ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮሃንስ መጥምቕ—ሓጐስና ንምዕቃብ ዚሕግዝ ትምህርቲ

ዮሃንስ መጥምቕ—ሓጐስና ንምዕቃብ ዚሕግዝ ትምህርቲ

ሕጂ ኽትበጽሖ ዘይትኽእል ናይ ጉባኤ ዕዮ ኺውሃበካዶ ትምነ ኢኻ፧ ምናልባት ካልእ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ቀደም እተገልግለሉ ዝነበርካ ዕዮ ወይ ፍሉይ መሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዕድመ፡ ጸገም ጥዕና፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ወይ ሓላፍነት ስድራ ቤት ነቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ደሪትዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ብምኽንያት ውድባዊ ለውጥታት፡ ንነዊሕ ግዜ ተሰኪምካዮ ዝነበርካ ሓላፍነት ክትሓድግ ትግደድ ትኸውን። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከምቲ ኽትገብሮ እትደሊ ዘይትገብር ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓድሓደ እዋን ክትጕሂ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ከም ተስፋ ምቝራጽ፡ ምረት፡ ወይ ቅሬታ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ሱር ከይሰድድ ብኸመይ ክትከላኸል ትኽእል፧ ከመይ ጌርካኸ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ትኽእል፧

ኣብነት ዮሃንስ መጥምቕ ብምምርማር፡ ሓጐስና ንምዕቃብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ዮሃንስ ፍሉይ መሰላት ነይርዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፎ ህይወት ካብቲ እተጸበዮ እተፈልየ ዀይንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ግዜ ኺጸንሕ ኣይሓሰበን ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ሓጐሱ ኣየጥፍአን፣ ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ እውን ሓጐሱ ዓቂቡ እዩ። ከምኡ ንምግባር እንታይ ሓጊዝዎ፧ ንሕናኸ ዜጕሂ ነገራት ኣብ ዜጋጥመና ግዜ እውን እንተ ዀነ ኸመይ ጌርና ኢና ሓጐስና ኽንዕቅብ እንኽእል፧

ዜሐጕስ ኣገልግሎት

ኣብ ከባቢ ሚያዝያ 29 ድ.ክ.፡ ዮሃንስ ንሰባት ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሲሕ ኬዳሉ ኢሉ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ኣገልግሎቱ ጀመረ። (ማቴ. 3:2፣ ሉቃ. 1:12-17) ብዙሓት ንመልእኽቱ ተቐበልዎ። መልእኽቱ ንምስማዕ ከኣ ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ኸዱ፣ ሓያሎ እውን ተነሲሖም ተጠምቁ። ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ ነቶም ተመጻደቕቲ መራሕቲ ሃይማኖት፡ እንተ ዘይተለዊጦም ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ኣጠንቀቖም። (ማቴ. 3:5-12) ንየሱስ ኣብ ከባቢ ጥቅምቲ 29 ድ.ክ. ምስ ኣጥመቖ ድማ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ገበረ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ዮሃንስ ንሰባት፡ ነቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ኪስዕቡ ይነግሮም ነበረ።—ዮሃ. 1:32-37

የሱስ ነቲ ዮሃንስ ዝነበሮ ፍሉይ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን” ኪብል ክኢሉ እዩ። (ማቴ. 11:11) ዮሃንስ በቲ ዝረኸቦ በረኸት ከም እተሓጐሰ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዮሃንስ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም ኣለዉ። ንሓደ ቴሪ ዝስሙ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ንሱን ሰበይቱ ሳንድራን ልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም እዮም። ቴሪ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሕ ዜደንቕ ፍሉይ መሰላት ነይሩኒ እዩ። ፈላሚ፡ ቤት-ኤላዊ፡ ፍሉይ ፈላሚ፡ ሓላው ወረዳ፡ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኣገልጊለ እየ፣ ሕጂ ድማ መሊሰ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ አገልግል ኣለኹ” ይብል። ቲኦክራስያዊ ፍሉይ መሰላት ምርካብ የሐጕስ እዩ፣ ካብ ኣብነት ዮሃንስ ከም እንምሃሮ ግና፡ ኵነታትና ኺልወጥ ከሎ፡ ሓጐስና ዓቂብና ንምኻድ ጻዕሪ የድልየና እዩ።

መማሰዊ ኹን

ዮሃንስ መጥምቕ ሓጐሱ ዘየጥፍኣሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ፍሉይ መሰላቱ ዝነበሮ ሞሳ ስለ ዘየጥፍአ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ኣገልግሎት ዮሃንስ እናነከየ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣገልግሎት የሱስ ግና እናወሰኸ ኸይዱ እዩ። ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ እዚ ስለ ዘተሓሳሰቦም ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ “እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” በልዎ። (ዮሃ. 3:26) ዮሃንስ ድማ፡ “እቲ መርዓት ዘላቶ፡ መርዓዊ እዩ። ዓርኪ መርዓዊ ግና ደው ኢሉ ንዕኡ ምስ ዚሰምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ኰይኑ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃ. 3:29) ዮሃንስ ምስ የሱስ ኪወዳደር ኣይሓሰበን፣ እቲ ንዕኡ እተዋህቦ ፍሉይ መሰል፡ ብምኽንያት እቲ የሱስ ዚዓይዮ ዓብዪ ዕዮ ኸም ዝነኣሰ ገይሩ እውን ኣይረኣዮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኸም “ዓርኪ መርዓዊ” መጠን ዘለዎ ግደ ኣኽቢሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ሓጐሱ ዓቂቡ እዩ።

እቲ እተመደበሉ ዕዮ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ዮሃንስ ግና ቅኑዕ ኣረኣእያ ብምሓዙ፡ ዕጉብ ኰይኑ ኪቕጽል ክኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ዮሃንስ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ናዝራዊ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ወይኒ ኺሰቲ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 1:15) የሱስ ብዛዕባ እቲ ዮሃንስ ዝነበሮ ጥብቂ ህይወት ኪገልጽ ከሎ፡ “ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን . . . መጸ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ቐይዲ ኣይነበሩን፡ ንቡር ህይወት እውን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። (ማቴ. 11:18, 19) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብዙሕ ተኣምራት እኳ እንተ ዘይገበረ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተኣምራት ንምግባር ሓይሊ ኸም እተዋህቦም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ ፈለማ ሰዓብቲ ዮሃንስ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 10:1፣ ዮሃ. 10:41) ግናኸ፡ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ፍልልያት እዚ ብዙሕ ኣይሓሰበን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ የሆዋ ንዕኡ ዝመደበሉ ዕዮ እዩ ኣተኲሩ።

ንሕና እውን ነቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ምድብ ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮ፡ ሓጐስና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ቴሪ፡ “ኣብ ኵሉ እቲ እተዋህበኒ ዕዮታት አተኵር ነይረ እየ” ይብል። ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ህይወቱ ምልስ ኢሉ ኺሓስበሉ ኸሎ ኸኣ፡ “ባህ ዜብል ተዘክሮ እምበር፡ ጣዕሳ የብለይን” ይብል።

ንዝዀነ ይኹን ቲኦክራስያዊ ምድብ ወይ ሓላፍነት ብሓቂ ኽቡር ዚገብሮ እንታይ ምዃኑ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ነቲ ኻብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ከነዕምቖ ንኽእል ኢና። “መዓይይቲ ኣምላኽ” ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል እዩ ዚውሃበና ዘሎ። (1 ቈረ. 3:9) ከምቲ ንሓደ ዝወረስናዮ ጽቡቕ ኣቕሓ እንተ ወልዊልናዮ ጽባቐኡ ሒዙ ዚቕጽል፡ ነቲ ንኣምላኽ ከነገልግሎ እተዋህበና ዓብዪ ኽብሪ እንተ ኣስተንቲንናሉ እውን ሓጐስና ብግጉይ ኣረኣእያ እናደበነ ኣይከይድን እዩ። ንመስዋእትና ምስ መስዋእቲ ኻልኦት ሰባት ኣይነወዳድሮን ኢና። ብምኽንያት እቲ ንኻልኦት እተዋህቦም ፍሉይ መሰል ከኣ፡ ነቲ ንዓና እተዋህበና ፍሉይ መሰል ኣትሒትና ኣይንርእዮን ኢና።—ገላ. 6:4

ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር

ዮሃንስ ኣገልግሎቱ ደረት ከም ዚህልዎ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት ከም ዜብቅዕ ኣይፈለጠን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 3:30) ብ30 ድ.ክ.፡ ካብቲ የሱስ እተጠምቀሉ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ሓለፈ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንዮሃንስ ኣሰሮ። ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ ድሕርዚ እውን ንምምስካር ዚከኣሎ ይገብር ነበረ። (ማር. 6:17-20) እሞኸ ኣብዚ ለውጥታት እዚ ሓጐሱ ንምዕቃብ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እዩ ዜተኵር ነይሩ።

ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ኣገልግሎት የሱስ ወረ ሰምዐ። (ማቴ. 11:2፣ ሉቃ. 7:18) ዮሃንስ ብመሲሕነት የሱስ ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ከመይ ገይሩ ንዅሉ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መሲሕ እተነገረ ኸም ዚፍጽሞ ግና ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ‘መሲሕ ኪነግስ ስለ ዘለዎ፡ ግዝኣት የሱስ ኣብ ቀረባ ይጅምር ደዀን ይኸውን፧ ኣነኸ ኻብ ቤት ማእሰርቲ እፍታሕ ደዀን እኸውን፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ዝነጸረ ግንዛበ ኺህልዎ ስለ ዝደለየ፡ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። (ሉቃ. 7:19) ንሳቶም ምስ ተመልሱ፡ ዮሃንስ ጽን ኢሉ ሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንሳቶም ድማ ንዮሃንስ፡ የሱስ ፈለማ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ እሞ፡ “ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ” ኢሉ ናብኡ ኸም ዝለኣኾም ነገርዎ።—ሉቃ. 7:20-22

ዮሃንስ በቲ ዝነገርዎ ነገር ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ንመሲሓዊ ትንቢታት ይፍጽሞ ኸም ዝነበረ እዩ ኣረጋጊጹሉ። መሲሕነት የሱስ ግሁድ ምዃኑ ንዮሃንስ ካብ ማእሰርቲ እኳ እንተ ዘየፍትሖ፡ ዮሃንስ ግና ኣገልግሎቱ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈለጠ። ኵነታቱ ብዘየገድስ ከኣ፡ ዚሕጐሰሉ ምኽንያት ረኸበ።

ኣብቲ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትና ዚወጽእ ጽቡቕ ጸብጻብ ምትኳርና፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ ይሕግዘና

ንሕና እውን ከም ዮሃንስ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት እንተ ኣተኲርና፡ ብሓጐስን ብዓቕልን ክንጻወር ኢና። (ቈሎ. 1:9-11) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ኣሎና፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እንፍጽሞ ዕዮ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ የዘኻኽረና እዩ። (1 ቈረ. 15:58) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሳንድራ ኸምዚ ትብል፦ “መዓልቲ መዓልቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ምንባበይ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ክቐርቦ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኸኣ ኣባይ ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ኸተኵር ይሕግዘኒ እዩ።” ንሕና እውን ኣብ ጸብጻብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ከነተኵር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ካብቲ ዅነታትና ሓሊፍና ኣብቲ የሆዋ ዚገብሮ ዘሎ ኸነተኵር ይሕግዘና እዩ። ምስዚ ብእተኣሳሰረ እውን ሳንድራ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈነወ JW ዚወጽእ ወርሓዊ መደባት ናብ ውድብና ብዝያዳ ኸም እንቐርብ ይገብረና እዩ፣ ኣብ ምድብና ሓጐስና ዓቂብና ኽንመላለስ እውን ይሕግዘና እዩ።”

ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ኣገልግሎቱ “ብመንፈስን ብሓይልን ኤልያስ” እዩ ፈጺምዎ፣ ከም ኤልያስ ከኣ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ።” (ሉቃ. 1:17፣ ያእ. 5:17) ንሕና እውን ነቲ ሞሳኡን መንፈሳዊ ኣትኵሮኡን እንተ ቐዲሕናዮ፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ሓጐስና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና።