ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

ፍቕርኹም ይብዛሕ

ፍቕርኹም ይብዛሕ

“ፍቕርኹም . . . ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ።”—ፊል. 1:9

መዝሙር 106 ፍቕሪ ነማዕብል

መላለዪ *

1. መነመን እዮም ኣብ ምቛም ጉባኤ ፊልጲ እጃሞም ዘበርከቱ፧

ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ሉቃስን ጢሞቴዎስን ኣብታ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ፊልጲ ምስ በጽሑ፡ በቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግደሱ ብዙሓት ሰባት ረኸቡ። ሽዑ፡ እቶም ቀናኣት ኣርባዕተ ኣሕዋት፡ ኣብ ምቛም ሓዳስ ጉባኤ እጃሞም ኣበርከቱ፣ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣኼባ ኺገብሩ ጀመሩ፣ ምናልባት ድማ ኣብ ቤት እታ ተቐባል ጋሻ ዝዀነት ልድያ እዮም ዚእከቡ ነይሮም ዚዀኑ።—ግብ. 16:40

2. ነዊሕ ከይጸንሐ ነታ ጉባኤ እንታይ ጸገም ኣጋጠማ፧

2 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ነታ ሓዳስ ጉባኤ ጸገም ኣጋጠማ። ሰይጣን ነቲ እቶም እሙናት ክርስትያናት ዚዓይይዎ ስብከት ኣበርቲዖም ዚጻረሩ ጸላእቲ ሓቂ ኣለዓዓለ። ጳውሎስን ሲላስን ከኣ ተታሕዙ፡ ብሽመል ተዘብጡ፡ ድሕሪኡ እውን ተኣስሩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ ድማ፡ ናብቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸይዶም ኣተባብዕዎም። ድሕሪኡ፡ ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብታ ኸተማ ኸዱ፣ ሉቃስ ግና ኣብኣ ጸኒሑ ኪኸውን ኣለዎ። እሞኸ እታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ኸመይ ቀጺላ፧ ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ፡ እቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንቕድሚት ገስገሱ። (ፊል. 2:12) ጳውሎስ ብኣታቶም ኪሕበን ሓቁ እዩ።

3. ኣብ ፊልጲ 1:9-11 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ጸልዩ፧

3 ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ፊልጲ ደብዳበ ጸሓፈ። ነታ ደብዳበ ኸተንብባ ኸለኻ፡ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ዘላቶ ፍቕሪ ብቐሊሉ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። “ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ብዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ” ኢሉ ጽሒፉሎም ኣሎ። (ፊል. 1:8) ምእንታኦም ከም ዝጸለየ እውን ጽሒፉሎም ኣሎ። ፍቕሮም እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እቲ ዚሓይሽ ኪምርምሩ፡ ንኻልእ ዘይዕንቅፉ ኪዀኑ፡ ፍረ ጽድቂ ድማ ብቐጻሊ ኺፈርዩ ንየሆዋ ለሚኑሎም እዩ። ካብቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ልባዊ ቓላት ንሕና ኽንጥቀም ከም እንኽእል መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም እስከ ነንብብ። (ፊልጲ 1:9-11 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ነቲ ንሱ ዝጠቐሶ ነገራት ሒዝና ብኸመይ በብሓደ ኽንትግብሮ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

ፍቕርኹም ይብዛሕ

4. (ሀ) ብመሰረት 1 ዮሃንስ 4:9, 10፡ የሆዋ ነታ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ብኸመይ ገሊጽዋ ኣሎ፧ (ለ) ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና፧

4 የሆዋ ንወዱ ምእንቲ ሓጢኣትና ኺመውት ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ዓባይ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።) እታ ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ፡ ከነፍቅሮ ትድርኸና እያ። (ሮሜ 5:8) እሞኸ ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና፧ የሱስ ንሓደ ፈሪሳዊ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ነዛ ሕቶ እዚኣ መሊሱልና እዩ። (ማቴ. 22:36, 37) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ብፍርቂ ልቢ ኽትከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ ፍቕርና ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናዓበየት ክትከይድ ንደሊ ኢና። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ ፍቕሮም “እናበዝሐ ኪኸይድ” ነጊርዎም እዩ። እሞኸ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንምሕያል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

5. ከመይ ገይራ እያ ፍቕርና ኽትዓቢ እትኽእል፧

5 ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነፍቅሮ፡ ክንፈልጦ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ይብል። (1 ዮሃ. 4:8) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ‘ልክዕ ፍልጠትን ምሉእ ምስትውዓልን’ እናኣጥረና ብዝኸድና መጠን ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ከም እትኸይድ ሓቢሩ ኣሎ። (ፊል. 1:9) ኣብ ፈለማ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ኣብቲ ብዛዕባ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ ዘሎና ውሱን ፍልጠት እተመርኰሰት ፍቕሪ ነማዕብል ኢና። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እናሓየለት እያ እትኸይድ። ስለዚ ድማ ኢና ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምስትንታንን ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና እንርእዮ።—ፊል. 2:16

6. ብመሰረት 1 ዮሃንስ 4:11, 20, 21፡ ከመይ ገይሩ እዩ ፍቕርና ኺበዝሕ ዚኽእል፧

6 ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ፡ ንኣሕዋትና ኸነፍቅር ትድርኸና እያ። (1 ዮሃንስ 4:11, 20, 21 ኣንብብ።) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብቐሊሉ ኸነፍቅሮም እንኽእል ይመስለና ይኸውን። ከመይሲ፡ ንየሆዋ ነምልኾ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ እውን ክንቀድሖ ንጽዕር ኢና። ኣብነት የሱስ ንስዕብ ኢና፣ ንሱ ድማ ዓባይ ፍቕሪ ስለ ዝነበረቶ፡ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እተዋህበና ትእዛዝ ንምሕላዉ የጸግመና እዩ። ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዘጋጠመ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ።

7. ካብቲ ጳውሎስ ንኤዎድያን ንስንጥኬን ዝሃቦ ምዕዶ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

7 ኤዎድያን ስንጥኬን ‘ኣብ ጐድኒ’ ሃዋርያ ጳውሎስ ብቕንኣት ዘገልገላ ኣሓት እየን ነይረን። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ ብሕታዊ ፍልልያተን ኣብ መንጎአን ጋግ ተፈጢሩ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ናብ ጉባኤአን ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ንኤዎድያን ንስንጥኬን ብስመን ጠቒሱ፡ “ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን” ብንጹር ምዒድወን እዩ። (ፊል. 4:2, 3) ንብዘለዉ ኣባላት እታ ጉባኤ ኸኣ፡ “ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ክርክርን ግበርዎ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ፊል. 2:14) እዚ ጳውሎስ ብቐጥታ ዝሃቦ ምኽሪ ነተን እሙናት ኣሓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘለዉ ኣባላት እታ ጉባኤ ነታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኼደልድሉ ኸም ዝሓገዞም ኣየጠራጥርን እዩ።

ብዛዕባ ኣሕዋትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ንሓውና ኸይነፍቅር ዓብዪ ዕንቅፋት ዚዀነና እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧

8 ንሕና እውን ከም ኤዎድያን ስንጥኬን፡ ምስ ካልኦት ሓያል ፍቕሪ ኸይነማዕብል ዓብዪ ዕንቅፋት የጋጥመና ይኸውን፣ እወ፡ ኣብ ዘይፍጽምና ነተኵር ንኸውን። ኵላትና መዓልቲ መዓልቲ ጌጋታት ንገብር ኢና። ኣብ ዘይፍጽምናታት ካልኦት እንተ ኣተኲርና፡ ንዓታቶም ዝነበረትና ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ኣብ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስታፍ እንተ ረሲዑ፡ በዚ ንሓርቕ ንኸውን። እቲ ሓውና ዝገበሮ ዅሉ ኻልእ ጌጋታት ክንዝርዝር እንተ ጀሚርና፡ ሕርቃንና እናዓበየ፡ ፍቕርና እውን እናነከየት ክትከይድ ትኽእል እያ። ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሆዋ ንዘይፍጽምናና ዀነ ንዘይፍጽምና ሓውና ይርእዮ እዩ። እዚ ዘይፍጽምናታት እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ ንሓውና ዀነ ንዓና የፍቅረና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብነት ፍቕሪ የሆዋ ኽንስዕብ፡ ብዛዕባ ሓውና እውን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። ንኣሕዋትና ንምፍቃር ኣበርቲዕና እንተ ጽዒርና፡ ምሳታቶም ዘሎና ሓድነት ይድልድል እዩ።—ፊል. 2:1, 2

“እቲ ዚሓይሽ”

9. ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ ደብዳበ ዝጠቐሶ “ዚሓይሽ” ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

9 ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንዅሎም ክርስትያናት፡ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (ፊል. 1:10) እቲ ዚሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ ነገራት፡ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምፍጻም ዕላማኡን ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን የጠቓልል። (ማቴ. 6:9, 10፣ ዮሃ. 13:35) ህይወትና ኣብዚ ዚሓይሽ ነገራት እዚ ኸም እተተኵር እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

10. እንታ ዘይብልና ንምዃን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 ጳውሎስ “እንታ ዘይብልኩም . . . ኽትኰኑ” ኢሉ እውን ምዒዱ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ፍጹማት ክንከውን ማለት ኣይኰነን። ማዕረ የሆዋ ኣምላኽ እንታ ዘይብልና ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ግናኸ፡ ፍቕርና ኸነዕምቝን እቲ ዚሓይሽ ክንምርምርን እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ እንታ ኸም ዘይብልና ገይሩ ይርእየና እዩ። ሓደ ኻብቲ ፍቕርና እነርእየሉ መገዲ፡ ንኻልእ ዘይንዕንቅፍ ንምዃን ዚከኣለና ብምግባር እዩ።

11. ንኻልኦት ከይንዕንቅፍ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 እቲ ንኻልእ ዘይንዕንቅፍ ክንከውን እተዋህበና መምርሒ፡ ሓያል መጠንቀቕታ እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ንሰብ ክንዕንቅፍ እንኽእል፧ ብእንመርጾ መዘናግዒ፡ ብእንመርጾ ሙዚቃ፡ ወይ ብእንመርጾ ስራሕ ክንዕንቅፍ ንኽእል ኢና። ምናልባት እቲ እንገብሮ ነገር ጌጋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ እቲ ምርጫታትና ንሕልና ኻልእ ዚጐድእን ነቲ ሰብ ዚዕንቅፎን እንተ ዀይኑ፡ እዚ ረዚን ጕዳይ እዩ። የሱስ ንሓደ ኻብ ኣባጊዑ ዚዕንቅፍ ዘበለ፡ ከቢድ እምኒ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ከም ዚሕሾ ተዛሪቡ እዩ።—ማቴ. 18:6

12. ካብቲ ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

12 ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ነዚ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብኸመይ ከም ዝዓየዩሉ እስከ ንርአ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ጥብቂ ኣተዓባብያ ምስ ዘለዎም ሓደስቲ ጥሙቓት ሰብ ሓዳር ኣብ ሓንቲ ጉባኤ የገልግሉ ነበሩ። እቶም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ክርስትያናት ዋላ ጥዑይ ፊልም ንምርኣይ ናብ ሲነማ ኺኣትዉ ኸም ዘይብሎም ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ፡ እቶም ፈለምቲ ፊልም ከም ዝረኣዩ ምስ ፈለጡ፡ ኣዝዮም ሰምበዱ። ድሕሪኡ፡ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንሕልናኦም ኣሰልጢኖም ሚዛናዊ ኽሳዕ ዚገብርዎ፡ እቶም ፈለምቲ ናብ ሲነማ ምኻድ ገደፍዎ። (እብ. 5:14) በዚ ኣብ ጥቕሚ ኻልእ ዘተኰረ ተግባሮም ከኣ፡ ነቶም ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ሓዎምን ሓብቶምን ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ ኸም ዜፍቅርዎም ኣርኣይዎም።—ሮሜ 14:19-21፣ 1 ዮሃ. 3:18

13. ከመይ ጌርና ኢና ንሰብ ናብ ሓጢኣት ክንደፋፍኦ እንኽእል፧

13 ንሰብ እንዕንቅፈሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ናብ ሓጢኣት ብምድፍፋእ እዩ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኪኸውን ይኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እስከ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምቅላሱ፡ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ዝነበሮ ወልፊ ኺቈጻጸሮ ኽኢሉ ንበል። ከምኡ ንምግባር፡ ጠሪሱ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ። ቅልጡፍ ዕቤት ገይሩ ድማ ይጥመቕ። ደሓር፡ ሓደ ናብ ቤቱ ዝዓደሞ ክርስትያን ሓው፡ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሉ፡ “ሕጂ ክርስትያን ኢኻ፣ መንፈስ የሆዋ ኣሎካ። ሓደ መዳይ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ርእሰ ግትኣት እዩ። ርእሰ ግትኣት እንተ ኣማዕቢልካ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ኽትሰቲ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ የተባብዖ። እቲ ሓድሽ ሓው ነዚ ግጉይ ምኽሪ እንተ ስዒቡ፡ እንታይ ሳዕቤን ከም ዜምጽኣሉ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።

14. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነቲ ኣብ ፊልጲ 1:10 ዚርከብ መምርሒ ኽንትግብሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ነቲ ኣብ ፊልጲ 1:10 ዚርከብ መምርሒ ብእተፈላለየ መገዲ ኽንትግብሮ ይሕግዘና እዩ። ቀዳማይ፡ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ፡ የሆዋ ዚሓይሽ ኢሉ ዚሓስቦ እንታይ ምዃኑ የዘኻኽረና እዩ። ካልኣይ፡ እንታ ዘይብልና ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ እተምሃርናዮ ብኸመይ ከም እንትግብሮ ንምሃር ኢና። ሳልሳይ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንነቓቓሕ ኢና። (እብ. 10:24, 25) ንኣሕዋትና ብዝያዳ ብዘተባባዕናዮም መጠን፡ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ዘሎና ፍቕሪ እናዓበየ እዩ ዚኸይድ። እዚ ኽልተ ዓብዪ ፍቕሪ እዚ ንልብና እንተ መሊእዎ፡ ንኣሕዋትና ኸይንዕንቅፍ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ንገብር ኢና።

ወትሩ ‘ብፍረ ጽድቂ ተመልኡ’

15. ‘ብፍረ ጽድቂ ኽንምላእ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ጳውሎስ፡ እቶም ሰብ ፊልጲ ‘ብፍረ ጽድቂ ኺምልኡ’ ብጽኑዕ ጸልዩ እዩ። (ፊል. 1:11) እዚ “ፍረ ጽድቂ” እዚ፡ ነቲ ንየሆዋን ንህዝቡን ዘለዎም ፍቕሪ ኸም ዜጠቓልል ኣየጠራጥርን እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ብዛዕባ እታ ኣብ የሱስ ዘላቶም እምነትን ብዛዕባ እታ እተደንቕ ተስፋኦምን ንኻልኦት ምንጋር እውን የጠቓልል እዩ። ኣብ ፊልጲ 2:15 ድማ፡ “ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ” ዚብል ካልእ ምሳሌ ተጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብርሃን ዓለም” ስለ ዝበሎም፡ እዚ ግቡእ ምሳሌ እዩ። (ማቴ. 5:14-16) ብዘይካዚ፡ ንሰዓብቱ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ፣ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ . . . መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” እውን ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 28:18-20፣ ግብ. 1:8) ኣብዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኽንሳተፍ ከለና፡ “ፍረ ጽድቂ” ንፈሪ ኢና።

ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ኣብ ፊልጲ ናብ እትርከብ ጉባኤ ደብዳበ ይጽሕፍ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ በቲ ዝረኸቦ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንሓለውቱን ንበጻሕቱን ይሰብከሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኵነታት እኳ ኸም ብርሃናት ክንበርህ ከም እንኽእል ፊልጲ 1:12-14 ብኸመይ ትሕብር፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ከም ብርሃናት ክንበርህ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ብስራት ከይንሰብኽ ዕንቅፋት መሲሉ ዚርኣየና ነገር፡ ንምስባኽ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ደብዳበ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት እዩ ተኣሲሩ ነይሩ። ማእሰርቱ ግና ነቶም ኣሰርቱን ንበጻሕትን ካብ ምስባኽ ኣይዓገቶን። ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ እዚ ዅነታት እዚ ብቕንኣት ስለ ዝሰበኸ፡ እዚ ነቶም ኣሕዋት “ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ” እምንቶን ትብዓትን ሂብዎም እዩ።—ፊልጲ 1:12-14 ኣንብብ፣ ፊል. 4:22

ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ እትገብረሉ መገድታት ኣናዲ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ፍረ ብዛዕባ ዝፈረዩ ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ ኣብነታት ግለጽ።

17 ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ጳውሎስ ብትብዓት ንምምልላስ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብቕሉዕ ኣብ በቤት እናኸዱ ኺሰብኩ ኣብ ዘይክእሉለን ሃገራት እዮም ዚነብሩ፣ ስለዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ብኻልእ መገድታት ይጥቀሙ እዮም። (ማቴ. 10:16-20) ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ሃገራት እዚአን፡ ሓደ ሓላው ወረዳ ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ፡ ነቲ ንኣዝማዱን ንጐረባብቱን ንመማህርቱን ንመሳርሕቱን ንፈለጥቱን ዜጠቓልል “ክሊ” ስብከቱ ኺሽፍን ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ድማ፡ ኣብታ ወረዳ ዚርከብ ቍጽሪ ጉባኤታት ብዙሕ ወሲኹ እዩ። ብቕሉዕ ክንሰብኽ ኣብ ዘይንኽእለላ ሃገር ንነብር ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ካብ ኣብነት እቶም ተባላሓትቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ ንረክብ ኢና፦ የሆዋ ንዝዀነ ዕንቅፋት ክትሰግር ዜኽእለካ ዓቕሚ ኸም ዚህበካ ብምትእምማን፡ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ እትገብረሉ መገድታት ኣናዲ።—ፊል. 2:13

18. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዚግባእ፧

18 ኣብዚ ኣገዳሲ ግዜ እዚ፡ ነቲ ብመንፈስ ተደሪኹ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንቝረጽ። እቲ ዚሓይሽ ንመርምር፡ እንታ ዘይብልና ንኹን፡ ንኻልእ ዘይንዕንቅፍ ንኹን፡ ፍረ ጽድቂ እውን ንፍረ። ሽዑ፡ ፍቕርና ኺበዝሕ፡ ነቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣቦና የሆዋ ድማ ከነኽብሮ ኢና።

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

^ ሕ.ጽ. 5 ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ኸነሐይል ኣሎና። እታ ናብ ሰብ ፊልጲ እተጻሕፈት ደብዳበ፡ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ፍቕርና ኸመይ ገይራ እናበዝሐት ከም እትኸይድ ክንርኢ ትሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እናተኻየደ ኸሎ፡ ጆ ዝስሙ ሓው ጽሬት ኣቋሪጹ ምስ ካልእ ሓውን ምስ ወዱን የዕልል። እቲ ብቫክዩም ዜጽሪ ዘሎ ማይክ ከኣ በዚ ይሓርቕ። ‘ጆ ስራሑ ኺሰርሕ እምበር፡ ኬዕልል ኣይነበሮን’ ኢሉ ይሓስብ። ደሓር ግና፡ ጆ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኺሕግዛ ኸሎ፡ ማይክ ይርኢ። ማይክ ነዚ ልቢ ዚትንኪ ተግባር እዚ ምስ ረኣየ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ሓዉ ብዝያዳ ኺሓስብ ከም ዘለዎ ይዝክር።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕሉዕ ኪሰብኩ ኣብ ዘይክእሉላ ሃገር፡ ሓደ ሓው ንሓደ ዚፈልጦ ሰብ ብጥበብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮ። ደሓር ካብ ስራሕ ኣብ ዜዕርፉሉ ሰዓት፡ እቲ ሓው ንመሳርሕቱ ይምስክረሉ።