ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

“ኣይንሕለልን ኢና”!

“ኣይንሕለልን ኢና”!

“ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና።”—2 ቈረ. 4:16

መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር

መላለዪ *

1. ክርስትያናት ኣብቲ ቕድድም ህይወት ክሳብ መወዳእታ ምእንቲ ኺጐይዩ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

ክርስትያናት ኣብ ቅድድም ህይወት እዮም ዘለዉ። ነቲ ጕያ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝጀመርና ንኹን ወይ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸናሕና፡ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ክንጐዪ ኣሎና። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦ ምኽሪ፡ ኣብቲ ቕድድም ክሳብ መወዳእታ ኽንጐዪ የተባብዓና እዩ። ገሊኦም ኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ፡ እታ ጳውሎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣብ ዝበጽሓቶም እዋን፡ ንሓያሎ ዓመታት ኬገልግሉ ጸኒሖም እዮም። ጽቡቕ ይጐይዩ ነይሮም እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ብተጻዋርነት ኪጐይዩ ኸም ዜድልዮም ኣዘኻኺርዎም እዩ። ነቲ ንሱ ‘ናብቲ ሸቶ ኣቢሉ ብምግስጋስ’ ዝሓድጎ ኣብነት ኪስዕቡ ደልይዎም ነይሩ እዩ።—ፊል. 3:14

2. እቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝሃቦም ምኽሪ እዋናዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ እዋናዊ ምኽሪ እዩ ሂብዎም። እታ ጉባኤ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ተጻብኦታት ኣጋጢምዋ ነይሩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ኣምላኽ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ” ኢሉ ዘቕረበሎም ጻውዒት ተቐቢሎም፡ ብ50 ድ.ክ. ናብ ፊልጲ ኸዱ። (ግብ. 16:9) ኣብኣ ኸኣ ብስራት ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ልድያ ዝስማ ሰበይቲ ‘ትሰምዖም ነበረት፣ የሆዋ ድማ ልባ ኸፈተላ።’ (ግብ. 16:14) ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ምስ ቤተ ሰባ ተጠምቀት። ድያብሎስ ግና ስቕ ኣይበለን። ሰብ እታ ኸተማ ንጳውሎስን ንሲላስን ወጢጦም ናብቶም ኣመሓደርቲ ወሰድዎም እሞ፡ የናዕቡ ኸም ዘለዉ ገይሮም ብሓሶት ከሰስዎም። ከም ሳዕቤኑ፡ ጳውሎስን ሲላስን ተዘብጡ፡ ተኣስሩ፡ ድሕሪኡ እውን ካብታ ኸተማ ኺወጹ ሕቶ ቐረበሎም። (ግብ. 16:16-40) እሞኸ ተሓሊሎምዶ፧ ኣይተሓለሉን! እቶም ኣብታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትንከ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ንሳቶም እውን ተጻዊሮም እዮም! በቲ ጳውሎስን ሲላስን ዝሓደጉሎም ሰናይ ኣብነት ብዙሕ ተተባቢዖም ኪዀኑ ኣለዎም።

3. ጳውሎስ እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧ ሕጂኸ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ጳውሎስ ከይሕለል ቈሪጹ እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 4:16) ኣብቲ ቕድድም ክሳብ መወዳእታ ንምጕያይ ግና፡ ኣብ ሸቶኡ ኼተኵር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኻብ ኣብነት ጳውሎስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ኣብዚ ግዜናኸ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኽንጻወር ከም እንኽእል ዘርኣዩ እንታይ ኣብነታት እምነት ኣለዉ፧ ብዛዕባ መጻኢ ዘላትና ተስፋኸ ነቲ ኸቶ ኸይንሕለል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብኸመይ ከተደልድሎ ትኽእል፧

ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ይጠቕመና፧

4. ጳውሎስ ኣብ ቀያዲ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ንጡፍ ኰይኑ ዝቐጸለ፧

4 ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ክሳዕ ክንደይ ይጋደል ከም ዝነበረ እሞ ንሕሰብ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት እዩ ተኣሲሩ ነይሩ። ንምስባኽ ዝነበሮ ናጽነት ብዙሕ ተቐዪዱ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንበጻሕቱ ይምስክረሎምን ኣብ ርሑቕ ንዚርከባ ጉባኤታት ደብዳበታት ይጽሕፈለንን ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን፡ ካብ ቤቶም ኪወጹ ዘይክእሉ ብዙሓት ክርስትያናት በቲ ዝረኽብዎ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ነቶም ናብ ቤቶም ዚመጹ ሰባት የበስርዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ነቶም ብኣካል ኪርከቡ ዘይክእሉ ሰባት ዜተባብዕ ደብዳበታት ይጽሕፉሎም እዮም።

5. ጳውሎስ ብመሰረት እቲ ኣብ ፊልጲ 3:12-14 ዚርከብ ቓላቱ፡ ኣዒንቱ ኣብቲ ሸቶ ንምትኳር እንታይ ሓጊዝዎ፧

5 ጳውሎስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝዓመሞ ነገራት ኰነ ዝገበሮ ጌጋታት፡ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ናብ ካልእ ኣየስገለን። እኳ ደኣስ፡ “ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ፣ ከምኡ ኺብል ከሎ ድማ፡ ነቲ ቕድድም ብዓወት ንምዝዛም ይጽዕር ምንባሩ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ፊልጲ 3:12-14 ኣንብብ።) ገለ ኻብቲ ንጳውሎስ ካብ ሸቶኡ ኼስግሎ ዚኽእል ዝነበረ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ ቀዳማይ፡ ኣብ ኣይሁድነት ዝዓመሞ ነገራት ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ነገራት እዚ ኸም “ጐሓፍ” እዩ ቘጺርዎ። (ፊል. 3:3-8) ካልኣይ፡ ኣቐዲሙ ሰጓጕ ክርስትያናት ብምንባሩ የጣዕሶ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ጸጸት እዚ ግና ኬልምሶ ኣይፈቐደን። ሳልሳይ፡ ንየሆዋ እኹል ከም ዝገበረ ገይሩ ኣይሓስብን እዩ ነይሩ። ማእሰርትን መውቃዕትን ዳርባ እምንን ምስባር መርከብን ስእነት ምግብን ዕርቃንን እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ኣፍርዩ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-27) ይኹን እምበር፡ ክሳዕ ሽዑ ዝዓመሞ ነገራትን ዘሕለፎ መከራን ብዘየገድስ፡ ንቕድሚት ኪግስግስ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።

6. ገለ ኻብቲ ኽንርስዖ ዘሎና ‘ብድሕሬና’ ዘሎ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

6 ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ‘ነቲ ብድሕሬና ዘሎ ኽንርስዕ’ እንኽእል፧ ገሌና ኣብ ሕሉፍ ግዜ ብዝገበርናዮ ሓጢኣት፡ ቀጻሊ ጸጸት ይስምዓና ይኸውን። ከምኡ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዜተኵር ብሕታዊ መጽናዕቲ ስለምንታይ ዘይንገብር፧ ብዛዕባ እቲ ሃናጺ ጕዳይ እንተ ኣጽኒዕናን እንተ ኣስተንቲንናን እንተ ጸሊናን፡ ነቲ ዘየድሊ ጸጸት ክንንክዮ ኢና። ብሰንኪ እቲ የሆዋ ይቕረ ዝበለልና ሓጢኣት ገዛእ ርእስና ምቕጻዕ እውን ንሓድጎ ንኸውን። ሕጂ ድማ፡ ካብ ጳውሎስ እንረኽቦ ኻልእ ትምህርቲ እስከ ንርአ። ገሊኦም ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ኢሎም ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ስራሕ ሓዲጎም እዮም። ከምኡ ጌርና እንተ ዄንና፡ ናብቲ ዝሓደግናዮ ኣጋጣሚታት ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ብዓይኒ ትምኒት ብዘይምጥማት፡ ነቲ ብድሕሬና ዘሎ ኽንርስዖ ንኽእልዶ፧ (ዘሁ. 11:4-6፣ መክ. 7:10) ብዘይካዚ፡ እቲ ‘ብድሕሬና’ ዘሎ ነገራት፡ ነቲ ዝዓመምናዮ ነገራት ወይ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝሰገርናዮ ፈተናታት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኸናን ዝደገፈናን ምልስ ኢልና ምሕሳብና፡ ናብ ኣቦና ብዝያዳ ኬቕርበና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዕዮና ኸም እተወድአ ጌርና ብምሕሳብ፡ በቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕናዮ ጥራይ ዓጊብና ደው ክንብል ኣይንደልን ኢና።—1 ቈረ. 15:58

ኣብቲ ቕድድም ህይወት፡ ኣብ ሸቶና ኸነተኵር ደኣ እምበር፡ ኣብ ካልእ ነገራት ከነስግል የብልናን (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 9:24-27፡ ኣብቲ ቕድድም ህይወት ንምዕዋት እንታይ እዩ ዜድሊ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

7 ጳውሎስ ነቲ የሱስ፡ “ተጋደሉ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 13:23, 24) ከም ክርስቶስ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኺጋደል ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ቅድድም ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 9:24-27 ኣንብብ።) ኣብ ቅድድም ዚወዳደር ጐያዪ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ እዩ ዜተኵር እምበር፡ ናብ ካልእ ኣየስግልን እዩ። ንኣብነት፡ ሎሚ ኣብ ጐደናታት ከተማ ኣብ ዚግበር ውድድር ዚጐይዩ ጐየይቲ፡ ብጥቓ ማእከላት ንግድን ካልእ ኬስግል ዚኽእል ነገራትን ኪሓልፉ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ ሓደ ጐያዪ ነቲ ኣብ ድኳን ዘሎ ኣቕሑ ንምርኣይ ደው ይብልዶ፧ ኪዕወት እንተ ደልዩ፡ ከምኡ ኣይገብርን እዩ። እምበኣር፡ ኣብቲ ቕድድም ህይወት፡ ናብ ካልእ ከነስግል ኣይንደልን ኢና። ኣብ ሸቶና እንተ ኣተኲርና፡ ከም ጳውሎስ እውን እንተ ተጋዲልና፡ ተዓዊትና ነታ ሽልማት ክንረኽባ ኢና።

ነቲ ኣብ እምነትና ዜጋጥመና ጸገማት ምስጋሩ

8. ሕጂ እንታይ ሰለስተ ጸገማት ኢና ኽንምርምር፧

8 ሕጂ እምበኣር፡ ኪጐትተና ዚኽእል ሰለስተ ጸገማት እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ እተናውሐ ትጽቢትን ምንቍልቋል ኣካላዊ ብርታዐን ነዊሕ ዚቕጽል ፈተናታትን እዩ። ካልኦት ነዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ ምስ እንፈልጥ፡ ካብኡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ፊል. 3:17

9. እተናውሐ ትጽቢት ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

9 እተናውሐ ትጽቢት። ነቲ የሆዋ ዘተስፈወና ጽቡቕ ነገራት ሃረር ኢልና ኢና እንጽበዮ። እቲ ነብዪ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኣንባቆም፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ እከይ መወዳእታ ዚገብረሉ ግዜ ሃረር ይብል ከም ዘሎ ሓሳቡ ምስ ገለጸ፡ የሆዋ ንዕኡ “ተጸበዮ!” ኢሉ እዩ ኣተባቢዕዎ። (ኣን. 2:3) ይኹን እምበር፡ እንጽበዮ ነገር ዝደንጐየ እንተ መሲሉና፡ ንውዕዉዕ ስምዒትና ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ። ተስፋ እውን ክንቈርጽ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 13:12) ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ከምኡ ኣጋጢሙ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ቅቡኣት ክርስትያናት ብ1914 ሰማያዊ ዓስቦም ኪረኽቡ ተጸብዮም ነይሮም እዮም። እዚ ኸይኰነ ምስ ተረፈ ግና፡ እቶም እሙናት ዘበሉ ነቲ ዝደንጐየ ትጽቢት ዝፈጠሮ ብድሆ ብኸመይ ሰጊሮምዎ፧

ሮያል ስፓትዝን ፐርል ስፓትዝን ተስፋኦም ብ1914 ኺፍጸም ኣይረኣዩን፣ ኰይኑ ግና፡ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ቀጺሎም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ነቲ ዝደንጐየ ትጽቢት ዝፈጠሮ ብድሆ ብኸመይ ሰጊሮምዎ፧

10 ነዚ ብድሆ እዚ ዝሰገሩ ኽልተ እሙናት እስከ ከም ኣብነት ንርአ። ሓውና ሮያል ስፓትዝ ብ1908 ኣብ መበል 20 ዓመቱ ተጠምቀ። ነዊሕ ከይጸንሐ ዓስቡ ኸም ዚረክብ ሓያል እምንቶ ኣሕዲሩ ነበረ። ብ1911 ፐርል ንእትብሃል ጓል ንመርዓ ኺሓትታ ኸሎ፡ “ብ1914 እንታይ ከም ዚኸውን ትፈልጢ ኢኺ። ክንምርዖ እንተ ዄንና፡ ቀልጢፍና ንመርዖ!” ኢልዋ ነይሩ እዩ። እሞኸ እዞም ክርስትያን ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ብ1914 ሰማያዊ ዓስቦም ከይረኸቡ ምስ ተረፉ፡ ኣብቲ ቕድድም ህይወት ተሓሊሎምዶ፧ ኣይፋልን፣ ምኽንያቱ፡ ቀንዲ ሸቶኦም ዓስቦም ምርካብ ዘይኰነ፡ ብተኣማንነት ፍቓድ የሆዋ ምግባር እዩ ነይሩ። ነቲ ቕድድም ብተጻዋርነት ኪጐይዩ ቘሪጾም እዮም ነይሮም። ሮያልን ፐርልን ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡ፡ ንጡፋት ኰይኖም ብተኣማንነት ኣገልጊሎም እዮም። ንስኻ እውን ነቲ ስም የሆዋ ኻብ ጸርፊ ናጻ ዚዀነሉን ልዑላውነቱ ዚረጋገጸሉን ኵሉ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዚፍጽመሉን እዋን ሃረር ኢልካ ትጽበዮ ኢኻ። እዚ ነገራት እዚ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኸም ዚፍጸም ኣይትጠራጠር። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ በቲ እተናውሐ ትጽቢት ተስፋ ኸይቈረጽና ወይ ከይተጐተትና ንኣምላኽና ኣብ ምግልጋል ትሑዛት ንኹን።

ኣርተር ሲኮርድ ብግዜ እርጋኑ እኳ ኸይተረፈ ኺግስግስ ይደሊ ነበረ(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11-12. ኣካላዊ ብርታዐና ኣንቈልቊሉ ኽነሱ ንቕድሚት ክንግስግስ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

11 ምንቍልቋል ኣካላዊ ብርታዐ። ብመንፈሳዊ መዳይ እናበርታዕካ ምእንቲ ኽትከይድ፡ ከም ጐያዪ ኣካላዊ ብርታዐ ኣየድልየካን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣካላዊ ብርታዐኦም ዘንቈልቈለ ብዙሓት ሰባት፡ ብመንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ሓያል ቈራጽነት ኣለዎም። (2 ቈረ. 4:16) ንኣብነት፡ 88 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓውና ኣርተር ሲኮርድ * ኣብ ቤት-ኤል 55 ዓመት ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣሪጉን ደኺሙን ነበረ። ሓደ እዋን ከኣ፡ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ክትከናኸኖ ናብኡ ኸደት። ሽዑ፡ ናብኡ ብለውሃት እናጠመተት፡ “ሓውና ሲኮርድ፡ እዚ ሰብነት እዚ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ” ኢላ ተዛረበቶ። ኣርተር ግና ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኣይኰነን ዜተኵር ነይሩ። ዓይኒ ዓይና እናጠመተ፡ ፍሽኽ በለ እሞ፡ “እወ፡ ሓቅኺ። ግናኸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ኣይኰነን ዜገድስ። ካብ ሕጂ ንደሓር እንገብሮ እዩ ዜገድስ” ኢሉ መለሰላ።

12 ምናልባት ንየሆዋ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊልካ ትኸውን፣ ሕጂ ኸኣ ጥዕናኻ እናኣንቈልቈለ ብምኻዱ ኸም ቀደምካ ኸተገልግል ኣይትኽእልን ትኸውን። ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሆዋ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተኣማንነት ዝገበርካዮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኹን። (እብ. 6:10) ብዛዕባ እቲ ሕጂ እትገብሮ ድማ፡ ብምሉእ ነፍስኻ እትህቦ ተወፋይነት በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትገብሮ መጠን ከም ዘይልካዕ ዘክር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕምቈት ተወፋይነትና በቲ እነርእዮ ኣወንታዊ መንፈስን በቲ ብዓቕምና እንገብሮ ነገራትን እዩ ዚርአ። (ቈሎ. 3:23) የሆዋ ዓቕምና ይርድኦ እዩ፣ ልዕሊ ዓቕምና እውን ኣይጽበየናን እዩ።—ማር. 12:43, 44

ኣናቶሊ መልኒክን ሊዲያ መልኒክን ብዙሕ ሽግራት ኣጓኒፍዎም ክነሱ፡ ብተኣማንነት ተጻወሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ብዙሕ ፈተናታት እናኣሕለፍና ኽነስና፡ ተመክሮ ኣናቶሊን ሊዲያን ናብ ቅድሚት ክንግስግስ ዜተባብዕና ብኸመይ እዩ፧

13 ነዊሕ ዚቕጽል ፈተናታት። ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ሽግርን መስጐጕትን ተጻዊሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣናቶሊ መልኒክ * ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ኣቦኡ ተኣሲሩ ናብ ሳይበርያ ተሓየረ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብቲ ስድራ ቤቱ ዚነብሩሉ ሞልዶቫ ኣስታት 7,000 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ተወስደ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣናቶሊን ኣዲኡን ኣቦሓጎኡን እኖሓጎኡን ናብ ሳይበርያ ተሓየሩ። ጸኒሖም፡ ኣብ ካልእ ቍሸት ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ብግዜ ውርጪ ብርቱዕ ቀዝሒ ኣብ ዚህልወሉ እዋን 30 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ኪጐዓዙ ነበሮም። ድሕርዚ ድማ፡ ሓውና ኣናቶሊ ኻብ ሰበይቱ ሊዲያን ጓል ሓደ ዓመት ጓሎምን ተፈልዩ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕለፈ። ንሱን ስድራ ቤቱን ንሓያሎ ዓመታት ሽግራት እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ ንቕድሚት ካብ ምግስጋስ ግና ኣየቋረጹን። ሕጂ፡ ኣናቶሊ ወዲ 82 ዓመት እዩ፣ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ማእከላይ እስያ ኸኣ የገልግል ኣሎ። እምበኣር፡ ኣብነት ኣናቶሊን ሊዲያን ብምስዓብ፡ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ብቐጻሊ እናተጻወርና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለና ዅሉ ንግበር።—ገላ. 6:9

በቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ንደረኽ

14. ጳውሎስ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧

14 ጳውሎስ ነቲ ቕድድም ከም ዚውድኦን ኣብ ሸቶኡ ኸም ዚበጽሕን እምንቶ ነይርዎ እዩ። ቅቡእ ክርስትያን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ “ናይ ላዕሊ ጽውዓ” ንምርካብ ተስፋ ይገብር ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ፡ ‘ኪግስግስ’ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ፊል. 3:14) ንሰብ ፊልጲ ድማ ኣብ ሸቶኦም ከም ዜተኵሩ ንምግባር ሓደ ማራኺ ምሳሌ ተጠቒሙ እዩ።

15. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ኪግስግሱ’ ኼተባብዖም ከሎ፡ ንጕዳይ ዜግነት እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ዜግነቶም ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ፊል. 3:20) እዚ ዜግነት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሮማዊ ዜግነት ዓብዪ ብልጫ ነይርዎ እዩ። * ይኹን እምበር፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣዝዩ ዝዓበየ ረብሓታት ዜምጽእ ኣጸቢቑ ዝሓሸ ዜግነት ነይርዎም እዩ። ሮማዊ ዜግነት ምስኡ ኺነጻጸር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “ነቲ ብስራት ክርስቶስ ከም እትበቕዑ ኸም ዜጋታት ኴንኩም ተመላለሱ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ (ፊል. 1:27፡ እ.ጽ.) ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ናብቲ ኣብ ሰማይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘለዎም ሸቶ ኺግስግሱ ኸለዉ፡ ሰናይ ኣብነት ይዀኑና እዮም።

16. ተስፋና ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ይኹን ብዘየገድስ፡ ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7 እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ተስፋና ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ይኹን ብዘየገድስ፡ ናብቲ ሸቶ ኽንግስግስ ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ናብቲ ብድሕሬና ዘሎ ኽንጥምት የብልናን፣ በቲ በጺሕናዮ ዘለና ኻብ ምምልላስ ድማ ንድሕሪት ኣይንበል። (ፊል. 3:16) ትጽቢትና ዚፍጸመሉ እዋን ዝደንጐየ ኺመስል፡ ወይ ኣካላዊ ብርታዐና ኼንቈልቍል ይኽእል እዩ። ንብዙሕ ዓመታት ሽግርን መስጐጕትን ተጻዊርና እውን ክንከውን ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ‘ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይንጨነቕ።’ ኣብ ክንዳኡስ፡ ልማኖና ብጸሎትን ብምህለላን ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ ንሱ ኸኣ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ሰላም ኪህበና እዩ።ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 ከምቲ ናብ መወዳእታ ምስ ቀረበ ዚጋደል ጐያዪ፡ ነቲ ቕድድም ህይወት ክሳብ መወዳእታ ኣብ ምጕያይ ምሉእ ብምሉእ ነተኵር። ዓቕምናን ኵነታትና ኽሳዕ ዚፈቕደልና፡ ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዜደንቕ ነገር ንምግስጋስ ንጋደል። እሞ ደኣ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንምግስጋስን ፍጥነትና ኸይነከና ንምጕያይን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ግቡእ ቀዳምነታት ክንሰርዕን ‘ዚሓይሽ ክንምርምርን’ ክትሕግዘና እያ።—ፊል. 1:9, 10

መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ከም ክርስትያናት መጠን ወትሩ ኽንዓብን ክንመሓየሽን ንደሊ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ከይሕለሉ ተማሕጺንዎም እዩ። እታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ ደብዳበኡ፡ ኣብቲ ንህይወት እንገብሮ ቕድድም ብተጻዋርነት ክንጐዪ ዚድርኽ መተባብዒ ሒዛ ኣላ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ቓላት ከመይ ጌርና ኽንትግብሮ ኸም እንኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ 15 ሰነ 1965 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ “ቅኑዕ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ዘበርከትክዎ እጃም” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ዝወጸ ታሪኽ ህይወት ሓውና ኣርተር ሲኮርድ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 2004 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ “ንኣምላኽ ምፍቃር ካብ ቍልዕነተይ ተማሂረ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ዝወጸ ታሪኽ ህይወት ሓውና ኣናቶሊ መልኒክ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ፊልጲ ግዝኣት ሮሜ ስለ ዝነበረት፡ ነበርቲ እታ ኸተማ እተወሰነ መሰላት ዜጋታት ሮሜ ነይርዎም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ንሰማዕቱ ትርጉም ዘለዎ እዩ ነይሩ።