ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33

እቶም “ዚሰምዑኻ” ኺድሕኑ እዮም

እቶም “ዚሰምዑኻ” ኺድሕኑ እዮም

“ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር። ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞ. 4:16

መዝሙር 67 “ነቲ ቓል ስበኽ”

መላለዪ *

1. ኵላትና ንቤተ ሰብና እንታይ ኢና እንምነየሎም፧

ፖሊን * ዝስማ ሓብቲ፡ “ሓቂ ኻብ ዝፈለጥኩሉ እዋን ኣትሒዘ፡ ኵሎም ቤተ ሰበይ ምሳይ ኣብ ገነት ኪዀኑ እዩ ድሌት ሓዲሩኒ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ምናዳ ወይን ዝስሙ ሰብኣየይን ንእሽቶ ወድናን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኺሓብሩኒ እደሊ ነይረ እየ” ትብል። ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ ዘይፈለጥዎን ዘየፍቀርዎን ቤተ ሰብ ኣለዉኻዶ፧ ንስኻ እውን ከምቲ ፖሊን ብዛዕባ ቤተ ሰባ እተሰምዓ ዓይነት ስምዒት ይህልወካ ይኸውን።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

2 ንቤተ ሰብና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኸነገድዶም ኣይንኽእልን ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣእምሮኦምን ልቦምን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኪኸፍቱ፡ ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 3:14, 15) እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ንቤተ ሰብና ኽንምስክረሎም ዘሎና፧ ስለምንታይ ኢና ኽንርድኣሎም ዘሎና፧ ቤተ ሰብና ኸማና ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

ስለምንታይ ንቤተ ሰብና ንምስክረሎም፧

3. ብመሰረት 2 ጴጥሮስ 3:9፡ ስለምንታይ ኢና ንቤተ ሰብና ኽንምስክረሎም ዘሎና፧

3 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ነዚ ስርዓት እዚ ኼጥፍኦ እዩ። ሽዑ፡ እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ጥራይ እዮም ዚድሕኑ። (ግብ. 13:48) ኣብ ማሕበረ ሰብና ንዚርከቡ ዘይንፈልጦም ሰባት ንምስባኽ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ንውፊ ኢና፣ ስለዚ፡ ቤተ ሰብና ምሳና ንየሆዋ ኼገልግልዎ ምድላይና ንቡር እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ እውን ‘ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።’—2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።

4. ንቤተ ሰብና ኽንምስክረሎም ከለና እንታይ ጌጋ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

4 መልእኽቲ ድሕነት ንሰባት እንነግረሉ ቕኑዕን ግጉይን መገዲ ኸም ዘሎ ኽንርስዕ የብልናን። ንዘይንፈልጦ ሰብ ብሜላ እናመስከርና ኽነስና፡ ንቤተ ሰብና ግና ዝመጸልና ዘበለ ንድርጕሓሎም ንኸውን።

5. ንቤተ ሰብና ብዛዕባ ሓቂ ኽንነግሮም ቅድሚ ምፍታንና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

5 መብዛሕትና በቲ ኣብ ፈለማ ንቤተ ሰብና ኽንምስክር ዝፈተንናሉ መገዲ ንጠዓስ ኢና፣ ‘ብኻ ብዝሓሸ መገዲ ኣዛሪበዮም’ እውን ንብል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ቈሎ. 4:5, 6) ምስ ቤተ ሰብና ኽንዛራረብ ከለና፡ ነዚ ምዕዶ እዚ ኽንዝክሮ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ክንዲ እነእምኖም፡ ብዝያዳ ኸነርሕቖም ንኽእል ኢና።

ንቤተ ሰብና ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንቤተ ሰብካ እትርድኣሎምን ብሰናይ ኣካይዳ እትመላለስን እንተ ዄንካ፡ እዚ ዓብዪ ምስክርነት ኪኸውን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ርአ) *

6-7. ንዘይኣመንቲ መጻምድቲ ኽንርድኣሎም ከም ዘሎና ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

6 ተረድኣሎም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፖሊን፡ “ኣብ መጀመርታ፡ ንሰብኣየይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ እየ ኸዛርቦ ዝደሊ ነይረ። ‘ንቡር’ ዝርርብ ኣይነበረናን” ትብል። ኰይኑ ግና፡ እቲ ወይን ዝስሙ ሰብኣያ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮን፡ ፖሊን እትብሎ ዝነበረት እውን ኣይተረድኦን። ንዕኡ ብዛዕባ ሃይማኖታ ጥራይ ከም እትሓስብ ኰይኑ እዩ ተራእይዎ። ምስ ሓደገኛ ኑፋቐ ኸይትጽምበር እሞ ኸየታልልዋ እውን ተጨኒቑ ነበረ።

7 ኣብ ፈለማ፡ ፖሊን ብዙሕ ምሸትን ቀዳመ ሰናብትን ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋታን ኣሓታን ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ስብከትን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ተሕልፎ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ወይን ናብ ገዛ ኺመጽእ ከሎ ሰብ ኣይጸንሖን እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ጽምዋ ይስምዖ ነይሩ” ትብል። ወይን ንሰበይቱን ንወዱን ኪረክብ ምድላዩ ሓቁ እዩ። ነቶም ምስ ሰበይቱን ወዱን ግዜ ዘሕልፉ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣይፈልጦምን እዩ ነይሩ፣ ፖሊን ድማ ካብኡ ንላዕሊ በቶም ሓደስቲ ፈተውታ ኸም እትግደስ እያ መሲላ ተራእያቶ። ስለዚ፡ ወይን ንፖሊን ኪፈትሓ ምዃኑ ኣፈራርሃ። ፖሊን ንዅነታቱ ብዝያዳ ኽትርድኣሉ ኸም ዝነበራስ ተራእዩካዶ፧

8. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:1, 2፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቤተ ሰብና ዓብዪ ጦብላሕታ ዚሓድገሎም እንታይ እዩ፧

8 ብሰናይ ኣካይዳኻ ኣብነት ኩን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘረባና ዘይኰነስ፡ ተግባርና እዩ ንቤተ ሰብና ዓብዪ ጦብላሕታ ዚሓድገሎም። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣንብብ።) ፖሊን ውዒላ ሓዲራ ነዚ ተገንዚባቶ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ወይን ከም ዚፈትወና፡ ብሓቂ እውን ክንፋታሕ ከም ዘይደሊ እፈልጥ ነይረ እየ። እቲ ንምፍርራህ እተዛረቦ ነገር ግና፡ ተግባራተይ ብመገዲ የሆዋ ኽገብር ከም ዘሎኒ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። ብዙሕ ኣብ ክንዲ ዝዛረብ፡ ብኣካይዳይ ሰናይ ኣብነት ክኸውን ነይሩኒ።” ድሕርዚ፡ ፖሊን ንወይን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝርራብ ጸቕጢ ምግባር ሓደገቶ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ጕዳያት እውን ከተዛራርቦ ጀመረት። ወይን ከኣ ንሳ ብዝያዳ ሰላማዊት ከም ዝዀነት ረኣየ፣ ወዶም እውን ዝሓሸ ጠባይ ከም ዘማዕበለ ረኣየ። (ምሳ. 31:18, 27, 28) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኣብ ስድራ ቤቱ ዜሕድሮ ዝነበረ ጽቡቕ ጽልዋ ምስ ተዓዘበ፡ ልቡን ኣእምሮኡን ንመልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ከፈተ።—1 ቈረ. 7:12-14, 16

9. ስለምንታይ ኢና ንቤተ ሰብና ጸኒዕና ኽንሕግዞም ዘሎና፧

9 ንቤተ ሰብካ ጸኒዕካ ሓግዞም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሰባት ነቲ ብስራት ተቐቢሎም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ‘ደጋጊሙ’ ዕድል ይህቦም እዩ። (ኤር. 44:4) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንጢሞቴዎስ፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ኪጸንዕ ምዒድዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ንርእሱን ነቶም ዚሰምዕዎን ኬድሕን እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ንኣዝማድና ንፈትዎም ኢና፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ኪፈልጡ ንደልዮም ኢና። ዘረባን ተግባራትን ፖሊን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ቤተ ሰባ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ሕጂ ምስ ሰብኣያ ብሓባር ኰይና ተሓጒሳ ንየሆዋ ተገልግሎ ኣላ። ክልቲኦም ፈለምቲ እዮም፣ ወይን ከኣ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

10. ስለምንታይ ኢና ዕጉሳት ክንከውን ዘሎና፧

10 ዕጉስ ኩን። ህይወትና ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ኣሰማሚዕና ኽንመላለስ ከለና፡ ቤተ ሰብና ነቲ ሓድሽ እምነትናን ኣነባብራናን ምቕባል የጸግሞም ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም ኣብ ፈለማ ዜስተብህሉሉ ነገር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ዘይንሓብሮምን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘይንጽምበሮምን ምዃንና እዩ። ገሊኦም ቤተ ሰብና ኣብ መጀመርታ ይቝጥዑና ይዀኑ። (ማቴ. 10:35, 36) ኰይኑ ግና፡ ንሕና ብኣታቶም ክንሕለል የብልናን። ንእምነትና ኸነረድኦም ምፍታን እንተ ሓዲግናዮ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዘይበቕዑ ጌርና ንፈርዶም ኣለና ማለት እዩ። የሆዋ ናይ ምፍራድ ዕዮ ኣይሃበናን፣ ነቲ ዕዮ እቲ ንየሱስ እዩ ሂብዎ። (ዮሃ. 5:22) ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ቤተ ሰብና ውዒሎም ሓዲሮም ንመልእኽትና ንምስማዕ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ።—“ ብወብሳይትና ጌርካ ምሃር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

11-13. ካብቲ ኣሊስ ንወለዳ ዝሓዘትሉ መገዲ እንታይ ትምሃር፧

11 ጽኑዕ ግናኸ ሜለኛ ኹን። (ምሳ. 15:2) ኣሊስ እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንሳ ኻብ ወለዳ ርሒቓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዛዕባ የሆዋ ተማህረት፣ ወለዳ ድማ ኣብ ፖለቲካ ብንጥፈት ዚሳተፉን ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑን እዮም ነይሮም። ንሳ ኸኣ ብእተኻእላ መጠን ቀልጢፋ ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዝነበረት ጽቡቕ ነገራት ክትነግሮም ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ኣብ እምነታትካን ልምድታትካን ዝገበርካዮ ለውጢ ቐልጢፍካ እንተ ዘይነጊርካዮም፡ ደሓር ቤተ ሰብካ ብዝያዳ እዮም ዚስምብዱ” ትብል። ስለዚ፡ ደብዳበታት ጽሒፋ ኸም ፍቕሪ ብዛዕባ ዝኣመሰለ የገድሶም ኢላ ዝገመተቶ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎም ሓተተቶም። (1 ቈረ. 13:1-13) ስለ ዘዕበይዋን ስለ እተኸናኸንዋን ድማ ኣመስገነቶም፣ ህያባት እውን ሰደደትሎም። ናብ እንዳ ወለዳ ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ንኣዲኣ ኣብ ዕዮ ገዛ ንምሕጋዝ ዚከኣላ ዅሉ ገበረት። ኣብ ፈለማ፡ ኣሊስ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነታ ምስ ነገረቶም፡ ወለዳ በዚ ኣይተሓጐሱን።

12 ኣሊስ ኣብ እንዳ ወለዳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየብኰረትን። ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “እዚ ንኣደይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽትርዳእ ሓጊዝዋ እዩ” ትብል። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣቦኣ ስለምንታይ ኣተሓሳስባኣ ኸም እተቐየረ ኺፈልጥ ኢሉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ወሰነ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጕድለት ኪኣሪ ደልዩ ነበረ። ኣሊስ ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሂበዮ፣ ኣብኡ እውን ንዕኡ ዚኸውን ሒደት ቃላት ጽሒፈሉ” ትብል። እሞኸ ድሕርዚ እንታይ ኰነ፧ ኣቦ ኣሊስ ጕድለት ኣብ ክንዲ ዚረክብ፡ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበቦ ልቡ ተተንከየ።

13 ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ጽኑዓት ግናኸ ሜለኛታት ኽንከውን ኣሎና። (1 ቈረ. 4:12ለ) ንኣብነት፡ ኣሊስ ካብ ኣዲኣ ንዘጋጠማ ምጽራር ክትጻወር ነይርዋ። “ምስ ተጠመቕኩ፡ ኣደይ፡ ‘ሕማቕ ጓል’ ኢላ እያ ወቒሳትኒ” ድማ ትብል። እሞኸ ኣሊስ እንታይ ገይራ፧ ከምዚ ኢላ ባዕላ ትምልስ፦ “ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኣብ ክንዲ ዝብሎ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ከም ዝወሰንኩን ውሳነይ ከም ዘይቅይርን ብኣኽብሮት ገሊጸላ። ብሓቂ ኸም ዝፈትዋ ድማ፡ ንኣደይ ከረጋግጸላ ፈቲነ። ሽዑ፡ ክልቴና በኺና፡ ጥዑም ምግቢ ድማ ሰሪሐላ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሸት ሰብ ከም ዝዀንኩ ኣደይ ክትገልጽ ጀሚራ።”

14. ካብ ውሳነና ኽንለማለም ንዚወርደና ጸቕጢ ኽንስነፍ ዘይብልናን ስለምንታይ ኢና፧

14 ንየሆዋ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ቤተ ሰብና ምሉእ ብምሉእ ኽሳዕ ዚርድኦም ግዜ ይወስድ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣሊስ ነቲ ወለዳ ዝመረጹላ ሞያ ሓዲጋ ፈላሚት ክትከውን ምስ ወሰነት፡ ኣዲኣ መሊሳ በኽያ እያ። ኣሊስ ግና ኣብ ውሳነኣ ጸኒዓ እያ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ሓደ መዳይ፡ ብጸቕጢ እንተ ተሰኒፍካ፡ ኣብ ካልእ ጕዳያት እውን ጸቕጢ ይገብሩልካ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ምስ ቤተ ሰብካ ኣብ ዘሎካ ርክብ ለዋህ ግናኸ ጽኑዕ እንተ ዄንካ፡ ገሊኣቶም ይሰምዑኻ እዮም።” ምስ ኣሊስ ብእተተሓሓዘ እውን ከምኡ እዩ ዀይኑ። ሕጂ፡ ክልቲኦም ወለዳ ፈለምቲ እዮም፣ ኣቦኣ ኸኣ ሽማግለ እዩ።

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

ኣባላት ጉባኤ ንዘይኣመንቲ ኣባላት ቤተ ሰብ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ብመሰረት ማቴዎስ 5:14-161 ጴጥሮስ 2:12ን፡ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ዚገብርዎ “ሰናይ ግብሪ” ንቤተ ሰብና ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 የሆዋ በቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተርእዮ “ሰናይ ግብሪ” ኣቢሉ ንሰባት ናብኡ ይስሕቦም እዩ። (ማቴዎስ 5:14-16፣ 1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይኰነ መጻምድቲ እንተ ኣልዩካ፡ ምስ ኣባላት ጉባኤኹም ኣራኺብካዮዶ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፖሊን፡ ሰብኣያ ወይን ንኣሕዋትን ንኣሓትን ምእንቲ ኺፈልጦም ኢላ ናብ ቤታ ዓደመቶም። ወይን ከኣ ሓደ ሓው ነቲ ግጉይ ግንዛበኡ ብኸመይ ከም ዘፍረሰሉ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምሳይ ጸወታ ዅዕሶ ኺርኢ ኢሉ ኻብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲዱ። ሽዑ፡ ‘ከም ሰቡ እባ ንቡር ህይወት እዩ ዚመርሕ’ ኢለ ሓሲበ” ይብል።

16. ስለምንታይ ኢና ንቤተ ሰብና ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ኽንዕድሞም ዘሎና፧

16 ንቤተ ሰብና እንሕግዘሉ ሓደ ብሉጽ መገዲ፡ ምሳና ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ብምዕዳም እዩ። (1 ቈረ. 14:24, 25) ወይን ንፈለማ ግዜ እተኣከበሉ ኣኼባ፡ በዓል ዝኽሪ እዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ኺእከብ ፍቓደኛ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ድሕሪ ስራሕ ስለ ዝነበረን ብተዛማዲ ሓጺር ስለ ዝዀነን እዩ። ብዛዕባኡ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “እቲ መደረ ብዛዕባ እንታይ ምንባሩ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኣንን፣ ነቶም ሰባት ግና እዝክሮም እየ። ናባይ መጺኦም ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእካ’ ኢሎምኒ፣ ኢደይ እውን ጨቢጦምኒ። ቅኑዓት ምዃኖም ይፍለጠኒ ነይሩ።” ምናዳ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ንፖሊን ኰነ ንወዳ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ብምሕጋዝ፡ ጽቡቕ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ወይን ብዛዕባ ሓድሽ እምነት ፖሊን ብዝያዳ ኺፈልጥ ምስ ደለየ፡ ምስቲ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ሓተተ።

17. ብዛዕባ እንታይ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንወቅስ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ ኢና ብቤተ ሰብና ኽንሕለል ዘይብልና፧

17 ኵሎም ቤተ ሰብና ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ተስፋ ንገብር ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንቤተ ሰብና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርናሎም፡ ናብ ሓቂ ኸይመጹ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብሰንኪ ውሳነኦም ገዛእ ርእስና ኽንወቅስ የብልናን። ከመይሲ፡ ንዝዀነ ሰብ፡ እምነትና ኪቕበል ከነገድዶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ንስኻ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጒስካ ኸም እተገልግሎ ቤተ ሰብካ እንተ ርእዮም፡ እዚ ኣባታቶም ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ምእንታኦም ጸሊ። ብሜላ ተዛረቦም። ካብ ምሕጋዞም ኣይተድሓርሕር። (ግብ. 20:20) የሆዋ ንጻዕርኻ ኸም ዚባርኾ ተኣማመን። ቤተ ሰብካ ኺሰምዑኻ እንተ ወሲኖም ከኣ፡ ኪድሕኑ እዮም!

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

^ ሕ.ጽ. 5 ቤተ ሰብና ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ንደልዮም ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ንዕኡ ኼገልግልዎ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ባዕሎም ኪውስኑ ኣለዎም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቤተ ሰብና ነቲ እንብሎ ንምስማዕ ምእንቲ ኪቐልሎም እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ቤተ ሰብ” እትብል ቃል ንየሆዋ ንዘየገልግሉ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣዝማድን ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ንዘይኣማኒ ኣቦኡ፡ ማኪናኡ ኼዐሪ ይሕግዞ። ኣብ ግቡእ እዋን ከኣ፡ ኣብ jw.org® ዚርከብ ቪድዮ የርእዮ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ፡ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ኸመይ ከም ዝወዓለ ኺነግራ ኸሎ ጽን ኢላ ትሰምዖ። ደሓር፡ ምስ ስድራ ቤታ ትዘናጋዕ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ እታ ሓብቲ ንኣባላት ጉባኤኣ ናብ ገዛኣ ትዕድሞም። ንሳቶም ከኣ ንሰብኣያ ኺፈልጥዎ ካብ ልቢ ይጽዕሩ። ደሓር፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከብ።