ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብደጋዊ ትርኢት ኣይትፍረድ

ብደጋዊ ትርኢት ኣይትፍረድ

“ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ደጊም ደጋዊ ትርኢት ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”—ዮሃ. 7:24

መዝሙር፦ 142, 123

1. ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዩ ተነብዩ፧ እቲ ትንቢቱ ዜተባብዓናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኢሳይያስ በቲ ብዛዕባ ጐይታይና የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ትንቢቱ ኣቢሉ ንልብና ኣጸናኒዑን ተስፋ ሂቡናን እዩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ ኪንበ ኸሎ፡ “ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ። ንትሑታት ብፍትሒ ኺፈርድ [እዩ]” በለ። (ኢሳ. 11:3, 4) እዚ ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧ ከመይሲ፡ ኣድልዎን ዘይፍትሓውነትን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኵላትና ነቲ ብደጋዊ ትርኢትና ዘይፈርደና ፍጹም ፈራዲ ኽንረክብ ሃንቀው ንብል ኢና።

2. የሱስ እንታይ ክንገብር እዩ ኣዚዙና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ብዛዕባ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ግና፡ ከም የሱስ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንፈርድ ኣይንኽእል ኢና። ብኣዒንትና እንርእዮ ነገራት ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ደጊም ደጋዊ ትርኢት ርኢኹም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ተማሕጺኑ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:24) የሱስ ንዕኡ ኽንመስሎን ብደጋዊ ትርኢት ከይንፈርድን ከም ዚደልየና እምበኣር ንጹር እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣተሓሳስባና ጸልዩ ብደጋዊ ትርኢት ከም እንፈርድ ብዛዕባ ኺገብረና ዚኽእል ሰለስተ ነገር፡ ማለት ብዛዕባ ዘርኢ ወይ ዓሌት፡ ብዛዕባ ሃብቲ ኸምኡ እውን ብዛዕባ ዕድመ ኽንርኢ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከኣ፡ ንትእዛዝ የሱስ ክንሕሉ ዜኽእለና ግብራዊ መገድታት ክንርኢ ኢና።

ዘርኢ ወይ ዓሌት ርኢኻ ምፍራድ

3, 4. (ሀ) ንሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ብዛዕባ ኣህዛብ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ኸም ብሓድሽ ኪግምግሞ ዝደረኾ ዅነታት እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) የሆዋ ንጴጥሮስ ኪርዳእ ዝሓገዞ ሓድሽ ሓቂ እንታይ እዩ ነይሩ፧

3 ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቤት እቲ ኣብ ቂሳርያ ዚነብር ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ምስ ተጸውዐ፡ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ቆርኔሌዎስ ካብ ኣህዛብ እዩ ነይሩ። (ግብ. 10:17-29) ጴጥሮስ ከኣ ከምቲ ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣህዛብ ርኹሳት ከም ዝዀኑ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኣተሓሳስባኡ ኸም ብሓድሽ ኪግምግሞ ዚድርኽ ፍጻመታት ኣጋጢምዎ ነበረ። ንኣብነት፡ ካብ ኣምላኽ ራእይ ርእዩ ነበረ። (ግብ. 10:9-16) እንታይ እዩ ርእዩ፧ ርኹሳት እንስሳታት ዝሓዘ ዓለባ ዝኣመሰለ ነገር ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣየ፣ ሓደ ድምጺ ድማ ካብ ሰማይ፡ “ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!” በሎ። ጴጥሮስ ግና ኣትሪሩ ነጸጎ። ስለዚ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” በሎ። ጴጥሮስ ካብቲ ራእይ ምስ ነቕሐ ኸኣ፡ እቲ ድምጺ እንታይ ኪብሎ ኸም ዝደለየ ደንጸዎ። ሽዑሽዑ፡ ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት ናብኡ መጹ። ጴጥሮስ ድማ ካብ መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ምስ ተቐበለ፡ ምስቶም ልኡኻት ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ከደ።

4 ጴጥሮስ ኣብ ደጋዊ ትርኢት እንተ ዜተኵር፡ ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ፈጺሙ ኣይምኣተወን ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣይሁድ ናብ ቤት ኣህዛብ ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ዝንባለ እኳ እንተ ነበሮ፡ ናብቲ ቤት ዝኣተወ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዝረኣዮ ራእይ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ መረጋገጺ ሂብዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ንቆርኔሌዎስ ምስ ሰምዖ ድማ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” በለ። (ግብ. 10:34, 35) እዚ ሓድሽ ምስትውዓል እዚ፡ ንጴጥሮስ መሲጥዎ እዩ። ንዅሎም ክርስትያናት እውን ዓብዪ ጽልዋ ዜሕድር እዩ ነይሩ። ብኸመይ፧

5. (ሀ) የሆዋ ዅሎም ክርስትያናት እንታይ ኪፈልጡ እዩ ዚደሊ፧ (ለ) ሓቂ ፈሊጥና ኽነስና፡ እንታይ ዓይነት ስምዒት እዩ ኼሸግረና ዚኽእል፧

5 የሆዋ ብጴጥሮስ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ዅሎም ክርስትያናት ኪፈልጡ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ። ኣምላኽ ብዘርኢ፡ ብዓሌት፡ ብብሄር፡ ብነገድ ወይ ብቛንቋ ኣይዳሉን እዩ። ንኣምላኽ ዚፈርህን ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ዚገብርን ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎ። (ገላ. 3:26-28፣ ራእ. 7:9, 10) ነዚ ሓቂ እዚ ኸም እትኣምነሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብኣድልዎ ኣብ ዝመልአት ሃገር ወይ ቤት እንተ ዓቢኻ ግና እዚ ስምዒት እዚ የሸግረካ ደዀን ይኸውን፧ ኣድልዎ ኸም ዘይትገብር እንተ ሓሰብካ እውን፡ ብውሽጥኻ ግና ገና እዚ ስምዒት እዚ ይቃለሰካ ይህሉ ይኸውን። እቲ የሆዋ ኸም ዘየዳሉ ኼርኢ ፍሉይ መሰል ረኺቡ ዝነበረ ጴጥሮስ እኳ ድሕሪ ግዜ ኣድልዎ ኣርእዩ እዩ። (ገላ. 2:11-14) እሞ ደኣ ንየሱስ ክንእዘዞን ብደጋዊ ትርኢት ምፍራድ ክንሓድጎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6. (ሀ) ንስምዒት ኣድልዎ ኻብ ልብና ኽንምሕዎ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ዝሃቦ ጸብጻብ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ኣቃሊዑ፧

6 ዝዀነ ይኹን ስምዒት ኣድልዎ ኣብ ውሽጥና እንተ ኣልዩ ንምፍላጥ፡ ንኣተሓሳስባና ምስቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርናዮ ነገራት ከነነጻጽሮ ኣሎና። (መዝ. 119:105) እቲ ዘሎና ስምዒት ኣድልዎ ንዓና እንተ ዘይተራእየና እኳ፡ ነዚ ስምዒት እዚ ኣባና ኸም ዘሎ ዝረኣየ እንኣምኖ ፈታዊና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 2:11, 14) እቲ ኣረኣእያ እቲ ኣብ ውሽጥና ሱር እንተ ሰዲዱ፡ ኣድልዎ ኸም እንገብር እውን ኣይፍለጠናን ይኸውን። ንሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ዘጋጠሞ ነገር ከም ኣብነት ንርአ። እቲ ሓዉ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዛዕባ ዜገልግሉ ጻዕራማት ሰብ ሓዳር ጸብጻብ ጸሓፈ። እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝዀነ ሓው ብኻልኦት ኣትሒትካ ኻብ ዚርኣዩ ዓሌት እዩ ነይሩ። እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣትሒትካ ዚርአ ዓሌት ናይ ኣድልዎ ስምዒት ከም ዘለዎ ኣየስተብሃለን ነበረ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እዚ ብዓል ሓዳር ኪጽሕፍ ከሎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኣብ መደምደምታ ግና ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ካብ ዓሌት [እከለ] እኳ እንተ ዀነ፡ ባህርያቱን ኣነባብራኡን ግና ካብ ዓሌት [እከለ] ዝዀነ ሰብ ኵሉ ረሳሕን ትሑት ናብራ ዚነብርን ከም ዘይኰነ ኻልኦት ኪርድኡ ዚሕግዝ እዩ።” ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ሓላፍነት ብዘየገድስ፡ ኣብ ልብና ኺህሉ ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ኣለሊና ምእንቲ ኽንምሕዎ ንርእስና ብጥንቃቐ ኽንምርምርን ሓገዝ ካልኦት ክንቅበልን ኣሎና። ካልእ ክንገብሮ እንኽእል ነገርከ እንታይ እዩ፧

7. ልብና ጋህ ኣቢልና ኸም ዝኸፈትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ልብና ጋህ ኣቢልና እንተ ኸፊትና፡ እቲ ዘሎና ኣድልዎ ብፍቕሪ ኺትካእ እዩ። (2 ቈረ. 6:11-13) ከም ናትካ ዘርኢ፡ ዓሌት፡ ብሄር፡ ነገድ ወይ ቋንቋ ምስ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዲኻ እትቀራረብ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፡ ፍቕርኻ ኣግፍሕ። ነቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሳኻ ኼገልግሉ ወይ ናብ ቤትካ ኺመጹ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 16:14, 15) ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ፡ ልብኻ ብብዙሕ ፍቕሪ ስለ ዚመልእ፡ ኣብ ልብኻ ንኣድልዎ ዚኸውን ቦታ ኣይክትረክብን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ክንፈርዶም ዚድርኸና ተወሳኺ መዳያት እውን ኣሎ። ቀጺልና ብዛዕባ ስጋዊ ሃብቲ ኽንርኢ ኢና።

ሃብቲ ወይ ድኽነት ርኢኻ ምፍራድ

8. ብመሰረት ዘሌዋውያን 19:15፡ ሃብቲ ወይ ድኽነት ንፍርድና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ስጋዊ ጥሪት እውን ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ኻልኦት ንዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዚኽእል ነገራት እዩ። ዘሌዋውያን 19:15፡ “ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ። ንብጻይካ ብፍትሒ ፍረዶ” ትብል። ሓደ ሰብ ዘለዎ ሃብቲ ዀነ ድኽነት ነቲ ብዛዕባኡ ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዚኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

9. ሰሎሞን ዝጸሓፎ ዜሕዝን ሓቂ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

9 ሰሎሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ ዘይፍጹማት ሰባት ሓደ ሓቂ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ምሳሌ 14:20፡ “ድኻ ብብጾቱ እኳ ይጽላእ፣ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም” በለ። እዚ ምሳሌ እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ካብቶም ድኻታት ዝዀኑ ኣሕዋትና ርሒቕና ምስቶም ሃብታማት ዝዀኑ ኣሕዋትና ጥራይ ምሕዝነት ንምፍጣር ክንብህግ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ብዘለዎም ስጋዊ ሃብቲ ጥራይ ክብ ኣቢልካ ምርኣይ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10. ያእቆብ ብዛዕባ ኣየናይ ጸገም እዩ ኣጠንቂቑ፧

10 ንሰባት ኣብቲ ዘለዎም ስጋዊ ሃብቲ ተመስሪትና ንፈርዶም እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብ ጉባኤ ምክፍፋል ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ እዚ ጸገም እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበራ ገሊአን ጉባኤታት ይኸፋፍለን ከም ዝነበረ ኣጠንቂቑ እዩ። (ያእቆብ 2:1-4 ኣንብብ።) ሎሚ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ጉባኤና ምክፍፋል ከይፈጥር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ነዚ ብደጋዊ ትርኢት ናይ ምፍራድ ዝንባለ ኽንቃለሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11. ስጋዊ ጥሪት ሓደ ሰብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኪጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ግለጽ።

11 ብዛዕባ ኣሕዋትና ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። የሆዋ ንሓደ ሰብ ኣኽቢሩ ወይ ኣትሒቱ ዚርእዮ ሃብታም ወይ ድኻ ብምዃኑ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ፡ ኣብ ብዝሒ ወይ ኣብ ዋሕዲ እቲ ዘጥረናዮ ጥሪት እተመስረተ ኣይኰነን። የሱስ፡ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ኸም ዚዀኖ” እኳ እንተ ገለጸ፡ ፈጺሙ ኸም ዘይክእል ግና ኣይገለጸን። (ማቴ. 19:23) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ የሱስ፡ “ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናታትኩም እያ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:20) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ ኵሎም ድኻታት ብፍሉይ መገዲ ኸም እተባረኹን ንትምህርቲ የሱስ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዝሃቡሉን ኣይኰነትን እትገልጽ። ከመይሲ፡ ብዙሓት ድኻታት ጽቡቕ ምላሽ ኣይሃቡን። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዚምስርቶ ርክብ በቲ ዘለዎ ስጋዊ ጥሪት ኪዕቀን ኣይክእልን እዩ።

12. ቅዱሳት ጽሑፋት ንሃብታማት ኰነ ንድኻታት ዚህቦ ማዕዳ እንታይ እዩ፧

12 ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ድኻታት ወይ ሃብታማት ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዘለዉና ተባሪኽና ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ንሃብታማት፡ “[ብ]ኣምላኽ እምበር፡ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ” ይምዕዶም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ቃል ኣምላኽ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት ብዘየገድስ፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ኪርሕቁ ይምሕጸኖም እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) እወ፡ ብዛዕባ ኣሕዋትና ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ስጋዊ ጥሪቶም ጥራይ ተመስሪትና ኣይክንፈርዶምን ኢና። ዕድመ ሓደ ሰብከ ኣብቲ ብዛዕባኡ ዘሎና ኣረኣእያ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

ዕድመ ርኢኻ ምፍራድ

13. ቅዱሳት ጽሑፋት ንዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ኸነርእዮ ዘሎና ኣኽብሮት እንታይ እዩ ዚምህረና፧

13 ቅዱሳት ጽሑፋት ንዓበይቲ ሰባት ግቡእ ኣኽብሮት ከነርእዮም ከም ዘሎና እውን ብተደጋጋሚ ይመኽረና እዩ። ዘሌዋውያን 19:32፡ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንኣረጋዊ ኣኽብሮ፡ ንኣምላኽካ እውን ፍርሃዮ” ትብል። ምሳሌ 16:31 እውን፡ “ብመገዲ ጽድቂ ኺርከብ ከሎስ፡ ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ እዩ” ትብለና። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንዓብዪ ሓው ከም ኣቦኡ ገይሩ ኺምዕዶ እምበር፡ ኪዝልፎ ኸም ዘይብሉ ምዒድዎ እዩ። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ጢሞቴዎስ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣሕዋት እተወሰነ ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ፡ ንዓታቶም ብርሕራሐን ብኣኽብሮትን ኪሕዞም ይግብኦ ነበረ።

14. ንሓደ ብዕድመ ዚዓብየና ሰብ ክንመኽሮ ወይ ክንግስጾ ግቡእ ዝዀነሉ ዅነታት እንታይ እዩ፧

14 ይኹን እምበር፡ እዚ ስርዓታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚዓዪ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ዓብዪ ሰብ ደይ መደይ ኢሉ ሓጢኣት ዚፍጽም ወይ ከኣ የሆዋ ዘይፈትዎ ነገራት ዜስፋሕፍሕ እንተ ዀይኑ፡ ስቕ ኢልና ኽንርእዮ ኣሎናዶ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ብደጋዊ ትርኢት ኣይፈርድን እዩ፣ ሓደ ሰብ ብዕድመ ዝደፍአ ስለ ዝዀነ ጥራይ ከኣ ነቲ ደይ መደይ ኢሉ ዚፍጽሞ ሓጢኣት ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:20 ዘሎ፡ “ሓጥእ ድማ ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ኪርገም እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ኣስተብህለሉ። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እውን ተመሳሳሊ ስርዓት ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 9:5-7) ስለዚ፡ እቲ ወትሩ ኼገድስና ዘለዎ ቐንዲ ነገር፡ ነቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ የሆዋ ኣምላኽ ኣኽብሮት ምርኣይ ኪኸውን ኣለዎ። (ዳን. 7:9, 10, 13, 14) እቲ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ከኣ፡ ሓደ ሰብ ዕድሚኡ ብዘየገድስ፡ ምኽሪ ዜድልዮ እንተ ደኣ ዀይኑ ኸይተሰከፍና ኽንመኽሮ ትብዓት ኪህበና እዩ።—ገላ. 6:1

ንመንእሰያት ኣሕዋት ተኽብሮም ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ንመንእሰያት ኣሕዋት ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

15 ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ኣሕዋትና እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም” በሎ። (1 ጢሞ. 4:12) ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ጢሞቴዎስ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ከቢድ ሓላፍነታት ኪፍጽም መዚዝዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ምኽሪ እዚ ዝሃበሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ እቲ ኼመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ንመንእሰያት ኣሕዋትና ብዕድሚኦም ክንፈርዶም የብልናን። ጐይታና የሱስ እውን ከይተረፈ፡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብምሉኡ ዝፈጸመ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኡ ኸሎ እዩ።

16, 17. (ሀ) ሽማግለታት፡ ሓደ ሓው ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኪኸውን ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ዚውስኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ውልቃዊ ወይ ባህላዊ ኣረኣእያ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጋጮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ ዝዓበናሉ ባህሊ ንመንእሰያት ኣትሒቱ ዚርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ንብቑዓት መንእሰያት ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ኪዀኑ ምሕጻይ ይኸብዶም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኺምዘዝ እንተ ወሓደ ወዲ ኽንደይ ዓመት ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየለ ዅሎም ሽማግለታት ኪዝክሩ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9) ሓደ ሽማግለ ብባህሊ ተጸልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዜውጽእ እንተ ዀይኑ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን። ስለዚ፡ መንእሰያት ብቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብውልቃዊ ወይ ብባህላዊ ኣረኣእያ ኺግምገሙ የብሎምን።—2 ጢሞ. 3:16, 17

17 ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዘይኰነ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ዚጽለዉ እንተ ዀይኖም፡ ንሓደ ብቑዕ መንእሰይ ሓው ሓላፍነት ካብ ምሃብ ድሕር ምሕር ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚነብር ሓደ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኸቢድ ሓላፍነታት ተዋሂብዎ ነበረ። ሽማግለታት ጉባኤኡ እቲ መንእሰይ ሽማግለ ኪኸውን ዜኽእሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብርትዓዊ ደረጃ ኸም ዜማልእ እኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ሽማግለ ኪኸውን ግና ኣይሓጸይዎን። ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ዓበይቲ ሽማግለታት እቲ ሓው ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዚመስል ከም ሽማግለ ኺርአ ኸም ዘይክእል ተሰሚዕዎም ነበረ። እቲ ሓው ብትርኢቱ ጥራይ ሽመት ከይረኸበ ምትራፉ ዜሕዝን እዩ። እዚ ሓደ ተመክሮ ጥራይ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ መላእ ዓለም እተለምደ ኣረኣእያ ኸም ዝዀነ ጸብጻባት ይሕብር እዩ። ኣብ ውልቃዊ ወይ ኣብ ባህላዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንጽጋዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ንየሱስ ክንእዘዞን ብደጋዊ ትርኢት ምፍራድ ክንሓድጎን እንኽእል።

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረድ

18, 19. ንኻልኦት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ከም የሆዋ ንኻልኦት ብኸመይ ብዘይ ኣድልዎ ኽንርእዮም ዘሎና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። (ግብ. 10:34, 35) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኸነጥሪ ግና፡ ብቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብርን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዘኻኸሪታት ክንስዕብን ኣሎና። ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ነቲ የሱስ ደጋዊ ትርኢት ርኢና ኸይንፈርድ ዝሃበና ማዕዳ ኽንእዘዞ ኢና።—ዮሃ. 7:24

19 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ሰባት ኪፈርዶም እዩ። ግናኸ፡ ብቕኑዕ ፍርዲ ደኣ እምበር፡ ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ወይ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ ኣይኪፈርድን እዩ። (ኢሳ. 11:3, 4) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ ዚኸውን!