ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ንዅሉ ሓዲገ ንክርስቶስ ስዒበ

ንዅሉ ሓዲገ ንክርስቶስ ስዒበ

“ክትሰብኽ እንተ ወጺእካ፡ ብእኡ ጌርካ ጥፋእ። ናብዚ እንተ ተመሊስካ፡ ኣእጋርካ ኽሰብረካ እየ።” ምፍርራህ ኣቦይ ኣብ እዝነይ እናኣቃልሐ፡ ክወጽእ ወሰንኩ። እዚ ንክርስቶስ ክስዕብ ኢለ እተፈላለየ ነገራት ክሓድግ ዝጀመርኩሉ ናይ ፈለማ ተመክሮይ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ወዲ 16 ዓመት ጥራይ እየ ነይረ።

እዚ ዅነታት ከመይ ኢሉ ኸም ዘጋጠመ እስከ ኸዘንትወልኩም። ብ29 ሓምለ 1929 እየ ተወሊደ፣ ኣብ ኣውራጃ ቡላካን፡ ፊሊፒንስ ኣብ እትርከብ ቍሸት ድማ እየ ዓብየ። ቍጠባዊ ቕልውላው ዝነበረሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ሰባት ቀሊል ናብራ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። መንእሰይ ምስ ኰንኩ፡ ውግእ ተባርዐ። ሰራዊት ጃፓን ንፊሊፒንስ ወረርዋ። ቍሸትና ግና ግልል ዝበለት ስለ ዝነበረት፡ በቲ ውግእ ብቐጥታ ኣይተጸሎናን። ረድዮ፡ ተሌቪዥን፡ ወይ ጋዜጣታት ስለ ዘይነበረና፡ ብዛዕባ እቲ ውግእ ካብ ካልኦት ሰባት ኢና ወረ እንሰምዕ ኔርና።

ወለደይ ሸሞንተ ውሉዳት ነበርዎም፣ ኣነ ኸኣ፡ ካልኣይ እየ ነይረ። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ወለዲ ኣደይ ምሳታቶም ክቕመጥ ወሰዱኒ። ካቶሊክ እኳ እንተ ነበርና፡ ኣቦሓጎይ ብዛዕባ ሃይማኖት ሰፊሕ ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ፣ ኣዕሩኹ ንዝሃብዎ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ከኣ ይእክቦ ነበረ። ነተን ብቛንቋ ታጋሎግ እተሓትማ ፕሮተክሽን፡ ሴፍቲ፡ ከምኡ ድማ ኣንካቨርድ ዘርእስተን ንኣሽቱ መጻሕፍትን * መጽሓፍ ቅዱስን ኬርእየኒ ኸሎ ትዝ ይብለኒ። ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ከኣ ነተን ኣርባዕተ ወንጌላት ምንባብ ባህ እዩ ዚብለኒ ነይሩ። ከምኡ ምግባረይ፡ ኣብነት የሱስ ክስዕብ ድሌት ኣሕዲሩለይ እዩ።—ዮሃ. 10:27

ንክርስቶስ ክስዕብ ተማሂረ

ብ1945 ወራሪ ሓይሊ ጃፓን ካብ ፊሊፒንስ ወጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ወለደይ ናብ ቤትና ኽምለስ ሓተቱኒ። ኣቦሓጎይ እውን ክኸይድ ኣተባብዓኒ። ስለዚ፡ ከድኩ።

ካብኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ታሕሳስ 1945፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሰብኩ ኢሎም ካብ ከተማ ኣንጋት ናብ ቍሸትና መጹ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ናብ ቤትና መጺኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ከም ዚብል ገለጸልና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ናብቲ ኣብ ጥቓና ኣብ ዝነበረት ቍሸት ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመጽእ እውን ዓደመና። ወለደይ ኣይከዱን፡ ኣነ ግና ከድኩ። ኣብኡ 20 ዝዀኑ ሰባት ነይሮም፡ ገሊኦም ድማ ሕቶታት ይሓትቱ ነይሮም።

ንዅሉ እቲ ዚዛረብዎ ዝነበሩ ኽርድኦ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ክወጽእ ወሲነ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ግና መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝምሩ ጀመሩ። እቲ መዝሙር ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ ድማ፡ ጸናሕኩ። ድሕሪ መዝሙርን ጸሎትን፡ ኵላትና ናብቲ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት ኣብ ኣንጋት ዚግበር ኣኼባ ኽንመጽእ ተዓደምና።

ገሌና ናብቲ ኣብ ቤት እንዳ ክሩዝ ዚግበር ዝነበረ ኣኼባ ንምብጻሕ ኣስታት 8 ኪሎ ሜተር ተጓዓዝና። ካብቶም ኣብኡ እተረኽቡ 50 ዝዀኑ ሰባት፡ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ብዛዕባ ዓሚቝ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኪህቡ ምስ ረኣኹ ተመሰጥኩ። እተወሰነ ኣኼባታት ምስ ተኻፈልኩ፡ ዳምያን ሳንቶስ ዚብሃል ቀደም ከንቲባ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ፈላሚ፡ ኣብ ቤቱ ኽሓድር ዓደመኒ። ዳርጋ ምልእቲ ለይቲ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ካባና መሰረታዊ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈለጥና ቕልጡፍ ምላሽ ኢና ሂብና። ሒደት ኣኼባታት ጥራይ ምስ ተኻፈልና፡ እቶም ኣሕዋት፡ “ክትጥመቑ ትደልዩዶ፧” ኢሎም ሓተቱና። ኣነ ድማ፡ “እወ፡ እደሊ እየ” ኢለ መለስኩ። ‘ንጐይታና ክርስቶስ ክግዛእ’ ከም ዝደሊ እፈልጥ ነይረ እየ። (ቈሎ. 3:24) ኣነን ካልኣየይን ከኣ ብ15 ለካቲት 1946፡ ኣብ ቀረባና ኣብ ዝነበረ ፈለግ ተጠመቕና።

ከም ጥሙቓት ክርስትያናት መጠን፡ ኣሰር የሱስ ብምስዓብ ኣዘውቲርና ኽንሰብኽ ከም ዜድልየና ተገንዚብና ኢና። ከምኡ ምግባረይ ግና ንኣቦይ ኣየሐጐሶን፣ “ክትሰብኽ ዕድመኻ ኣይኣኸለን። ደሓር ከኣ፡ ኣብ ማይ ምጥላቕ እኮ ሰባኺ ኣይገብረካን እዩ” በለኒ። ኣነ ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጽኩሉ። (ማቴ. 24:14) ወሲኸ ኸኣ፡ “ንኣምላኽ ዝኣቶኹሉ መብጽዓ ኽፍጽም ኣሎኒ” በልክዎ። ሽዑ ድማ እዩ ኣቦይ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ገይሩ ዘፈራርሃኒ። እወ፡ ካብ ምስባኽ ደው ኬብለኒ እዩ ደልዩ ነይሩ። እዚ ድማ ናብቲ መንፈሳዊ ሸቶታት ክስዕብ ኢለ እተፈላለየ ነገራት ክሓድግ ዝጀመርኩሉ ናይ ፈለማ ተመክሮይ መርሓኒ።

እንዳ ክሩዝ ምሳታቶም ኣብ ኣንጋት ክቕመጥ ዓደሙኒ። ንዓይን ነታ ኖራ ዝስማ ሕሳስ ልደ ጓሎምን ከኣ ፈለምቲ ኽንከውን ኣተባብዑና። ብ1 ሕዳር 1947 ድማ ክልቴና ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። ኖራ ኣብ ካልእ ከተማ ኸተገልግል ከላ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ኣንጋት ዚካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ምድጋፍ ቀጸልኩ።

ንዅሉ ኽሓድግ ካልእ ኣጋጣሚ ተኸፍተለይ

ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ካብ ዝጅምር ኣብ ሳልሳይ ዓመተይ፡ አርል ስተዋርት ዝስሙ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝመጸ ሓው፡ ኣብ ኣደባባይ ኣንጋት ንልዕሊ 500 ሰባት መደረ ሃበ። ብእንግሊዝኛ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ኣነ ኸኣ ጽማቝ መደረኡ ብቛንቋ ታጋሎግ ተርጐምኩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝጸናሕኩሉ እዋን፡ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ፣ መምህራንና ግና እንግሊዝኛ የዘውትሩ ነበሩ። እንግሊዝኛይ ከመሓይሽ ዝሓገዘኒ ኻልእ ነገር ከኣ ብታጋሎግ እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣዝዩ ሒደት ምንባሩ እዩ። ስለዚ፡ ንብዙሕ ካብዚ ጽሑፋት ብእንግሊዝኛ እየ ኣጽኒዐዮ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ መደረ እትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ንኻልእ መደረታትን ክትርጕም ዝሓገዘኒ ቓላት እንግሊዝኛ ኣዋህሊለ ነበርኩ።

ሓውና ስተዋርት፡ ኣብታ ንመደረኡ ዝተርጐምኩላ መዓልቲ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓደ ወይ ክልተ ፈለምቲ ኣሕዋት ናብ ቤት-ኤል ኪዕድሞም ከም ዚደሊ ንጉባኤና ሓበራ። ሚስዮናውያን ኣብቲ ብ1950 ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ “ቲኦክራስያዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኺካፈሉ ኸለዉ፡ ንዓታቶም ተኪኦም ኣብ ቤት-ኤል ዚሕግዙ የድልዩ ነበሩ። ኣነ ድማ ሓደ ኻብቶም እተዓደሙ ዀንኩ። ኣብ ዕዮ ቤት-ኤል ምእንቲ ኽሕግዝ፡ እንደገና ዝለመድክዎ ኸባቢ ሓደግኩ።

ብ19 ሰነ 1950 ኣብ ቤት-ኤል ኣትየ፡ ሓድሽ ዕዮይ ጀመርኩ። እቲ ቤት-ኤል፡ ብዓበይቲ ኣእዋም ኣብ እተሸፈነ 1 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት እተሰርሐ ዓብዪን ዝኣረገን ቤት እዩ ነይሩ። ሓያሎ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋት ከኣ ኣብኡ የገልግሉ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ኣብ ክሽነ እሕግዝ ነይረ። ካብ ከባቢ ሰዓት ትሽዓተ ንደሓር ከኣ ክዳውንቲ አስታርር ነይረ። ድሕሪ ቐትሪ እውን ተመሳሳሊ ዕዮ እዩ ነይሩኒ። እቶም ሚስዮናውያን ካብቲ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስ ተመልሱ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል ቀጸልኩ። ዚልኣኽ መጽሔታት እጥቕልል፡ ኣብ መዝገብ ኰንትራት እዓዪ፡ ተቐባል ጋሻ ዀይነ አገልግል፡ ኰታስ እተዋህበኒ ዘበለ ዕዮ እፍጽም ነይረ።

ካብ ፊሊፒንስ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከድኩ

ብ1952 ኣነን ካብ ፊሊፒንስ ዝዀኑ ኻልኦት ሽዱሽተ ኣሕዋትን ናብ መበል 20 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተዓደምና፡ ብታሕጓስ ፍንጭሕ እየ ኢለ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝረኣናዮን እተመከርናዮን ነገራት ንዓና ሓድሽን ዘይልሙድን እዩ ነይሩ። ብሓቂ፡ ኣብታ ንእሽቶ ቝሸትና ኻብ ዝፈልጦ ነገራት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ።

ምስ ካልኦት ተምሃሮ ጊልዓድ

ንኣብነት፡ ነቲ ዘይንፈልጦ ዝነበርና መሳርሒታትን ኣቕሑ ኽሽነን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንምሃር ኣድልዩና ነበረ። ኵነታት ኣየር እውን እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሓደ ንግሆ ንግዳም ምስ ወጻእኩ፡ ኵሉ ነገር ጻዕዳ ብጻዕዳ ዀይኑ ነበረ። ንፈለማ እዋን እየ ውርጪ ርእየ። ጸኒሐ ኸኣ እቲ ዅነታት ኣየር ኣዝዩ ቘራሪ ኸም ዝዀነ ፈለጥኩ።

በቲ ኣብ ጊልዓድ ዚውሃበኒ ዝነበረ ዜደንቕ ስልጠና እሕጐስ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ እዚ ምትዕርራያት እዚ እናቐለለለይ እዩ ኸይዱ። እቶም መምህራን ውጽኢታዊ ዝዀነ ሜላ ኣመሃህራ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም። ትርጉም ዘለዎ ምርምርን መጽናዕትን ምግባር ተማሂርና ኢና። ብዘይ ጥርጥር፡ እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝወሰድክዎ ስልጠና፡ መንፈሳውነተይ ከዕቢ ሓጊዙኒ እዩ።

ምስ ተመረቕኩ፡ ንግዜኡ ኣብ ብሮንክስ፡ ኒው ዮርክ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። በዚ ኸኣ ኣብቲ ብ1953 ኣብታ ኸተማ እተገብረ “ሕብረተ ሰብ ሓዳስ ዓለም” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኽእከብ ከኣልኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ናብ ፊሊፒንስ ተመሊሰ ኽዓዪ ተመደብኩ።

ምሾት ዝመልኦ ናብራ ኸተማ ሓደግኩ

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ሕጂ፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸተገልግል ኢኻ” በሉኒ። እዚ ኸኣ ኣስኣሰር እቲ ንኣባጊዕ የሆዋ ኺሕግዝ ኢሉ ናብ ርሑቕ ኣቝሻትን ከተማታትን ዚጐዓዝ ዝነበረ ክርስቶስ ክስዕብ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። (1 ጴጥ. 2:21) እተመደብኩሉ ወረዳ ንብዙሕ ክፋል እታ ዝዓበየት ደሴት ፊሊፒንስ ዝዀነት ማእከላይ ሉዞን ዚሽፍን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንኣውራጃታት ቡላካንን ኑዌቫ አሲሃን ታርላክን ዛምባለስን ዜጠቓልል ነበረ። ንገሊአን ከተማታት ንምብጻሕ፡ ነቲ ኽትጐዓዘሉ ኣሸጋሪ ዝዀነ ኣኽራን ሴራ ማድረ ኽሰግሮ ነይሩኒ። ናብቲ ቦታታት እቲ ዚኸይድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለ ዘይነበረ ኸኣ፡ ንመራሕቲ ዓበይቲ ማካይን ኣብ ዝባን እቲ ዝጸዓንዎ ኣጕናድ ተሰቒለ ክኸይድ እኽእል እንተ ዀይነ እሓትቶም ነይረ። መብዛሕትኡ ግዜ ይፈቕዱለይ እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚ ግና ምሹእ መጓዓዝያ ኣይነበረን።

መብዛሕትአን ጉባኤታት ብተዛማዲ ንኣሽቱን ሓደስትን እየን ነይረን። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት፡ ኣኼባታትን ወፍሪ ኣገልግሎትን ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ምውዳብ ክሕግዞም ከለኹ ይሕጐሱ ነበሩ።

ድሕሪ ግዜ፡ ናብቲ ንመላእ ዞባ ቢኮል ዚሽፍን ወረዳ ተቐየርኩ። ፍሉያት ፈለምቲ ነቲ ብስራት ናብቲ ተዓዪሉ ዘይፈልጥ ክልታት ንምዝርጋሕ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ፡ መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ወረዳ ብእተገለላ ጕጅለታት ዝቘመ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ቤት፡ እታ ዝነበረት እንኮ ዓይኒ ምድሪ፡ ኣብ ማእከላ ኽልተ ዕንጨይቲ ዝነበራ ጕድጓድ እያ ነይራ። ኣብቲ ዕንጨይቲ ምስ ረገጽኩ፡ ሒዙኒ ናብቲ ጕድጓድ ኣተወ። ተጻራርየ ንቝርሲ ኽዳሎ ግዜ ወሲዱለይ እዩ።

ኣብዚ እተመደብኩሉ ዕዮ እዚ ኸለኹ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ቡላካን ፈላምነት ዝጀመረት ኖራ ኽሓስብ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ከተማ ዱማጌተ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ስለ ዝነበረት፡ ክበጽሓ ኸድኩ። ብድሕርዚ፡ ንእተወሰነ እዋን ተጸሓሓፍና፣ ብ1956 ድማ ተመርዓና። ነታ ድሕሪ መርዓና ዝነበረት ቀዳመይቲ ሰሙን፡ ኣብ ደሴት ራፑ ራፑ ንዝነበረት ጉባኤ ኣብ ምብጻሕ ኢና ኣሕሊፍናያ። ናብ ኣኽራን ክንድይብን ብዙሕ ክንጐዓዝን የድልየና እኳ እንተ ነበረ፡ ብዓል ሓዳር ኴንካ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንዚርከቡ ኣሕዋት ምግልጋል ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።

ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል እንደገና ተጸዋዕኩ

ክልቴና ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዕዮ መገሻ ምስ ኣገልገልና፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከነገልግል ተዓደምና። እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሕለፍክዎ ነዊሕ ዓመታት ድማ ብጥሪ 1960 ጀመረ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ከቢድ ሓላፍነታት እተሰከሙ ኣሕዋት ኰይነ ብምግልጋለይ፡ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ኖራ እውን ኣብ ቤት-ኤል እተፈላለየ ዕዮታት ዓይያ እያ።

ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ መደረ ከቕርብ ከለኹ፡ ሓደ ሓው ናብ ሰቡዋኖ ተርጐመለይ

ኣብ ቤት-ኤል ኰይነ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዜደንቕ መንፈሳዊ ዕቤት ክርኢ ብምኽኣለይ ብሓቂ ተባሪኸ እየ። ዘይተመርዓወ መንእሰይ ኰይነ ንፈለማ እዋን ኣብ ቤት-ኤል ክኣቱ ኸለኹ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስታት 10,000 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣብ ፊሊፒንስ ልዕሊ 200,000 ኣስፋሕትን ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ንጥፈታት ስብከት ንምድጋፍ ዜገልግሉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ቤት-ኤላውያንን ኣለዉ።

በብዓመቱ እቲ ዕዮ እናዓበየ ስለ ዝኸደ፡ ቤት-ኤል ኪጸብበና ጀመረ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዓበየን ሓድሽን መሳለጥያ እንሃንጸሉ መሬት ክንደሊ ሓተተና። ኣነን ሓላው ክፍሊ ሕትመት ዝነበረ ሓውን ድማ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብ ዝነበረ ብዙሓት ቻይናውያን ዚቕመጡሉ ኣባይቲ ኼድና፡ መሬቱ ኺሸይጥ ዚደሊ እንተ ኣልዩ ሓተትና። ዚሸጠልና ሰብ ግና ኣይረኸብናን፣ ሓደ ወናኒ ኸኣ፡ “ቻይናውያን ንዕድግ እምበር፡ ኣይንሸይጥን ኢና” በለና።

ንመደረ ሓው ኣልበርት ሽሮደር ተርጐምኩ

ሓደ መዓልቲ ግና ሓደ ወናኒ መሬት፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ይግዕዝ ስለ ዝነበረ ንመሬቱ ኽንዕድጎ ንደሊ እንተ ዄንና ሓተተና። እዚ ኸኣ ናብቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ኽትኣምኖ ዜጸግም ተኸታታሊ ፍጻመታት መርሐ። ካልእ ጐረቤት እውን ኪሸጠልና ወሰነ፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ኻልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባብዖም። ንመሬት እቲ ‘ቻይናውያን ኣይንሸይጥን ኢና’ ዝበለና ሰብኣይ እውን ከይተረፈ ኽንዕድጎ ኽኢልና ኢና። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ስፍሓት እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ዛየደ። እዚ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ቤት-ኤል ኪሰፍሕ ከም ዝደለየ ኽተኣማመን ሓጊዙኒ እዩ።

ብ1950፡ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል እየ ነይረ። ሕጂ ግና ኣነን ብዓልቲ ቤተይን እቶም ዝዓበዩ ኣባላት ኢና። ንክርስቶስ ናብቲ ዝመርሓኒ ዘበለ ምስዓበይ ኣየጣዕሰንን እዩ። ወለደይ ካብ ቤቶም እኳ እንተ ሰጐጕኒ፡ የሆዋ ግና ብክርስትያናት ብጾት ዝቘመ ዓብዪ ስድራ ቤት ሂቡኒ እዩ። እተዋህበና ዕዮ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ምንም ኣይጠራጠርን እየ። ኣነን ኖራን ንየሆዋ ስለቲ ብሕያውነት ተደሪኹ ዝገበረልና ነገራት ኣዚና ኢና እነመስግኖ፣ ንኻልኦት ድማ ንየሆዋ ኺፍትንዎ ነተባብዖም።—ሚል. 3:10

የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣካብ ቀረጽ ንዝነበረ ሌዊ ዚብሃል ማቴዎስ፡ “ሰዓብየይ ኩን” ኢሉ ዓዲምዎ እዩ። እንታይ ምላሽከ ሃበ፧ “ንዅሉ ሓዲጉ፡ ተንሲኡ [ንየሱስ] ሰዓቦ።” (ሉቃ. 5:27, 28) ኣነ እውን ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ረኺበ እየ። ንኻልኦት ድማ ከምኡ ኺገብሩን ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡን ካብ ልቢ እምሕጸኖም።

ኣብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዚርአ ዘሎ ዕቤት ተሓጒሰ እካፈል ኣለኹ

^ ሕ.ጽ. 6 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ፣ ሕጂ ግና ኣይሕተማን እየን ዘለዋ።