ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ፈተና ምጽዋር፡ በረኸት የምጽእ

ፈተና ምጽዋር፡ በረኸት የምጽእ

ሓደ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ.፡ * “ንስኻ ጨካን ኣቦ ኢኻ። ነታ ነፍሰ ጾር ዝዀነት ብዓልቲ ቤትካን ንእሽቶ ጓልካን ጠንጢንካየን። መን እዩ ኺምግበንን ኪኣልየንን፧ ንጥፈታትካ ሕደግ እሞ ናብ ቤትካ ኺድ!” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ንስድራ ቤተይ ኣይጠንጠንኩን። ንስኻትኩም ኢኹም ኣሲርኩምኒ። ስለምንታይ፧” በልክዎ። ንሱ ድማ ብሕርቃን፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ምዃን ዚኸፍእ ገበን የለን” በለኒ።

እዚ ዝርርብ እዚ ብ1959 ኣብ ከተማ ኢርኩትስክ፡ ሩስያ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ እተገብረ እዩ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይ ማሪያን ‘ስለ ጽድቂ መከራ ኽንጸግብ’ ድሉዋት ዝነበርናሉ ምኽንያት፡ እሙናት ብምዃንና ድማ ብኸመይ ከም እተባረኽና እስከ ኸዘንትወልኩም።—1 ጴጥ. 3:13, 14

ብ1933 ዞሎትኒኪ ኣብ እትብሃል ቍሸት፡ ኣብ ዩክረይን እየ ተወሊደ። ብ1937 እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሓትነይን ብዓል ቤታን ኪበጽሑና ኻብ ፈረንሳ ምስ መጹ፡ ጋቨርመንት ከምኡ ድማ ደሊቨራንስ ዘርእስተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትማ መጻሕፍቲ ሓደጉልና። ኣቦይ ነዘን መጻሕፍቲ ምስ ኣንበበን፡ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ተሓደሰት። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብ1939 ከቢድ ሕማም ሓመመ። ቅድሚ ሙማቱ ግና ንኣደይ፡ “ሓቂ እዚኣ እያ። ነቶም ቈልዑ ምሃርዮም ኢኺ” በላ።

ሳይበርያ—ንስብከት ዚኸውን ሓድሽ ክሊ

ኣብ ሚያዝያ 1951 ሰበ ስልጣን ንሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ምዕራባዊ ሕብረት ሶቭየት ወሲዶም ኣብ ሳይበርያ ይሕይርዎም ነበሩ። ኣነን ኣደይን ንእሽቶ ሓወይ ግሪጎሪን ካብ ምዕራብ ዩክረይን ተወሰድና። ብባቡር ንልዕሊ 6,000 ኪ.ሜ. ተጓዒዝና ድማ ኣብ ከተማ ቱሉን፡ ሳይበርያ በጻሕና። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ እቲ ን25 ዓመት ከቢድ ሸቕሊ ኺሽቅል ተፈሪድዎ ዝነበረ ቦግዳን ዚብሃል ዓብዪ ሓወይ ኣብ ጥቓና ኣብ እትርከብ ከተማ ኣንጋርስክ ናብ ዝነበረ ደምበ ሸቕሊ መጸ።

ኣነን ኣደይን ግሪጎሪን ኣብ ከባቢ ቱሉን ኣብ ዝነበረ ኣቝሻት ንሰብኽ ነበርና። ሜለኛታት ክንከውን ግና ነይሩና። ንኣብነት፡ “ኣብዚ፡ ላም ኪሸይጥ ዚደሊዶ ኣሎ፧” ኢልና ንሓትት። እትሽየጥ ላም ዝሓዘ ሰብ ምስ እንረክብ ድማ ኣፈጣጥራ ኣሓ ኣዝዩ ዜደንቕ ምዃኑ ንጠቕሰሉ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ብዛዕባ ፈጣሪ ኽንዘራረብ ንጅምር። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓንቲ ጋዜጣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣሓ ዚሓትቱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣባጊዕ ከም ዚደልዩ ጸሓፈት። ብሓቂ ድማ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ረኺብና ኢና። ኣብቲ ተሰቢኹሉ ዘይፈልጥ ክሊ ምስ ዚርከቡ ትሑታትን ተቐበልቲ ጋሻን ዝዀኑ ህዝቢ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ ባህ እዩ ዚብለና ነይሩ። ሎሚ ኣብ ቱሉን ልዕሊ 100 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጉባኤ ኣላ።

እምነት ማሪያ ብኸመይ ከም እተፈተነት

ብዓልቲ ቤተይ ማሪያ፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ እያ ኣብ ዩክረይን ሓቂ ፈሊጣ። ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት፡ ሓደ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ. ኼሸግራ ጀመረ። ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ኬገድዳ እኳ እንተ ፈተነ፡ ንሳ ግና ነዚ ብጽንዓት ነጸገቶ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዓራታ ተገምሲሱ ረኸበቶ። ማሪያ ድማ ሃደመት። እቲ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ. ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዜእትዋ ኣጕባዕብዓላ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ብ1952 ማሪያ ንዓሰርተ ዓመት ክትእሰር ተፈርዳ። ሽዑ፡ ከምቲ ንጽህናኡ ብምሕላዉ እተኣስረ ዮሴፍ ዝዀነት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑዋ። (ዘፍ. 39:12, 20) እቲ ንማሪያ ኻብ ቤት ፍርዲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝወሰዳ መራሕ ማኪና ግና፡ “ኣይትፍርሂ። ብዙሓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዚኣትዉ፡ ክብሮም ሓልዮም እዮም ዚወጹ” በላ። እዘን ቃላት እዚአን ኣበራቲዐናኣ እየን።

ካብ 1952 ክሳዕ 1956፡ ማሪያ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ጥቓ ኸተማ ጎርኪ (ሕጂ ኒዥኒ ኖቭጋሬድ) ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ ኸም እትሽቅል ተገብረ። ቀዝሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ኣእዋም ካብ ሱሩ ኽትምንቍስ ትእዛዝ ተዋሂብዋ ነበረ። ጥዕናኣ ኣዝዩ እዩ ተጐዲኡ ነይሩ። ብ1956 ግና ተፈትሐት፡ ናብ ቱሉን ድማ ኣምርሐት።

ካብ ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ረሓቕኩ

ኣብ ቱሉን ዚነብር ሓደ ሓው፡ ሓንቲ ሓብቲ ትመጽእ ከም ዘላ ምስ ነገረኒ፡ ነታ ሓብቲ ምእንቲ ኽረኽባን ባልጃኣ ምእንቲ ኽስከመላን፡ ብብሽክለታይ ናብቲ መደበር ባቡር ከድኩ። ንማሪያ ምስ ረኸብክዋ፡ ካብ ሽዓ ኣትሒዘ እየ ፈትየያ። ልባ ንምምራኽ ክጽዕር ኣድልዩኒ እኳ እንተ ነበረ፡ መወዳእታኡስ ተዓዊተ እየ። ብ1957 ድማ ተመርዓና። ሓደ ዓመት ጸኒሑ፡ ጓልና ኢሪና ተወልደት። ምስ ጓለይ ግና ብዙሕ ኣይጸናሕኩን። ብ1959 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብምሕታም ተኸሲሰ ተኣሰርኩ። ፍርቂ ዓመት ንበይነይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተኣሲረ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ልበይ ምእንቲ ኪቐስን፡ ብቐጻሊ እጽልን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እዝምርን ናጻ ምስ ኰንኩ ኸመይ ገይረ ኸም ዝሰብኽ ብኣእምሮይ እስእልን ነበርኩ።

ብ1962 ኣብ ደምበ ሸቕሊ ኸለኹ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ፡ ኣብ እዋን መርመራ እቲ መርማሪ፡ “ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዓኻትኩም ልክዕ ከም ኣናጹ ምስ መሬት ኣጣቢቕና ኽንጭፍልቐኩም ኢና!” ብምባል ጨደረ። ኣነ ድማ፡ “የሱስ ‘ብስራት መንግስቲ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ’ ኢሉ እዩ። ነዚ ደው ኬብሎ ዚኽእል የለን” በልክዎ። ብድሕርዚ፡ እቲ መርማሪ ስልቱ ብምቕያር፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ እምነተይ ክሓድግ ኬእምነኒ ፈተነ። ብምፍርራህ ኰነ ብመስድዒ እምነትይ ስለ ዘይከሓድኩ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሳራንስክ ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ ኸቢድ ሸቕሊ ኽሽቅል ተፈረድኩ። ናብቲ ደምበ ክኸይድ ከለኹ፡ ኦልጋ እትብሃል ካልአይቲ ጓልና ኸም እተወልደት ፈለጥኩ። ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ካባይ ኣዝየን ርሒቐን እኳ እንተ ነበራ፡ ኣነን ማሪያን ንየሆዋ እሙናት ብምዃንና ተጸናኒዐ እየ።

ማሪያ ምስ ኦልጋን ኢሪናን ደቅና ብ1965

ካብ ቱሉን ናብ ሳራንስክ በጺሕካ ንምምላስ ዚግበር ጕዕዞ ብባቡር 12 መዓልቲ ዚወስድ ክነሱ፡ ማሪያ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ትበጽሓኒ ነይራ እያ። በብዓመቱ ድማ ሓድሽ ጽምዲ ጫማ ተምጽኣለይ ነበረት። ኣብ ታኮ እቲ ጫማ ድማ እዋናዊ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ተሓቢኡ ይመጸለይ ነይሩ። ሓደ ዓመት ግና ማሪያ ዝገበረትለይ ምብጻሕ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ነተን ክልተ ንኣሽቱ ደቅና ሒዛተን እያ መጺኣ። ክርእየንን ምሳታተን ግዜ ኸሕልፍን ብምኽኣለይ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐስኩ እሞ ብኣእምሮኹም ስኣልዎ!

ሓድሽ ቦታታትን ሓድሽ ብድሆታትን

ብ1966 ካብቲ ደምበ ሸቕሊ ሓራ ምስ ወጻእኩ፡ ኣርባዕቴና ናብታ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኣርማቪር ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ ያሮስላቭን ፓቨልን ዚብሃሉ ደቅና ተወልዱ።

ኣባላት ከይ.ጂ.ቢ. ግና ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንምርካብ ቤትና ኺፍትሹ ጀመሩ። ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ዋላ እውን ኣብ መብልዕ ኣሓና ይፍትሹ ነበሩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ኣባላት ከይ.ጂ.ቢ. ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ሙቐት ርሂጾምን ክዳውንቶም ብደሮና ተሸፊኑን ነበረ። እተዋህቦም ትእዛዝ ጥራይ ይፍጽሙ ብምንባሮም፡ ማሪያ ደንገጸትሎም። ጽማቝ ቀድሓትሎም፡ መንገፊ ኽዳንን ማይ ዝመልአ ሽሓንን ሽጎማኖን ድማ ኣምጽኣትሎም። ጸኒሑ ሓለቓኦም ምስ መጸ፡ እቶም ኣባላት ከይ.ጂ.ቢ. ብዛዕባ እቲ እተገብረሎም ሕያውነት ነገርዎ። ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቲ ሓለቓ ፍሽኽ ኢሉ ኣእዳዉ ኣወዛወዘልና። ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ክንስዕሮ’ ኽንጽዕር ከለና ዚርከብ ጽቡቕ ፍረ ብምርኣይና ተሓጒስና ኢና።—ሮሜ 12:21

ቀጻሊ ፍተሻ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኣርማቪር ምስባኽ ቀጸልና። ኣብ ጥቕና ኣብ እትርከብ ከተማ ኩርጋኒንስክ ንዝነበሩ ሒደት ኣስፋሕቲ ኣብ ምብርታዕ እውን ሓጊዝና ኢና። ሎሚ ኣብ ኣርማቪር ሽዱሽተ ጉባኤ፡ ኣብ ኩርጋኒንስክ ድማ ኣርባዕተ ጉባኤ ኸም ዘለዋ ምፍላጠይ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝደኸምናሉ ግዜ ነይሩ እዩ። የሆዋ ብእሙናት ኣሕዋት ኣቢሉ ስለ ዝኣረመናን ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዘበራተዓናን ኣዚና ኢና እነመስግኖ። (መዝ. 130:3) ንሕና ኸይፈለጥና ናብ ጉባኤታት ሰሊኾም ምስ ዝኣተዉ ኣባላት ከይ.ጂ.ቢ. ዝዀኑ ሰለይቲ ሓቢርካ ምግልጋል እውን ከቢድ ፈተና እዩ ዀይኑና ነይሩ። ቀናኣትን ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋትን እዮም ዚመስሉ ነይሮም። አረ ገሊኦምሲ ኣብ ውድብ የሆዋ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ ግና ናይ ሓቂ መንነቶም ፈሊጥናዮ ኢና።

ብ1978፡ ማሪያ ጓል 45 ዓመት ከላ መሊሳ ጠነሰት። ብሕዱር ሕማም ልቢ ትሳቐ ብምንባራ፡ ሓካይም ንህይወታ ስለ ዝፈርሁላ ነቲ ጥንሲ ኽትንጽሎ ኼእምንዋ ፈተኑ። ማሪያ ግና ኣበየት። ከም ውጽኢቱ፡ ገሊኦም ሓካይም መድሃኒት ብምውጋእ ቅድሚ እዋና ኸም እትወልድ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደቶ ዘበለ ስሪንጋ ሒዞም ይስዕብዋ ነበሩ። ማሪያ ነቲ ዘይተወልደ ዕሸል ንምዕቋብ ካብቲ ሕክምና ሃደመት።

እቶም ከይ.ጂ.ቢ. ኻብታ ኸተማ ኽንወጽእ ኣዘዙና። ኣብ ጥቓ ኸተማ ታሊን፡ ኤስቶንያ ናብ እትርከብ ቍሸት ድማ ገዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኤስቶንያ ኽፋል ሕብረት ሶቭየት እያ ነይራ። ኣብ ታሊን፡ ማሪያ ኸምቲ ሓካይም ዝገመትዎ ዘይኰነስ፡ ቪታሊ ዝስሙ ጥዑይ ቈልዓ ወለደት።

ድሕሪ ግዜ፡ ካብ ኤስቶንያ ናብቲ ኣብ ደቡብ ሩስያ ዚርከብ ሰፈራ ነዝሎብናያ ገዓዝና። ኣብተን ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ ሰባት ዚበጽሕወን ማእከል መዘናግዒ ዝዀና ኸተማታት እቲ ኸባቢ ድማ እናተጠንቀቕና ንሰብኽ ነበርና። እቶም በጻሕቲ ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ኺዘናግዑን ኪሕከሙን እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኦም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሒዞም ተመሊሶም እዮም።

ደቅና ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሩ ጌርካ ምዕባዮም

ንደቅና ፍቕሪ የሆዋን ንዕኡ ናይ ምግልጋል ድሌትን ክንቀርጸሎም ጽዒርና ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንደቅና ጽቡቕ ኣብነት ንዝዀንዎም ኣሕዋት ናብ ቤትና ንዕድሞም ነበርና። ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ኻብ 1970 ክሳዕ 1995 ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ግሪጎሪ ሓወይ እዩ። ሕጉስን ተዋዛይን ብምንባሩ፡ ኪበጽሓና ኸሎ ምልእቲ ስድራ ቤትና ትሕጐስ ነበረት። ኣጋይሽ ኪህልዉና ኸለዉ፡ ብዙሕ ግዜ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸወታታት ንጻወት ስለ ዝነበርና፡ ደቅና ንታሪኻዊ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እናፈተውዎ ኸዱ።

ደቀይን ኣንስቶምን።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ድሕሪት፦ ያሮስላቭ፡ ፓቨል፡ ቪታሊ

ቅድሚት፦ ኣልዮና፡ ራያ፡ ስቨትላና

ብ1987 ያሮስላቭ ወድና ናብ ከተማ ሪጋ፡ ላትቭያ ገዓዘ። ኣብኡ ድማ ብዝያዳ ናጽነት ኪሰብኽ ጀመረ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻም ምስ ኣበየ ግና ዓመትን መንፈቕን ኪእሰር ተፈርዶ። ኣብ ትሽዓተ ኣብያተ ማእሰርቲ ድማ ተኣስረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮታት እነግሮ ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ንኺጻወር ሓጊዝዎ እዩ። ጸኒሑ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ብ1990 እቲ ሽዑ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ፓቨል ወድና፡ ኣብታ ብሸነኽ ሰሜን ጃፓን እትርከብ ደሴት ሳከሊን ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ደለየ። ኣብ ፈለማ ኪኸይድ ኣይደለናዮን ኔርና። ኣብ ምልእቲ እታ ደሴት 20 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ንሕና ድማ ካብታ ደሴት 9,000 ኪ.ሜ. ርሒቕና ኢና እንነብር ኔርና። ኣማስያኡ ግና ተሰማማዕናሉ። ጽቡቕ ውሳነ ድማ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ነበርቲ እታ ደሴት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ሸሞንተ ጉባኤ ቘማ። ፓቨል ኣብ ሳከሊን ክሳዕ 1995 ኣገልገለ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕሳስ ልደ ወድና ቪታሊ ጥራይ እዩ ኣብ ቤት ተሪፉ ነይሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ይፈቱ ነበረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣነ ድማ ፈላሚ ዀይነ ምስኡ ንኽልተ ዓመት ኣገልገልኩ። ባህ ዜብል እዋን እዩ ነይሩ። ቪታሊ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰነ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ካብ ቤት ወጸ።

ብ1952 ሓደ ኣባል ናይ ከይ.ጂ.ቢ. ንማሪያ፡ “እምነትኪ ሕደጊ፡ እንተ ዘየሎ ንዓሰርተ ዓመት ክትእሰሪ ኢኺ። ምስ ወጻእኪ ኸኣ ኣረጊትን ሰብ ዘይብልክን ክትኰኒ ኢኺ” ኢልዋ ነበረ። ግናኸ፡ ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ ዅነታት እዩ ኣጋጢሙ። ፍቕሪ እቲ እሙን ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋን ፍቕሪ ደቅናን ፍቕሪ እቶም ሓቂ ኺፈልጡ ዝሓገዝናዮም ሰባትን ረኺብና ኢና። ኣነን ማሪያን ኣብቲ ደቅና ዘገልገሉሉ ቦታታት ክንበጽሕ ብምኽኣልና ተሓጒስና ኢና። እቶም ደቅና ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ዝሓገዝዎም ሰባት ዘለዎም ሞሳ ድማ ርኢና ኢና።

ንሰናይ የሆዋ ነማስወሉ ኢና

ብ1991 ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። እቲ ውሳነ እቲ ንዕዮ ስብከት ሓድሽ ሓይሊ እዩ ሂብዎ። ጉባኤና እኳ ኸይተረፈት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ከባቢና ናብ ዚርከባ ኸተማታትን ኣቝሻትን ምእንቲ ኽንከይድ ኣውቶቡስ ዓዲጋ እያ።

ብ2011 ምስ ብዓልቲ ቤተይ

ያሮስላቭን ብዓልቲ ቤቱ ኣልዮናን ከምኡ ድማ ፓቨልን ብዓልቲ ቤቱ ራያን ኣብ ቤት-ኤል፡ ቪታሊን ብዓልቲ ቤቱ ስቨትላናን ድማ ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ ስለ ዘለው ሕጉስ እየ። በዅሪ ጓልና ኢሪናን ስድራ ቤታን ኣብ ጀርመን እዮም ዚነብሩ። ብዓል ቤታ ቭላዲሚርን እቶም ሰለስተ ደቆምን ድማ ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኦልጋ ጓልና ኣብ ኤስቶንያ እያ እትነብር፣ ኣዘውቲራ ኸኣ እያ እትድውለለይ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እታ ዘፍቅራ ብዓልቲ ቤተይ ማሪያ ብ2014 ሞተት። ኣብ ትንሳኤ እንደገና ኽርእያ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ። ሎሚ ኣብ ከተማ ቤልጎረድ እየ ዝነብር። ኣብዚ ዘለዉ ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ እዮም ዚድግፉኒ።

ንየሆዋ ብምግልጋል ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ ንጽህናኻ ምሕላው መስዋእቲ ዚሓትት ምዃኑ፡ እቲ የሆዋ ብግዲኡ ዚህበካ ውሽጣዊ ሰላም ግና ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ኸም ዘለዎ ምሂሩኒ እዩ። ኣነን ማሪያን፡ ጸኒዕና ብምምልላስና ዝረኸብናዮ በረኸት፡ ክግምቶ ኻብ ዚኽእል ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ቅድሚ ምውዳቓ፡ ልዕሊ 40,000 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣብተን ሓደ እዋን ክፋል ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ልዕሊ 400,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ሕጂ ወዲ 83 ዓመት እየ፣ ሽማግለ ዀይነ ድማ አገልግል ኣለኹ። የሆዋ ምእንቲ ኽጻወር ደጊፉኒ እዩ። እወ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ሂቡኒ እዩ።—መዝ. 13:5, 6

^ ሕ.ጽ. 4 ከይ.ጂ.ቢ. ኣሕጽሮተ ቓል ሩስያኛ ዀይኑ፡ ንኮሚተ ጸጥታ መንግስቲ ሶቭየት የመልክት።