ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ”

“ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ”

“እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ።”—1 ቈረ. 15:45

መዝሙር፦ 151, 147

1-3. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ቐንዲ መሰረት እምነትና ኪኸውን ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ትንሳኤ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

እምነትካ እተመስረተትሉ ቐንዲ ትምህርትታት እንታይ ምዃኑ ምስ እትሕተት፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ የሆዋ ፈጣርን ወሃብ ህይወትን ምዃኑ ኸም እተጕልሕ ርዱእ እዩ። በቲ ምእንታና በጃ ዀይኑ ዝሞተ የሱስ ከም እትኣምን እውን ምጠቐስካ። ብዘይካዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ምድራዊት ገነት ከም እትመጽእ እውን ምተዛረብካ። ይኹን እምበር፡ ተስፋ ትንሳኤ ሓደ ኻብቲ ኣኽቢርካ እትርእዮ እምነታት ከም ዝዀነ ምጠቐስካዶ፧

2 ንሕና ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብህይወት ሓሊፍና ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ንገብር ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ትንሳኤ ሓደ ኻብ ቀንዲ እምነታትና ኸም ዝዀነ ኽንዛረብ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ተስፋ ትንሳኤ ስለምንታይ ቀንዲ መሰረት እምነትና ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን” በለ። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንጉስና ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ ግዝኣት ክርስቶስ እንሰብኮ ትምህርቲ ድማ ከንቱ ምዀነ። (1 ቈረንቶስ 15:12-19 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ የሱስ ከም ዝተንስአ ንፈልጥ ኢና። በዚ እምነትና እዚ ድማ፡ ካብቶም ምዉታት ከም ዝተንስኡ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰዱቃውያን ንፍለ ኢና። ካልኦት እንተ ኣላገጹልና እውን፡ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ኣጽኒዕና ኢና እንሕዞ።—ማር. 12:18፣ ግብ. 4:2, 3፣ 17:32፣ 23:6-8

3 ጳውሎስ፡ “ትምህርቲ . . . ትንሳኤ ምዉታት” ሓደ ኻብቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 6:1, 2) ብትንሳኤ ኸም ዚኣምን እውን ብጽኑዕ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 24:10, 15, 24, 25) ትንሳኤ ሓደ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ፡ ማለት ሓደ ኻብ “መባእታዊ ነገራት እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ” ምዃኑ ግና፡ ኣቕሊልካ ዚርአ ትምህርቲ እዩ ማለት ኣይኰነን። (እብ. 5:12) ስለምንታይ፧

4. ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺልዓል ዚኽእል፧

4 ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ከም ትንሳኤ ኣልኣዛር ዝኣመሰለ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጸብጻባት የንብቡ እዮም። ኣብርሃምን እዮብን ዳንኤልን፡ ምዉታት ኣብ መጻኢ ኸም ዚትንስኡ ይተኣማመኑ ምንባሮም እውን ይምሃሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ብትንቢት ካብ ዚንገር ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ ኽነሱ፡ እዚ ኸም ዚፍጸም ዜረጋግጸልና እንታይ መርትዖ ኸም ዘሎና ምስ እንሕተት እንታይ ኢልና ኢና እንምልስ፧ ንምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ብሓቂ ይሕብር ድዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ንእምነትና ኼደልድለልና ስለ ዚኽእል፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

ድሕሪ ዘመናት እተፈጸመ ትንሳኤ

5. ፈለማ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

5 ሓደ ሰብ ካብ ዚመውት ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም ዝተንስአ ዚገልጽ ሓሳብ ንምእማኑ ኣይከብደናን ይኸውን። (ዮሃ. 11:11፣ ግብ. 20:9, 10) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ መጻኢ፡ ማለት ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ወይ ዘመናት ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ዚገልጽ ተስፋኸ ንምእማኑ ይኸብደካ ድዩ፧ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዝሞተ ወይ እውን ካብ ዚመውት ነዊሕ እዋን ብዛዕባ ዝገበረ ሰብ እተነግረ ይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ኻብ ዚንገር ሓያሎ ዓመታት ዝገበረ ተስፋ ኽትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧ ከም ሓቂ፡ ከም ዚፍጸም ዘመናት ኣቐዲሙ እተነግረሉ ሓደ ትንሳኤ ብርግጽ ተፈጺሙ እዩ፣ ንስኻ እውን ኣብኡ እምነት ኣሕዲርካ ኢኻ። ብኸመይ፧ እዚኸ ምስቲ ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸም እትጽበዮ ዘለኻ ትንሳኤ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

6. የሱስ ምስ ፍጻመ መዝሙር 118 ርክብ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

6 ሕጂ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ብዛዕባ ተነጊሩ ዝነበረ ትንሳኤ ኽንምርምር ኢና። እዚ ትንቢት እዚ ኣብታ ዳዊት ዝጸሓፋ ኽትከውን እትኽእል መዝሙር 118 እዩ ዚርከብ። “ኦ የሆዋ፡ ንልምነካ ኣለና፡ በጃኻ ኣድሕነና! . . . ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዚብል ሓሳብ ድማ ኣለዋ። ብ9 ኒሳን፡ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ሰባት ነዛ መሲሓዊት ጥቕሲ እዚኣ ኸም ዝጠቐስዋ ትዝክር ትኸውን። (መዝ. 118:25, 26፣ ማቴ. 21:7-9) ግናኸ፡ መዝሙር 118፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንዚፍጸም ትንሳኤ ኸም እተመልክት ብኸመይ ንፈልጥ፧ እታ ትንቢታዊት መዝሙር፡ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰይኑ ኣሎ” ዚብል ተወሳኺ ሓሳብ እውን ከም ዘለዋ ኣስተብህል።—መዝ. 118:22

“ነደቕቲ” ነቲ መሲሕ ‘ነዓቕዎ’ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኣይሁድ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ እዮም ነጺጎምዎ ነይሮም፧

7 እቶም “ነደቕቲ፡” ማለት መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ መሲሕ ንዒቖምዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንየሱስ ዝባኖም ሂቦምዎ ወይ ከኣ ከም መሲሕ ገይሮም ኪቕበልዎ ኣብዮም ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። እኳ ደኣስ፡ ሓያሎ ኣይሁድ ንየሱስ ሞት እኳ ኺፍረዶ ጨዲሮም እዮም። (ሉቃ. 23:18-23) እወ፡ ንሳቶም እውን ብሞት የሱስ ተሓተትቲ እዮም ነይሮም።

የሱስ ተንሲኡ “ርእሲ እምኒ መኣዝን” ኰነ (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 9 ርአ)

8. የሱስ “ርእሲ እምኒ መኣዝን” ዝዀነ ኸመይ ኢሉ እዩ፧

8 እሞ ደኣ የሱስ ተነጺጉ እንተ ሞይቱ፡ “ርእሲ እምኒ መኣዝን” ዝዀነ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ እዚ ኪኸውን ዚኽእል፡ ካብ ምዉታት ምስ ዚትንስእ ጥራይ እዩ። የሱስ ባዕሉ እውን ብዛዕባ እዚ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። ናብ ሓረስቶቱ ልኡኻት ብዛዕባ ዝለኣኸ ሓደ ብዓል መሬት ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ተዛረበ። እቶም ሓረስቶት ነቶም ልኡኻት ኣጋፍዕዎም። እዚ ድማ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ኣምላኽ ዘውረድዎ ግፍዒ ዜመላኽት እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እታ ምሳሌ፡ እቲ ብዓል መሬት ነቲ ፍቑር ወዱን ወራሲኡን ለኣኾ። እሞኸ ነቲ ወዲ ተቐቢሎምዎዶ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ነቲ ወዱ ቐተልዎ። የሱስ ነቲ ምሳሌ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 118:22 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት ጠቐሶ። (ሉቃ. 20:9-17) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ነቶም ‘ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ዓበይትን ጸሓፍትን’ ኣይሁድ ኪዛረቦም ከሎ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ጠቒስዋ እዩ። “እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፡ ኣምላኽ ግና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ” ድማ በለ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ “‘እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ኸም ገለ እኳ ዘይቈጸርኩምዎ እሞ ርእሲ እምኒ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡’ ንሱ እዩ” ኢሉ ብንጹር ተዛረቦም።—ግብ. 3:15፣ 4:5-11፣ 1 ጴጥ. 2:5-7

9. መዝሙር 118:22 ነየናይ ዜደንቕ ፍጻመ እያ እተመልክት፧

9 እወ፡ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ እቲ ኣብ መዝሙር 118:22 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት፡ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን የመልክት ነይሩ እዩ። እቲ መሲሕ ተናዒቑን ሞይቱን ክነሱ፡ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኪኸውን ተንሲኡ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ትንሳኤ ዝረኸበ ወዲ ኣምላኽ፡ ‘ብእኡ ኽንድሕን ንሰብ እተዋህበ ስም’ ኰይኑ እዩ።—ግብ. 4:12፣ ኤፌ. 1:20

10. (ሀ) መዝሙር 16:10 ብዛዕባ እንታይ እያ እትንበ፧ (ለ) መዝሙር 16:10 ንዳዊት ከም ዘይተመልክት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ብዛዕባ ትንሳኤ እተመልክት ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንርአ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ካብቲ እተጻሕፈትሉ ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሓ እያ ተፈጺማ። እዚ ድማ፡ እቲ ነዊሕ እዋን ይገብር እተነግረ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ትንቢት እውን ኪፍጸም ከም ዚኽእል ንዘሎካ እምነት የደልድሎ እዩ። ኣብታ ዳዊት ዝጸሓፋ መዝሙር 16፡ “ንዓይ ኣብ መቓብር ኣይትሓድገንን ኢኻ። እሙንካ ጕድጓድ ኪርኢ እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ” ዚብል ነንብብ። (መዝ. 16:10) ዳዊት፡ ንሱ ኸም ዘይመውት ወይ ከኣ ኣብ መቓብር ከም ዘይኣቱ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ቃል ኣምላኽ፡ ዳዊት ኣሪጉ ኸም ዝሞተ ብንጹር ይነግረና እዩ። “ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ተቐብረ” ኸኣ ይብለና። (1 ነገ. 2:1, 10) እሞ ደኣ መዝሙር 16:10 ብዛዕባ መን እያ እትዛረብ ዘላ፧

11. ጴጥሮስ ብዛዕባ መዝሙር 16:10 ዝገለጸ መዓስ እዩ፧

11 ዳዊት ነቲ ኣብ መዝሙር 16:10 ዘሎ ቓላት ካብ ዚጽሕፍ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ፡ ጴጥሮስ እታ ጥቕሲ ንመን ከም እተመልክት ገሊጹ እዩ። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ፡ ጴጥሮስ ንኣሽሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ ተዛረቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29-32 ኣንብብ።) ዳዊት ከም ዝሞተን ከም እተቐብረን ድማ ገለጸሎም። እቶም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ብዛዕባ እዚ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ጴጥሮስ ንሰማዕቱ፡ ዳዊት ‘ብዛዕባ ትንሳኤ እቲ መሲሕ ኣቐዲሙ ርእዩ ኸም እተዛረበ’ ኺነግሮም ከሎ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኸም እተቓወሞ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ።

12. መዝሙር 16:10 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤኸ እንታይ እያ እተረጋግጸልና፧

12 ጴጥሮስ ነቲ ኣብ መዝሙር 110:1 ዚርከብ ቃላት ዳዊት ብምጥቃስ ንሓሳቡ ዚድግፍ ነጥቢ ጠቒሱ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:33-36 ኣንብብ።) ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሙ ዘቕረቦ መርትዖ፡ ነቶም ህዝቢ፡ የሱስ “ጐይታን ክርስቶስን” ከም ዝዀነ ኺኣምኑ ሓጊዝዎም እዩ። መዝሙር 16:10 እተፈጸመት የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ኸም ዝዀነ ድማ ተኣሚኖም እዮም። ጸኒሑ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ዝነበሩ ኣይሁድ ኪዛረቦም ከሎ ተመሳሳሊ መርትዖ ተጠቒሙ እዩ። እቶም ኣይሁድ በቲ ዘቕረቦ መርትዖ ኣዝዮም ስለ እተመሰጡ ድማ፡ ዝያዳ ኺሰምዑ ደለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:32-37, 42 ኣንብብ።) እቲ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን እተነግረ ትንቢት ነዊሕ ዘመናት ዝገበረ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና እውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ትንሳኤ ዚንበዮ ትንቢት ክንኣምኖ ኣሎና።

ትንሳኤ—መዓስ፧

13. ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧

13 እቲ ነዊሕ እዋን ይገብር እተነግረ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ትንቢት እውን ኪፍጸም ከም ዚኽእል ምፍላጥና ኼተባብዓና ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ዝሞቱ ሰበይ ብትንሳኤ ኽሳዕ ዚርእዮም ነዊሕ እዋን ድዩ ኺወስድ፧ እቲ ብተስፋ ዝጽበዮ ትንሳኤ መዓስ እዩ ኪኸውን፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። የሱስ ንሃዋርያቱ ኺፈልጥዎ ዘይክእሉ ነገራት ከም ዘሎ ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ “ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት” ዘይንፈልጦ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ኣሎ። (ግብ. 1:6, 7፣ ዮሃ. 16:12) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ትንሳኤ ዚፍጸመሉ እዋን ምንም ሓበሬታ የብልናን ማለት ኣይኰነን።

14. ትንሳኤ የሱስ ካብቶም ቅድሚኡ ዝተንስኡ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

14 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ትንሳኤታት እሞ ሕሰብ። ካብ ኵሉ ትንሳኤታት ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ግና፡ ትንሳኤ የሱስ እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ እንተ ዘይትንስእ፡ ኵላትና ነቶም ዝሞቱ ሰብና ብትንሳኤ ኽንርእዮም ትጽቢት ኣይምገበርናን ኔርና። እቶም ቅድሚ የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት፡ ድሕሪኡ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም። እዞም ብዓል ኤልያስን ኤልሳእን ዘተንስእዎም ሰባት እዚኦም፡ እንደገና ስለ ዝሞቱን ሓመድ ስለ ዝበልዖምን፡ ‘ጥፍኣት ርእዮም’ እዮም። የሱስ ግና፡ ‘ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፣ ደጊም እውን ሞት ኣይመልኮን እዩ።’ ኣብ ሰማይ “ንዘለኣለመ ኣለም” ስለ ዚነብር ከኣ፡ ‘ጥፍኣት ኣይኪርእን’ እዩ።—ሮሜ 6:9፣ ራእ. 1:5, 18፣ ቈሎ. 1:18፣ 1 ጴጥ. 3:18

15. የሱስ “በዅሪ” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧

15 ትንሳኤ የሱስ ብዓይነቱን ብኣገዳስነቱን ፈላማይ እዩ። (ግብ. 26:23) መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ናብ ሰማይ ከም ዚትንስእ ቃል እተኣተወሉ ግና ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ምስኡ ኣብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ሉቃ. 22:28-30) ንሳቶም ነዚ ዓስቢ እዚ ምእንቲ ኪቕበሉ ግና፡ ፈለማ ኺሞቱ ኣለዎም። ድሕሪኡ ድማ፡ ከም ክርስቶስ፡ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ይትንስኡ። ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝሞቱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ወሲኹ እውን፡ ካልኦት ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚትንስኡ ንምምልካት፡ “ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፦ ክርስቶስ ከም በዅሪ፣ ደሓር ከኣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን” በለ።—1 ቈረ. 15:20, 23

16. ሰማያዊ ትንሳኤ መዓስ ከም ዚኸውን ዚሕብር እንታይ ኣፋፍኖት እዩ ዘሎና፧

16 እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት፡ ሰማያዊ ትንሳኤ መዓስ ከም ዚኸውን ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። “ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን” ከም ዚፍጸም ድማ ይነግረና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ እቲ የሱስ “ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን” ብ1914 ከም ዝጀመረ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መርትዖ ኬቕርቡ ጸኒሖም እዮም። እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል እዩ ዘሎ፣ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ እውን ቀሪቡ ኣሎ።

17, 18. ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን እንታይ እዮም ኪዀኑ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ተወሳኺ ሓሳብ ይገልጽ እዩ፣ ከምዚ ድማ ይብል፦ “ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና። የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንናስ፡ እቶም ብየሱስ ዝሞቱ እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ ንነግረኩም ኣለና፣ ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ . . . ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።”—1 ተሰ. 4:13-17

18 እቲ ናይ መጀመርታ ትንሳኤ ድማ፡ እቲ የሱስ “ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን” ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተፈጺሙ። እቶም ብግዜ ብርቱዕ ጸበባ ብህይወት ዚጸንሑ ቕቡኣት ክርስትያናት ከኣ፡ ‘ብደበና ኺምንዝዑ’ እዮም። (ማቴ. 24:31) ስለዚ፡ እቶም ‘ዚምንዝዑ’ ‘ኣይኪሞቱን፡’ ማለት ንነዊሕ እዋን ሞይቶም ኣይኪጸንሑን እዮም። የግዳስ፡ ‘እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኺልወጡ እዮም።’—1 ቈረ. 15:51, 52

19. ኣብ መጻኢ ዚፍጸም “ዚሓይሽ ትንሳኤ” እንታይ እዩ፧

19 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም እሙናት ክርስትያናት ቅቡኣት ስለ ዘይኰኑ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኬገልግሉ ኣይተጸውዑን። የግዳስ፡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣብ “መዓልቲ የሆዋ” ኺጠፍእ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ። እዛ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዚኣ መዓስ ከም ዝዀነት ብልክዕ ዚፈልጥ ሰብ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ቀሪባ ኸም ዘላ ግና መርትዖታት ይሕብር እዩ። (1 ተሰ. 5:1-3) ድሕሪኡ፡ ካልእ ዓይነት ትንሳኤ ኺፍጸም፡ ማለት ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። እቶም ዝተንስኡ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም፣ መሊሶም ከኣ ኣይኪሞቱን። ብርግጽ፡ እዚ ትንሳኤ እዚ፡ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ኪኸውን እዩ፣ ከመይሲ፡ ቀደም “ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም” እኳ እንተ ነበራ፡ እቶም ተንሲኦም ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ግዜ መሊሶም ሞይቶም እዮም።—እብ. 11:35

20. እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ትንሳኤ ብስርዓት ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ኺገልጽ ከሎ፡ እቶም ነዚ ዚረኽቡ ሰባት፡ ‘ነፍሲ ወከፎም በብመስርዖም’ ከም ዚትንስኡ እዩ ዚዛረብ። (1 ቈረ. 15:23) እቲ ምድራዊ ትንሳኤ እውን ብስርዓትን ብእተወደበ መገድን እዩ ኺፍጸም። እዚ ድማ ገለ ሕቶታት ከም እንሓትት ኪገብረና ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞቱ ሰባት፡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ጅምር ምስ ኣበለ ተንሲኦም ምስቶም ዚፈልጥዎም ፈተውቶም ይራኸቡ ደዀን ይዀኑ፧ እቶም ናይ ኣመራርሓ ኽእለት ዘለዎም እሙናት ሰብኡት ቀዲሞም ተንሲኦም፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዝኣተዉ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ምውዳብ ይሕግዙ ደዀን ይዀኑ፧ እቶም ንየሆዋ ኣገልጊሎምዎ ዘይፈልጡ ሰባትከ ኸመይ እዮም ኪዀኑ፧ መዓስን ኣበይን እዮም ኪትንስኡ፧ እወ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ብዙሕ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንጭነቕ ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ዚኸውን ብትዕግስቲ ኽንጽበ ዝሓሸ እዩ። የሆዋ ነዚ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ምርኣይ ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

21. ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎካ፧

21 ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ነደልድል። የሆዋ እቶም ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ብየሱስ ኣቢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29፣ 11:23) ሓደ እዋን የሱስ፡ ብዛዕባ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪዛረብ ከሎ፡ “ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም” በለ። እዚ ኣገላልጻ እዚ ድማ፡ የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ክእለት ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ እዩ። (ሉቃ. 20:37, 38) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ” ኽንብል ዚሕግዘና እኹል ምኽንያት ኣሎና።—ግብ. 24:15