ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኵሉ ጭንቀተይ መጸናንዒ ረኺበ

ኣብ ኵሉ ጭንቀተይ መጸናንዒ ረኺበ

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፈለግ ኢንዱስ፡ ኣብዛ ሕጂ ፓኪስታን እትብሃል ሃገር፡ ሱኩር ዝስማ ጥንታዊ ኸተማ ትርከብ። ብ9 ሕዳር 1929 ድማ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ተወሊደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኸኣ፡ ወለደይ ካብ ሓደ እንግሊዛዊ ዝዀነ ሚስዮናዊ ድሙቕ ሕብሪ ዘለወን ጥራዝ መጻሕፍቲ ተቐበሉ። እዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረታ መጻሕፍቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ሓጊዘናኒ እየን።

እዘን መጻሕፍቲ እዚአን፡ ጥራዝ ቀስተ ደመና እየን ዚብሃላ ነይረን። ኣብዘን መጻሕፍቲ እዚአን ዝነበረ ጽቡቕ ስእልታት፡ ኣብ ኣእምሮይ ጦብላሕታ ኣሕዲሩለይ እዩ። ስለዚ፡ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ከምቲ ኣብተን ዜደንቓ መጻሕፍቲ ዝነበረ ፍልጠት ንዝኣመሰለ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ሃረር እብሎ ነበርኩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ህንዲ ኣንጸላልዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወተይ ኪቕየር ጀመረ። ወለደይ ተፈላለዩ፡ ጸኒሖም ከኣ ተፋትሑ። ዝፈትዎም ዝነበርኩ ኽልተ ሰባት ንምንታይ ከም እተፈላለዩ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን። ዝገብሮ ሓርበተኒ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ድማ ተሰምዓኒ። ኣሕዋት ኰኑ ኣሓት ስለ ዘይነበሩኒ፡ እቲ ዜድልየኒ መጸናንዕን ደገፍን ክረክብ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን።

ኣነን ኣደይን ኣብታ ናይ ሓደ ኣውራጃ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ካራቺ ኢና እንነብር ኔርና። ሓደ መዓልቲ፡ ፍረድ ሃርዳከር ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ዶክተር ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤትና መጸ። እምነቱ ኸምቲ ነተን መጻሕፍቲ ዝሃበና ሚስዮናዊ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ንኣደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዓደማ። ኣደይ ፍቓደኛ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ኣነ ድሌት ኪህልወኒ ኸም ዚኽእል ግና ሓበረቶ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ከኣ፡ ምስ ሓውና ሃርዳከር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።

ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት፡ ኣብ ክሊኒክ እንዳ ሓውና ሃርዳከር ኣብ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ ጀመርኩ። ኣስታት 12 ዚዀኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብኡ ንኣምልኾ ይእከቡ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ኣጸናነዑኒ፡ ከም ወዶም ገይሮም ከኣ ተኸናኸኑኒ። ምሳይ ኮፍ ኪብሉን ከም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኰይኖም ትሕት ኢሎም ኬዕልሉንን ከለዉ ክሳዕ ሕጂ ይዝከረኒ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ከምዚ ዓይነት ምሕዝነት እዩ ዜድልየኒ ነይሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓውና ሃርዳከር ምስኡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽካፈል ዓደመኒ። ብፎኖግራፍ ገይረ ሓጸርቲ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዘጻውት እውን መሃረኒ። ገለ ኻብቲ መደረታት ሓያል መልእኽቲ ስለ ዝነበሮ፡ ገሊኦም ሰባት ኣይፈትውዎን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ምምስካር ኣዝዩ የሐጕሰኒ ነበረ። ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ቅንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ንኻልኦት ከካፍሎም ባህ ይብለኒ ነበረ።

ሰራዊት ጃፓን ናብ ህንዲ ገጹ ኺግስግስ ከሎ፡ ሰበ ስልጣን ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርቱዕ ጸቕጢ ገበሩ። ኣብ ሓምለ 1943 ከኣ፡ እቲ ጸቕጢ ንዓይ እውን ጽልዋ ኣሕደረለይ። እቲ ቐሺ ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን ዝነበረ ርእሰ መምህር፡ “ጽቡቕ ጠባይ ዘይብሉ” ብዚብል ምስምስ ካብ ቤት ትምህርቲ ሰጐጐኒ። ንኣደይ ከኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝሓብር ንኻልኦት ተምሃሮ ሕማቕ ኣብነት ከም ዝዀንኩዎም ነገራ። ኣደይ ድማ ኣዝያ ስለ ዝሰምበደት፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይቀራረብ ከልኣትኒ። ጸኒሓ ኸኣ፡ ናብታ ኣቦይ ዚነብረላ ዝነበረ ብሰሜን ኣስታት 1,370 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፐሻዋር ሰደደትኒ። ሽዑ፡ መንፈሳዊ ምግብን ኣሕዋትን ክረክብ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይንጡፍ ኰንኩ።

መንፈሳዊ ጥዕና ረኸብኩ

ብ1947 ስራሕ ከናዲ ናብ ካራቺ ተመለስኩ። ሽዑ፡ ናብ ክሊኒክ ዶክተር ሃርዳከር ከድኩ። ንሱ ኸኣ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበለኒ።

ክሕከም ዝመጻእኩ መሲልዎ፡ “እንታይ ደኣ ዄንካ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ፡ “ዶክተር፡ ኣካላዊ ሕማም የብለይን። ብመንፈሳዊ መዳይ እየ ሓሚመ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እደሊ እየ” በልክዎ።

ንሱ ኸኣ፡ “መዓስ እሞ ኽትጅምር ትደሊ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ፡ “ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ሕጂ” በልክዎ።

ሽዑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣጽናዕና ጽቡቕ ምሸት ኣሕለፍና። ብመንፈሳዊ መዳይ ናብ ቤተይ እተመለስኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኸይሓብር ደው ከተብለኒ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ኣነ ግና ሓቂ ናተይ ክገብራ ቘሪጸ ነበርኩ። ብ31 ነሓሰ 1947 ከኣ ርእሰይ ንየሆዋ ወፍየ ተጠመቕኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ወዲ 17 ከለኹ ስሩዕ ፈላሚ ዀንኩ።

ባህ ዜብል ኣገልግሎት ፈላምነት

ንፈለማ እዋን ኣብታ ሰፈር ወተሃደራት ብሪጣንያ ዝነበረት ኵዋታ እየ ፈላሚ ዀይነ ተመዲበ ነይረ። ብ1947 እታ ዝነበርኩላ ሃገር ኣብ ክልተ ተመቒላ፡ ህንድን ፓኪስታንን ተባህለት። * በዚ ምኽንያት እዚ ሰፊሕ ሃይማኖታዊ ናዕቢ ስለ እተላዕለ፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ፍልሰት ሰባት ኣጋጠመ። ኣስታት 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛበሉ። ኣብ ህንዲ ዝነበሩ እስላም ናብ ፓኪስታን ተሰደዱ፡ ኣብ ፓኪስታን ዝነበሩ ኣመንቲ ሂንዱነትን ሲክን ድማ ናብ ህንዲ ገዓዙ። ኣብቲ ግዜ ዕግርግር፡ ካብ ካራቺ ብህዝቢ ኣብ እተጨቓጨቐት ባቡር ተሰቒለ ናብ ኵዋታ ኸድኩ።

ብ1948 ኣብ ህንዲ ኣኼባ ወረዳ ተኻፈልኩ

ኣብ ኵዋታ ምስ በጻሕኩ፡ ጆርጅ ሲን ዝስሙ ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኡ ዝነበረ ፍሉይ ፈላሚ ረኸብኩ። ጆርጅ ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ኸባቢ እናተወጣሕኩ (ወይ እናደፋእኩ) ዝጥቀመላ ዝኣረገት ብሽክለታ ሃበኒ። መብዛሕትኡ እዋን፡ በይነይ እየ ዝሰብኽ ነይረ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ኸኣ፡ 17 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ። ገለ ኻባታቶም ድማ ናብ ሓቂ መጹ። ሓደ ኻብቶም ናብ ሓቂ ዝመጹ፡ ሳዲቅ ማሲህ ዝስሙ ወተሃደራዊ መኰንን እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ንዓይን ንጆርጅን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብቲ ሃገራዊ ቛንቋ ፓኪስታን ዝዀነ ኡርዱ ኽንትርጕም ሓገዘና። ድሕሪ ግዜ፡ ሳዲቅ ቀናእ ኣስፋሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ።

ኣብ መርከብ ኲን ኤሊዛቤት ተሰቒለ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክኸይድ ከለኹ

ጸኒሐ፡ ናብ ካራቺ ተመሊሰ ምስ ብዓል ፊንች ፎረስትን ሃሪ ፎረስትን ዚብሃሉ ኻብ ጊልዓድ እተመረቑ ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣገልገልኩ። ንሳቶም ከኣ ጽቡቕ ቲኦክራስያዊ ስልጠና ሃቡኒ። ሓደ እዋን ሓውና ፊንች ናብ ሰሜናዊ ፓኪስታን ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ስብከት ኣሰንየዮ ኸድኩ። ሽዑ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ዚነብሩ ጽምኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ትሑታት ተዛረብቲ ኡርዱ ረኸብና። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣነ እውን ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተዓደምኩ። ድሕሪኡ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኽዓዪ ናብ ፓኪስታን ተመለስኩ። ምስ ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋት ከኣ ኣብቲ ኣብ ላሆር ዝነበረ ቤት ሚስዮናውያን ተቐመጥኩ።

ንዘጋጠመኒ ጸገማት ምስጋሩ

እቲ ዜሕዝን፡ ብ1954 ኣብቲ ኣብ ላሆር ዝነበረ ቤት ሚስዮናውያን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘይምቅዳው ኣጋጠመ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ንገሊኦም ሚስዮናውያን ናብ ካልእ መደቦም። ኣብቲ ባእሲ ብዘይጥበባዊ መገዲ ምስ ገሊኦም ስለ ዝወገንኩ ድማ፡ መግናሕቲ ተዋህበኒ። በዚ ኣመና ስለ እተደቘስኩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ መንፈሳውነተይ ኬደልድል ተስፋ ብምግባር፡ ፈለማ ናብ ካራቺ፡ ጸኒሑ ኸኣ ናብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዝኩ።

ኣብ ለንደን፡ እታ ጉባኤይ ሓያሎ ኣባላት ቤት-ኤል ዓዲ እንግሊዝ ነበርዋ። ፕራይስ ህዩዝ ዝስሙ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ጨንፈር ከኣ ብፍቕሪ ኣሰልጠነኒ። ሓደ ግዜ፡ ንሱ እውን ካብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚቈጻጸር ዝነበረ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ተሪር ምኽሪ ተዋሂብዎ ኸም ዝነበረ ነገረኒ። ሓውና ህዩዝ ከመኽኒ ምስ ፈተነ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ብጽኑዕ ገሲጽዎ እዩ። ሓውና ህዩዝ ነቲ ተዘክሮኡ ፍሽኽ እናበለ ስለ ዝነገረኒ ኣዝዩ ገረመኒ። ኣብ ፈለማ በቲ ዅነታት ሓሪቑ ኸም ዝነበረ ነገረኒ። ጸኒሑ ግና፡ ተሪር ምኽሪ የድልዮ ኸም ዝነበረን እቲ እተዋህቦ ምኽሪ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዝዀነን ተገንዚቡ እዩ። (እብ. 12:6) እቲ ዝሃበኒ ሓሳባት ንልበይ ተንከዮ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሚዛነይ ክሕሉ ድማ ሓገዘኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ኣደይ ናብ ለንደን መጸት። እቲ ጸኒሑ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጆን ባር መጽናዕቲ ኺገብረላ ምስ ሓተታ ኸኣ ፍቓደኛ ዀነት። መንፈሳዊ ዕቤት ገይራ ድማ ብ1957 ተጠምቀት። ድሕሪ ግዜ፡ ኣቦይ እውን ቅድሚ ሙማቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የጽንዕ ከም ዝነበረ ሰማዕኩ።

ብ1958 ለነ ምስ ዝስማ ኣብ ለንደን እትቕመጥ ጓል ደንማርክ ተመርዓኹ። ንዓመታኡ፡ ጄን ዝስማ ጓል ወለድና። ንሳ በዅሪ እቶም ሓሙሽተ ውሉዳትና እያ። ኣብ ጉባኤ ፉልሃም ከኣ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ረኸብኩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ለነ ጥዕና ስለ ዝሰኣነት፡ ምዉቕ ክሊማ ናብ ዘለዎ ኸባቢ ኽንግዕዝ ተገደድና። ስለዚ፡ ብ1967 ናብ ኣደላይድ፡ ኣውስትራልያ ገዓዝና።

ልቢ ዚሰብር ኵነታት

ኣብታ ኣብ ኣደላይድ ዝነበረት ጉባኤና፡ 12 ብዕድመ ዝደፍኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ይካፈሉ ነበሩ። ቀልጢፍና ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ኣጥረና።

ብ1979 ኣነን ለነን ነቲ ሓምሻይ ወድና ዝዀነ ዳንየል ወለድና። ዳንየል ግና፡ ዳውን ሲንድሮም * ዚብሃል ሕማም ሓመመ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም ዚመውት ድማ ፈለጥና። ክሳዕ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ እተሰምዓና ሓዘን ምግላጹ ይኸብደኒ እዩ። ነቶም ኣርባዕተ ደቅና ዕሽሽ ከይበልና ንዕኡ ንምክንኻን ዝከኣለና ገበርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ዳንየል ብሰንኪ እቲ ኣብ ልቡ ብዝነበሮ ጸገም ዜጋጥሞ ዝነበረ ሕጽረት ኦክስጅን ገጹ ናብ ሰማያዊ ይልወጥ ነበረ። ሽዑ፡ ተቐላጢፍና ናብ ሆስፒታል ንወስዶ ነበርና። እዚ ዅሉ ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣስተውዓልን ፈቃርን እዩ ነይሩ። መንፈሳዊ ባህጊ እውን ነበሮ። ምግቢ ቕድሚ ምብላዕና ብስድራ ቤት ኴንና ኽንጽሊ ኸለና፡ በተን ንኣሽቱ ኣእዳዉ እናኣጣቕዐን ርእሱ እናነቕነቐን ካብ ልቡ “ኣሜን” ይብል ነበረ። ከምኡ ምስ ገበረ ጥራይ ድማ እዩ ዚምገብ ነይሩ።

ዳንየል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ከቢድ ሕማም ሉኪምያ ሓመመ። ኣነን ለነን ከኣ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ደኺምና ነበርና። ኣእምሮይ ክስሕት ቍሩብ እዩ ተሪፉኒ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኸቢድ ኵነታት ከለና፡ ነቪል ብሮሚች ዝስሙ ሓላው ወረዳና ናብ ቤትና መጸ። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ኣዒንቱ ቕጽርጽር እናበሎ ሕቝፍ ኣበለና። ኵላትና ድማ በኸና። እቲ ብፍቕርን ብርሕራሐን ተደሪኹ እተዛረበና ቓላት ብዙሕ እዩ ኣጸናኒዑና። ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ድማ ከደ። ሽዑ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ዳንየል ሞተ። ሞቱ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ልቢ ዚሰብር ኵነታት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ሞት ንዳንየል ካብ ፍቕሪ የሆዋ ኺፈልዮ ኸም ዘይክእል ምፍላጥና፡ ካብ ሓዘንና ኽንጸናናዕ ሓጊዙና እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ተንሲኡ ኽንርእዮ ድማ ሃንቀው ኢና እንብል።—ዮሃ. 5:28, 29

ንኻልኦት ብምሕጋዝ ሓጐስ ንረክብ ኣለና

ክልተ ሳዕ ሕማም ወቕዒ እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሽማግለ ጉባኤ ዀይነ እየ ዘገልግል ዘለኹ። እቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፡ ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ጸገማት ዜጋጥሞም ዘሎ ኽድንግጸሎምን ክርሕርሓሎምን ሓጊዙኒ እዩ። ንሰባት ኣቐዲመ ኸይፈርድ እጽዕር እየ። የግዳስ፡ ‘ኣተዓባብያኦም ንስምዒቶምን ንኣተሓሳስባኦምን ብኸመይ ቀሪጽዎ ይኸውን፧ ከም ዝግደሰሎም ብኸመይ ከርእዮም እኽእል፧ መገድታት የሆዋ ኺስዕቡ ብኸመይ ከተባብዖም እኽእል፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትታ እየ። ንኣባላት ጉባኤይ ጕስነት ምግባር ብሓቂ ደስ ይብለኒ እዩ። ብርግጽ ከኣ፡ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ከጸናንዖምን ዕረፍቲ ኸምጽኣሎምን ከለኹ፡ ንርእሰይ እየ ዘጸናንዕን ዕረፍቲ ዘምጽእን።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምግባር ዕግበት እረክብ ኣለኹ

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዘማሪ፡ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ [የሆዋ] ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ” ኢሉ ነይሩ። ኣነ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓኒ። (መዝ. 94:19) ናይ ስድራ ቤት ጸገማትን ሃይማኖታዊ ምጽራርን ጭንቀትን ኣጋጢሙኒ፡ ብዙሕ ጌጋታት እውን ፈጺመ እየ። የሆዋ ግና ወትሩ ሓጊዙኒ እዩ። ናይ ሓቂ ኣቦ እውን ኰይኑለይ እዩ!

^ ሕ.ጽ. 19 ኣብ ፈለማ፡ ፓኪስታን እትብሃል ዝነበረት፡ ምዕራብ ፓኪስታንን (ሕጂ ፓኪስታን) ምብራቕ ፓኪስታንን (ሕጂ ባንግላደሽ) ዝሓቘፈት ሃገር እያ ነይራ።

^ ሕ.ጽ. 29 ኣብ ናይ ሰነ 2011 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ንዝወጸት፡ “ረይዚንግ ኤ ቻይልድ ዊዝ ዳውን ሲንድሮም—ዘ ቻለንጅ ኤንድ ዘ ሪዎርድ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።