ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና

ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና

“ዝልምን ዘለኹ . . . ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ . . . ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ።”—ዮሃ. 17:20, 21

መዝሙር፦ 24, 99

1, 2. (ሀ) የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለያ ናይ መወዳእታ ጸሎት እንታይ ኢሉ እዩ ለሚኑ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ሓድነት ኣተሓሳሲብዎ ዝነበረ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

የሱስ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ናይ መወዳእታ ድራር ዝበልዓላ ምሸት ብዛዕባ ሓድነት ደቀ መዛሙርቱ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ምሳታቶም ኰይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ከምቲ ንሱን ኣቦኡን ሓደ ዝዀኑ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ እውን ሓደ ኪዀኑ ድሌት ከም ዘለዎ ኣብ ጸሎቱ ገለጸ። (ዮሃንስ 17:20, 21 ኣንብብ።) እቲ ዜርእይዎ ሓድነት፡ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብር ብየሆዋ ናብ ምድሪ ኸም እተላእከ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ ኸም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እታ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚልለዩላ ፍቕሪ ኸኣ ዝያዳ ሓድነት ኪህልዎም ትሕግዞም እያ።—ዮሃ. 13:34, 35

2 የሱስ ብዛዕባ ሓድነት ዘጕልሐ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ንምርዳኡ ኣየጸግምን እዩ። ከመይሲ፡ ሃዋርያቱ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር ዝበልዑላ ምሸት ኰነ ኣብ ካልእ እዋናት ሓድነት ወይ ስምምዕ ከም ዚጐድሎም ተዓዚቡ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ሃዋርያት ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዚገብርዎ ዝነበሩ ‘መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ ኣብ መንጎኦም ብርቱዕ ክርክር ኰይኑ’ ነበረ። (ሉቃ. 22:24-27፣ ማር. 9:33, 34) ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ያእቆብን ዮሃንስን ንየሱስ ኣብ መንግስቱ ጉሉሕ ቦታ ኺህቦም ለመንዎ።—ማር. 10:35-40

3. ሓድነት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዘርግ ዚኽእል ዝነበረ እንታይ እዩ፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

3 ይኹን እምበር፡ ሓድነት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዘርግ ዚኽእል ዝነበረ እቲ ንስልጣን ዝነበሮም ድሌት ጥራይ ኣይነበረን። ህዝቢ እታ ሃገር ብጽልእን ኣድልዎን ተኸፋፊሎም ነበሩ። ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ስምዒታት እዚ ኼወግድዎ የድልዮም ነበረ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልሶ ኢና፦ የሱስ ብዛዕባ ኣድልዎ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንሰዓብቱ ንኻልኦት ብዘይ ኣድልዎ ኺሕዙን ናይ ሓቂ ሓድነት ኪህልዎምን ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ ትምህርትታቱ ሓድነትና ኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

የሱስን ሰዓብቱን ዘጋጠሞም ኣድልዎ

4. ንየሱስ እንታይ ዓይነት ኣድልዎ ኸም ዘጋጠሞ ኣብነታት ሃብ።

4 የሱስ እውን ኣድልዎ ኣጋጢምዎ እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል፡ ነቲ መሲሕ ከም ዝረኸብዎ ምስ ነገሮ፡ ናትናኤል፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። (ዮሃ. 1:46) ናትናኤል ነቲ ኣብ ሚክያስ 5:2 ዘሎ ትንቢት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ናዝሬት ዓዲ መሲሕ ክትከውን ዘይትበቅዕ ንእሽቶ ዓዲ ኸም ዝዀነት ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምርኡያት ኣይሁድ ንየሱስ፡ ካብ ገሊላ ስለ ዝዀነ ይንዕቅዎ ነበሩ። (ዮሃ. 7:52) ብዙሓት ኣይሁድ ንገሊላውያን ኣትሒቶም ይርእይዎም ነበሩ። ገሊኦም ኣይሁድ ከኣ ንየሱስ፡ “ሳምራዊ” ኢሎም ኪጸርፍዎ ፈቲኖም እዮም። (ዮሃ. 8:48) ሳምራውያን ብዓሌቶምን ብሃይማኖቶምን ካብ ኣይሁድ እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ኣይሁድ ኰኑ ገሊላውያን ንሳምራውያን ይንዕቅዎም ነበሩ፣ ምሳታቶም ዝዀነ ይኹን ርክብ ኪምስርቱ እውን ኣይደልዩን እዮም ነይሮም።—ዮሃ. 4:9

5. ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ኣድልዎ እዩ ኣጋጢምዎም፧

5 መራሕቲ ኣይሁድ ንሰዓብቲ የሱስ እውን ይንዕቅዎም ነይሮም እዮም። ፈሪሳውያን ንዓታቶም፡ ‘ርጉም ህዝቢ’ ይብልዎም ነበሩ። (ዮሃ. 7:47-49) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ረቢታት ንዘይተማህረ ወይ ከኣ ልምድታቶም ንዘይስዕብ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ከም ንዑቕን ተራ ሰብን ገይሮም ይቘጽርዎ ነበሩ። (ግብ. 4:13፡ እ.ጽ.) ምንጪ እቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዘጋጠሞም ኣድልዎ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ዓሌታውን ፍልልይ እዩ ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን በቲ ዚርአ ዝነበረ ኣድልዎ ተጸልዮም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም ኣተሓሳስባኦም ኪቕይሩ የድልዮም ነበረ።

6. ኣድልዎ ብኸመይ ኪጸልወና ኸም ዚኽእል ዜብርህ ኣብነት ሃብ።

6 እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብኣድልዎ ዝመልአት እያ። ኣድልዎ ኼጋጥመና ወይ ከኣ ንሕና ኣድልዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሕጂ ፈላሚት ዝዀነት ሓብቲ፡ “ኣብቲ ደቀባት ኣውስትራልያ ቐደምን ሕጅን ዜጋጥሞም ዘይፍትሓውነት ምስ ኣተኰርኩ፡ ንጸዓዱ ብዝያዳ ኸም ዝጸልኦም ገይሩኒ እዩ። እቲ ንዓይ ዘጋጠመኒ ግፍዒ ድማ ንጽልአይ ዝያዳ ኣጐሃሂርዎ እዩ” በለት። ሓደ ካናዳዊ ሓው ድማ ብዛዕባ ቛንቋ ዚስምዖ ዝነበረ ኣድልዎ ገሊጹ እዩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ፈረንሳይኛ ዚዛረቡ ሰባት ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበሉ ገይረ እሓስብ ነይረ። እንግሊዝኛ ንዚዛረቡ ሰባት ድማ እጸልኦም ነይረ።”

7. የሱስ ንኣድልዎ ብዚምልከት እንታይ እዩ ገይሩ፧

7 ኣድልዎ ኸምቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ሱር ሰዲዱ ኣሎ። የሱስ ነዚ ስምዒታት እዚ ብዚምልከት እንታይ እዩ ገይሩ፧ ፈለማ፡ ፈጺሙ ኣድልዎ ኣየርኣየን። ምሉእ ብምሉእ ፍትሓዊ እዩ ነይሩ። ንሃብታማትን ንድኻታትን ንፈሪሳውያንን ንሳምራውያንን፡ እንተላይ ንኣከብቲ ቐረጽን ንሓጥኣንን ሰቢኹሎም እዩ። ካልኣይ፡ ብትምህርትታቱን ብተግባራቱን ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኻልኦት ዚጥርጥሩ ወይ ኣቐዲሞም ዚፈርዱ ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም ምሂርዎም እዩ።

ንኣድልዎ ብፍቕርን ብትሕትናን ስዓሮ

8. ቀንዲ መሰረት ሓድነት ክርስትያናት ዝዀነ ኣገዳሲ ስርዓት እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

8 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቀንዲ መሰረት ሓድነትና ዝዀነ ኣገዳሲ ስርዓት ምሂርዎም እዩ። “ኵላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 23:8, 9 ኣንብብ።) ብርግጽ፡ “ኣሕዋት” ዝዀንናሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኵላትና ደቂ ኣዳም ስለ ዝዀንና እዩ። (ግብ. 17:26) ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት እውን ኣሎና። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝዀኑሉ ምኽንያት፡ ኵላቶም ንየሆዋ ኸም ሰማያዊ ኣቦኦም ገይሮም ስለ እተቐበልዎ ምዃኑ የሱስ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 12:50) ብዘይካዚ፡ ኣባላት እታ ብፍቕርን ብእምነትን ሓድነት ዘለዋ ዓባይ መንፈሳዊት ስድራ ቤት ኰይኖም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ሃዋርያት ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ መልእኽትታት ኪጽሕፉሎም ከለዉ፡ ‘ኣሕዋትን ኣሓትን’ ኢሎም ዚጽውዕዎም።—ሮሜ 1:13፣ 1 ጴጥ. 2:17፣ 1 ዮሃ. 3:13 *

9, 10. (ሀ) ኣይሁድ ብዓሌቶም ኪዕበዩ ምኽንያት ዘይነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንዓሌታዊ ኣድልዎ ብዛዕባ ምስናፍ ዝመሃረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

9 የሱስ ንሓድሕድና ኸም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንርአአ ኸም ዘሎና ምስ ገለጸ፡ ትሕትና ኸም ዜድልየና እውን ኣጕሊሑ እዩ። (ማቴዎስ 23:11, 12 ኣንብብ።) ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ሓድሓደ ግዜ ትዕቢት ንሃዋርያቱ ይኸፋፍሎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ብዓሌቶም ይዕበዩ ነይሮም እዮም። ሓያሎ ኣይሁድ፡ ደቂ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ ኻብ ካልኦት ከም ዚበልጹ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ” በሎም።—ሉቃ. 3:8

10 የሱስ ብዓሌትካ ኽትዕበ ምፍታን ኰኒኑ እዩ። ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣቢሉ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። ንሕቶ እቲ ጸሓፊ ንምምላስ ከኣ ብዛዕባ ሓደ ሳምራዊ ዚገልጽ ዛንታ ነገረ። ኣብቲ ዛንታ፡ እቲ ሳምራዊ ንሓደ ብኸተርቲ እተኸትከተ ኣይሁዳዊ ተጓዓዚ ብሕያውነት ተኸናኸኖ። ካልኦት ኣይሁድ ሓለፍቲ መገዲ ነቲ እተኸትከተ ሰብኣይ ከይሓገዝዎ እኳ እንተ ሓለፉ፡ እቲ ሳምራዊ ግና ለዊሁሉ እዩ። የሱስ ከኣ ነቲ ጸሓፊ ኸምቲ ሳምራዊ ኪኸውን ብምንጋር ዛንታኡ ዛዘመ። (ሉቃ. 10:25-37) የሱስ በዚ ምሳሌ እዚ ኣቢሉ፡ ሓደ ሳምራዊ ንኣይሁድ ብዛዕባ እቲ ንብጻይካ ኸተርእዮ ዘሎካ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኺምህር ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ።

11. ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንጓኖት ብዘይ ኣድልዎ ኺርእይዎም ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ የሱስከ ነዚ ኺርድእዎ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

11 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ብዚግባእ ምእንቲ ኺፍጽሙ ትዕቢትን ኣድልዎን ኬወግዱ የድልዮም ነበረ። የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ “ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን” ኪምስክሩ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ግብ. 1:8) ነዚ ሓላፍነት እዚ ምእንቲ ኼዳልዎም ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ዓዶም ዘይኰኑ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ባህርያት ገሊጹሎም እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ጓና ሓለቓ ሚእቲ እተደንቕ እምነት ስለ ዘርኣየ ወዲስዎ እዩ። (ማቴ. 8:5-10) የሱስ ኣብ ዓዱ ናዝሬት ከሎ ኸኣ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት ፊንቄኣዊት መበለትን ብዛዕባ ንእማን እቲ ሶርያዊ ድዉይን ብምጥቃስ፡ የሆዋ ንጓኖት ብኸመይ ሞገስ ከም ዘርኣዮም ገሊጹ እዩ። (ሉቃ. 4:25-27) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ሰቢኹላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓዲ ሳምራውያን ንመልእኽቱ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ምስ ረኸበ እውን ምሳታቶም ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ።—ዮሃ. 4:21-24, 40

ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣድልዎ ኺጻረርዎ ነበሮም

12, 13. (ሀ) የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ መሃራ፡ ሃዋርያት እንታይ ተሰሚዕዎም፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) ያእቆብን ዮሃንስን ነቲ የሱስ ዚምህሮም ዝነበረ ትምህርቲ ኸም ዘይተረድእዎ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

12 ይኹን እምበር፡ ሃዋርያት ነቲ ዝነበሮም ኣድልዎ ኼወግድዎ ቐሊል ኣይነበረን። የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺምህር ፍቓደኛ ምዃኑ ኣገሪምዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 4:9, 27) መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ይትረፍዶ ዜተሓታትት ስም ንዝነበራ ሳምራዊት ሰበይቲ ንዝዀነት ትኹን ሰበይቲ ብግህዶ ኣየዘራርቡን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ኪበልዕ ነጊሮምዎ ነበሩ። ንሱ ግና ጠምዩ እኳ እንተ ነበረ በቲ ምስታ ሰበይቲ ዝገበሮ ምይይጥ ኣዝዩ ተመሲጡ ስለ ዝነበረ ምግቢ ምብላዕ ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ከምታ ሳምራዊት ንዝኣመሰሉ ሰባት እውን ከይተረፈ ኺሰብከሎም፡ ፍቓድ ኣቦኡ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ድማ ከም ምግቢ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።—ዮሃ. 4:31-34

13 ያእቆብን ዮሃንስን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣይተረድእዎን ነይሮም። ሓደ እዋን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ የሱስ ኰይኖም ብሓንቲ ቝሸት ሳምራውያን ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ኣብኣ ኺሓድሩ ደለዩ። እቶም ሳምራውያን ግና ኣብኡ ኺሓድሩ ኣይፈቐዱሎምን። ስለዚ፡ ያእቆብን ዮሃንስን ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንብምልእታ እታ ቝሸት ኬጥፍኣ ኺእዝዙ ሓሳብ ኣቕረቡ። የሱስ ግና ገንሖም። (ሉቃ. 9:51-56) ያእቆብን ዮሃንስን እታ ኽትቅበሎም ዘይደለየት ቍሸት ኣብ ዓዶም ገሊላ እትርከብ ቍሸት እንተ ትኸውን ነይራ ኽሳዕ ክንድኡ ኣይምተቘጥዑን ነይሮም ይዀኑ። ስለዚ፡ ጽልኦም ካብቲ ዝነበሮም ኣድልዎ እተላዕለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ዮሃንስ ኣብ ሰማርያ ምስ ሰበኸን ብዙሓት ምስ ሰምዕዎን፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ እተሰምዖ ቝጥዓ ሓፊሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 8:14, 25

14. ብሰንኪ ናይ ቋንቋ ፍልልይ እተፈጥረ ኪኸውን ዚኽእል ኣድልዎ ፍታሕ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

14 ድሕሪ ጰንጠቈስጠ ናይ 33 ድ.ክ. ኣብ ጉባኤ ኣድልዎ ተራእዩ ነበረ። ኣሕዋት ንድኻታት ምግቢ ኺዕድሉ ኸለዉ፡ እተን ግሪኽኛ ዝቛንቋአን መበለታት ሸለል ተባህላ። (ግብ. 6:1) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ ናይ ቋንቋ ፍልልይ ኣድልዎ ተገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ ምዕዳል ምግቢ ዚኣልዩ ብቑዓት ሰብኡት ብምሻም ነቲ ዅነታት ቀልጢፎም ፈትሕዎ። ኵሎም እቶም እተሸሙ ሰብኡት ከኣ ግሪኽኛ ስማት እዩ ነይርዎም። እዚ ድማ ነተን እተበደላ መበለታት ኣጸናኒዕወን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

15. ጴጥሮስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣድልዎ ኼርኢ ኸም ዘይብሉ እተማህረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

15 ብ36 ድ.ክ. እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ዓለምለኻዊ ዀይኑ ነበረ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ኣይሁድ ጥራይ ናይ ምሕባር ልማድ እዩ ነይርዎ። ክርስትያናት ኣድልዎ ኼርእዩ ኸም ዘይብሎም ኣምላኽ ብንጹር ምስ ሓበረ ግና፡ ጴጥሮስ ነቲ ሮማዊ ወተሃደር ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ሰበኸሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:28, 34, 35 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ ምስ ኣህዛብ ይበልዕን ይሰትን ነበረ። እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ ጴጥሮስ ናብ ከተማ ኣንጾክያ ምስ ከደ፡ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ምብላዕ ሓደጎ። (ገላ. 2:11-14) ሽዑ ጳውሎስ ንጴጥሮስ፡ ግቡእ ዝዀነ መግናሕቲ ሃቦ። ጴጥሮስ እውን ነቲ እተዋህቦ መግናሕቲ ተቐቢልዎ እዩ። ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ናብቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ንዅሎም ኣሕዋት ምፍቃር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።—1 ጴጥ. 1:1፣ 2:17

16. ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ዝና እዩ ነይርዎም፧

16 ሃዋርያት ሳላ ኣብነት የሱስ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ” ኬፍቅሩ ኸም እተማህሩ ንጹር እዩ። (ዮሃ. 12:32፣ 1 ጢሞ. 4:10) ግዜ እኳ እንተ ወሰደሎም፡ ኣተሓሳስባኦም ኣዐርዮም እዮም። ከመይሲ፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ብዝነበረቶም ፍቕሪ እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረ ተርቱልያን ዝስሙ ጸሓፊ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ክርስትያናት፡ “ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፋቐሩ፡ . . . ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ኪሞቱ እውን ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም” ከም እተዛረቡ ጸሓፈ። እወ፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት “ሓድሽ ስብእና” ስለ ዝለበሱ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይርእይዎም ነይሮም እዮም።—ቈሎ. 3:10, 11

17. ንኣድልዎ ኻብ ልብና ኽንምሕዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

17 ሎሚ ንሕና እውን ንኣድልዎ ኻብ ልብና ኽንምሕዎ ኣሎና። ኣብ ፈረንሳ እትነብር ሓብቲ ንኣድልዎ ኻብ ልብኻ ምምሓው ክሳዕ ክንደይ ኣሸጋሪ ኸም ዝዀነ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ፍቕሪ፡ ዘሎካ ምክፋል፡ ከምኡ ድማ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ምፍቃር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ የሆዋ ምሂሩኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንኻልኦት ብኣድልዎ ኸይርእዮም ጻዕሪ ኽገብር የድልየኒ እዩ፣ ኵሉ ሳዕ ከኣ ቀሊል ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እየ ብዛዕባኡ ኣዘውቲረ ዝጽሊ።” ኣብ ስጳኛ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ እውን ምስ ተመሳሳሊ ጸገም ትቃለስ እያ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ካልእ ዓሌት ንዘለዎም ሰባት ከይጸልኦም ጻዕሪ እገብር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እዕወት እየ። ብቐጻሊ ኽቃለስ ከም ዘሎኒ ግና እፈልጥ እየ። ሳላ የሆዋ፡ ኣባል ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ስድራ ቤት ብምዃነይ ሕጕስቲ እየ።” ኵላትና ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምራ ኣሎና። ከመይሲ፡ ከምዘን ክልተ ኣሓት፡ ነቲ ዚስምዓና ኣድልዎ ምእንቲ ኸነወግዶ ኽንቃለስ ኬድልየና ይኽእል እዩ።

ፍቕሪ ምስ ዚዓቢ፡ ኣድልዎ ይጠፍእ

18, 19. (ሀ) ንዅሎም ሰባት ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎም ዜኽእለና ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ነዚ ብግብራዊ መገድታት ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ኵላትና ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቕና “ኣጋይሽ” ወይ ጓኖት ከም ዝነበርና ኣይንረስዕ። (ኤፌ. 2:12) የሆዋ ግና “ብድባራታት ፍቕሪ” ገይሩ ናብኡ ስሒቡና እዩ። (ሆሴ. 11:4፣ ዮሃ. 6:44) ክርስቶስ እውን ተቐቢሉና እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን ማዕጾ ኸፊቱ ተቐቢሉና እዩ። (ሮሜ 15:7 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ዘይፍጹማት ክነስና የሱስ ሓንጐፋይ ኢሉ ኻብ ተቐበለና፡ ንኻልኦት ክንነጽጎም ፈጺምና ኽንሓስብ የብልናን።

ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኬንጸባርቑ ይጽዕሩ እዮም፣ ብፍቕሪ ኸኣ ሓድነት ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19 ናብ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ምክፍፋልን ኣድልዎን ጽልእን ኣመና ኸም ዚበዝሕ ርዱእ እዩ። (ገላ. 5:19-21፣ 2 ጢሞ. 3:13) ኰይኑ ግና፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ነታ ዘይተዳሉን ሰላማዊትን ዝዀነት ናይ ላዕሊ ጥበብ ከነንጸባርቕ ኢና እንጽዕር። (ያእ. 3:17, 18) ካብ ካልእ ሃገር ምስ ዚመጹ ሰባት ምሕዝነት ንፈጥርን ንባህሎም ንቕበሎን ኢና። ቋንቋኦም እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ሰላምና ልክዕ ከም ፈለግን ከም ማዕበላት ባሕርን ኪፈስስ እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18

20. ልብናን ኣእምሮናን ብፍቕሪ ምስ ዚቕረጽ እንታይ ኢና እንኸውን፧

20 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣውስትራልያዊት ሓብቲ፡ “መሳዅቲ ናይ ሓቂ ፍልጠት እተኸፍተለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐት ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠቕመት ክትገልጽ ከላ፡ “ከም ብሓድሽ ተቐሪጸ፡ ሓድሽ ልብን ኣእምሮን እዩ ተዋሂቡኒ። ኵሉ እቲ ዝነበረኒ ኣድልዎን ጽልእን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ መኺዅ እዩ” በለት። እቲ ካናዳዊ ሓው ከኣ፡ “ድንቍርና ኣደ ዓሌታዊ ጽልኢ እያ። ባህርያት ሰባት ድማ ብትውልዲ ዓዶም ዚውሰን ኣይኰነን” በለ። እቲ ሓው ንሓንቲ እንግሊዝኛ እትዛረብ ሓብቲ ተመርዓወ። እዚ ኣብነት እዚ፡ ኣድልዎ ብፍቕሪ ኸም ዚስዓር ዜርኢ እዩ። ከመይሲ፡ ፍቕሪ ኽትብተኽ ዘይትኽእል ማእሰር ሓድነት እያ።—ቈሎ. 3:14

^ ሕ.ጽ. 8 እታ “ኣሕዋት” እትብል ቃል፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝዀና ኣባላት ጉባኤ እውን ተጠቓልል እያ። ጳውሎስ ንሓንቲ ኻብተን መልእኽቱ ኣብ ሮሜ ናብ ዝነበሩ “ኣሕዋት” እዩ ልኢኽዋ። እዚ ኣበሃህላ እዚ እንተላይ ንኣሓት ዜጠቓልል ከም ዝነበረ ንጹር እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብታ መልእኽቱ ንሓያሎ ኣሓት ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 16:3, 6, 12) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ ነዊሕ ኣትሒዛ ንኣመንቲ ክርስትያናት ‘ኣሕዋትን ኣሓትን’ ኢላ እያ እትጽውዖም።