ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26
ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ሰባት ሓግዞም
“ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት ኩኑ።”—1 ጴጥ. 3:8።
መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ
መላለዪ *
1. ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧
የሆዋ ብዙሕ የፍቅረና እዩ። (ዮሃ. 3:16) ንሕና እውን ነዚ ፈቃር ኣቦና ኽንመስሎ ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም “ብእምነት ቤተ ሰብና” ዝዀኑ፡ ‘ክንድንግጸሎምን ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነርእዮምን ክንርሕርሓሎምን’ ንጽዕር ኢና። (ገላ. 6:10፣ 1 ጴጥ. 3:8) ኣባላት መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ክንሕግዞም ንደሊ ኢና።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧
2 ኵሎም እቶም ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት፡ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (ማር. 10:29, 30) መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ብዝመጸ መጠን፡ ብዙሕ ፈተናታት ክንጻወር ኬድልየና እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝ እንኽእል፧ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ሎጥን ዛንታ እዮብን ዛንታ ናእሚን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ሎሚ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዜጋጥሞም ገለ ጸገማት ክንምርምር፡ ነቲ ጸገማት ንምጽዋሩ ኸመይ ጌርና ኽንሕግዞም ከም እንኽእል ከኣ ኽንርኢ ኢና።
ዕጉስ ኩን
3. ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:7, 8 ተገሊጹ ዘሎ፡ ሎጥ እንታይ ሕማቕ ውሳነ እዩ ገይሩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤናት ኣስዒቡሉ፧
3 ሎጥ ኣብ መንጎ እቶም ኣመና ብዕሉጋት ዝዀኑ ህዝቢ ሶዶም ኪቕመጥ ምስ ሓረየ፡ ሕማቕ ውሳነ እዩ ገይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:7, 8 ኣንብብ።) እቲ ዞባ ልሙዕ እዩ ነይሩ፣ ሎጥ ናብ ሶዶም ብምግዓዙ ግና ከቢድ ዋጋ እዩ ኸፊሉ። (ዘፍ. 13:8-13፣ 14:12) ሰበይቱ ነታ ኸተማ ትፈትዋ ብምንባራ ወይ ንገለ ኻብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ትፈትዎም ብምንባራ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህባ ትእዛዝ ኣይሓለወትን። ኣምላኽ ኣብቲ ዞባ እቲ ሓውን ዲንን ምስ ኣዝነመ፡ ህይወታ ስኢና እያ። ብዛዕባ እተን ክልተ ኣዋልድ ሎጥ እውን እሞ ሕሰብ። ሕጹያተን ኣብ ሶዶም ሞይቶም እዮም። ሎጥ ከኣ፡ ቤቱን ጥሪቱን ስኢኑ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰበይቱ ስኢኑ እዩ። (ዘፍ. 19:12-14, 17, 26) እሞኸ ኣብቲ ጸቕጢ ዝመልኦ እዋን፡ የሆዋ ብሎጥ ትዕግስቱ ተወዲኡዶ፧ ኣይፋልን።
4. የሆዋ ንሎጥ እተዓገሶ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)
4 ሎጥ ንህይወት ሶዶም እኳ እንተ ሓረየ፡ የሆዋ ግና ብርሕራሐ ተደሪኹ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኬናግፎም ኢሉ መላእኽቲ ሰደደሉ። ይኹን እምበር፡ ሎጥ ነቲ እቶም መላእኽቲ ኻብ ሶዶም ኪወጽእ ዝሃብዎ ህጹጽ ትእዛዝ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ “ደንጐየ።” ሽዑ፡ እቶም መላእኽቲ ኢዱ ሒዞም ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ካብታ ኸተማ ኣውጽእዎም። (ዘፍ. 19:15, 16) ድሕሪኡ፡ ናብ ኣኽራን ኪሃድም ነገርዎ። ሎጥ ግና ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ ኣብ ቀረባ ናብ እትርከብ ከተማ ኪኸይድ ለመነ። (ዘፍ. 19:17-20) የሆዋ ድማ ብትዕግስቲ ሰምዖ፡ ናብታ ኸተማ እቲኣ ኪኸይድ እውን ፈቐደሉ። ጸኒሑ ሎጥ ኣብታ ኸተማ ምቕማጥ ስለ ዝፈርሀ፡ ናብቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ኪኸይድ ነጊርዎ ዝነበረ ኣኽራን ገዓዘ። (ዘፍ. 19:30) የሆዋስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተዓጊስዎ! እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧
5-6. ንኣምላኽ ክንመስሎ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:14 ዚርከብ ሓሳብ ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧
5 ሓደ ኣባል መንፈሳዊ ስድራ ቤትና ኸም ሎጥ ሕማቕ ውሳነታት ኪገብርን ኣብ ጸገማት ኪኣቱን ይኽእል ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ዝዘርኦ ይዓጽድ ከም ዘሎ ኽንዛረብ ንፍተን ንኸውን፣ እዚ ዘረባ እዚ እውን ሓቂ እዩ። (ገላ. 6:7) ኰይኑ ግና፡ ዝሓሸ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ የሆዋ ንሎጥ ዝሓገዘሉ መገዲ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧
6 የሆዋ ነቶም መላእኽቲ ንሎጥ ኬጠንቅቕዎ ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሶዶም ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ንምምላጥ ኪሕግዝዎ ኢሉ እዩ ልኢኽዎም። ንሕና ድማ ሓውና ናብ ሽግር ይኣቱ ኸም ዘሎ እንተ ርኢና፡ ፈለማ ኸነጠንቅቖ የድሊ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ክንሕግዞ ንኽእል ንኸውን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ብቕልጡፍ እኳ እንተ ዘይዓየየሉ፡ ክንዕገሶ ኣሎና። ሃየ እምበኣር፡ ከምቶም ክልተ መላእኽቲ ንኹን። ቀልጢፍና ተሓሊልና ኻብ ሓውና ኣብ ክንዲ እንርሕቕ፡ ንምሕጋዙ ግብራዊ መገድታት ከነናዲ ኣሎና። (1 ዮሃ. 3:18) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብኢዱ ሒዝና ነቲ እተዋህቦ ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኺዓይየሉ ኽንሕግዞ ኣሎና።—1 ተሰሎንቄ 5:14 ኣንብብ።
7. ከምቲ የሆዋ ንሎጥ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወና ይኽእል፧
7 የሆዋ ኣብ ዘይፍጽምና ሎጥ ኬተኵር ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ንሎጥ ጻድቕ ተባሂሉ ኸም ዚጽዋዕ ገይሩ ኣሎ። የሆዋ ንስሕተትና ዕሽሽ ዚብሎ ምዃኑ ብዙሕ ኬሐጕሰና ኣለዎ። (መዝ. 130:3) ከምቲ የሆዋ ንሎጥ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ይኽእል ድዩ፧ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንተ ኣተኲርና፡ ብዝያዳ ኽንዕገሶም ኢና። ንሳቶም እውን ብወገኖም ነቲ እንህቦም ሓገዝ ንምቕባል ኪቐልሎም እዩ።
ርሕሩሕ ኩን
8. ርሕራሐ እንታይ ንምግባር እዩ ዚድርኸና፧
8 እዮብ ከም ሎጥ ሕማቕ ውሳነ ኣይገበረን። እንተዀነ ግና፡ ጥሪቱን ማሕበራዊ ደረጃኡን ጥዕናኡን ስለ ዝሰኣነ፡ ብዙሕ መዓት ወሪድዎ እዩ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ ንሱን ሰበይቱን፡ ኵሎም ደቆም
ስኢኖም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት ፈተውቲ ንእዮብ ከሲሶምዎ እዮም። ሓደ ኻብቲ እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ንእዮብ ዘይራሕርሑሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ዅነታቱ ብደጊኡ ጥራይ እዮም ርእዮምዎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ በጺሖም፡ ንእዮብ እውን ብሕማቕ ፈሪዶምዎ። እሞ ደኣ ተመሳሳሊ ጌጋ ምእንቲ ኸይንገብር፡ ከመይ ጌርና ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧ የሆዋ ጥራይ ንዅሉ ዅነታት ሰብ ከም ዚፈልጥ ተገንዘብ። እቲ ረኻብ መከራ ንዚዛረቦ ዘበለ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ቃላቱ ጥራይ ኣይትስማዕ፣ ስቓዩ እውን ክትርድኦ ጽዓር። ድሕሪኡ ጥራይ ኢኻ ንሓውካ ወይ ንሓብትኻ ብሓቂ ኽትድንግጽ እትኽእል።9. ርሕራሐ እንታይ ከይንገብር እዩ ዚዓግተና፧ ስለምንታይከ፧
9 ርሕራሐ ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ዜጋጥሞም ጸገማት ሕማቕ ወረ ኸይነውሪ ይዓግተና እዩ። ወረኛ ንጉባኤ የፍርሳ ደኣ እምበር፡ ኣይሃንጻን እዩ። (ምሳ. 20:19፣ ሮሜ 14:19) ለውሃትን ሓልዮትን የብሉን፣ ቃላቱ ድማ ንረኻብ መከራ መሊሱ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:18፣ ኤፌ. 4:31, 32) ከምዚ ኣብ ክንዲ እንገብር፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ሰብ እንተ ኣተኰርናን ኣብ መከራኡ ብኸመይ ከም እንሕግዞ እንተ ሓሰብናን ይሓይሽ!
10. ኣብ እዮብ 6:2, 3 ዚርከብ ሓሳብ እንታይ ይምህረና፧
10 እዮብ 6:2, 3 ኣንብብ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዮብ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ይዛረብ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንገሊኡ ኻብቲ ዝበሎ ጸኒሑ ስሒብዎ እዩ። (እዮ. 42:6) ሎሚ እውን ብርቱዕ ጸቕጢ ዘጋጠሞ ሰብ ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ ወይ ደሓር ዜጣዕሶ ዘረባ ይዛረብ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ እንኸውን፡ ርሕሩሓት ክንከውን ኣሎና። የሆዋ ንዋላ ሓዴና ጸገማትን ጸቕጥታትን ኬጋጥመና ሓሊኑ ኸም ዘይነበረ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ብዘይ ሓልዮት እንተ ተዛሪቡ፡ ክንርድኣሉ ኣሎና። ዋላ እውን ብዛዕባ የሆዋ ወይ ብዛዕባና ጌጋ እንተ ተዛሪቡ፡ ብእኡ ወይ ብዘረባኡ ቐልጢፍና ኽንቍጣዕ ወይ ክንፈርዶ የብልናን።—ምሳ. 19:11።
11. ሽማግለታት ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ንኤሊሁ ኺመስልዎ ዚኽእሉ፧
11 ሓድሓደ ግዜ፡ ከቢድ ጸገም ንዘለዎ ሰብ እተወሰነ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ የድልዮ እዩ። (ገላ. 6:1) ሽማግለታት ከመይ ገይሮም ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ፧ ነቲ ንእዮብ ብድንጋጽ ዝሰምዖ ኤሊሁ ኺመስልዎ ኣለዎም። (እዮ. 33:6, 7) ኤሊሁ ኣተሓሳስባ እዮብ ድሕሪ ምርዳኡ እዩ ምኽሪ ሂቡ። ኣብነት ኤሊሁ ዚስዕቡ ሽማግለታት ከኣ ነቲ እተሸገረ ሰብ ተጠንቂቖም ይሰምዕዎን ንዅነታቱ ኺርድኡሉ ይጽዕሩን እዮም። ድሕሪኡ፡ ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ ልቢ ሰማዒኦም ንምትንካይ ዝያዳ ዕድል ይህልዎም እዩ።
ኣጸናንዕ
12. ናእሚ ብሞት ሰብኣያን ክልተ ደቃን ብኸመይ ተጸልያ፧
12 ናእሚ ንየሆዋ እተፍቅር እምንቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ድሕሪ ሞት ሰብኣያን ክልተ ደቃን ግና፡ ንስማ ኻብ ናእሚ ናብ “ማራ፡”—“መራር” ዝትርጕሙ፡—ኺልወጥ ደልያ ነይራ እያ። (ሩት 1:3, 5, 20, እ.ጽ., 21) ይኹን እምበር፡ እታ ሰበይቲ ወዳ ዝነበረት ሩት ብግዜ መከራኣ ኣይተፈልየታን። ሩት ብግብሪ ኣብ ርእሲ ምሕጋዛ፡ ንናእሚ ዜጸናንዕ ቃላት ተዛሪባታ እያ። ንናእሚ ዝነበራ ፍቕርን ደገፍን ድማ ካብ ልባ ብዝነቐለ ቐሊል ቃላት ገሊጻቶ እያ።—ሩት 1:16, 17።
13. ካብ ሰብ ሓዳር ሓዲኦም እንተ ሞይቱ፡ ነቲ ብህይወት ዝተረፈ ደገፍ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧
13 ካብ ሰብ ሓዳር ሓዲኦም እንተ ሞይቱ፡ ነቲ ብህይወት ዝተረፈ ደገፍ የድልዮ እዩ። ሰብ ሓዳር ጥቓ ጥቓ ምስ ዝዓበያ ኽልተ ኣእዋም ኪመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሰራውር እተን ኣእዋም ይጠናነግ እዩ። ሓንቲአን ኦም እንተ ተማሕያ ወይ እንተ ሓሪራ፡ እታ ሓንቲ እውን ብዙሕ ትጕዳእ እያ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ሓዳር ብህይወት ዚተርፍ ዘበለ፡ ንነዊሕ ግዜ ብርቱዕ ስምዒታት ይህልዎ እዩ። ሰብኣያ ብሃንደበት ዝሞታ ፖላ * ኸምዚ ትብል፦ “ህይወተይ ግልብጥብጥ እዩ ኢሉኒ፡ ዝገብሮ እውን ሓርቢቱኒ። ናይ ቀረባ ዓርከይ እየ ስኢነ። ንሰብኣየይ ብዛዕባ ዅሉ እየ ዝዛረቦ ነይረ። መኻፍልቲ ሓጐሰይን ሽግረይን እዩ ነይሩ። ጸገማተይ እውን ይሰምዓኒ ነይሩ እዩ። ፍርቂ ሰብነተይ እተቘርጸ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።”
14-15. መጻምድቱ ንዝሞቶ ሰብ ከመይ ጌርና ኸነጸናንዖ ንኽእል፧
14 መጻምድቱ ንዝሞቶ ሰብ ከመይ ጌርና ኸነጸናንዖ ንኽእል፧ ዋላ እውን ይኽበደና ወይ እንታይ ከም እንብል ኣይንፍለጥ፡ ብቐዳምነት ክንዛረቦ ኣሎና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፖላ ኸምዚ ትብል፦ “ሞት ንሰባት ከም ዚኸብዶም ይርድኣኒ እዩ። ጌጋ ነገር ከይዛረቡ ይጭነቑ እዮም። ዘይከውን ዘረባ ኻብ ምስማዕ ግና፡ ትም ይገድድ።” ሓደ ሓዘንተኛ ዓሚቝ ነገር ክንዛረብ ኣይጽበየናን እዩ። ብዛዕባ እዚ ፖላ፡ “ፈተውተይ፡ ‘በቲ ዝወረደኪ ሓዚነ እየ’ ጥራይ እኳ እንተ ኢሎም አመስግኖም እየ” ትብል።
15 ቅድሚ ገለ ዓመታት ሰበይቱ ዝሞተቶ ዊልያም ከምዚ ይብል፦ “ገሊኦም ብዛዕባ ሰበይተይ ተመክሮታት ኪነግሩኒ ኸለዉ የሐጕሰኒ እዩ፣ ከም ዚፈትውዋን ከም ዜኽብርዋን መረጋገጺ ይዀነኒ እዩ። እዚ ዓይነት ደገፍ እዚ ብዙሕ እዩ ዚሕግዘኒ። ንሰበይተይ ኣዝየ እፈትዋ ስለ ዝነበርኩን ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ቦታ ስለ ዝነበራን፡ ዓሚቝ ዕግበት የምጽኣለይ እዩ።” ቢያንካ ዝስማ መበለት ድማ ከምዚ ትብል፦ “ካልኦት ምሳይ ሓቢሮም ኪጽልዩን ሓደ ወይ ክልተ ጥቕሲ
ኼካፍሉንን ከለዉ እጸናናዕ እየ። ንሳቶም ብዛዕባ ሰብኣየይ ኪዛረቡ ኸለዉን ኣነ ብዛዕባኡ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ኪሰምዑኒ ኸለዉን፡ እጸናናዕ እየ።”16. (ሀ) መጻምድቱ ንዝሞቶ ሰብ እንታይ ኢና ኽንገብረሉ ዘሎና፧ (ለ) ብመሰረት ያእቆብ 1:27፡ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧
16 ከምቲ ሩት ምስታ መበለት ዝነበረት ናእሚ ዝለገበት፡ ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ብቐጻሊ ኽንድግፎም ኣሎና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፖላ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ምስ ሞተ፡ ብኡብኡ ብዙሕ ደገፍ ረኺበ እየ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ሰባት ናብ ንቡር ህይወቶም ተመሊሶም እዮም። ህይወተይ ግና ምሉእ ብምሉእ እዩ ተለዊጡ። ሓዘንተኛ ሰብ ድሕሪ እቲ ሞት ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ደገፍ ከም ዜድልዮ ሰባት እንተ ተገንዚቦም፡ እዚ ብዙሕ ይሕግዝ እዩ።” ልክዕ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ባህርይ እዩ ዘለዎ። ገሊኦም ነቲ ሓድሽ ኵነታቶም ቀልጢፎም ይለምድዎ እዮም። ገሊኦም ግና ምስ መጻምድቶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት ንሓዘኖም የዘኻኽሮም እዩ። ሰባት ዚሓዝኑሉ መገዲ እውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። የሆዋ ነቶም መጻምድቶም ዝሞቶም ሰባት ክንከናኸን ዝሃበና ዕዮ፡ ክብርን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ያእቆብ 1:27 ኣንብብ።
17. ብመጻምድቶም እተጠንጠኑ ሰብ ሓዳር ደገፍና ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧
17 ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ መጻምድቶም ሓዲግዎም ምስ ከደ፡ ዝኸፍአ ጓህን ጸቕጥን ይስምዖም እዩ። ሰብኣያ ምስ ካልእ ሰበይቲ ኪኸውን ኢሉ ሓዲግዋ ዝኸደ ጆይስ ከምዚ ትብል፦ “ፍትሕ ዘስዓበለይ ስቓይ፡ ካብቲ ሰብኣየይ እንተ ዚመውት ኪስምዓኒ ዚኽእል ስቓይ ዚገድድ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ብሓደጋ ወይ
ብሕማም እንተ ዚመውት ነይሩ፡ እቲ ነገር ብምርጫኡ ኣይምዀነን። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ግና፡ ሰብኣየይ ብምርጫኡ እዩ ሓዲጉኒ ኸይዱ። እተዋረድኩን ዝሓሰርኩን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።”18. መጻምድቶም ንዝሰኣኑ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
18 መጻምድቶም ንዝሰኣኑ ሰባት ንእሽቶ ሰናይ ተግባር ክንገብረሎም ከለና፡ ፍቕርና ኢና እነረጋግጸሎም። በይኖም ብምዃኖም፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጥዑይ ፈታዊ የድልዮም እዩ። (ምሳ. 17:17) እሞኸ ንስኻ ፈታዊኦም ምዃንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ብሓንሳእ ክትዘናግዑ ወይ ናብ ኣገልግሎት ክትወፍሩ ሕቶ ኸተቕርበሎም ትኽእል ኢኻ። ሓሓሊፎም ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ኪመጹ እውን ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ። ከመይሲ፡ ንሱ “ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፡” ብዘይካዚ፡ “መዕቈቢ መበለታት” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 34:18፣ 68:5።
19. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:8፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
19 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምድሪ ኽትገዝኣ ምስ ጀመረት፡ ኵሉ ‘ጭንቂ ኺርሳዕ’ እዩ። ነቲ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ” ዚብሃለሉ ግዜ ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ ዘለና። (ኢሳ. 65:16, 17) እታ መዓልቲ እቲኣ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍ፡ ንዅሎም መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኸም እነፍቅሮም ድማ ብቓልን ብተግባርን ነርኢ።—1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።
መዝሙር 111 መሐጐሲና