ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ”

ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ”

እታ ብሓዊ ዝነደደት ቍርጽራጽ ዔን ገዲ፡ ካብቲ ብ1970 እተረኽበትሉ እዋን ኣትሒዛ ኽትንበብ ኣይከኣለትን ነይራ። 3-D ስካን ግና እዛ ጥቕልልቲ ብራና እዚኣ ኽፋል ዘሌዋውያን፡ እንተላይ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ከም ዝሓዘት ሓቢሩ

ብ1970 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ እስራኤል፡ ጥቓ ምዕራባዊ ገማግም ምዉት ባሕሪ ኣብ እትርከብ ዔን ገዲ እትብሃል ቍሸት፡ ብሓዊ ዝነደደት ጥቕልልቲ ብራና ረኸቡ። ነታ ጥቕልልቲ ብራና፡ ንሓንቲ ምኵራብ ንምርካብ ኪፍሕሩ ኸለዉ እዮም ረኺቦምዋ። እታ ቝሸት ኣብ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ. ኣቢላ ኣብ እተደምሰሰትሉ እዋን፡ እታ ምኵራብ ብሓዊ ነዲዳ ነይራ እያ። ስለዚ፡ እታ ጥቕልልቲ ብራና ኽትንበብ እትከኣል ኣይነበረትን፣ ብዘይ ገለ ጕድኣት ክትቅላዕ እውን ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሳላ 3-D ስካኒንግ ዚብሃል ተክኒክ፡ እታ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ” እያ። ብሓገዝ ሓድሽ ዲጂታዊ ምስሊ ኸኣ፡ ትሕዝቶኣ ኺንበብ ተኻኢሉ ኣሎ።

እሞኸ እቲ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ እታ ጥቕልልቲ ብራና፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ ዝሓዘት እያ። እቲ ኻብ ጥፍኣት ዝተረፈ ኽፋላ፡ ካብ መእተዊ ኽፋል መጽሓፍ ዘሌዋውያን እተወሰነ ፍቕድታት ሒዙ ኣሎ። ኣብተን ፍቕድታት ከኣ፡ እተን ቴትራግራማተን ዚብሃላ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዚውክላ ፊደላት እብራይስጢ ይርከባ እየን። እታ ብራና ኣብ መንጎ ኻልኣይ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመንን ራብዓይ ዘመንን ድ.ክ. እተጻሕፈት እያ እትመስል። እዚ ድማ ድሕሪ ርኽበት ኢደ ጽሑፋት ቁምራን፡ ብጥንታውነታ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ይገብራ እዩ። ጊል ዞሃር ኣብ ዘ ጀሩሳሌም ፖስት ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ናይ ዘሌዋውያን ቍርጽራጽ ዔን ገዲ ብዲጂታዊ ኽሳዕ እትቕላዕ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዋን ካልአይቲ ቤተ መቕደስ ዝነበረ 2,000 ዓመት ዝዕድሚኡ ጥቕላላት ምዉት ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ማእከላይ ዘመን እተጻሕፈ ኮዴክስ ኣለጶን ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኸውን ጋግ ነይሩ እዩ።” ብመሰረት ክኢላታት፡ እዛ ብዲጂታዊ እተቐልዐት ጥቕልልቲ ብራና፡ እቲ ናይ ቶራህ ጽሑፍ ማሶራውያን “ኣብቲ ሽሕ ዓመት ብተኣማንነት ከም እተዓቀበ፡ ጌጋታት ቀዳሕቲ እውን ሰሊኹ ኸም ዘይኣተወ” ተርኢ።