ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ዕየ

መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ዕየ

“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና።”—1 ቈረ. 3:9

መዝሙር፦ 64, 111

1. ምስ የሆዋ ኽንዓዪ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

ሓሳብ ኣምላኽ፡ ፍጹማት ሰባት ምስኡ ተሓባቢሮም ንዕላማኡ ኺፍጽሙ እዩ ነይሩ። ደቂ ሰብ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ እሙናት ሰባት ሕጂ እውን እንተ ዀነ መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ተሓባቢሮም ኪዓይዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን “መዓይይቲ ኣምላኽ” ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:5-9) እቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ ኣምላኽ ኣብቲ ኣገዳሲ ዚብሎ ዕዮ ምስኡ ተሓባቢርና ኽንዓዪ ብምፍቃድ ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ! ኰይኑ ግና፡ ብስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ጥራይ ኣይኰንናን ምስ ኣምላኽ ክንዓዪ እንኽእል። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንስድራ ቤትናን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትናን ብምሕጋዝ፡ ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃን፡ ብወለንታ ብምዕያይን ኣገልግሎትና ብምስፋሕን መዓይይቲ ኣምላኽ ክንኰነሉ እንኽእል መገድታት ክንርኢ ኢና።—ቈሎ. 3:23

2. ነቲ ንዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ብውልቂ እትገብሮ ጻዕሪ ምስቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኸተወዳድሮ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸነጽንዓ ኸለና፡ ነቲ ንየሆዋ ኢልካ እትገብሮ ነገራት ምስቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኣይተነጻጽሮ። ዕድመን ጥዕናን ኵነታትን ክእለትን ሰባት ከም ዚፈላለ ኣይትረስዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ” ኢሉ እዩ።—ገላ. 6:4

ንስድራ ቤትካን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካን ሓግዞም

3. ንስድራ ቤቱ ዚኣሊ ዘበለ ዅሉ ምስ ኣምላኽ ይተሓባበር ከም ዘሎ ኽንዛረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ንስድራ ቤቶም ኪኣልዩ ትጽቢት ይገብረሎም እዩ። ንኣብነት፡ ንስድራ ቤትካ ብስጋዊ መዳይ ምእንቲ ኽትናብዮም ስራሕ ክትሰርሕ የድልየካ ይኸውን። ብዙሓት ኣዴታት ከኣ፡ ኣብ ቤት ንሕጻናት ደቀን ይኣልያ እየን። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ዓበይቲ ውሉዳት ንኣረጋውያን ወለዶም ኪኣልይዎም የድልዮም ይኸውን። እዚ ዅሉ ኣገዳሲ ዚብሃል ንጥፈታት እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ” ይብለና። (1 ጢሞ. 5:8) ከምዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዓይነት ሓላፍነታት እንተ ኣልዩካ፡ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዚኸውን ክንድቲ እትደልዮ ግዜ ኣይህልወካን ይኸውን። ግናኸ፡ ኣጆኻ! ንስድራ ቤትካ ምስ እትኣልዮም የሆዋ ይሕጐስ እዩ።—1 ቈረ. 10:31

4. ወለዲ ኻብ ጥቕሚ ርእሶም ብዝያዳ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ከምኡ ምግባሮምከ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

4 ክርስትያናት ወለዲ ንውሉዳቶም ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ብምሕጋዝ ምስ የሆዋ ተሓባቢሮም ይዓይዩ እዮም። ከምዚ ዝገበሩ ወለዲ፡ ድሕሪ ግዜ ደቆም ካብ ቤቶም ወጺኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኽኢሎም እዮም። ካብቶም ውሉዳት ገሊኦም ሚስዮናውያን ኰይኖም፡ ገሊኦም ከኣ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ኣብ ቤት-ኤል ይዓይዩ ኣለዉ። ብርግጽ፡ ውሉዳት ካብ ቤቶም ወጺኦም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ምስ ወለዶም ብቐሊሉ ኣይራኸቡን ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስዉኡ ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ኪጸንዑ የተባብዕዎም እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ወለዲ ውሉዳቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህቡ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ይስምዖም እዩ። (3 ዮሃ. 4) እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወለዲ፡ ከምቲ ንሳሙኤል ወዳ ንየሆዋ ‘ዝወፈየቶ’ ሃና እተሰምዓ ዓይነት ስምዒት ይስምዖም ይኸውን። ስለዚ፡ ምስ የሆዋ ምዕያይ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ካብዚ ዚሓይሽ ዋላ ሓንቲ ነገር ከኣ የልቦን።—1 ሳሙ. 1:28

5. ንኣባላት ጉባኤኻ ግብራዊ ሓገዝ ክትገብረሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

5 ከቢድ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታት እንተ ዘይብልካ፡ ንኻልኦት ንዚኣልዩ ኣሕዋት፡ ንዝሓመሙ፡ ንኣረጋውያን፡ ወይ ከኣ ሓገዝ ንዜድልዮም ካልኦት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኽትሕግዞም ትኽእልዶ፧ ኣብ ጉባኤ ሓገዝካ ዜድልዮ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ክትፈልጥ ጽዓር። ንኣብነት፡ ሓንቲ ብዕድመ ንዝደፍአ ወላዲኣ እትኣሊ ክርስትያን ሓብቲ ኻልእ ጕዳያታ ምእንቲ ኸተሳልጥ ምስ ወላዲኣ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ነቶም ሓገዝካ ዜድልዮም ዘበሉ፡ ናብ ጉባኤ ኽትወስዶም፡ ናብ ዕዳጋ ሒዝካዮም ክትከይድ፡ ክትለኣኣኾም፡ ወይ ሕሙም ኪበጽሑ ናብ ሆስፒታል ሒዝካዮም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ የሆዋ ብኣኻ ገይሩ ጸሎቶም ስለ ዚምልሰሎም፡ ምስ ኣምላኽ ተሓባቢርካ ኽትዓይዪ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ።1 ቈረንቶስ 10:24 ኣንብብ።

ተቐባል ጋሻ ኹን

6. ተቐባል ጋሻ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

6 መዓይይቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት፡ ብምቕባል ጋሻ ፍሉጣት እዮም። (እብ. 13:2) ቃል ኣምላኽ፡ ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኸነርኢ ዚድርኸና ፍጻመታት ሒዙ ኣሎ። (ዘፍ. 18:1-5) ሰባት “ብእምነት ቤተ ሰብና” ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ኽንሕግዞም ኣሎና።—ገላ. 6:10

7. ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብግሽነት ምቕባል እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

7 ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብግሽነት ብምቕባል ምስ ኣምላኽ ክትዓይዪ ትኽእልዶ፧ (3 ዮሃንስ 5, 8 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት፡ “ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ንተመክሮ ኦላፍ ከም ኣብነት ርአ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ ሓደ ዘይተመርዓወ ሓላው ወረዳ ንጉባኤኦም ኪበጽሓ ምስ መጸ፡ መሕደሪ ኺረክብ ኣይከኣለን። ሽዑ፡ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ኦላፍ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ወለዱ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ምሳታቶም ኣብ ቤቶም ኪቕኒ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ኦላፍ ኣብ ሶፋ ኺድቅስ እንተ ኽኢሉ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ምሳታቶም ኪቕኒ ኸም ዚኽእል ነገርዎ። እዚ መሰናድዎ እዚ ድማ ንኦላፍ ብዙሕ እዩ ጠቒምዎ። “ክሳዕ ክንደይ ባህ እተብል ሰሙን ኰን ኢና ኣሕሊፍና” ድማ በለ። ወሲኹ እውን፡ “ኣነን እቲ ሓላው ወረዳን ኣንጊህና ተንሲእና፡ ቍርሲ እናበላዕና ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ንመያየጥ ኔርና። እቲ ዝረኸብክዎ መተባብዒ ድማ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ንዝነበረኒ ድሌት ኣጐሃሂርዎ እዩ” በለ። ድሕሪኡ፡ ኦላፍ ን40 ዓመት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣገልገለ።

8. ነቲ እነርእዮ ሕያውነት ኣብ ፈለማ ጽቡቕ ምላሽ እኳ እንተ ዘይረኸብናሉ፡ ወትሩ ሕያዎት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

8 እቲ ኣብ ፈለማ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ፍረ እኳ እንተ ዘይረኸበ፡ ንጓኖት ብእተፈላለየ መገዲ ፍቕርኻ ኸተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣብነት እሞ ርአ። ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ኣስፋሒት፡ የሲካ ንዝስማ ካብ ኤኳዶር ዝመጸት ተምሃሪታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓላ ኸላ፡ እታ መጽናዕታ ትበኪ ነበረት። እታ ኣስፋሒት ድማ ንየሲካ ስለምንታይ ትበኪ ኸም ዘላ ሓተተታ። የሲካ ኸኣ ብስደት ናብ ስጳኛ ቕድሚ ምምጽኣ ዘጋጠማ ዛንታ ነገረታ። የሲካ ኣብ ዓዳ ኸላ ኣዝያ ድኻ እያ ነይራ። ሓደ መዓልቲ ድማ ዚብላዕ ዚብሃል ስለ ዘይነበራ ንጓላ ማይ ጥራይ ኣስትያ ኸተደቅሳ ጸዓረት። ንጓላ እናራረወት ከኣ ኣምላኽ ኪሕግዛ ጸለየት። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪምስክራላ መጻ። የሲካ ግና ጽቡቕ ምላሽ ኣይሃበተንን። እኳ ደኣስ፡ እተን ኣሓት ንዝሃባኣ መጽሔት ቀደደቶ። “እዚዶ ንጓለይ ምግቢ ኪዀና ይኽእል እዩ፧” ድማ በለተን። እተን ኣሓት ከጸናንዓኣ እኳ እንተ ፈተና፡ ኣይኰነለንን። ጸኒሐን ግና፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ ምግቢ ኣቐመጣላ። የሲካ በቲ ሕያውነተን ኣዝያ ተተንከየት። ነቲ ኣምላኽ ንጸሎታ ምላሽ ዝሃበሉ መገዲ ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ ዘየስተብሃለትሉ ድማ ጐሃየት። ሕጂ ግና፡ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ቘሪጻ እያ። እተን ኣሓት ዘርኣየኦ ሕያውነት ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ፍረ ዀን እዩ ኣፍርዩ!—መክ. 11:1, 6

ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸታት ብወለንታ ዕየ

9, 10. (ሀ) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ብወለንታ ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ዘድለየሉ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ወለንተኛታት ብዝዀኑ ሰብኡት ዚዕየ ዕዮታት እንታይ እዩ፧

9 ቀደም፡ እስራኤላውያን ብወለንታ ኺዓይዩ ዜኽእሎም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይርዎም እዩ። (ዘጸ. 36:2፣ 1 ዜና 29:5፣ ነህ. 11:2) ሎሚ እውን፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ምእንቲ ኽትሕግዝ፡ ግዜኻን ጥሪትካን ክእለትካን ብፍታውካ ኽትውፊ እትኽእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎካ። ከምኡ ምስ እትገብር ከኣ፡ ብዙሕ ሓጐስን በረኸትን ክትረክብ ኢኻ።

10 ቃል ኣምላኽ ንሰብኡት፡ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብን ሓለውቲ ጉባኤ ንምዃንን ብምምጥጣር ምስ የሆዋ ኺዓይዩ የተባብዖም እዩ። (1 ጢሞ. 3:1, 8, 9፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) እዞም ነዚ ፍሉይ መሰላት እዚ ዚመጣጠሩ ኣሕዋት፡ ንኻልኦት ብግብራውን ብመንፈሳውን መዳያት ኪሕግዝዎም ይጽዕሩ እዮም። (ግብ. 6:1-4) ኣአንጋዲ ኽትከውን፡ ምስ ጽሑፋትን ክልታትን ጽገናን ዚተሓሓዝ ዕዮ ኽትዓዪ ወይ እውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ስራሕ ክትሰርሕ ሽማግለታት ሓቲቶምኻዶ ይፈልጡ፧ እቶም ነዚ ዕዮታት እዚ ዚዓይዩ ኣሕዋት፡ እዚ ዕዮታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ብወለንታ ምዕያይ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥሪ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልካ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ሓንቲ ሓብቲ ኻብቲ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ህንጸት ዝመስረተቶ ዕርክነት ጥቕሚ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧

11 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ህንጸት ብወለንታ ምዕያይ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥሪ ይሕግዘካ እዩ። ኣብ ዕዮ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ን18 ዓመት ብወለንታ ዝዓየየት ማርጂ ዝስማ ሓብቲ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንሓያሎ መንእሰያት ኣሓት ኣሰልጢና እያ። እዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንሓድሕድካ እትተባብዓሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍት ድማ ገለጸት። (ሮሜ 1:12) ማርጂ ኣብ ህይወታ ኸቢድ ሽግር ምስ ኣጋጠማ፡ እቶም ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዘጥረየቶም ኣዕሩኽ ብዙሕ ሓጊዞምዋ እዮም። ንስኻኸ ኣብ ዕዮ ህንጸት ብወለንታ ዓዪኻ ትፈልጥዶ፧ ሞያ ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ፡ ክትሕግዝ ፍቓደኛ ዲኻ፧

12. ኣብ ዕዮ ረድኤት እጃምካ ኸተበርክት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

12 ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንኣሕዋቶም ግብራዊ ብዝዀነ መገድታት ብምሕጋዝ ምስ የሆዋ ሓቢሮም ኪዓይዩ ዚኽእልሉ ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ነቶም በዚ ሓደጋታት እዚ እተጸልዉ ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብሩሎም እዮም። (ዮሃ. 13:34, 35፣ ግብ. 11:27-30) ነቲ ዝዓነወ ኸባቢታት ብምጽራይን ብምጽጋንን እውን ይሕግዙ እዮም። ጋብርኤላ ዝስማ ኣብ ፖላንድ እትነብር ሓብቲ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ እተወሰነ ኽፋል ቤታ ምስ ፈረሰ፡ ኣሕዋት ካብ ካልእ ጉባኤታት መጺኦም ሓገዝዋ። ንሳ በዚ ኣዝያ ተሓጒሳ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “እቲ ዝጠፍኣኒ ንብረት ስጋዊ ነገራት ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ኽዛረብ ኣይደልን እየ። እንታይ ከም ዝረኸብኩ ግና ክነግረኩም። እቲ ዜጋጠመኒ ዅነታት፡ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃን ፍሉይ መሰልን ምንጪ ሓጐስን ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹለይ እዩ።” ባህርያዊ ሓደጋታት ምስ ኣጋጠሞም ሓገዝ ዝረኸቡ ብዙሓት ኣሕዋት እውን፡ ከምኡ እዩ ዚስምዖም። እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ንኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ምስ የሆዋ ሓቢሮም ዚዓይዩ ክርስትያናት እውን ብዙሕ ዕግበት ይረኽቡ እዮም።ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ 2 ቈረንቶስ 9:6, 7 ኣንብብ።

13. ብወለንታ ምሕጋዝ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

13 ስቴፋኒን ካልኦት ኣስፋሕትን ነቶም ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብስደት ዝኸዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምሕጋዝ ምስ ኣምላኽ ሓቢሮም ስለ ዝዓየዩ ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ብውግእ ካብ ዝዓነዋ ሃገራት ንዝመጻ ስድራ ቤታት መንበሪ ኣባይትን ኣቕሑ ገዛን ኪረኽባ ሓጊዞምወን እዮም። ከምዚ ድማ በለት፦ “ካብ ዓለምለኻዊ ሕውነት ፍቕሪ ምስ ረኸቡ እተሰምዖም ሓጐስን ሞሳን ምስ ረኣና፡ ልብና ተተንክዩ እዩ። እተን ስድራ ቤታት ከም ዝሓገዝናየን ዚስምዐን እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ሓቂ ግና ንሳተን እየን ሓጊዘናና። እቲ ዝረኣናዮ ፍቕርን ሓድነትን እምነትን ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልትን ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብሓቂ ኣደልዲልዋ እዩ። ነቲ ብውድቡ ኣቢልና እንረኽቦ ነገራት ዓሚቝ ሞሳ ኺህልወና እውን ሓጊዙና እዩ።”

ኣገልግሎትካ ኣስፍሕ

14, 15. (ሀ) ነብዪ ኢሳይያስ እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ኣርእዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ኢሳይያስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ብዝያዳ ምስ የሆዋ ሓቢርካ ኽትዓይዪ ትደሊዶ፧ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ናብ ዜድልይሉ ቦታታት ግዒዝካ ኸተገልግልከ ትኽእልዶ፧ ብርግጽ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕያውነቶም ንምርኣይ ናብ ካልእ ርሑቕ ከባቢታት ኪግዕዙ ኣየድልዮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኵነታቶም ስለ ዚፈቕደሎም ናብ ካልእ ቦታታት ግዒዞም የገልግሉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት፡ ከም ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። የሆዋ፡ “ንመን ክልእኽ እየ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ፡ ኢሳይያስ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ኢሉ መለሰ። (ኢሳ. 6:8) ንስኻኸ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት እጃምካ ንምብርካት ድሌትን ዓቕምን ኣሎካዶ፧ እሞ ደኣ ኣብ ኣየናይ መዳያት ክትሕግዝ ትኽእል፧

15 የሱስ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኪዛረብ ከሎ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በለ። (ማቴ. 9:37, 38) እሞ ደኣ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከተገልግል፡ ምናልባት ከኣ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ወይ ከኣ ካልእ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምእንቲ ኺሳተፍ ደገፍ ክትገብረሉ ትኽእልዶ፧ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸባቢታት ወይ ክልታት ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል፡ ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ኸተርኢ እትኽእለሉ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኸም ዚዀነ እዩ ዚስምዖም። ኣገልግሎትካ ኸተስፍሓሉ እትኽእል ካልእ ኣጋጣሚታትከ ኣሎዶ፧ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

16, 17. ንየሆዋ እትዓይዮ ዕዮ ኸተስፍሕ ዜኽእለካ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧

16 ኣብ ቤት-ኤል ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ህንጸት፡ ግዜያዊ ሰራሕተኛ ወይ ተመላላሳይ ኴንካ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧ ውድብ የሆዋ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ዘበለ ኺዓይዩን እተዋህቦም ዝዀነ ይኹን ስራሕ ኪሰርሑን ዚኽእሉ ውልቀ ሰባት ወትሩ የድልይዋ እዮም። እቶም ወለንተኛታት ዚዀኑ ኣሕዋት፡ ምስቲ ዘለዎም ክእለትን ተመክሮን ርክብ ዘይብሉ ስራሕ ኪሰርሑ ይሕተቱ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ እቶም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልየሉ ዘበለ ንምዕያይ ወለንተኛታት ዝዀኑ ኣሕዋት ንዚገብርዎ መስዋእቲ የማስወሉ እዩ።—መዝ. 110:3

17 ንየሆዋ ብዝያዳ ኸተገልግሎ ዜኽእለካ ተወሳኺ ስልጠና ኽትረክብ ትብህግዶ፧ ትብህግ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትምሃር ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ቤት ትምርህቲ እዚ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንዝዀኑ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣገልግሎቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬስፍሑ ዜኽእሎም ስልጠና ይህቦም እዩ። እቶም ኣመልከትቲ፡ ምስ ተመረቑ ንዚውሃቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኪቕበሉ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። እሞ ደኣ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒምካ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ብዝያዳ ምእንቲ ኽትረክብ ክትመጣጠር ትደሊ ዲኻ፧—1 ቈረ. 9:23

18. መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ብምዕያይካ እትረኽቦ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

18 ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ለጋሳትን ሕያዎትን ለዋሃትን ፈቃራትን ኢና። መዓልቲ መዓልቲ ድማ ንኻልኦት ሓልዮት ከነርእዮም ንጽዕር ኢና። ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ ሓጐስን ሰላምን የምጽኣልና እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ዋላ እውን ኵነታትካ ኻብ ናይ ካልኦት እተፈልየ እንተ ዀነ፡ ንልግሲ የሆዋ ምስ እትቐድሖን ሓደ ኻብቶም መዓይይቱ ዄንካ ምስ እትመላለስን ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።—ምሳ. 3:9, 10