ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለጋሳት ሕጉሳት እዮም

ለጋሳት ሕጉሳት እዮም

“ምሃብ የሐጕስ።”—ግብ. 20:35

መዝሙር፦ 76, 110

1. ፍጥረት ንልግሲ የሆዋ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ዝዀነ ይኹን ነገር ምፍጣር ቅድሚ ምጅማሩ ንበይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብ ግና ኣይነበረን። የግዳስ፡ መስተውዓልቲ ንዝዀኑ መንፈሳውያንን ሰብኣውያንን ፍጡራት ህይወት ሂብዎም እዩ። እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ፡ ሰናይ ዘበለ ነገራት ምሃብ ይፈቱ እዩ። (1 ጢሞ. 1:11፣ ያእ. 1:17) ብዘይካዚ፡ ንሕና እውን ክንሕጐስ ስለ ዚደልየና፡ ለጋሳት ክንከውን ይምህረና እዩ።—ሮሜ 1:20

2, 3. (ሀ) ምሃብ ዜሐጕሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍ. 1:27) እዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና ማለት እዩ። እምበኣር፡ ሓጐስን ዕግበትን ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንኻልኦት ተገዳስነት ብምርኣይን ለጋሳት ብምዃንን ንኣብነት የሆዋ ኽንቀድሖ ኣሎና። (ፊል. 2:3, 4፣ ያእ. 1:5) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንሰባት ለጋሳት ኪዀኑ እዩ ፈጢርዎም። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎን ለጋሳት ክንከውንን ንኽእል ኢና።

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ለጋሳት ክንከውን ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ዚህበና ትምህርቲ እስከ ንመርምር። ልግሲ ብኸመይ ሞገስ የሆዋ ኽንረክብ ከም ዚሕግዘናን ነዛ ባህርይ እዚኣ ምምዕባል ነቲ የሆዋ ዝሃበና ግደ ኽንፍጽም ብኸመይ ከም ዜኽእለናን ክንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ እቲ እነርእዮ ልግሲ ምስ ሓጐስና ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ ቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ዜድልየና ኸኣ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ኽንምርምር ኢና።

ሞገስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንረክብ

4, 5. የሆዋን የሱስን ዝሓደጉልና ኣብነት ልግሲ እንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ሰብኣውያን ፍጡራቱ ንዕኡ ኺመስሉ እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ለጋሳት ምስ እንኸውን ይሕጐስ እዩ። (ኤፌ. 5:1) ንኣፈጣጥራና ዀነ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ እንርእዮ ጽባቐን ንህይወት ዜድሊ ነገራትን ምስ እንዕዘብ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚደልዮም ብንጹር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። (መዝ. 104:24፣ 139:13-16) ስለዚ፡ ንኻልኦት ከነሐጕሶም ምስ እንጽዕር፡ ንኣምላኽና ኢና እነኽብሮ።

5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ሰባት ብኸመይ ለጋሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዘርኣየና ክርስቶስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። የሱስ ባዕሉ፡ “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን” በለ። (ማቴ. 20:28) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ንክርስትያናት ኬተባብዖም ከሎ፡ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ። . . . [ክርስቶስ] ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ” በለ። (ፊል. 2:5, 7) ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ካብቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ብዝያዳ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክስዕቦ እኽእል ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።1 ጴጥሮስ 2:21 ኣንብብ።

6. የሱስ በቲ ብዛዕባ ሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኣቢሉ እንታይ እዩ ምሂሩና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ንኻልኦት ተገዳስነት ብምርኣይን ንዓታቶም ክንሕግዘሉ እንኽእል መገድታት ብምንዳይን ነቲ የሆዋን የሱስን ዝሓደጉልና ፍጹም ኣብነት ምስ እንስዕብ፡ ሞገስ የሆዋ ኽንረክብ ኢና። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ፡ ሰዓብቱ ነቶም ካባታቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም እውን ከይተረፈ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ብንጹር ሓቢሩ እዩ። (ሉቃስ 10:29-37 ኣንብብ።) የሱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ንኺዛረብ ዝደረኸቶ ሕቶ ትዝክራዶ፧ ሓደ ኣይሁዳዊ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ከኣ፡ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ደሊና ኸምቲ ሳምራዊ ለጋሳት ክንከውን ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ ነይሩ።

7. ጥቕሚ ርእስና ምድላይና ወይ ዘይምድላይና ምስ ጕዳይ ልዑላውነት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

7 ክርስትያናት ለጋሳት ኪዀኑ ዚድርኾም ብዙሕ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። ንኣብነት፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ምስቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘልዓሎ ጕዳይ ትተኣሳሰር እያ። ብኸመይ፧ ሰይጣን፡ ኣዳምን ሄዋንን፡ ብተዘዋዋሪ ኸኣ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝዎ፡ ኣብ ርእሶም ኬተኵሩን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ኪደልዩን ከም ዚሕሾም እዩ ገሊጹ። ሄዋን ድማ ጥቕሚ ርእሳ ብምድላይ ከም ኣምላኽ ክትከውን ሃረፈት። ኣዳም እውን ካብ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንሄዋን ኬሐጕሳ ብምድላዩ፡ ጥቕሚ ርእሱ ኸም ዚደሊ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍ. 3:4-6) ሳዕቤን እቲ ዝገበርዎ ውሳነ ድማ ብንጹር ይርአ ኣሎ። ጥቕሚ ርእስኻ ምድላይ ናብ ሓጐስ ኣይመርሕን እዩ። ስለዚ፡ ለጋሳት ብምዃን መገዲ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ኸም እንኣምን ከነርኢ ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ ንህዝቡ ዝሃቦም ግደ ፈጽም

8. እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ለጋሳት ኪዀኑ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

8 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤደን ንበይኖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ኻልኦት ኪግደሱ ዚሕግዞም መምርሒታት ሂብዎም ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ባሪኽዎም፡ ኪባዝሑን ንምድሪ ኺመልእዋን ኪገዝእዋን ድማ ኣተባቢዕዎም ነበረ። (ዘፍ. 1:28) ከምቲ ፈጣሪና ብዛዕባ ፍጥረታቱ ዚግደስ፡ እቶም ቀዳሞት ወለዲ እውን ብዛዕባ እቶም ንሓዋሩ ዚወልድዎም ውሉዳቶም ኪግደሱ ነበሮም። ከመይሲ፡ ብምልእታ ምድሪ ደቂ ኣዳም ዚነብሩላ ገነት ክትከውን ነበራ። እዚ ሰፊሕ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ኣዳም ተሓባቢሮም ኪዓይይዎ ዝነበሮም ዕዮ እዩ ነይሩ።

9. ሰባት ንምድሪ ብምልእታ ገነት ኪገብሩ እንተ ዚጽዕሩ ሓጐስ ምረኸቡ ነይሮም እንብል ስለምንታይ ኢና፧

9 ፍጹማት ሰባት ንምድሪ ብምልእታ ገነት ኪገብርዋን ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጽሙን እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ምስ የሆዋ ተሓባቢሮም ኪዓይዩ ነበሮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብ ዕረፍቱ ኺኣትዉ ይኽእሉ ነበሩ። (እብ. 4:11) እዚ ዕዮ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዜዕግብን ዚኽሕስን ከም ዝዀነ እሞ ሕሰብ። ንጥቕሚ ኻልኦት ኢሎም ርእሶም እንተ ዚውፍዩ፡ ብዙሕ በረኸትን ዕግበትን ምረኸቡ ነይሮም።

10, 11. ነቲ ኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን እተዋህበና መዝነት ብኸመይ ክንፍጽሞ ንኽእል፧

10 ሎሚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኺሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ዕዮ ሂብዎም እዩ። ነዚ መዝነት እዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ካብ ልብና እንግደስ ክንከውን ኣሎና። ነዚ ዕዮ እዚ ብተጻዋርነት ክንዓይዮ እንኽእል፡ ቅኑዕ ድራኸ እንተ ኣልዩና፡ ማለት ንኣምላኽን ንብጻይናን ነፍቅር እንተ ደኣ ዄንና ጥራይ ኢና።

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቶም ናይ ቀረባ መገላግልቱን ኪገልጽ ከሎ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” በለ። ከምኡ ዝበለ ኸኣ፡ ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምትካልን ኣብ ምስታይን ግደ ስለ ዝነበሮም እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 9) ሎሚ እውን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ግዜናን ጥሪትናን ጕልበትናን ብምልጋስ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ክንከውን ንኽእል ኢና። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

መማሰውቲ ንዝዀኑ ሰባት መንፈሳዊ ሓቅታት ኪርድኡ ኸም ምሕጋዝ ገይሩ ዜዕግብ ነገር የልቦን (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12, 13. ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ናይ ምግባር ዕዮ እንረኽቦ ዓስቢ እንታይ እዩ፧

12 ኣብ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባርን ዕዮ ግዜናን ጕልበትናን ንልግስ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብዙሕ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ እዚ ዕዮ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኽሕስ ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ሞሳ ዘለዎም ሰባት መንፈሳዊ ሓቂ ምስ ተረድኡ ኣዝዮም ኪሕጐሱ ኸለዉ፡ እምነቶም ክትዓቢ ኸላ፡ ለውጥታት ገይሮም ከኣ ንኻልኦት ሓቂ ኺምህሩ ኸለዉ ምስ እንርኢ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። የሱስ እውን እቶም ዝለኣኾም 70 ደቀ መዛሙርቲ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም ‘ብሓጐስ ምስ ተመልሱ፡’ ኣዝዩ ባህ ኢልዎ እዩ።—ሉቃ. 10:17-21

13 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ መልእኽቲ ብስራት ንህይወት ሰባት ብኣወንታዊ መገዲ ኺጸሉ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ኣዝዩ ባህ ይብሎም እዩ። ተመክሮ ኣና እትብሃል ዘይተመርዓወት መንእሰይ ሓብቲ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣና ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ምብራቕ ኤውሮጳ ብምግዓዝ ኣገልግሎታ ኣስፍሐት። * “ኣብዚ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ የሐጕሰኒ እዩ” ድማ በለት። ወሲኻ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ኣገልግሎተይ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣለይ። ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ከተኵር ግዜ የብለይን። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቶም መጽናዕትታት ዝመርሓሎም፡ ማለት ብዛዕባ ሽግሮምን ጭንቀቶምን እየ ዝሓስብ። ኬተባብዖምን ብግብራዊ መገድታት ኪሕግዞምን ድማ እጽዕር እየ። ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ከም ዜሐጕስ’ ከኣ ኣሚነ እየ።”—ግብ. 20:35

ኣብ ክልና ንዘሎ ዅሉ ኣባይቲ ንበጽሖ እንተ ዄንና፡ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ኪህቡ ኣጋጣሚ ኢና እንኸፍት (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ነቲ ብስራት ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሒደት እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ሰባት መልእኽቲ ብስራት ኪሰምዑ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰኑ እውን፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ስለ ዝሃብናዮም ግና ኬሐጕሰና ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎና መዝነት ምስቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ተዋሂብዎ ዝነበረ ዕዮ ዚመሳሰል እዩ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “እንተ ሰሚዖም ወይ እንተ ኣብዮም፡ ቃላተይ ንገሮም” ኢልዎ ነበረ። (ህዝ. 2:7፣ ኢሳ. 43:10) ዋላ እኳ ገሊኦም ሰባት ንመልእኽትና እንተ ዘይተቐበልዎ የሆዋ ግና ንጻዕርና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (እብራውያን 6:10 ኣንብብ።) ሓደ ኣስፋሒ ብዛዕባ እዚ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሕና ተኺልናን ኣስቲናን ኢና፣ የሆዋ ነቲ ተገዳስነት ኬዕብዮ ድማ ንጽልን ተስፋ ንገብርን።”—1 ቈረ. 3:6

ብኸመይ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል፧

15. ብዙሓት ሰባት ነቲ እነርእዮ ልግሲ እንታይ ዓይነት ምላሽ እዮም ዚህብሉ፧ ምላሽ ሰባት ነቲ እነርእዮ ልግሲ ጽልዋ ኺገብረሉ ይግባእ ድዩ፧

15 የሱስ ለጋሳት ብምዃን ሓጐስ ክንረክብ እዩ ዚደልየና። ብዙሓት ሰባት ንእተገብረሎም ልግሲ ምላሽ ይህቡ እዮም። የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣተባብዓና፦ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም። ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ እተሰጐደን እተነኽነኸን መሊኡ ዚፈስስን ጽቡቕ ስፍሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።” (ሉቃ. 6:38) ሓቂ እዩ፡ ነቲ እተርእዮ ልግሲ ጽቡቕ ምላሽ ዚህበሉ ዅሉ ሰብ ኣይኰነን። ነቶም ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሰባት ግና፡ ንሳቶም እውን ለጋሳት ኪዀኑ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ለጋስ ኩን። ብልግሲ እትገብራ ሓንቲ ተግባር እውን ትኹን፡ ክሳዕ ክንደይ ጥቕሚ ኺህልዋ ኸም ዚኽእል ኣይትፈልጥን ኢኻ።

16. ለጋሳት ክንከውን ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

16 ናይ ሓቂ ለጋሳት ዝዀኑ ሰባት፡ ገለ ነገር ኪረኽቡ ኢሎም ኣይኰኑን ዚህቡ። የሱስ፡ “ድግስ ምስ እትገብርሲ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ዓድም፣ ዚፈድዩኻ ስለ ዘይብሎም፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ” በለ። (ሉቃ. 14:13, 14) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ፡ “ለጋስ ይባረኽ” በለ። ካልእ ድማ፡ “ንትሑት ዚሓልየሉ ሕጉስ እዩ” በለ። (ምሳ. 22:9፣ መዝ. 41:1) ብርግጽ እምበኣር፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ብዙሕ ሓጐስ ስለ እንረክብ፡ ለጋሳት ክንከውን ኣሎና።

17. ሕጕስ ዚገብረካ ልግስታት እንታይ ዓይነት እዩ፧

17 ጳውሎስ ነተን፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዚብላ ቓላት የሱስ ኪጠቕሰን ከሎ፡ ስጋዊ ነገራት ብዛዕባ ምክፋል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዜድልዮም ዘበለ መተባብዕን መምርሕን ሓገዝን ብዛዕባ ምሃብ እውን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ግብ. 20:31-35) ጳውሎስ፡ ርእስና ንኻልኦት ክንውፊ፡ ማለት ንኻልኦት ግዜናን ጕልበትናን ትዅረትናን ፍቕርናን ክንህቦም ከም ዘሎና ብቓሉን ብተግባሩን ኣርእዩ እዩ።

18. ብዙሓት ዓለማውያን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ልግሲ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧

18 ብዓውዲ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ምርምር ዚገብሩ ሰባት፡ ልግሲ ንሰባት ሕጉሳት ከም ዚገብሮም ተዓዚቦም እዮም። ሓንቲ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ፡ “ሰባት ብሕያውነት ተደሪኾም ንኻልኦት ሰናይ ተግባራት ምስ ገበሩ፡ ሓጐሶም ከም ዝወሰኸ ጸብጺቦም እዮም።” ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ፡ “መሰረታዊ ድሌት ወዲ ሰብ ስለ ዜዕግብ፡” ህይወትካ ‘ዝያዳ ዕላማን ትርጉምን’ ዘለዋ ዀይኑ ኺስምዓካ ይሕግዝ እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ጥዕናኦም ንምምሕያሽን ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸም ዘለዎም ምሁራት መብዛሕትኡ ግዜ የተባብዑ እዮም። እዚ መግለጺ እዚ፡ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል እቲ ፈቃር ፈጣሪ ደቂ ሰባት ዝዀነ የሆዋ ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት ኣየገርሞምን እዩ፣ ከመይሲ፡ ለጋስ ምዃን ከም ዜሐጕስ የሆዋ ገሊጹ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

ልግሲ ልማድካ ግበሮ

19, 20. ለጋስ ክትከውን ዚድርኸካ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

19 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ካብ ጥቕሚ ኻልኦት ብዝያዳ ጥቕሚ ርእሶም ስለ ዘቐድሙ፡ ልግሲ ልማድና ምግባር ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ እተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር ከምኡ እውን ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ምፍቃር ከም ዝዀና ገሊጹ እዩ። (ማር. 12:28-31) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ንዕኡ ኺመስሉ ይጽዕሩ እዮም። የሆዋ ንኻልኦት ይልግሰሎም እዩ፣ የሱስ እውን ከምኡ። ክልቲኦም ከኣ ንሕና እውን ለጋሳት ክንከውን ኣተባቢዖምና እዮም። ከመይሲ፡ ለጋስ ምዃን ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ። ምስ ኣምላኽናን ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ለጋሳት ክንከውን ንጽዕር እንተ ደኣ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸነኽብሮ፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ድማ ክንጠቅም ኢና።

20 ንሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ ለጋስ ክትከውን ከም እትጽዕር ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ገላ. 6:10) ነዛ ባህርይ እዚኣ ልማድካ ኽትገብራ ትጽዕር እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ኬፍቅሩኻን ኪንእዱኻን እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ምሳሌ 11:25፡ “ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ፣ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ” ትብለና። ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣብ ኣገልግሎትናን ከኣ፡ ጥቕሚ ርእስና መስዋእቲ ኽንገብርን ለጋሳት ክንከውንን እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ ኽንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 13 ስም ተቐዪሩ እዩ።