ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንእሽቶ ኸሎ ብዛዕባ እተፈጸመ ፍጻመታት ዚትርኽ ማቴዎስን ሉቃስን ዝመዝገብዎ ጸብጻባት ፍልልይ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ ዝመዝገቦ ምስ ልደትን ግዜ ንእስነትን የሱስ ዚተሓሓዝ ፍጻመታት ዚትርኽ ጸብጻብ ካብቲ ሉቃስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ዚፍለየሉ ምኽንያት፡ እዞም ጸሓፍቲ ወንጌል እዚኦም ነቲ ፍጻመታት ብእተፈላለየ ኣንፈት ስለ ዝተረኽዎ እዩ።

ማቴዎስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ኣብቲ ንዮሴፍ ዜጠቓልል ፍጻመታት ዘተኰረ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ ዮሴፍ፡ ማርያም ጥንስቲ ምዃና ምስ ፈለጠ ኣብ ፈለማ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበ፡ ብሕልሙ ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ከም ዝገለጸሉ፡ ነቲ መግለጺ ድማ ከም እተቐበሎ የዘንቱ። (ማቴ. 1:19-25) ማቴዎስ ቀጺሉ፡ ዮሴፍ ብሕልሙ ሓደ መልኣኽ ናብ ግብጺ ኺሃድም ከም እተማሕጸኖ፡ ስድራ ቤቱ ሒዙ ኸም ዝሃደመ፡ ብሕልሙ ሓደ መልኣኽ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪምለስ ከም ዝነገሮ፡ ከም እተመልሰ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ድማ ኣብ ናዝሬት ኪቕመጥ ከም ዝወሰነ ይትርኽ። (ማቴ. 2:13, 14, 19-23) ኣብተን ናይ መጀመርታ ምዕራፋት ወንጌል ማቴዎስ፡ ስም ዮሴፍ ሸሞንተ ሳዕ ኪጥቀስ ከሎ፡ ናይ ማርያም ግና ኣርባዕተ ሳዕ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ሉቃስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ብዝያዳ ኣብ ማርያም ዘተኰረ እዩ። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ከም ዝበጽሓን ማርያም ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ኸም ዝበጽሓታን ንየሆዋ ንምውዳስ ብዛዕባ ዝበለቶን ድማ ይትርኽ። (ሉቃ. 1:26-56) ሉቃስ ነቲ ስምኦን ንማርያም ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞ ስቓይ እተዛረቦ ዘረባ እውን ጠቒስዎ ኣሎ። ኣብቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኸዱ ዚገልጽ ጸብጻብ እውን፡ ሉቃስ ነቲ ማርያም ዝበለቶ ደኣ እምበር፡ ነቲ ዮሴፍ ዝበሎ ኣይጠቐሶን። ሉቃስ ኣስዒቡ፡ ማርያም ብዅሉ እቲ ፍጻመታት ብዙሕ ከም እተተንከፈት ገለጸ። (ሉቃ. 2:19, 34, 35, 48, 51) ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ምዕራፋት ወንጌል ሉቃስ፡ ስም ማርያም 12 ሳዕ ኪጥቀስ ከሎ፡ ዮሴፍ ግና 3 ሳዕ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ። ስለዚ እምበኣር፡ ማቴዎስ ብዛዕባ ሻቕሎትን ንጥፈታትን ዮሴፍ ኪገልጽ ከሎ፡ ሉቃስ ድማ ብዛዕባ እቲ ማርያም ዝነበራ ግደን ዘሕለፈቶ ተመክሮታትን እዩ ዝርዝር ሓበሬታ ሂቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ክልቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝመዝገብዎ መስመር ወለዶታት ይፈላለ እዩ። ማቴዎስ ወለዶ ዮሴፍ ብምምዝጋብ፡ የሱስ ብዮሴፍ ዝዓበየ ኸም ምዃኑ መጠን ብሕጋዊ መገዲ ወራሲ ንግስና ዳዊት ከም ዝዀነ ኣርኣየ። ከመይ ኢሉ፧ ምኽንያቱ፡ ዮሴፍ ካብ መስመር ወለዶ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ስለ ዝዀነ፡ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት እዩ። (ማቴ. 1:6, 16) ሉቃስ ግና ወለዶ ማርያም ብምምዝጋብ፡ “ብስጋ” ብንቡር መገዲ ወራሲ ንግስና ዳዊት ከም ዝዀነ ኣርኣየ። (ሮሜ 1:3) ከመይ ኢሉ፧ ምኽንያቱ፡ ማርያም ካብ መስመር ወለዶ ናታን ወዲ ዳዊት ስለ ዝዀነት፡ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት እያ። (ሉቃ. 3:31) ግናኸ፡ ሉቃስ ኣብቲ ዝመዝገቦ መስመር ወለዶ፡ ማርያም ጓል ሄሊ ኽነሳ ንዓኣ ዘይጠቐሳ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ወግዓዊ መስመር ወለዶ ብልምዲ ንናይ ሰብኡት መስመር እዩ ዚስዕብ ነይሩ። ስለዚ፡ ሉቃስ ንዮሴፍ ከም ወዲ ሄሊ ገይሩ ኺጠቕሶ ኸሎ፡ ዮሴፍ ንሄሊ ሰብኣይ ጓሉ ምዃኑ ኸም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ ነይሩ።—ሉቃ. 3:23

ማቴዎስን ሉቃስን ዝመዝገብዎ መስመር ወለዶ፡ የሱስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ብንጹር ይሕብር እዩ። ግደ ሓቂ፡ መስመር ወለዶ የሱስ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ምዃኑ ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን እኳ ኸይተረፈ ኪኽሕድዎ ዚኽእሉ ኣይነበረን። ሎሚ፡ ማቴዎስን ሉቃስን ዝመዝገብዎ ጸብጻባት መስመር ወለዶ፡ ሓደ ኽፋል መሰረት እምነትና እዩ፣ ተስፋታት ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ድማ መርትዖ የቕርብ።