ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናይ መንፈስ ምሕሳብ፡ ህይወትን ሰላምን እዩ’

‘ናይ መንፈስ ምሕሳብ፡ ህይወትን ሰላምን እዩ’

“እቶም ብመንፈስ ዚነብሩ፡ . . . ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ።” —ሮሜ 8:5

መዝሙር፦ 45, 36

1, 2. ብሕልፊ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ሮሜ ምዕራፍ 8 ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

ምስቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ብእተተሓሓዘ፡ ንሮሜ 8:15-17 ኣንቢብካያዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ኣንቢብካያ ትኸውን ኢኻ። እዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ክርስትያናት ከመይ ገይሮም ቅቡኣት ምዃኖም ከም ዚፈልጡ ትገልጽ፣ ማለት መንፈስ ቅዱስ ምስ መንፈሶም ኰይኑ ኸም ዚምስክር ትሕብር። እታ ኣብ መጀመርታ እታ ምዕራፍ ዘላ ፍቕዲ ድማ፡ ነቶም “ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም” ከም እተጻሕፈት ትሕብር። እሞ ደኣ ሮሜ ምዕራፍ 8 ንቕቡኣት ጥራይ ድያ እትምልከት፡ ወይስ ነቶም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን ትምልከቶም እያ፧

2 እታ ምዕራፍ እቲኣ ብቐዳምነት ንቕቡኣት ክርስትያናት እያ ተጻሒፋ። ንሳቶም ድማ ነቲ “መንፈስ” ተቐቢሎምሲ ‘ውልድነት፡ ማለት ብጀዋ ሰብነቶም ተሃንጥዮም ዚጽበዩ’ እዮም። (ሮሜ 8:23) እወ፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ሰማይ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም። ከምኡ ክዀኑ ዝኸኣሉ ኸኣ፡ ጥሙቓት ክርስትያናት ብምዃኖም፡ ኣምላኽ በቲ በጃ ገይሩ ንሓጢኣቶም ስለ ዝሓደገሎምንን መንፈሳውያን ደቁ ገይሩ ስለ ዘጽደቖምን እዩ።—ሮሜ 3:23-26፣ 4:25፣ 8:30

3. ሮሜ ምዕራፍ 8 ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከተገድሶም ዚግባእ ስለምንታይ እያ፧

3 ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እውን ጻድቃን ገይሩ ስለ ዚርእዮም፡ ሮሜ ምዕራፍ 8 ንዓታቶም እውን ተገድሶም እያ። ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቱ እቲኣ ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ ነገር ነዚ ይሕብር እዩ። ኣብ ምዕራፍ 4፡ ብዛዕባ ኣብርሃም ገሊጹ እዩ። እቲ ናይ እምነት ሰብ ዝነበረ ኣብርሃም፡ የሆዋ ንእስራኤል ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምሃቡን የሱስ ንሓጢኣትና ቕድሚ ሙማቱን እዩ ዚነብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነታ ፍልይ ዝበለት እምነት ኣብርሃም ኣስተብሂሉላ፡ ንዕኡ እውን ጻድቕ ገይሩ ቘጺርዎ እዩ። (ሮሜ 4:20-22 ኣንብብ።) ሎሚ እውን የሆዋ ብተመሳሳሊ መገዲ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት ጻድቃን ገይሩ ኺርእዮም ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብቲ ንጻድቃን እተዋህበ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ዚርከብ ምኽሪ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

4. ሮሜ 8:21 ምስ ኣንበብና፡ እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና ኽንሓስበላ ዚግባእ፧

4 ኣብ ሮሜ 8:21፡ ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእ ዚገልጽ ውሕስነት ንረክብ ኢና። እታ ጥቕሲ፡ “ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን” ተተስፉ። ንሕና ነቲ ዓስቢ እቲ ኽንረክብ እንተ ዄንና ግና ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ጕዳይ እዩ። እሞኸ ነቲ ዓስቢ እቲ ኸም እትረክብ ትተኣማመን ዲኻ፧ ሮሜ ምዕራፍ 8፡ ነዚ ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእል ምኽሪ ትህበና።

“ናይ ስጋ ምሕሳብ”

5. ኣብ ሮሜ 8:4-13፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ረዚን ጕዳይ እዩ ዝጸሓፈ፧

5 ሮሜ 8:4-13 ኣንብብ። ሮሜ ምዕራፍ 8 ኣብ መንጎ እቶም “ብስጋ” ዚመላለሱን “ብመንፈስ” ዚመላለሱን ዘሎ ንጽጽር ትገልጽ እያ። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ንጽጽር እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሓቂ ዘየለዉን ኣብ ሓቂ ዘለዉን፡ ማለት ኣብ መንጎ ዘይክርስትያናትን ክርስትያናትን እተገብረ እዩ ዚመስሎም። ጳውሎስ ግና ነቶም “ኣብ ሮሜ ዘለዉ ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ ፍቑራት ኣምላኽ” እዩ ዚጽሕፈሎም ነይሩ። (ሮሜ 1:7) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብስጋ ዚመላለሱ ክርስትያናትን ብመንፈስ ዚመላለሱ ክርስትያናትን እዩ ዜነጻጽር ነይሩ። እሞኸ ኣብ መንጎኦም እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

6, 7. (ሀ) እታ “ስጋ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተዓይዩላ ኣሎ፧ (ለ) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 8:4-13 ነታ “ስጋ” እትብል ቃል ብኸመይ እዩ ተጠቒሙላ፧

6 ፈለማ ብዛዕባ እታ “ስጋ” እትብል ቃል እስከ ንሕሰብ። ጳውሎስ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ስጋ” እትብል ቃል ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚጥቀመላ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ናይ ሰብነትና ስጋ እያ እተመልክት። (ሮሜ 2:28፣ 1 ቈረ. 15:39, 50) ንዝምድና እተመልክተሉ ግዜ እውን ኣሎ። የሱስ “ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት” እዩ፣ ጳውሎስ ድማ ንኣይሁድ “ብስጋ ኣዝማደይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ።—ሮሜ 1:3፣ 9:3

7 እቲ ጳውሎስ ኣብ ምዕራፍ 7 ዝጸሓፎ ግና፡ ኣብ ሮሜ 8:4-13 “ስጋ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ይሕብረና እዩ። ኣብኡ፡ “ብስጋ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን” ድሕሪ ምባሉ፡ ነዚ ምስቲ “ኣብ ሰብነትና ይዓዪ ነይሩ” እተባህለሉ “ሓጥእ ፍትወት” ኣተኣሳሲርዎ እዩ። (ሮሜ 7:5) እዚ ኸኣ “ብስጋ ዚነብሩ” ኺብል ከሎ ብዛዕባ መን ይጽሕፍ ምንባሩ የብርሃልና፣ ብዘይካዚ ብዛዕባኦም “ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። እምበኣር፡ ብዛዕባ እቶም ትምኒቶም ወይ ዝንባለኦም ዚመልኮምን ኣብኡ ዜተኵሩን ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። መብዛሕትኦም እዞም ሰባት እዚኦም ንጾታዊ ዀነ ንኻልእ ህርፋኖምን ድፍኢቶምን ፍትወቶምን እዮም ዚስዕቡ።

8. ንቕቡኣት ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ “ብስጋ” ብዛዕባ ምምልላስ መጠንቀቕታ ኺውሃቦም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት “ብስጋ” ብዛዕባ ምንባር ስለምንታይ ከም ዘጠንቀቖም ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። እዚ ሓደጋ እዚ ነቶም ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ እተቐበሎምን ጻድቃን ገይሩ ዝረኣዮምን ክርስትያናት ዜስግእ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እወ፡ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ብሓጥእ ስጋኡ ምምልላስ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት “ንኸብዶም” ይግዝኡ ምንባሮም ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ንጾታዊ ትምኒቶም ዚግዝኡ፡ ወይ ምግብን መስተን ካልእ ነገራትን ዚሃርፉ ምዃኖም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ከኣ “ገርህታት የስሕቱ” ነይሮም እዮም። (ሮሜ 16:17, 18፣ ፊል. 3:18, 19፣ ይሁ. 4, 8, 12) ሓደ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሓው ንእተወሰነ ግዜ “ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ” ይነብር ምንባሩ እውን ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረ. 5:1) ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ብጳውሎስ ኣቢሉ ንክርስትያናት ‘ናይ ስጋ ብዛዕባ ምሕሳብ’ ዘጠንቀቖም።—ሮሜ 8:5, 6

9. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 8:6 ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንምንታይ እዩ ዘየመልክት፧

9 እቲ መጠንቀቕታ እቲ ሎሚ እውን ብማዕረ የድሊ እዩ። ሓደ ክርስትያን ንሓያሎ ዓመታት ንኣምላኽ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ናይ ስጋ ምሕሳብ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ምግቢ፡ ስራሕ፡ መዘናግዒ፡ ወይ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘለዎ ፍቕሪ ሓሓሊፉ ምሕሳቡ ኣይኰነን ዜመልክት። እዚ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዚሓስቦ ንቡር መዳያት ህይወት እዩ። የሱስ ምግቢ በሊዑ፡ ንኻልኦት እውን መጊቡ እዩ። ዕረፍቲ ኸም ዜድሊ እውን የስተውዕል ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ከኣ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ጽሒፉ እዩ።

ዘረባኻ ናይ መንፈስ ከም እትሓስብ ድዩ ዜርኢ ወይስ ናይ ስጋ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

10. እታ ኣብ ሮሜ 8:5, 6 ዘላ “ዚሓስቡ” እትብል ቃል ንምንታይ ተመልክት፧

10 እሞ ደኣ ጳውሎስ “ናይ ስጋ ምሕሳብ” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ቓል፡ ንዝንባለ ወይ ንኣረኣእያ እተጕልሕ ኰይና፡ ኣእምሮኻ ወይ ልብኻ ኣብ ሓደ ነገር ምግባር፡ ሓሲብካ ምውጣን ማለት እያ። እቶም ብስጋ ዚነብሩ፡ ናብራ ህይወቶም ብሓጥእ ሰብኣዊ ተፈጥሮኦም ኪውሰን እዮም ዚሓድግዎ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ ሮሜ 8:5 ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ናይ ስጋ ዚሓስቡ፡ ብዛዕባ ናይ ስጋ ኣጸቢቖም ይግደሱ፡ ወትሩ ብዛዕባኡ ይዛረቡ እዮም” ይብል።

11. እንታይ ነገራት ኢና ምስቲ ቐንዲ ዜገድሰና ነገራት ክንጽብጽቦ እንኽእል፧

11 እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ህይወቶም ዜተኵሩሉ ነገር እንታይ ምዃኑ ኺምርምሩ ነይርዎም። ህይወቶም ኣብ “ናይ ስጋ” ዘተኰረ ድዩ ነይሩ፧ ንሕና እውን ብዛዕባ ህይወትና ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንሓስብ ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰና እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ምዝራብ እዩ ዚቐልለና፧ እንታይ ምግባር ኢና እንፈቱ፧ ገሊኦም በብዓይነቱ ወይኒ ኣብ ምስታይ፡ ገዛኦም ኣብ ምስልላም፡ ሓድሽ ቅዲ ኽዳውንቲ ኣብ ምርካብ፡ ገንዘቦም ኣብ ምውፋር፡ ንዕረፍቲ ኣብ ምጋሽ፡ ወይ ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እዮም ዜተኵሩ። እዚ ነገራት እዚ ጌጋ ኣይኰነን፣ ንቡር መዳይ ህይወትና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ለዊጡ እዩ፣ ጳውሎስ ድማ ንጢሞቴዎስ “ሒደት ወይኒ” ኺሰቲ ጽሒፉሉ እዩ። (1 ጢሞ. 5:23፣ ዮሃ. 2:3-11) ኰይኑ ግና፡ የሱስን ጳውሎስን፡ ‘ወትሩ ብዛዕባኡ ድዮም ዚዛረቡ ነይሮም፧’ ወግሐ ጸብሐ ብዘይካኡ ኻልእ ዘረባ ዘይነበሮም ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋልን። ንሕናኸ ኣብ ህይወትና ቐንዲ ዜገድሰና ነገር እንታይ እዩ፧

12, 13. ንእንሓስቦ ነገር ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ጳውሎስ፡ “ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 8:6) እዚ ቐሊል ነገር ኣይኰነን፣ ሕጂ መንፈሳዊ ሞት፡ ኣብ መጻኢ ድማ ኣካላዊ ሞት እዩ ዜስዕብ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ‘ናይ ስጋ ኺሓስብ’ እንተ ጀሚሩ፡ መወዳእታኡ ግድን ሞት እዩ ማለቱ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ለውጢ ኺግበር ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ “ብስጋ” ብምምልላሱ እተወገደ ሰብኣይ እሞ ሕስብ ነብል። እቲ ሰብኣይ እቲ፡ ለውጢ ኺገብር ክኢሉ እዩ። ብስጋ ምምልላስ ሓዲግዎ፡ ናብ ቅኑዕ መገዲ እውን ተመሊሱ እዩ።—2 ቈረ. 2:6-8

13 እቲ ሰብ እቲ ለውጢ ኺገብር እንተ ኽኢሉ፡ ሎሚ ዘሎ ሓደ ክርስትያን እውን ለውጢ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ምናዳ ኸኣ ክንዲ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሰብኣይ ካብ ሓቂ ርሒቑ ደድሕሪ ስጋ እንተ ዘይስዒቡ፡ ዝሰፍሐ ዕድል ኣለዎ። ጳውሎስ፡ ‘ናይ ስጋ ዚሓስብ’ ኣብ መወዳእታ እንታይ ሳዕቤን ከም ዜስዕበሉ መጠንቀቕታ ምሃቡ፡ ንክርስትያናት ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር ኪድርኾም ይግባእ!

“ናይ መንፈስ ምሕሳብ”

14, 15. (ሀ) ጳውሎስ እንታይ ክንገብር እዩ መተባብዒ ሂቡና፧ (ለ) “ናይ መንፈስ ምሕሳብ” እንታይ ማለት እዩ፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናይ ስጋ ምሕሳብ” ብዛዕባ ዜስዕቦ ሳዕቤን ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ “ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ” ኢሉ ኣወንታዊ ነገር ጽሒፉ እዩ። ህይወትን ሰላምንሲ ኸመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ! ነቲ ዓስቢ እቲ ኸመይ ጌርና ኽንረኽቦ ንኽእል፧

15 “ናይ መንፈስ ምሕሳብ” ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ካብ ክዉን ብዛዕባ ዝረሓቐ ኺሓስብ ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዚእምት ዘሎ። ብዘይካ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ናይ መጻኢ ተስፋኡን ካልእ ዘይሓስብን ዘይዛረብን ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን፡ ብብዙሕ መዳያት ንቡር ህይወት እናነበሩ ንኣምላኽ ባህ የብልዎ ምንባሮም ኣይንረስዕ። ይበልዑን ይሰትዩን ነይሮም እዮም። ብዙሓት ተመርዕዮምን ዜሐጕስ ህይወት ስድራ ቤት ኣሕሊፎምን እዮም፣ ንስድራ ቤቶም ዜድልዮም ንምምላእ ድማ ይሰርሑ ነይሮም እዮም።—ማር. 6:3፣ 1 ተሰ. 2:9

16. ጳውሎስ ኣብ ሓያሎ ንቡር መዳያት ህይወት ይሳተፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ህይወቱ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ እዩ ነይሩ፧

16 ይኹን እምበር፡ እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲኦም፡ ነቲ ንቡር መዳያት ህይወቶም ኣይኰኑን ቀዳምነት ሂቦምዎ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ህይወቱ ኣብ ናይ ምስባኽን ኣብ ናይ ምምሃርን ዕዮ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:2-4፣ 20:20, 21, 34, 35 ኣንብብ።) ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ከምኡ ኺገብሩ እዩ ኣተባቢዕዎም። እወ፡ ህይወት ጳውሎስ ኣብ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ንጥፈታትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ሰብ ሮሜ ንዕኡ ኺመስልዎ ይግብኦም ነይሩ እዩ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ይግብኣና እዩ።—ሮሜ 15:15, 16

17. “ናይ መንፈስ” ንሓስብ እንተ ዄንና፡ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ዚህልወና፧

17 ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እንተ ኣተኲርና፡ እንታይ ኢና እንረክብ፧ ሮሜ 8:6፡ “ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ” ዚብል ንጹር መልሲ ትህበና። እዚ ኸኣ ኣተሓሳስባና ብመንፈስ ቅዱስ ኪጽሎ ንፈቕደሉ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ኣተሓሳስባ ድማ ነጥሪ ማለት እዩ። ኣብ “ናይ መንፈስ” ብምትኳር፡ ሕጂ ዜዕግብን ዕላማ ዘለዎን ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ድማ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

18. “ናይ መንፈስ ምሕሳብ” ሰላም ዜፍሪ ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብቲ ‘ናይ መንፈስ ምሕሳብ ሰላም እዩ’ ዚብል መረጋገጺ እስከ ነተኵር። ብዙሓት ሰባት ናይ ኣእምሮ ሰላም ስኢኖም እዮም ዘለዉ። ውሽጣዊ ሰላም ኣብ ዜናድዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ንሕና ግና ሰላም ረኺብና ኣለና። ሓደ ኻብቲ ነዚ ሰላም እዚ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ምስ ስድራ ቤትናን ምስ ጉባኤናን ሰላም ክንገብር ምጽዓር እዩ። ንሕና ዀንና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይጹማት ምዃንና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ሓሓሊፉ ጸገማት ኪልዓል ይኽእል እዩ፣ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ ድማ፡ “ምስ ሓውካ ተዓረቕ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ከም እንስዕብ ተማሂርና ኢና። (ማቴ. 5:24) እቲ ሓው ወይ እታ ሓብቲ ነቲ “ሰላም ዚህብ ኣምላኽ” ከም ዜገልግሉ ምዝካርና ኸኣ፡ ነዚ የቕልለልና እዩ።—ሮሜ 15:33፣ 16:20

19. እንታይ ፍሉይ ዝዓይነቱ ሰላም ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

19 ብዋጋ ዘይሽነን ካልእ ሰላም እውን ኣሎ። ‘ናይ መንፈስ እንሓስብ’ እንተ ዄንና፡ ምስ ገባሪና ሰላም ይህልወና እዩ። ኢሳይያስ፡ “ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ዚጽግዑ፡ ክትሕልዎም ኢኻ፣ ብኣኻ ስለ እተኣመኑ፡ ቀጻሊ ሰላም ክትህቦም ኢኻ” ብምባል ኣብ ግዜኡ ፍጻመኡ ብዛዕባ ዝረኸበ፡ ሕጂ ግና ዝዓበየ ፍጻመ ብዛዕባ ዚረክብ ዘሎ ነገር ጽሒፉ ኣሎ።—ኢሳ. 26:3፣ ሮሜ 5:1 ኣንብብ።

20. ነቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ዚርከብ ምኽሪ እተመስግነሉ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 እምበኣር፡ ብመንፈስ እተቐባእና ንኹን ወይ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም እንነብር፡ ካብቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምኽሪ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ህይወትና ኣብ “ናይ ስጋ” ዜተኵር ከይከውን መተባብዒ ስለ እተዋህበና፡ ብዙሕ ኢና እነመስግን! እወ፡ ምስቲ፡ “ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ መረጋገጺ ተሰማሚዕካ ምንባር ጥበባዊ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ከምኡ ምግባር ከኣ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሮሜ 6:23