ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽትከውን ከለኻ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽትከውን ከለኻ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

“ኣነስ ብርቱዕ ጸቕጢ ዘሎኒ . . . እየ።”—1 ሳሙ. 1:15

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

መላለዪ *

1. ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት፡ “ጭንቀት ናብራ . . . ንልብኹም ከይከብዶ . . . ንርእስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:34) ነቲ መጠንቀቕታ እቲ ኽንሰምዖ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ግዜና፡ ካብቲ ንዅሉ ሰብ ዜጋጥም ጸገማት ኣይነምልጥን ኢና።

2. ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸቕጢ ዚፈጥር እንታይ ጸገማት እዩ ዜጓንፎም፧

2 ሓድሓደ ግዜ፡ ብሓንሳእ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እሞ ንርአ። ማልቲፕል ስክሎሮሲስ ዚብሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማም ዘለዎ ጆን * ዝስሙ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሰበይቱ ድሕሪ ናይ 19 ዓመት ሓዳር ሓዲጋቶ ምስ ከደት፡ ምድረ ሰማይ ጸልሚትዎ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ክልተ ኣዋልዱ ንየሆዋ ምግልጋል ሓደጋኦ። ቦብን ሊንዳን ዝስሞም ሰብ ሓዳር ከኣ ካልእ ዓይነት ጸገማት ኣጋጢምዎም እዩ። ክልቲኦም ስራሖም ሰኣኑ፡ ቤቶም እውን ሰኣኑ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ ሊንዳ ንህይወታ ዜስግእ ሕማም ልቢ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ፣ ካልእ ሕማም እውን ነቲ ናይ ሰብነታ ስርዓተ ምክልኻል ኪጐድኦ ጀመረ።

3. ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

3 እቲ ፈጣሪናን ፈቃር ኣቦናን ዝዀነ የሆዋ፡ ጸቕጢ ብኸመይ ከም ዚጸልወና ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ምእንቲ ኽንክእሎ እውን፡ ኪሕግዘና ይደሊ እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞም ጸገማት ብዙሕ የዘንቱ እዩ። የሆዋ ነቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ዚፈጥር ኵነታት ብኸመይ ኪጾርዎ ኸም ዝሓገዞም እውን ይገልጽ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኤልያስ—“ከማና ዝስምዒቱ ሰብ”

4. ንኤልያስ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ብዛዕባ የሆዋኸ ኸመይ እዩ ተሰሚዕዎ፧

4 ኤልያስ ንየሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜ እዩ ዜገልግሎ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ከቢድ ጸገማት የጋጥሞ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ እስራኤል እተጠቕሱ ዘይእሙናት ነገስታት ዝነበረ ንጉስ ኣከኣብ፡ ንሓንቲ ኢዛቤል እትብሃል እክይቲ ኣምላኺት በዓል ተመርዕይዋ ነበረ። ክልቲኦም ከኣ ነታ ምድሪ ብኣምልኾ ጣኦት መልእዋ፡ ንብዙሓት ነብያት የሆዋ እውን ቀተሉ። ኤልያስ ግና ኣምለጠ። ኣብ የሆዋ ብምጽጋዑ እውን፡ ካብ ብርቱዕ ደርቂ ብህይወት ተረፈ። (1 ነገ. 17:2-4, 14-16) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኤልያስ ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ ንነብያትን ንኣምለኽትን በዓል ተቓወሞም። ንእስራኤላውያን ከኣ ንየሆዋ ኼምልኹ ተማሕጸኖም። (1 ነገ. 18:21-24, 36-38) እወ፡ ኣብቲ ጸቕጢ ዝመልኦ እዋን የሆዋ ይድግፎ ኸም ዘሎ ዜርኢ ብዙሕ መርትዖ ነይርዎ እዩ።

የሆዋ ንኤልያስ ኬበርትዖ ኢሉ መልኣኹ ለኣኸሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ) *

5-6. ብመሰረት 1 ነገስት 19:1-4፡ ኤልያስ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ የሆዋ ንኤልያስ ከም ዜፍቅሮኸ ብኸመይ እዩ ኣርእይዎ፧

5 ቀዳማይ ነገስት 19:1-4 ኣንብብ። ይኹን እምበር፡ ንግስቲ ኢዛቤል ንኤልያስ ከም እትቐትሎ ልኡኽ ምስ ለኣኸትሉ፡ ንሱ ፈርሀ። ስለዚ፡ ሃዲሙ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከደ። ኣዝዩ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ፡ “ኪመውት ለመነ።” ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዕዎ፧ ኤልያስ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ” እዩ ነይሩ። (ያእ. 5:17) ምናልባት እቲ ኸቢድ ጸቕጥን ብርቱዕ ድኻምን ልዕሊ ዓቕሙ ዀይንዎ ይኸውን። ንጹህ ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ዝገበሮ ጻዕርታት ከንቱ ኸም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል እተመሓየሸ ነገር ከም ዘየልቦ፡ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንሱ በይኑ ኸም ዝተረፈ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ነገ. 18:3, 4, 13፣ 19:10, 14) እዚ እሙን ነብዪ እዚ ኸምዚ ስለ እተሰምዖ፡ ንዓና ይገርመና ይኸውን። የሆዋ ግና ንስምዒቱ ተረዲኡሉ እዩ።

6 ኤልያስ ስምዒቱ ብምግላጹ፡ የሆዋ ኣይገንሖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣበርቲዕዎ እዩ። (1 ነገ. 19:5-7) ጸኒሑ፡ የሆዋ ንኤልያስ ዜደንቕ ሓይሉ ኣርኣዮ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንኣተሓሳስባኡ ኣረሞ። ኣብ ኣምልኾ በዓል ዘይሳተፉ 7,000 ሰባት ኣብ እስራኤል ከም ዘለዉ ድማ ሓበሮ። (1 ነገ. 19:11-18) የሆዋ በዚ ግብራዊ መገድታት ገይሩ ኸኣ ንኤልያስ ከም ዜፍቅሮ ኣርኣዮ።

የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና

7. ካብቲ የሆዋ ንኤልያስ ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

7 ጸቕጢ ጾይርካ እትመላለስ ዘለኻ ዲኻ፧ የሆዋ ንኤልያስ ስምዒቱ ኸም እተረድኣሉ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እዚ ነገር እዚ፡ ስምዒታዊ ቓልስና ኸም ዚርድኦ የረጋግጸልና እዩ። ዓቕምና ይፈልጥ እዩ፣ እንታይ ንሓስብን እንታይ ይስምዓናን ከም ዘሎ እውን ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 103:14፣ 139:3, 4) ኣብነት ኤልያስ ብምስዓብ ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና፡ ነቲ ጸቕጢ ዚፈጥር ጸገማት ንምጽዋሩ ኺሕግዘና እዩ።—መዝ. 55:22

8. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ንጸቕጢ ኽትጻወር ዚሕግዘካ፧

8 ጸቕጢ ኣሉታዊ ነገር ከም እትሓስብ ኪገብረካ፡ ወይ ተስፋ ኬቝርጸካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ነቲ ጸቕጢ ኽትጻወሮ ኸም ዚሕግዘካ ዘክር። ከመይ ገይሩ እዩ ዚሕግዘካ፧ ዜተሓሳስበካ ዘበለ ንዕኡ ኸተካፍሎ ዕድመ ኣቕሪቡልካ ኣሎ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንኣውያትካ ምላሽ ኪህበሉ እዩ። (መዝ. 5:3፣ 1 ጴጥ. 5:7) ስለዚ፡ ብዛዕባ ጸገማትካ ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ ጸሊ። ከምቲ ንኤልያስ እተዛረቦ ገይሩ ንዓኻ ብቐጥታ ኣይዛረበካን እዩ፣ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ብውድቡን ኣቢሉ ግና ኪዛረበካ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ዛንታታት፡ ኬጸናንዓካን ተስፋ ኺህበካን ይኽእል እዩ። ኣሕዋትካን ኣሓትካን እውን ኬተባብዑኻ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 15:4፣ እብ. 10:24, 25

9. እሙን ፈታዊ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

9 የሆዋ ንኤልያስ፡ ሓላፍነቱ ንኤልሳእ ኬካፍሎ ኺነግሮ ኸሎ፡ ንስምዒታዊ ጾሩ ኺጸውር ዚሕግዞ ብጻይ እዩ ሂብዎ። ንሕና እውን ንሓደ እሙን ፈታዊና ምስጢርና ምስ እነካፍሎ፡ ንስምዒታዊ ጾርና ኽንጸውር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (2 ነገ. 2:2፣ ምሳ. 17:17) ምስጢርካ እተካፍሎ ዋላ ሓደ ዘየልቦ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ስምዒታዊ ደገፍ ኪህበካ ዚኽእል ብሱል ክርስትያን ምእንቲ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ።

10. ተመክሮ ኤልያስ ንዓና ተስፋ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:28, 29 ዚርከብ ቃልከ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

10 የሆዋ ንኤልያስ፡ ጸቕጢ ኺጻወርን ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ኬገልግልን ሓጊዝዎ እዩ። ተመክሮ ኤልያስ ንዓና ተስፋ ይህበና እዩ። ብትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ እንሓልፈሉ እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣካላውን ስምዒታውን ውጥረት ይፈጥረልና እዩ። ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና ግና፡ ንዕኡ ንምግልጋል ዜድልየና ሓይሊ ይህበና እዩ።—ኢሳይያስ 40:28, 29 ኣንብብ።

ሃናን ዳዊትን ሓደ ዘማርን ናብ የሆዋ ተጸጊዖም

11-13. ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ ዘጋጠሞም ጸቕጢ እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧

11 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኻልኦት ሰባት እውን ብርቱዕ ጸቕጢ ኣሕሊፎም እዮም። ንኣብነት፡ ሃና ውሉድ ስለ ዘይነበራ ተናዒቓ፡ በታ መቐናቕንታ ሰበይቲ እውን ኣደዳ ባጫ ዀይና እያ። (1 ሳሙ. 1:2, 6) ሃና በቲ ዘጋጠማ ብርቱዕ ጸቕጢ ኣመና ስለ እተመረረት፡ በኽያ እያ፡ ሸውሃታ እውን ተዓጽዩ እዩ።—1 ሳሙ. 1:7, 10

12 ንጉስ ዳዊት እውን ኣብ ገሊኡ እዋናት ብርቱዕ ጸቕጢ ይስምዖ ነይሩ እዩ። ነቲ ዘጋጥሞ ጸገማት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ጌጋታቱ፡ ብጸጸት ተደቚሱ ነይሩ እዩ። (መዝ. 40:12) እቲ ዚፈትዎ ወዱ ኣቤሴሎም ድማ ካብኡ ዓልዩ፡ ኣብ መወዳእታኡ እውን ተቐቲሉ እዩ። (2 ሳሙ. 15:13, 14፣ 18:33) ብዘይካዚ ኸኣ፡ ዳዊት ብናይ ቀረባ ዓርኩ ተጠሊሙ እዩ። (2 ሳሙ. 16:23–17:2፣ መዝ. 55:12-14) ሓያሎ ኻብቲ ዳዊት ዝጸሓፎ መዝሙራት ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ቕብጸትን ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ዘይነቓነቕ ትውክልትን ዚገልጽ እዩ ነይሩ።—መዝ. 38:5-10፣ 94:17-19

ነቲ ዘማሪ ዳግም ብታሕጓስ ኬገልግል ዝሓገዞ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ) *

13 ጸኒሑ ሓደ ዘማሪ ብኣነባብራ እኩያት ኪቐንእ ጀመረ። ንሱ ኸኣ ሓደ ኻብ ዘርኢ እቲ ኣሳፍ ዚብሃል ሌዋዊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ “ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ” እውን የገልግል ነይሩ እዩ። እዚ ዘማሪ እዚ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ስኢኑ ነይሩ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣምላኽ ምግልጋል በረኸት ዜምጽእ እንተ ዀይኑ ኺጠራጠር ጀሚሩ ነይሩ እዩ።—መዝ. 73:2-5, 7, 12-14, 16, 17, 21

14-15. ካብዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰለስተ ኣብነታት፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ብዛዕባ ምድላይ እንታይ ንምሃር፧

14 እዞም እተጠቕሱ ሰለስተ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ተጸጊዖም እዮም። ብዛዕባ ጭንቀቶም ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕሪቦም እዮም። ስለምንታይ ብርቱዕ ጸቕጢ ኸም ዚስምዖም፡ ከይተሰከፉ ገሊጾምሉ እዮም። ናብ ቦታ ኣምልኾ የሆዋ ኻብ ምኻድ እውን ኣየብኰሩን።—1 ሳሙ. 1:9, 10፣ መዝ. 55:22፣ 73:17፣ 122:1

15 የሆዋ ድማ ንነፍሲ ወከፎም ብርሕራሐ ምላሽ ሂብዎም እዩ። ሃና ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኺባ እያ። (1 ሳሙ. 1:18) ዳዊት ከኣ፡ “ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 34:19) እቲ ዘማሪ እውን ጸኒሑ፡ የሆዋ ‘ብየማነይቲ ኢዱ ኸም ዝሓዞ፡’ ማለት ብፍቕራዊ ምኽሪ ይመርሖ ኸም ዝነበረ ተሰሚዕዎ እዩ። “ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ። . . . ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መዕቈብየይ ገይረዮ ኣለኹ” ኢሉ እውን ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 73:23, 24, 28) ካብዞም ኣብነታት እዚኦም እንታይ ንምሃር፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ጸቕጢ ዚፈጥረልና ጸገማት የጋጥመና ይኸውን። ግናኸ፡ የሆዋ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እንተ ኣስተንቲንናሉን ብጸሎት ናብኡ እንተ ተጸጊዕናን ከምቲ ኽንገብሮ ዚደልየና ብምግባር እንተ ተኣዚዝናዮን፡ ነቲ ውጥረት ክንጻወሮ ንኽእል ኢና።—መዝ. 143:1, 4-8

ናብ የሆዋ ተጸጋዕ እሞ ኽትዕወት ኢኻ

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ፈለማ ንርእሳ ትፈሊ፣ ንኻልኦት እትሕግዘሉ መገድታት ምስ ኣናደየት ግና ጽቡቕ ይስምዓ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16-17. (ሀ) ንርእስና ኽንፈሊ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ብርታዐ ኽንረክብ እንኽእል፧

16 ካብዞም ሰለስተ ኣብነታት እዚኦም ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን ንምሃር ኢና፦ ንርእስና ኻብ የሆዋን ካብ ህዝቡን ክንፈሊ የብልናን። (ምሳ. 18:1) ሰብኣያ ሓዲግዋ ብምኻዱ ብርቱዕ ጸቕጢ እተሰምዓ ናንሲ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ንዋላ ሓደ ኽርኢ ወይ ምስ ዋላ ሓደ ኽዛረብ ዘይደልየሉ ብዙሕ መዓልትታት ነይሩ እዩ። ንርእሰይ ብዝያዳ ብዝፈለኹ መጠን ግና፡ ብዝያዳ እዩ ጓሂ ዚስምዓኒ ነይሩ” ትብል። ጸገማት ንዘጋጠሞም ካልኦት ሰባት ክትሕግዘሉ እትኽእል መገድታት ከተናዲ ምስ ጀመረት ግና፡ ስምዒታ ኪቕየር ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ካልኦት ቃልስታቶም ኪነግሩኒ ኸለዉ ሰሚዐዮም። ንዓታቶም ብዝያዳ እናደንገጽኩሎም ብዝኸድኩ መጠን፡ ብርእሰይ ምስትምሳል እናነከኹ ኸይደ” ትብል።

17 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንተ ተኣኪብና፡ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ የሆዋ ‘ረዳኢናን መጸናንዒናን’ ኪኸውን ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ንኸፍተሉ ኢና። (መዝ. 86:17) ኣብኡ ድማ ብመንፈስ ቅዱሱን ብቓሉን ብህዝቡን ኣቢሉ የበርትዓና እዩ። ኣኼባታት “ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሶፊያ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋን ኣሕዋትናን ክጻወር ሓጊዞምኒ እዮም። ኣኼባታት ጉባኤ ንዓይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ጉባኤን ብዝያዳ ብእተሳተፍኩ መጠን፡ ንጸቕጥን ንጭንቀትን ብዝሓሸ ኽጻወር ከም ዝኽእል ተገንዚበ እየ።”

18. ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ የሆዋ እንታይ ኪህበና ይኽእል፧

18 ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ነባሪ እፎይታ ኼምጽኣልና ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ንጸቕጥና ንምጽዋር ኪሕግዘና ምዃኑ ቓል ከም ዝኣተወልና ንዘክር። ቅብጸትን ምቝራጽ ተስፋን ከነሰንፍ ዜኽእለና ‘ድሌትን ዓቕምን’ ይህበና እዩ።—ፊል. 2:13

19. ኣብ ሮሜ 8:37-39 እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

19 ሮሜ 8:37-39 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ርሕሩሓት ብምዃንን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትን ብምድጋፍን ከመይ ጌርና ንየሆዋ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

^ ሕ.ጽ. 5 ብርቱዕ ወይ ቀጻሊ ጸቕጢ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንኤልያስ ብኸመይ ነቲ ጸቕጡ ኺጻወሮ ኸም ዝሓገዞ ኽንምሃር ኢና። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽንከውን ከለና ብኸመይ ናብ የሆዋ ኸም እንጽጋዕ ከኣ ካብ ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ መልኣኽ የሆዋ ንኤልያስ ቀስ ኢሉ ኣበራቢሩ እንጌራን ማይን ይህቦ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኻብ ዘርኢ ኣሳፍ ኪኸውን ዚኽእል ዘማሪ ምስ ከምኡ ሌዋውያን ኰይኑ መዝሙራት ይጽሕፍን ይዝምርን።