውዓልን ዜንጸባርቕ ኪኸውን እዩ። ሕግታቱን ስርዓታቱን ተጠቒምና ንሕልናና ብትግሃት ነሰልጥን እንተ ደኣ ዄንና ድማ፡ “ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክንበጽሕ ኢና።—ኤፌ. 4:13