ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ነቲ ሉፕ ዚብሃል ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ (IUD) ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይጋጮ መከላኸሊ ጥንሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ ድዮም፧

ኵሎም ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ነቲ ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምልከት ሓበሬታ ኺግምግምዎን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምርዎን ይኽእሉ እዮም። ብድሕርዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ዓቂቦም ኪኸዱ ዜኽእሎም ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም።

ክልተ ሰባት ጥራይ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ (ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ፡ ሸሞንተ ኣብ ዝነበሩሉ)፡ የሆዋ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ዚብል ትእዛዝ ሂቡ ነበረ። (ዘፍ. 1:28፣ 9:1) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ንክርስትያናት ከም ዚምልከት ኣይገልጽን እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ሰብ ሓዳር ብዝሒ ስድራ ቤቶም ንምቍጽጻር ወይ ዚወልዱሉ ግዜ ንምውሳን፡ ገሊኡ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኺጥቀሙ እንተ ዀይኖም ባዕሎም ኪውስኑ ኣለዎም። እንታይ ረቛሒታት ግና ኣብ ግምት ኬእትዉ ይኽእሉ፧

ክርስትያናት ንዝዀነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኪሓስቡሉ ይግባእ። ስለዚ፡ ንምንጻል ጥንሲ ኸም መከላኸሊ ጥንሲ ኣይጥቀሙሉን እዮም። ብወለንታኻ ጥንሲ ምንጻል ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ኣኽብሮት ከነርኢ ዚህበና ትእዛዝ ይጋጮ እዩ። ክርስትያናት ነቲ ድሕሪ ግዜ ኻልእ ሰብ ኪውለድ እጃም ዜበርክት መስርሕ ህይወት ኪዀልፍዎ ኣይመርጹን እዮም። (ዘጸ. 20:13፣ 21:22, 23፣ መዝ. 139:16፣ ኤር. 1:5) ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ሉፕ ምጥቃምከ፧

እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1979 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 30-31 ቀሪቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝውቱር ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ዚቕመጥ መሳርሒ ወይ ሉፕ፡ ጥንሲ ንምክልኻል ኣብ ማሕጸን ዚኣቱ ኻብ ፕላስቲክ እተሰርሐ መሳርሒታት እዩ ነይሩ። እታ ዓንቀጽ፡ እዚ መከላኸሊ ጥንሲ እዚ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይፍለጥ ገሊጻ ነበረት። ብዙሓት ክኢላታት፡ እዚ ቅርጹ ዘይልውጥ መሳርሒ እዚ ኣብ ማሕጸን፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ እንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ በጺሑ ኸየጽጊ ዚዓግት ምዃኑ ገለጹ። እንቋቝሖ እንተ ዘይጸግዩ ኸኣ ሓድሽ ህይወት ኣይጅምርን እዩ።

ገሊኡ መርትዖታት ከም ዘረጋገጾ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ እንቋቝሖ ይጸጊ ነይሩ እዩ። እቲ ሓድሽ ዝጸገየ እንቋቝሖ፡ ኣብ ሻምብቆ ማሕጸን ኪዓቢ ወይ ናብ ማሕጸን ኪጐዓዝ ይኽእል እዩ። ናብ ማሕጸን እንተ ተጓዒዙ፡ እቲ ኣብ ማሕጸን እተቐመጠ መከላኸሊ ጥንሲ፡ እቲ ዝጸገየ እንቋቝሖ ኣብ ውሽጣዊ ቐጸላ ማሕጸን ከይትከልን ንቡር ጥንሲ ዀይኑ ኸይምዕብልን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኪዓቢ ዝጀመረ ህይወት ከም ዚቋረጽ ምግባር፡ ምንጻል ጥንሲ እዩ። እታ ዓንቀጽ፡ “ኣብ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ግቡእ እንተ ዀይኑ ዜተሓሳስቦ ቕኑዕ ክርስትያን፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንቕድስና ህይወት ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ ዚገልጽ ስርዓት ገይሩ ኣርዚኑ ኺሓስበሉ ኣለዎ” ብምባል ደምደመት።—መዝ. 36:9

እታ ዓንቀጽ ብ1979 ካብ እትወጽእ ንደሓር ግና ኣገዳሲ ስነ ፍልጠታዊ ወይ ሕክምናዊ ምዕባለታት ተራእዩ ድዩ፧

ክልተ ዓይነት ኣብ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ሉፕ ማዕቢሉ እዩ። ብ1988 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብነሓሲ እተሸፈነ ዓይነት ሉፕ ብሰፊሑ ተዘርግሐ። ብዘይካዚ፡ ብ2001 ሆርሞን ዜመንጭው ሉፕ ተማሂዙ እዩ። እዚ ኽልተ ዓይነት መሳርሒ እዚ፡ ብዛዕባ ዚዓይየሉ መገዲ እንታይ ምርዳእ እዩ ዘሎ፧

ነሓሲ፦ ድሮ ኸም እተገልጸ፡ ኣብ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ሉፕ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብማሕጸን ገይሩ ናብ እንቋቝሖ ኺበጽሕ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን ይገብር እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ነሓሲ ኣብ ዜመንጭው ሉፕ ዚርከብ ነሓሲ፡ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዚቐትል፡ ጸረ ዘርኢ ዀይኑ የገልግል። * ብዘይካዚ፡ ነሓሲ ዘለዎ ሉፕ፡ ኣብ ውሽጣዊ ቐጸላ ማሕጸን ለውጥታት ከም ዜስዕብ ይግለጽ እዩ።

ሆርሞን፦ ምስቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኸኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ዚርከብ ሆርሞን ዚመሳሰል ሆርሞን ዘለዎ እተፈላለየ ዓይነት ሉፕ ኣሎ። እዚ መሳርሒታት እዚ ድማ፡ ነቲ ሆርሞን ኣብ ማሕጸን ይፍንዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሉፕ፡ ንጽፍዮ እንቋቝሖ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ዚዓግት እዩ ዚመስል። እንቋቝሖ እንተ ዘይተፈንዩ ድማ ጽግየት ኪህሉ ኣይክእልን። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብዚ ሉፕ እዚ ዚርከብ ሆርሞን ንውሽጣዊ ኽፋል ማሕጸን ከም ዜጽብቦ ይግለጽ እዩ። * ነቲ ኣብ ክሳድ ማሕጸን ዚርከብ ልፋጭ እውን ስለ ዜሕፍሶ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ርሕሚ ናብ ማሕጸን ከይጕዓዝ ይዓግቶ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ሉፕ ብምቕማጥ ዚርከብ ውጽኢት፡ ካልእ ተወሳኺ ውጽኢት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ክልቲኡ ዓይነት ሉፕ ኣብ ውሽጣዊ ቐጸላ ማሕጸን ለውጥታት የስዕብ እዩ። ግናኸ፡ ጽፍዮ እንቋቝሖ እንተ ኣጋጢሙን እንቋቝሖ እንተ ጸግዩንከ፧ ናብ ማሕጸን ኪኣቱ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ዘይምሹእ ውሽጣዊ ቐጸላ ማሕጸን ግና ኪትከል ኣይክእልን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ጥንሲ ኣብ ምጅማሩ ኸም ዚቋረጽ እዩ ዚገብሮ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ምትካል ዜጋጥም ፍሽለት፡ ልክዕ ከምቲ ሓድሓደ ግዜ እውን ብኣፍ ኣብ ዚውሰድ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ዚርአ፡ ሳሕቲ ዜጋጥም ምዃኑ እዩ ዚግለጽ።

ስለዚ እምበኣር፡ ነሓሲ ወይ ሆርሞን ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ፡ እንቋቝሖ ኸይጽጊ ኸም ዚዓግት ኣፉ መሊኡ ኺዛረብ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ይኹን እምበር፡ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ እተፈላለየ መስርሕ፡ ነዚ መከላኸሊ ጥንሲ እዚ እትጥቀም ጓል ኣንስተይቲ፡ ጥንሲ ዜጋጥማ ሳሕቲ ጥራይ እዩ።

ነዚ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ዚቕመጥ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ሉፕ ኪጥቀሙ ዚደልዩ ክርስትያናት ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዘሎ መከላኸሊ ጥንሲ ዀነ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕምን ነታ ሰበይቲ ኺህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ሓደጋን ምስ ብቝዕ ሓኪም ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ካልእ ሰብ፡ ዋላ እውን ሓኪም ይኹን፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ኺውስነሎም ኪጽበዩ ወይ ኬፍቅዱ የብሎምን። (ሮሜ 14:12፣ ገላ. 6:4, 5) እዚ ብሕታዊ ውሳነ እዩ። ከም ሰብ ሓዳር መጠን ሓቢሮም ኪውስኑ ኸለዉ ድማ፡ ንኣምላኽ ባህ ኬብሉን ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ሕልና ኺህልዎምን ኪጽዕሩ ኣለዎም።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:3 ኣረኣኢ።

^ ሕ.ጽ. 4 ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝገለጾ፡ “ዝያዳ ነሓሲ ዘለዎ ሉፕ ልዕሊ 99% ውጽኢታዊ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ ዓመት፡ ካብተን ሉፕ ዚጥቀማ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ሓደ ዚውሕዳ ጥራይ እየን ዚጠንሳ ማለት እዩ። ዝወሓደ ነሓሲ ሉፕ፡ ዝወሓደ ውጽኢት ኣለዎ።”

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ሆርሞን ዘለዎ ሉፕ፡ ንውሽጣዊ ኽፋል ማሕጸን ስለ ዜጽብቦ፡ ሓድሓደ ግዜ ንምርዑዋት ኰና ንዘይምርዑዋት ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ኣዝዩ ኸቢድ ጻግነአን ንምቍጽጻር ይእዘዘለን እዩ።