ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ኣብ ዓዲ ጓና ዚነብሩ ወለዲ፡ ውሉዳቶም ብመንፈሳዊ ምእንቲ ኺዓብዩ ንቛንቋ ዚምልከት ውሳነ ኺገብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ውሉዳት ኣብቲ ዚነብሩሉ ዓዲ ዚዝረብ ቋንቋ ኻብ ቤት ትምህርትን ካብ ከባቢኦምን ይለምድዎ እዮም። ውሉድ ካብ ሓደ ቛንቛ ንላዕሊ ኺፈልጥ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወለዲ፡ ውሉዳቶም ንሓቂ ኣጸቢቖም ኪሕዝዎን ብመንፈሳዊ ኺዓብዩን ምእንቲ ኺሕግዝዎም፡ ካብተን ቋንቋኦም ወይ ቋንቋ እቲ ዓዲ ዚጥቀማ ጉባኤታት ምስ ኣየነይተን ኪሓብሩ ኸም ዘለዎም ኪሓስቡሉ ይግባእ። ክርስትያን ወለዲ ንመንፈሳዊ ጥዕና ውሉዳቶም ካብ ብሕታዊ ምርጫ ኣቐዲሞም እዮም ዚሰርዕዎ።—w17.05, ገጽ 9-11

የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ኸሎ፡ እታ “ኻብዚኣቶም” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧ (ዮሃ. 21:15)

የሱስ ነቶም ኣብ ባይታ ዝነበሩ ዓሳ ወይ ነቲ ስራሕ ዚጠቅስ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ጴጥሮስ ድሕሪ ሞት የሱስ ናብቲ ናይ ቀደም ስራሑ፡ ማለት ናብ ምግፋፍ ዓሳ ተመልሰ። ክርስትያናት፡ ዓለማዊ ስራሕ ኣብ ልቦም ብዛዕባ ዘለዎ ቦታ ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም።—w17.05, ገጽ 22-23

ኣብርሃም ንሰበይቱ፡ ሓብቱ ኸም ዝዀነት ክትዛረብ ዝሓተታ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 12:10-13)

ሳራ ብሓቂ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ እያ ነይራ። ሳራ ሰበይቱ እየ እንተ ትብል ነይራ፡ ኣብርሃም ምተቐትለ። ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ዘርኢ እውን ኣይምወለደን ነይሩ።—wp17.3, ገጽ 14-15

ኤሊያስ ሃተር ነቶም እብራይስጢ ኺፈልጡ ዚደልዩ ንምሕጋዝ እንታይ ሜላታት እዩ ተጠቒሙ፧

ኤሊያስ ሃተር ንተምሃሮኡ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሱር ቃል እብራይስጥን ምስኡ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ቅድመ ጥብቆን ድሕረ ጥብቆን ዘሎ ፍልልይ ምእንቲ ኼለልዩ ኺሕግዞም እዩ ደልዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሱር ቃል ንዘበለ ድሙቕ ብዝትርኢቱ ፊደላት ኣሕተሞ። ንቕድመ ጥብቆን ድሕረ ጥብቆን ድማ ብቐጠንቲ ሕንጻጻት ብእተጻሕፈ ፊደላት ኣሕተሞ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምስ መወከሲኡ እውን ኣብ እግረ ጽሑፋቱ ተመሳሳሊ ዝዀነ ሜላ ይጥቀም እዩ።wp17.4, ገጽ 11-12

ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ኻብ መጥቃዕቲ ሰብ ኪከላኸል ኢሉ ኣጽዋር ብዛዕባ ምሓዝ እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣብ ግምት ኬእቱ ዘለዎ፧

ገለ ኻብቲ ኺሓስበሉ ዘለዎ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ህይወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንርእሶም ዚከላኸሉሉ ኣስያፍ ኪሕዙ ኣይመኸሮምን። (ሉቃ. 22:36, 38) ንሕና እውን ንኣስያፍና ቐጥቂጥና ማሕረሻታት ክንገብሮ ኣሎና። ህይወት ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲት እያ። ሕልና ኻልኦት ነኽብር፡ ንኻልኦት ኣብነት ክንከውን እውን ንደሊ ኢና። (2 ቈረ. 4:2)—w17.07, ገጽ  31-32

የሱስ ንእሽቶ ኸሎ ብዛዕባ እተፈጸመ ፍጻመታት ዚትርኽ ማቴዎስን ሉቃስን ዝመዝገብዎ ጸብጻባት ፍልልይ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ ኣብ ዮሴፍ እዩ ኣተኲሩ። ማርያም ምስ ጠነሰት ዮሴፍ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት፡ ከምኡ ድማ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ኺሃድምን ጸኒሑ ኺምለስን ብዛዕባ እተዋህቦ መለኮታዊ መልእኽቲ ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ ገሊጹ ኣሎ። ሉቃስ ድማ ብዝያዳ ኣብ ማርያም እዩ ኣተኲሩ። ንኣብነት፡ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ብዛዕባ ዝገበረቶ ምብጻሕን የሱስ ንእሽቶ ኸሎ ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ተረፈ ብዛዕባ እተሰምዓ ስምዒትን ገሊጹ ኣሎ።—w17.08, ገጽ 32

ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻወሮ ነገራት እንታይ እዩ፧

ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላትን ኣበሃህላታትን ተቐይሩ እዩ። ፖለቲካዊ ለውጥታት ንተራ ቛንቋ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ከይትርጐም ምጽራር ኣጋጢምዎ እዩ።—w17.09, ገጽ 19-21

ንውልቅና እተመደበ መልኣኽ ኣሎና ድዩ፧

ኣይፋልን። የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም” ገጽ ኣምላኽ ከም ዚርእዩ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 18:10) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ መላእኽቲ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚግደሱ ደኣ እምበር፡ ንነፍሲ ወከፎም ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚከላኸሉሎም ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ።—wp17.5, ገጽ 5

ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ እንታይ እያ፧

ኣጋፐ ኣብ ቅኑዕ ስርዓታት ምስ እትምስረት፡ ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ንኻልኦት ከም እትፈትዎም ንዘሎካ ስምዒት ትሓቍፍ። ይኹን እምበር፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢልካ እትገብሮ ስስዐ ዘይብሉ ተግባራትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ልዑል ስርዓታትን እውን ተንጸባርቕ እያ።—w17.10, ገጽ 7