ታሪኽ ህይወት
ኣእዳወይ ከየውርድ ቈሪጸ እየ
ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት፡ “ኣቦ፡” “ባባ፡” “ሓወቦ” ኢሎም እዮም ዚጽውዑኒ። ወዲ 89 ዓመት ስለ ዝዀንኩ ድማ፡ ከምኡ ኢሎም ኪጽውዑኒ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብለኒ። እዚ ናይ ፍቕሪ መግለጺታት እዚ፡ የሆዋ ን72 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስለ ዘገልገልክዎ ዝሃበኒ ዓስቢ ገይረ እየ ዚቘጽሮ። ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ድማ፡ ንመንእሰያት፡ ‘ኣእዳውኩም እንተ ዘየውሪድኩም፡ ተግባርኩም ዓስቢ ኺረክብ እዩ’ ኢለ ኸረጋግጸሎም እኽእል እየ።—2 ዜና 15:7፡ እ.ጽ.።
ወለደይን ኣሕዋተይን
ወለደይ ካብ ዩክረይን እዮም ናብ ካናዳ ግዒዞም። ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ማኒቶባ እትርከብ ከተማ ሮስበርን ድማ ተቐመጡ። እታ ፈቃር ኣደይ፡ ማንታ ዘይብሎም 8 ኣወዳትን 8 ኣዋልድን እያ ወሊዳ። ኣነ ድማ መበል 14 እየ። ኣቦይ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈቱ ነበረ። ሰንበት ሰንበት ንግሆ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበልና ነበረ። ይኹን እምበር፡ ንሃይማኖታት ከም መሸቀጢ ገይሩ ይርእየን ነበረ። “ንየሱስ ስለ ዝሰበኸን ስለ ዝመሃረን መን ከፊልዎ፧” ኢሉ ብምሕታት ድማ ይዋዘ ነበረ።
ኣርባዕተ ኣሕዋተይን ኣርባዕተ ኣሓተይን ሓቂ ተቐቢሎም እዮም። ሮዝ ዝስማ ሓብተይ ከኣ ክሳዕ ዕለተ ሞታ ፈላሚት ነበረት። ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ህይወታ ንዅሉ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ኬቕልቡሉ ተተባብዕ ነበረት፣ “ኣብ ሓዳስ ዓለም ክርእየኩም እደሊ እየ” ድማ ትብሎም ነበረት። ተድ ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ከኣ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ዚሰብኽ ሰባኺ እዩ ነይሩ። ሰንበት ሰንበት ንግሆ፡ ብራድዮ ይሰብኽ ነበረ። ንሰማዕቱ ኸኣ፡ ሓጥኣን ኣብቲ ዘይቅህም ሓዊ ዘለዎ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዚቃጸሉ ኣበርቲዑ ይነግሮም ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ እሙንን ቀናእን ኣገልጋሊ የሆዋ ዀነ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝጀመርኩ
ኣብ ሰነ 1944፡ ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ ዘ ካሚን ዎርልድ ጀነሬሽን * ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣብ መመገቢ ኽፍልና ኣብ ዝነበረ ሰደቓ ጸንሓትኒ። ፈለማ ነታ ናይ መጀመርታ ገጽ፡ ቀጺለ ነታ ኻልአይቲ ገጽ ኣንበብክዋ። ድሕሪኡ ግና ነቲ ንባበይ ከቋርጾ ኣይከኣልኩን። ንብምልእታ እታ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብክዋ ኸኣ፡ ከም የሱስ ንየሆዋ ኸገልግሎ ምሉእ ድሌት ሓደረኒ።
እታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣብ ሰደቓና ዝረኸብክዋ ስለምንታይ እየ፧ እቲ ስቲቭ ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ጽሑፋት ካብ “ዚሸጡ” ኽልተ ሰባት ከም ዝዓደጋ ነገረኒ። “ዋጋኣ ሓሙሽተ ሳንቲም ጥራይ ስለ ዝነበረ እየ ዓዲገያ” ኸኣ በለ። ኣብታ ቐጺላ
ዝነበረት ሰንበት፡ እቶም ሰባት ተመሊሶም መጹ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑን ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ሰባት ንዜልዕልዎ ሕቶታት ምላሽ ከም ዚህቡን ድማ ነገሩና። እዚ ኸኣ ባህ ኣበለና፣ ከመይሲ፡ ወለድና ቓል ኣምላኽ እነኽብር ውሉዳት ገይሮም እዮም ኣዕብዮምና። እቶም ክልተ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዊኒፐግ ዓብዪ ኣኼባ ኸም ዚገብሩ ነገሩና። እታ ኤልሲ ዝስማ ሓብተይ ድማ ኣብኡ እያ ትነብር ነይራ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኽካፈል ወሰንኩ።ብብሽክለታ 320 ኪ.ሜ. ተጓዒዘ ናብ ዊኒፐግ ክኸይድ ከለኹ፡ ንእግረ መገደይ እቶም ናብ ቤትና መጺኦም ዝነበሩ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚነብሩላ ኸተማ ከልዉድ ኣላገስኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ኣኼባ ተኻፈልኩ፣ ጉባኤ እንታይ ምዃኑ ድማ ፈለጥኩ። ብዘይካዚ፡ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ መንእሰይ ኰታስ ኵሉ ሰብ ከም የሱስ ኣብ በቤት እናኸደ ኺምህር ከም ዘለዎ እውን ተገንዘብኩ።
ኣብ ዊኒፐግ ነቲ ጃክ ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ረኸብክዎ። ንሱ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺካፈል ካብ ሰሜናዊ ኦንታርዮ እዩ መጺኡ ነይሩ። ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እቲ ኣኼባ፡ ሓደ ሓው ጥምቀት ከም ዚህሉ ምልክታ ነገረ። ኣነን ጃክን ከኣ ኣብቲ ኣኼባ ኽንጥመቕ ወሰንና። ክልቴና ምስ ተጠመቕና ብኡብኡ ፈለምቲ ኽንከውን ቈሪጽና ነበርና። ጃክ ድማ ደድሕሪ እቲ ኣኼባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ኣነ ግና ወዲ 16 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ናብ ትምህርተይ ክምለስ ነበረኒ። ይኹን እምበር፡ ንዓመታኡ ስሩዕ ፈላሚ ዀንኩ።
ዝረኸብክዎ ትምህርቲ
ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ማኒቶባ እትርከብ ከተማ ሱሪስ ምስ ስታን ኒኮላስ ብሓባር ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ዕዮ ፈላምነት ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ተገንዘብኩ። ገንዘብ ይውድኣና እኳ እንተ ነበረ፡ ስብከትና ግና ኣየቋረጽናን። ሓደ እዋን ምሉእ መዓልቲ ኽንሰብኽ ምስ ወዓልና፡ ናብ ቤት ክንምለስ ከለና ጥር እትብል ሳንቲም ኣይነበረትናን፡ ኣዚና ጠሚና ኸኣ ነበርና። ኣብ ኣፍ ደገ ቤትና ምግቢ ዝመልአ ኣቕሓ ተቐሚጡ ምስ ረኸብና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ክሳዕ ሕጂ ነቲ ምግቢ መን ከም ዘቐመጠልና ኣይንፈልጥን ኢና። በታ ምሸት እቲኣ፡ ከም ነገስታት ክሳዕ እንጸግብ ኢና በሊዕና። ኣእዳውና ሳላ ዘየውረድና ዝረኸብናዮ ኸመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ! ወረግ ኣብታ ወርሒ እቲኣስ ቅድሚኡ በጺሐዮ ዘይፈልጥ ክብደት እየ ወሲኸ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ናብታ ብሰሜናዊ ሸነኽ ሱሪስ 240 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ ጊልበርት ፕለይንስ ተመደብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዝነበራ ዅለን ጉባኤታት፡ ናይ ወወርሒ ንጥፈታት ኣገልግሎት ወፍሪ ዜርኢ ዓብዪ ሰሌዳ ኣብ መድረኽ ይቕመጥ ነበረ። ናይ ሓንቲ ወርሒ ንጥፈታት ምስ ጐደለ ኸኣ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትን ዝያዳ ኺዓይዩ ኸም ዘለዎም ዜጕልሕ መደረ ነታ ጉባኤ ሃብኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሓንቲ ሰብኣያ ኣብ ሓቂ ዘይነበረ ብዕድመ ዝደፍአት ስርዕቲ ፈላሚት ሓብቲ ኣዒንታ ንብዓት ቅጽርጽር እናበላ፡ “ብዙሕ እየ ጽዒረ፡ ልዕሊ እዚ ግና ክገብር ኣይከኣልኩን” በለትኒ። ኣነ ድማ በኸኹ፡ ይቕረታ ኸኣ ሓተትክዋ።
ኣብ ህይወተይ ከም ዝረኣኽዎ፡ ድልዱላት መንእሰያት ኣሕዋት ብመንፈሳዊ መዳይ ብቐሊሉ ሸተት ኢሎም ኪወድቁን ኪሕለሉን ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣእዳውካ ኣብ ክንዲ እተውርድ፡ ካብ ጌጋኻ ኽትምሃር፡ ዝሓሸ ምዃኑ ብተመክሮ ርእየዮ እየ። ንቕድሚት ክትስጕም ከለኻ ድማ ነቲ እተምሃርካዮ ትምህርቲ ኽትዝክሮ ኣሎካ። ከመይሲ፡ ብተኣማንነት እትገብሮ ነገራት ዓስቢ ትረኽበሉ ኢኻ።
ኣብ ኵበክ ዝገበርናዮ ቓልሲ
ወዲ 21 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ መበል 14 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ፍሉይ መሰል ብምርካበይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ኣብ ለካቲት 1950 ከኣ ተመረቕኩ። ርብዒ ኻብቶም መማህርተይ ናብታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ፈረንሳይኛ ዚዝረበላ ኣውራጃ ኵበክ ተመደቡ። ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምጽራር የጋጥሞም ነበረ። ኣነ ድማ ናብታ ዕደና ወርቂ ዚካየደላ ኸተማ ቫል-ዶር ተመደብኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ብጕጅለ ዄንና ናብታ ኣብ ቀረባና እትርከብ ቍሸት ቫን-ሰንቪለ ኽንሰብኽ ከድና። ካህን እቲ ኸባቢ፡ ካብታ ቝሸት ቀልጢፍና እንተ ዘይወጺእና፡ ብጐነጽ ከም ዜውጽኣና ኣፈራርሃና። እቲ ምፍርራሁ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምርሐ፡ ኣነ ድማ ከም ከሳሲ ዀይነ ቐረብኩ። እቲ ኻህን ከኣ ተቐጽዐ። *
እዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታትን፡ ክፋል እቲ “ኣብ ኵበክ ዝገበርናዮ ቓልሲ” እዩ። ኣውራጃ ኵበክ ንልዕሊ 300 ዓመት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እያ ነይራ። ካህናትን ፖለቲካውያን መሻርኽቶምን ድማ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ መስጐጕቲ
ኣውሪዶምሎም እዮም። እቲ ግዜ እቲ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፣ ብቝጽሪ ድማ ሒደት ኢና ኔርና። ይኹን እምበር፡ ኣእዳውና ኣየውረድናን። ቅኑዕ ዝልቦም ደቂ ኵበክ ከኣ ንመልእኽትና ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ንብዙሓት ውልቀ ሰባት መጽናዕቲ መሪሐሎም እየ። ንኣብነት፡ ዓሰርተ ኣባላት ንዝነበርዋ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሐላ እየ። ብምልእታ እታ ስድራ ቤት ከኣ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ጀመረት። እቲ ብትብዓት ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ካልኦት ሰባት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኪሓድግዋ ደሪኽዎም እዩ። ብቐጻሊ ስለ ዝሰበኽና፡ ኣብቲ ቓልሲ ተዓዊትና ኢና።ንኣሕዋት ብቛንቋኦም ስልጠና ምሃብ
ብ1956 ናብ ሀይቲ ተመደብኩ። እቶም ናብታ ሃገር እተመደቡ መብዛሕትኦም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ደርጐስጐስ እናበሉ ፈረንሳይኛ ኺምሃሩ ኸለዉ፡ ሰባት ንመልእኽቶም ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም ነበሩ። ስታንሊ ቦገስ ዝስሙ ሚስዮናዊ፡ “ሓሳብና ኽንገልጽ ክንጽዕር ከለና፡ ሰባት ብዚከኣሎም መጠን ይሕግዙና ምንባሮም ገሪሙና እዩ” በለ። ኣብ ኵበክ ፈረንሳይኛ ተማሂረ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ፈለማ ሓጊዙኒ እዩ። ደሓር ግና፡ መብዛሕትኦም ኣሕዋት ክሪዮል ሀይቲ ጥራይ ከም ዚዛረቡ ፈለጥኩ። ስለዚ፡ ከም ሚስዮናውያን መጠን ዕዉታት ክንከውን እንተ ደኣ ዄንና፡ ናይቲ ዓዲ ቛንቋ ኽንምሃር ከም ዘሎና ተገንዘብና። ሳላ ኸምኡ ዝገበርና ድማ ብዙሕ ተባሪኽና ኢና።
ንኣሕዋትና ብዝያዳ ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ንኻልእ ጽሑፋትን ናብ ክሪዮል ሀይቲ ኽንትርጕም ፈቐደልና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቍጽሪ ተኣከብቲ ብቕልጡፍ ወሰኸ። ብ1950 ኣብታ ሃገር 99 ኣስፋሕቲ ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ 1960 ግና ቍጽሮም ናብ ልዕሊ 800 ወሰኸ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ተመዲበ ነበርኩ። ብ1961 ከኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክምህር ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ን40 ሓለውቲ ጉባኤታትን ፍሉያት ፈለምትን ስልጠና ሂብና ኢና። ኣብቲ ኣብ ጥሪ 1962 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንኣሕዋት ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኣተባባዕናዮም። ገሊኦም ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዀኑ። እዚኣቶም ኣብቲ ምጽራር ኣንጸላልዩሉ ዝነበረ ወሳኒ ግዜ እዮም ተሸይሞም።
ብ23 ጥሪ 1962፡ ደድሕሪ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣነን ኣንድሪው ዲኣሚኮ ዝስሙ ሚስዮናውን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር * እቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ዝሰልጠኑ ኣሕዋት ግና ነቲ ዕዮ ብዜደንቕ መገዲ ቐጸልዎ። ሎሚ፡ ነቲ ዘርኣይዎ ተጻዋርነትን መንፈሳዊ ዕቤት ክሓስብ ከለኹ፡ ምሳታቶም እሕጐስ እየ። ሕጂ ብክሪዮል ሀይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብቲ እዋን እቲ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ።
ተኣሰርና፡ ናይ 8 ጥሪ 1962 መጽሔት ንቕሑ! (ፈረንሳይኛ) ድማ ተገበተ። ንቕሑ! ካብ ጋዜጣታት ፈረንሳይኛ ጠቒሳ፡ ኣብ ሀይቲ ቩዱ ዚብሃል ዓይነት ጥንቈላ ልሙድ ምዃኑ ገሊጻ ነበረት። ገሊኦም ሰባት ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይፈተውዎን፣ እታ ዓንቀጽ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከም እተጻሕፈት ድማ ሓሲቦም ነበሩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ከኣ፡ ሚስዮናውያን ካብታ ዓዲ ተጠረዙ።ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ምህናጽ
ኣብ ሀይቲ ምስ ኣገልገልኩ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ጸኒሑ፡ ገያሺ ሓላዊ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሓላው ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መብዛሕትኡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብኣዝዩ ቕልል ዝበለ መገዲ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ካብ ጫካ ብኸመይ ሳዕሪ ኸም ዝእክብን ብኸመይ ናሕሲ ኸም ዝሰርሕን ድማ ተምሃርኩ። ሓለፍቲ መገዲ ነዚ ዕዮ እዚ ኽዓዪ ኺርእዩኒ ኸለዉ ይገርሞም ነበረ። ንኣሕዋት ከኣ ኣብ ዕዮ ህንጸትን ጽገናን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ኺዓይዩ አተባብዖም ነበርኩ። መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናሕሲ ኣብያተ ክርስትያናቶም ብዚንጎ እተሰርሐ ስለ ዝዀነ፡ ናትና ግና ከምኡ ስለ ዘይኰነ የላግጹልና ነበሩ። ንሕና ግና በዚ ኸይተሓለልና፡ ብሳዕሪ እተሰርሐ ናሕሲ ዘለዎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽ ቀጸልና። ሓደ እዋን ኣብታ ባንጒ እትብሃል ርእሰ ኸተማ ህቦብላ ምስ ኣጋጠመ፡ እቲ ላግጺ ደው በለ። እቲ ህቦብላ ነቲ ናሕስታት ዚንጎ ኣልዒሉ ናብ ጐደናታት እታ ኸተማ ደርበዮ። እቲ ብሳዕሪ እተሰርሐ ናሕስታት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን። ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ፡ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ቤት ሚስዮናውያንን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ ሃነጽና። *
ቅንኣት ምስ ዘለዋ ሓብቲ ሓዳር ገበርኩ
ብ1976 ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚካይድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እተኣገደ፡ ናብታ ርእሰ ኸተማ ጫድ ዝዀነት እንጃሜና ተመደብኩ። እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ ኣብኡ ኻብ ካመሩን ምስ ዝመጸት ሃፒ ዝስማ ቐናእ ፍልይቲ ፈላሚት ተራኸብኩ። ብ1 ሚያዝያ 1978 ድማ ተመርዓና። ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ውግእ ሓድሕድ ተላዕለ፣ ምስ ካልኦት ከኣ ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ሃደምና። እቲ ውግእ ኣብቂዑ ናብ ቤት ምስ ተመለስና፡ ቤትና ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ጕጅለ ሰራዊት ኰይኑ ጸንሓና። ጽሑፋትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሃፒ ኽዳን መርዓኣን ካልእ ህያባት መርዓናን እውን ጠፊኡ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣእዳውና ኣየውረድናን። ተሓጋጊዝና እንዓዮ ዝያዳ ዕዮ ይጽበየና ነበረ።
ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ። ናብኡ ተመሊስና ኸኣ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ጀመርና። ኣብ ማኪና ድማ ንነብር ነበርና። ኣብታ ማኪና፡ 200 ሊትሮ ማይ ዚሕዝ በርሚልን ብጋዝ ዚሰርሕ መዝሓልን ብላምባ እትዓዪ ምድጃን ነበረ። ጕዕዞ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ዳርጋ 117 ኣብ ዚኸውን መፈተሺ ነቝጣ ፖሊስ ደው ኢልና ኢና።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ መጠን ሙቐት ናብ 50 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይድይብ ነበረ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ከኣ፡ ንጥምቀት ዚኸውን እኹል ማይ ምርካብ ንሽገር ነበርና። ስለዚ፡ ኣሕዋት ኣብ ዝነቐጸ ርባታት ኲዒቶም ንጥምቀት ዚኸውን ማይ የውጽኡ ነበሩ። እቲ ጥምቀት ከኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ በርሚል እዩ ዚግበር ነይሩ።
ተወሳኺ ዕዮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ
ብ1980 ናብ ናይጀርያ ተቐየርና። ኣብኡ ድማ፡ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ኣብ ምድላዋት ህንጸት ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሓገዝና። ኣሕዋትና ሓደ ደርቢ ዘለዎ መኽዘን ዓዲጎም ነበሩ። ነቲ መኽዘን ፈናጢሕና ኸኣ ኣብቲ ህንጸት ዚካየደሉ ኸም ብሓድሽ ከነለጋግቦ ነበረና። ሓደ ንግሆ ኸኣ፡ ነቲ መኽዘን ኣብ ምፍንጣሕ ኪሕግዝ ኢለ ናብ ላዕሊ ደየብኩ። ኣብ ከባቢ ፋዱስ ከኣ ናብ ታሕቲ ገጸይ ክወርድ ጀመርኩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ነገር ሞላሊቝ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ባይታ ወደቕኩ። ብዙሕ እተጐዳእኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ራጂ ምስ ተራኣኹ ግና፡ እቲ ሓኪም ንሃፒ፡ “ኣይትሻቐሊ። መላግቦታቱ ጥራይ እዩ ተሃስዩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኪሓዊ እዩ” በላ።
ብ1986 ናብ ኮት ዲቭዋር ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ኣብ ዕዮ መገሻ ኣገልገልና። በቲ ዕዮ እቲ ድማ ክሳዕ ቡርኪና ፋሶ ኸድና። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ቡርኪና ፋሶ ንግዜኡ ዓድና ኸም እትኸውን ኣይሓሰብኩን ነይረ።
ብ1956 እየ ኻብ ካናዳ ወጺአ። ብ2003 ድማ ድሕሪ 47 ዓመት ምስ ሃፒ ናብ ቤት-ኤል ካናዳ ተመለስኩ። ብወረቐት ካናዳውያን እኳ እንተ ዀንና፡ ንሕና ግና ኣፍሪቃውያን ከም ዝዀንና እዩ ዚስምዓና።
ድሕሪኡ፡ ብ2007 ወዲ 79 ዓመት ከለኹ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ኣፍሪቃ ተመለስኩ። ናብ ቡርኪና ፋሶ ድማ ተመደብና። ኣብኡ ኸኣ ከም ኣባል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይነ ኣገልገልኩ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ትሕቲ በኒን ናብ ዚመሓደር ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ስለ እተቐየረ፡ ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ በኒን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ተመደብና።
ድሩት ኣካላዊ ዓቕሚ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ካብ ልበይ ኣገልግሎት እፈቱ እየ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት፡ ብሓገዝ ሽማግለታትን ብፍቕራዊ ደገፍ ብዓልቲ ቤተይን፡ ዛድዮንን ፍራዚስን ዚብሃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዖም ተምሃሮ ተጠሚቖም እዮም። ሎሚ ድማ ብቕንኣት ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ።
ሕጂ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ቤት-ኤል ደቡብ ኣፍሪቃ ተመዲብና ኣለና። ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘሎኒ ድማ፡ ኣብኡ ዘለዉ ስድራ ቤት-ኤል ብሕያውነት ይኣልዩኒ ኣለዉ። ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ምግልጋል መሰል ዝረኸብኩላ ሻውዐይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ኣብ ጥቅምቲ 2017 ከኣ ዜደንቕ በረኸት ረኸብና። ኣብ ወፈያ እቲ ኣብ ዎርዊክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኽንእከብ ከኣልና። እዝስ ከመይ ዝበለ ዘይርሳዕ ፍጻመ ዀን እዩ!
መጽሓፍ ዓመት 1994 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 255፡ “ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ዕዮ ብተጻዋርነት ዘገልገልኩም ኵላትኩም፡ ‘ተግባርኩም ዓስቢ ኺረክብ እዩ እሞ፡ በርትዑ፡ ኣእዳውኩም ኣይተውርዱ’ ኢልና ንላበወኩም።—2 ዜና 15:7” ዚብል ሓሳብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። ኣነን ሃፒን እውን ነዚ ለበዋ እዚ ኽንስዕብን ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ኸነተባብዕን ቈሪጽና ኢና።
^ ሕ.ጽ. 9 ብ1944 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።
^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ ናይ 8 ሕዳር 1953 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 3-5 ዝወጸት፡ “ኵበክ ፕሪስት ኮንቪክትድ ፎር ኣታክ ኦን ጂሆቫስ ዊትነስስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
^ ሕ.ጽ. 23 ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዝርዝር ተመክሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1994 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 148-150 ወጺኡ ኣሎ።
^ ሕ.ጽ. 26 ኣብ ናይ 8 ግንቦት 1966 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 27 ዝወጸት፡ “ብዩልዲንግ ኦን ኤ ሶሊድ ፋውንደሽን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።