ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”—ማቴ. 5:16

መዝሙር፦ 77, 59

1. ሕጉሳት ክንከውን ዚገብረና ፍሉይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ህዝቢ የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ብርሃኖም የብርሁ ስለ ዘለዉ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ዓሚ ልዕሊ 10,000,000 ዚኸውን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕና ኢና። እዚ ድማ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብርሃኖም የብርሁ ኸም ዘለዉ ዜረጋግጽ እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ሓንጐፋይ ኢልና እተቐበልናዮም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ግዱሳት ሰባት እውን እሞ ሕሰብ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ብምሃቡ ዘርኣየና ፍቕሪ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም።—1 ዮሃ. 4:9

2, 3. (ሀ) “ከም ብርሃናት” ከይንበርህ ኪዓግተና ዘይክእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 5:14-16 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ ብዚተሓሓዝ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ። እዚ ግና ንኣቦና የሆዋ ብሓድነት ከይነሞግሶ ዕንቅፋት ኣይኰነናን እዩ። (ራእ. 7:9) ቋንቋ ኣዴና ወይ እንነብረሉ ሃገር ብዘየገድስ፡ “ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም” ንበርህ ኢና።—ፊል. 2:15

3 ኵሉ እቲ እንረኽቦ ዕቤትን ሓድነትናን ናይ ህጹጽነት መንፈስናን ንየሆዋ የሞግሶ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ በዚ ሰለስተ መዳይ እዚ ኣቢልና ብኸመይ ንየሆዋ ኸነሞግሶ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።ማቴዎስ 5:14-16

ንኻልኦት ጻውዒት ኣቕርበሎም

4, 5. (ሀ) ብዘይካ ብዕዮ ስብከት፡ ብኻልእ መገዲ ብርሃንና ኸነብርህ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እቲ እነርእዮ ሕያውነት እንታይ ጥቕሚ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ኣብ ናይ 1 ሰነ 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ‘ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብርሃኑ ኼብርህ ንዚረኽቦ ኣጋጣሚ ዘይጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንጐይታ እሙንን ሓቀኛን እዩ ኺብሃል ኣይከኣልን እዩ’ በለት። ወሲኻ ድማ፡ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ብስራት ብምንጋርን ምስ ብርሃን ዚሰማማዕ ተግባራት ብምግባርን ብርሃኑ ኼብርህ ኣለዎ’ በለት። ብንጹር እምበኣር፡ ሓደ ኻብቲ ብርሃንና ኸነብርህ እንኽእለሉ መገዲ ብዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ብዘይካዚ፡ ብክርስትያናዊ ስነ ምግባርና ኣቢልና ንየሆዋ ኸነሞግሶ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ንጠባይና ይዕዘብዎ እዮም። ባህ ዜብል ፍሽኽታናን ምዉቕ ሰላምታናን ብዛዕባ መንነትናን ብዛዕባ መንነት እቲ እነምልኾ ኣምላኽን ብዙሕ ይገልጽ እዩ።

5 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ቤት ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ሰላም በሉ” በሎም። (ማቴ. 10:12) ኣብቲ የሱስን ሃዋርያቱን ብዙሕ ሳዕ ዚሰብኩሉ ዝነበሩ ኸባቢ ንጓና ናብ ቤትካ ኺኣቱ ምዕዳም ልሙድ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ልሙድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እተዘራርቦ ብዓል ቤት ብሕያውነት ህድእ ኢልካ ስለምንታይ ከም ዝመጻእካ እንተ ነጊርካዮ፡ ሻቕሎቱ ወይ ሕርቃኑ ኺንኪ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ባህ ዜብል ፍሽኽታ፡ ጽቡቕ መእተዊ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ዓረብያ ጽሑፋት ተጠቒሞም ኣብቲ ብግህዶ ዚግበር ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ ዜርእይዎ ፍሽኽታ እውን ንሰባት ናባታቶም ከም ዚስሓቡ ይገብሮም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ክትካፈል ከለኻ፡ ሰባት ነቲ እተርእዮም ባህ ዜብል ፍሽኽታን ሰላምታን ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚህብሉ ተዓዚብካ ትኸውን ኢኻ። ናባና ቐሪቦም ጽሑፋትና ኺወስዱ ይድርኾም እዩ። ሕያውነትካ እውን ዝርርብ ክትጅምር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

6. ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

6 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ኣብ በቤት እናኸዱ ኸየገልግሉ ዚዓግቶም ናይ ጥዕና ጸገማት ኣለዎም። ስለዚ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቶም ኰይኖም ብርሃኖም ኬብርሁ ወሰኑ። ኣብ ጥቓ ቤቶም ቤት ትምህርቲ ስለ ዘሎ፡ ወለዲ ተምሃሮ ንውሉዳቶም ኪወስድዎም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኺመጹ ኸለዉ ኣብ ሰደቓ እተወሰነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣቐሚጦም ኬገልግሉ ጀመሩ። ሓያሎ ህንጡያት ሰባት ከኣ፡ ጥራዝ 1ን 2ን እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍን ካልእ ብሮሹራትን ወሰዱ። ሓንቲ ኣብ ጉባኤኦም እተገልግል ፈላሚት ሓብቲ ድማ ምሳታቶም ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሳላ እቲ ንሳ ዘርኣየቶ ሕያውነትን እቶም ሰብ ሓዳር ዘርኣይዎ ናይ ሓቂ ጻዕርን ከኣ ሓደ ኻብቶም ወለዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ።

7. ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ስደተኛታት ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

7 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሓያሎ ሃገራት ዋሕዚ ስደተኛታት ኣጋጢምወን እዩ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዕላማታቱን ኪፈልጡ ኽትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ፈለማ፡ በቶም ናብ ከባቢኻ ዝገዓዙ ስደተኛታት ብዚዛረብዎ ቛንቋ ሰላምታ ምሃብ ተለማመድ። እቲ JW Language ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተገዳስነት ኬለዓዕል ዚኽእል እተወሰነ ቓላት ተምሃር። ድሕሪኡ፡ jw.org ከፊትካ ነቲ ብቛንቋኦም እተዳለወ እተፈላለየ ቪድዮታትን ጽሑፋትን ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ።—ዘዳ. 10:19

8, 9. (ሀ) ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ እንገብሮ ኣኼባታት እንታይ ግብራዊ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ኣኼባታት ኪሳተፉ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

8 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ውጽኢታውያን ክንከውን ዚሕግዘና ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣዳልዩልና ኣሎ። እቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ እንረኽቦ ግብራዊ መምርሒ፡ ንመብዛሕትና ውጽኢታዊ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕን ሓጊዙና እዩ።

9 ናብ ጉባኤና ዝመጹ ዕዱማት፡ ውሉዳትና ኣብ ኣኼባታት ተሳትፎ ኸም ዚገብሩ ይዕዘቡ እዮም። ስለዚ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ብርሃኖም ኬብርሁ ምእንቲ ኺሕግዝዎም፡ ብናቶም ኣበሃህላ ብኸመይ መልሲ ኺህቡ ኸም ዚኽእሉ ኺምህርዎም ይኽእሉ እዮም። እቲ ዚህብዎ ቐሊልን ልባውን ሓሳብ ንገሊኦም ግዱሳት ሰባት ናብ ሓቂ ኺስሓቡ ሓጊዝዎም እዩ።—1 ቈረ. 14:25

ሓድነት ኣደልድል

10. ኣምልኾ ስድራ ቤት ንሓድነትና ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

10 ብርሃንካ ኸተብርሃሉ እትኽእል ካልእ መገዲ፡ ሓድነት ስድራ ቤትካን ጉባኤኻን ብምድልዳል እዩ። ወለዲ ኸምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ ሓደ መገዲ ድማ፡ ስሩዕ ዝዀነ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብምውጻእ እዩ። ሓያሎ ስድራ ቤታት በብወርሑ ፈነወ JW ይርእዩ እዮም። ድሕሪ እቲ ፈነወ፡ ነቲ ኻብቲ መደብ ዝረኸብካዮ ሓሳባት ብኸመይ ከም እተተግብሮ ምስ ስድራ ቤትካ ኽትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ዜድልዮ መምርሒ፡ ሓደ ዀተቴ ኻብ ዜድልዮ መምርሒ እተፈልየ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኪርስዑ የብሎምን። ስለዚ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትካ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ነቲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ እትመያየጡሉ ነገራት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ሕሰብ።—መዝ. 148:12, 13

ብዕድመ ንዚደፍኡ ተገዳስነት ምርኣይ፡ ኣዝዩ ሃናጺ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11-13. ሓድነት ጉባኤና ኸነደልድልን ንኻልኦት ብርሃኖም ኬብርሁ ኽንሕግዞምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 መንእሰያት ሓድነት ጉባኤኦም ብምድልዳል ንኻልኦት ብርሃኖም ኬብርሁ ኼተባብዕዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ክርስትያን መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ተበግሶ ወሲድካ ስለምንታይ ምስ ዓበይቲ ኣሕዋት ዘይትቀራረብ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍዎ ሓያሎ ዓመታት ተመክሮ ኺነግሩኻ ብኣኽብሮት ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ክትህነጽ ኢኻ። ንስኻን ንሳቶምን ድማ ብዝያዳ ብርሃንኩም ከተብርሁ ኽትተባብዑ ኢኹም። ኵላትና ኸኣ ነቶም ኣብ ኣኼባታትና ኺእከቡ ኢሎም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚመጹ ዕዱማት ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎም ኣሎና። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ሓድነት ጉባኤ ኸተደልድል፡ ነቶም ዕዱማት ከኣ ሓቂ ኪቕበሉ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ብፍሽኽታ ሰላም በሎም፡ ኮፍ መበሊ ኺረኽቡ ድማ ተሓባበሮም። ምስ ካልኦት ከም ዚላለዩ ብምግባር ከኣ፡ ከይጋየሹ ሓግዞም።

12 ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትመርሕ እንተ ደኣ ተመዲብካ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትና ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኺሳተፉ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ዚምሽኦም ክሊ ኺረኽቡ ሓግዞም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ኣካላዊ ደገፍ ኪገብረሎም ምስ ዚኽእል መንእሰይ መገላግልቲ መድቦም። ነቶም ብሰንኪ ጥዕናን ካልእ ጸገማትን ብዙሕ ኬገልግሉ ዘይክእሉ ኣሕዋት እውን ሓልዮትካ ኸተርእዮም ትኽእል ኢኻ። እወ፡ እቲ እተርእዮ ሓልዮትን ምስትውዓልን፡ ንዓበይቲ ዀነ ንንኣሽቱ ኸምኡ እውን ንምኩራት ኰነ ንዘይምኩራት ብስራት ብቕንኣት ኪሰብኩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—ዘሌ. 19:32

13 እቲ ዘማሪ፡ “ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” ኪብል ተደሪኹ እዩ። (መዝሙር 133:1, 2 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ብሓድነት ሓቢሮም ንየሆዋ ብምምላኾም ንሓድሕዶም ጽቡቕ ጽልዋ ዀይኖም እዮም። እቲ ዝነበሮም ሓድነት ከምቲ ባህ ዜብልን ዜሐድስን ዘይቲ ቕብኣት እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ሓድነት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብምድልዳል፡ ኣባታቶም ጽቡቕ ጽልዋ ኸተሕድር ጽዓር። ከምኡ ትገብር እንተ ደኣ ኣሊኻ ኸኣ፡ ክትነኣድ ይግብኣካ እዩ። ግናኸ፡ ‘ልብኻ ኸተግፍሕ፡’ ማለት ነቲ ዝጀመርካዮ ጻዕሪ ብዝያዳን ብቐጻልነትን ክትገብሮ ትኽእልዶ፧—2 ቈረ. 6:11-13፡ እ.ጽ.።

14. ንጐረባብትኻ ብርሃን ሓቂ ምእንቲ ኸተብርሃሎም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14 ንጐረባብትኻ ብዝያዳ ብርሃን ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ከተብርሃሎም ጻዕሪ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ሕያውነት ዜንጸባርቕ ቃላትካን ተግባራትካን ንጐረባብትኻ ናብ ሓቂ ኺስሕቦም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ጐረባብተይ ብዛዕባይ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ ቤተይን ንብረተይን ጽሩይ ድዩ፧ ተበግሶ ወሲደ ንኻልኦት እሕግዞም ድየ፧’ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ከተዕልል ከለኻ፡ ሕያውነቶምን ሰናይ ተግባራቶምን ንኣዝማዶም፡ ንጐረባብቶም፡ ንመሳርሕቶም፡ ወይ ንመማህርቶም ብኸመይ ጽልዋ ኸም ዘሕደረሎም ሕተቶም። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ባህ ዜብል ተመክሮታት ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ።—ኤፌ. 5:9

ንቓሕ

15. ክንነቅሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ብርሃንና ደሚቑ ኺበርህ እንተ ደኣ ደሊና፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ኽንግንዘብ ኣሎና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ፡ “ንቕሑ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 24:42፣ 25:13፣ 26:41) “ብርቱዕ ጸበባ” ገና ብዙሕ ከም ዚተርፎን ኣብ ግዜና ኸም ዘይከውንን ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣይኪስምዓናን እዩ። (ማቴ. 24:21) ብርሃንና ኣብ ቅድሚ ሰባት ብድሙቕ ኣብ ክንዲ ዚበርህ፡ ጭልምልም ኪብል፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ።

16, 17. ወትሩ ንቑሕ ምእንቲ ኽትከውን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

16 እዚ እንነብረሉ ዘለና ጽንኩር ግዜ እናበኣሰ ብዝኸደ መጠን፡ ኵላትና ብቐጻሊ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እዚ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ. 24:42-44) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ብትዕግስቲ ኽንነቅሕ ኣሎና። መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ከነንብብ፡ ንጸሎት እውን ክንነቅሕ ኣሎና። (1 ጴጥ. 4:7) ንቑሓት ኰይኖም ብሓጐስ ብርሃኖም ዘብርሁ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዝሓደግዎ ዜደንቕ ኣብነት ንስዓብ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 18-21 ዝወጸ “ንሰብዓ ዓመት፡ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ሓዝኩ” ዘርእስቱ ባህ ዜብል ተመክሮ ኸነንብብ ንኽእል ኢና።

17 ህይወትካ ብሃናጺ ንጥፈታትን ምሕዝነትን ዝመልአት ክትከውን ጽዓር። ከምዚ ዓይነት ንጥፈታትን ምሕዝነትን ምስ ዚህልወካ፡ ብዙሕ ክትሕጐስ ኢኻ፡ ግዜ ድማ ብቕልጡፍ ኪሓልፍ እዩ። (ኤፌ. 5:16) ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ብዙሕ ዓይዮም እዮም። ሎሚ ግና፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ዝያዳ ንዓዪ ኣለና። ዕዮ የሆዋ ኸምዚ ሕጂ ዀይንዎ ዘሎ ዀይኑ ኺዓቢ ፈጺምካ ዚሕሰብ ኣይነበረን። እወ፡ ብርሃንና ደሚቑ ይበርህ ኣሎ።

ጕስነታዊ ምብጻሕ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥበብ ክንረክብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

18, 19. ሽማግለታት ጉባኤ ንቑሓትን ንጡፋትን ክንከውን ኪሕግዙና ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

18 ዘይፍጽምናና ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኻብ ምምላኽ ከም ዘይዓግተና ምፍላጥና እምነትና ዜደልድል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ በቶም “ውህበት ሰባት” ዝዀኑ ሽማግለታት ኣቢሉ ዚህበና ሓገዝ ከነማስወሉ ኣሎና። (ኤፌሶን 4:8, 11, 12 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ሓደ ሽማግለ ኺበጽሓካ ኸሎ፡ ካብቲ ዜካፍለካ ጥበብን ምኽርን ክትጥቀም ጽዓር።

19 ንኣብነት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ጸገም ስለ ዝነበሮም፡ ሓገዝ ሽማግለታት ኪረኽቡ ሓተቱ። እታ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብመንፈሳዊ መዳይ መሪሕነት ከም ዘይወስድ ኰይኑ ተሰሚዑዋ ነበረ። ሰብኣያ ኸኣ ንፉዕ መምህር ከም ዘይኰነን ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪገብሩ ዜኽእሎም መሰናድዎ ኸም ዘይገበረን ተኣመነ። ሽዑ፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪሓስቡ ሓገዝዎም። ነቲ ሰብኣያ ድማ፡ ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዚሓልየሎምን ዜድልዮም ዘበለ ዜማልኣሎምን ዝነበረ የሱስ ኪመስሎ ተላበውዎ። ነታ ሰበይቲ ድማ፡ ንሰብኣያ ኽትዕገሶ ኣተባቢዕዋ። ብዘይካዚ፡ ምስቶም ክልተ ደቆም ብሓባር ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪገብሩ ዚሕግዞም ግብራዊ ሓሳባት ኣካፈልዎም። (ኤፌ. 5:21-29) ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ሰብኣይ ዝሓሸ ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን ስለ ዝጸዓረ፡ ሽማግለታት ነኣድዎ። ምእንቲ ኺጸንዕን ንፉዕ መንፈሳዊ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውንን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኪውከል ድማ ኣተባብዕዎ። እዛ ስድራ ቤት እዚኣ፡ ሳላ እቲ ብሽማግለታት እተገብረላ ፍቕርን ደገፍን ብርሃና ኸተብርህ ክኢላ እያ።

20. ብርሃንካ ምስ እተብርህ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚህልዎ፧

20 እቲ ዘማሪ፡ “ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ” በለ። (መዝ. 128:1) እወ፡ ንኻልኦት ንኣምላኽ ኬገልግሉ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ሓድነትና ዜደልድል ኣካይዳ ብምስዓብ፡ ከምኡ ድማ ንቑሕ ብምዃን ብርሃንካ ምስ እተብርህ፡ ሓጐስካ ኪዛይድ እዩ። ካልኦት ነቲ ሰናይ ግብርታትካ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኼሞግስዎ እዮም።—ማቴ. 5:16