ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

ናይ መጽናዕቲ ልማድካ ኣመሓይሽ!

ናይ መጽናዕቲ ልማድካ ኣመሓይሽ!

“እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ]።”—ፊል. 1:10

መዝሙር 35 ‘ዚሓይሽ መርምሩ’

መላለዪ *

1. ገሊኦም ሰባት መጽናዕቲ ዘይብርሆም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

ኣብዚ ግዜና፡ ንመነባብሮ ዜድልየካ ንምምእራር ብዙሕ ክትጽዕር ኣሎካ። ብዙሓት ኣሕዋትና ንስድራ ቤቶም ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። ብዙሓት ድማ ካብን ናብን ስራሕ ንምምልላስ መዓልቲ መዓልቲ ሰዓታት የጥፍኡ እዮም። ብዙሓት ከኣ ንናብራ ዜድልዮም ንምርካብ፡ ከቢድ ናይ ጕልበት ስራሕ ይሰርሑ እዮም። መዓልቲ ኽትዓርብ ከላ፡ እዞም ጻዕረኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብድኻም ይውድኡ እዮም! ስለዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ መጽናዕቲ ዚብሃል ኣይርኣዮምን እዩ።

2. መዓስ ኢኻ መጽናዕቲ እትገብር፧

2 ከም ሓቂ ግና፡ ቃል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን ብግቡእ ንምጽናዕ፡ ግዜ ኽንረክብ ኣሎና። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ናይ ዘለኣለም ህይወትናን ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ! (1 ጢሞ. 4:15) ገሊኦም መዓልቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንሲኦም የጽንዑ እዮም፣ ከመይሲ፡ እቲ እዋን ጸጥታ ዝሰፈኖ ሰዓታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣእምሮኦም እውን ድሕሪ ድቃስ ለይቲ ብንጹር ኪሓስብ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ምስ መሰየ ዘሎ ጸጥታ ዝሰፈኖ እዋን መንፈሳዊ ምግቢ ንምምጋብን ብዛዕባኡ ንምስትንታንን ይጥቀሙሉ እዮም።

3-4. ኣብ ብዝሒ እቲ ዚወጽእ ሓበሬታ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩ፧ ስለምንታይከ፧

3 ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እትሰማምዓሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ግናኸ፡ እንታይ ኢኻ ኸተጽንዕ ዘሎካ፧ ‘ብዙሕ ዚንበብ ኣሎ፣ ንዅሉ ንምንባብ ከኣ ግዜ ኽረክብ ኣይከኣልኩን’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ገሊኦም ንዅሉ መንፈሳዊ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ይጥቀሙሉ እዮም፣ ብዙሓት ኣሕዋትና ግና ከምኡ ንምግባር ግዜ ይስእኑ እዮም። ኣመሓዳሪ ኣካል ነዚ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ብወረቐትን ብዲጂታልን ዚወጽእ ሓበሬታ ንምንካይ ኣብ ቀረባ ግዜ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።

4 ንኣብነት፡ ብዙሕ ዜተባብዕ ተመክሮታት ኣብ jw.org® ኰነ ኣብ ወርሓዊ ፈነወ JW ስለ ዚወጽእ፡ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታም ሓዲግናዮ ኣለና። ሕታም ህዝቢ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ድማ፡ ሕጂ ኣብ ዓመት ሰሰለስተ ሳዕ ጥራይ እዩ ዚሕተም። እዚ ምትዕርራያት እዚ እተገብረ፡ ንኻልእ ንጥፈታት ግዜ ኽንረክብ ተባሂሉ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ ንምምርማር’ ብዝያዳ ኸነተኵር ተባሂሉ እዩ። (ፊል. 1:10) እምበኣር፡ ቀዳምነት ክትህቦ ዚግባእ ነገራት ከመይ ጌርካ ኸም እትሰርዕን ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም ከም እትኽእልን እስከ ንርአ።

ቀዳምነት እትህቦ ስራዕ

5-6. እንታይ ጽሑፋት ኢና ተጠንቂቕና ኸነጽንዕ ዘሎና፧

5 እንታይ እዩ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ፧ መሸም ግዜ መዲብና መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ከነጽንዕ ኣሎና። ንምስትንታንን ንምርምርን ዝያዳ ግዜ ኽንረክብ ተባሂሉ፡ ሕጂ ንውሓት እቲ ብጉባኤ ዚግበር ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ተነክዩ ኣሎ። ሸቶና ነቲ እተመደበ ኽፋል ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልብና ኸም ዚትንክዮ ኽንገብርን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦን ኪኸውን ኣለዎ።—መዝ. 19:14

6 ካልእ እንታይ ኢና ተጠንቂቕና ኸነጽንዕ ዘሎና፧ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤን ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ዚጽናዕ ካልእ ሓበሬታን ክንዳሎ ኣሎና። ንዅሉ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን እውን ከነንብቦ ኣሎና።

7. ነቲ ኣብ ወብሳይትናን ኣብ ፈነወ JWን ዚወጽእ ብዙሕ ሓበሬታ ኸነርክበሉ እንተ ዘይክኢልና፡ በዚ ኽንጕሂዶ ይግባእ፧

7 ‘ሕራይ። እቲ ኣብ ወብሳይትና jw.org ዚወጽእን ኣብ ፈነወ JW ዚቐርብን ሓበሬታ ደኣኸ ኸመይ ክገብሮ እየ፧ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ!’ ትብል ትኸውን። ሓደ ምሳሌ እስከ ርአ፦ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ዚዳሎ ቡፈ በብዓይነቱ ብዙሕ ጥዑም ምግቢ ይቐርብ ይኸውን። ዓማዊል ከኣ ንዅሉ እቲ ዝቐረበ ኺጥዕምዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ እተወሰነ ዓይነት ምግቢ ይሓርዩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ዚቐርብ ከተርክበሉ እንተ ዘይክኢልካ፡ በዚ ኣይትጕሀ። ዚከኣለካ ዘበለ ኣንብብ ወይ ርአ። ሕጂ እምበኣር፡ መጽናዕቲ እንታይ ከም ዜጠቓልል፡ ካብ መጽናዕትና ድማ ከመይ ጌርና ብዝያዳ ኽንጥቀም ከም እንኽእል ንርአ።

መጽናዕቲ ዕዮ እዩ!

8. ግምቢ ዘብዐኛ ኸነጽንዕ ከለና በብደረጃኡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ከምኡ ምግባርናኸ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

8 መጽናዕቲ ኺብሃል ከሎ፡ ግዜ ወሲድካ ብዕላማን ብኣትኵሮን እትገብሮ ንባብ እዩ። ነቲ እተመደበ ትምህርቲ ላዕለ ላዕሉ ምንባብ፡ ወይ መልስታት ምስማር ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ፈለማ ነቲ ኣብ መጀመርታ እታ ዓንቀጽ ዘሎ መላለዪ ኣንብቦ። ድሕሪኡ፡ ንኣርእስቲ እታ ዓንቀጽን ንንኡስ ኣርእስትታትን ንሕቶታት ክለሳን መርምሮ። ቀጺልካ፡ ነታ ዓንቀጽ ህድእ ኢልካ ተጠንቂቕካ ኣንብባ። ነቲ ርእሰ ነገር ዝዀነ ምሉእ ሓሳብ ኣተኵረሉ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ ዅሉ ሕጡብ ጽሑፍ እዩ ዚርከብ። እቲ ርእሰ ነገር ዝዀነ ምሉእ ሓሳብ ነቲ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኬመሓላልፎ ዝደለዮ ነገር ኬንቅሓካ እዩ። ነታ ዓንቀጽ ከተንብባ ኸለኻ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ነቲ ንኡስ ኣርእስቲ ብኸመይ ከም ዚድግፎን ምስቲ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር እታ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም እተኣሳሰረን ሕሰብ። ተወሳኺ ምርምር ብምግባር ከተነጽሮ እትደሊ ዘይትፈልጦ ቓላትን ነጥብታትን ከኣ መዝግብ።

9. (ሀ) ግምቢ ዘብዐኛ ኸነጽንዕ ከለና ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ቈላሕታ እንገብረሉ ስለምንታይን ብኸመይን ኢና፧ (ለ) ኣብ እያሱ 1:8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ጥቕስታት ኣብ ርእሲ ምንባብና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንገብር ከለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እነጽንዕ። ስለዚ፡ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ቈላሕታ ግበረሉ፣ ምናዳ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኣብ ዚጽንዓሉ እዋን ዚንበብ ጥቕስታት ኣተኵረሉ። ኣብቲ ጥቕስታት ዘሎ ቐንዲ ቓላት ወይ ሓረጋት ነቲ ኣብታ ሕጡብ ጽሑፍ ኺመሓላለፍ እተደልየ ነጥቢ ኸም ዚድግፎ ብፍሉይ ኣስተብህለሉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ እተንብቦ ጥቕስታት ግዜ ወሲድካ ኣስተንትነሉ፣ ኣብ ህይወትካ ኸመይ ጌርካ ኸም እትዓይየሉ እውን ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ።—እያሱ 1:8 ኣንብብ።

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ከመይ ገይሮም ከም ዜጽንዑ ምሃርዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) *

10. ብመሰረት እብራውያን 5:14፡ ወለዲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ መዲቦም ንደቆም ብኸመይ ከም ዜጽንዑን ምርምር ከም ዚገብሩን ኪምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

10 ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ነቲ ሰሙናዊ ዚግበር ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንደቆም ባህ ዜብል ኪኸውን ይደልይዎ እዮም። ንኣምልኾ ስድራ ቤት እውን ወትሩ ሓደ ንጹር መደብ ኪህልዎም ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰሰሙን ፍሉይ ንጥፈታት ወይ ማራኺ ፕሮጀክትታት ኪውድቡ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም የብሉን። ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወርሓዊ ፈነወ JW ኪርእዩ ወይ ሓሓሊፎም ከም ምግጥጣም መርከብ ኖህ ዝኣመሰለ ፍሉይ ፕሮጀክት ኪዓይዩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ውሉዳት ብኸመይ ከም ዜጽንዑ እውን ኪምሃሩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ኪዳለዉ ኸም ዘለዎም፡ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዚለዓል ጕዳይ ብኸመይ ምርምር ከም ዚገብሩ ኺምሃሩ ኣለዎም። (እብራውያን 5:14 ኣንብብ።) ኣብ ቤት መጽናዕቲ ንምግባር ግዜ ዚውፍዩ እንተ ዀይኖም፡ ኣብቲ ብቪድዮታት ጥራይ ዘይኰነስ ብኻልእ መገዲ እውን ትምህርቲ ዚቐርበሉ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንምትኳር ኪቐልሎም እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንውሓት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዕድመን ኣብ ባህርያትን እቶም ቈልዑ እዩ ዚውሰን።

11. ስለምንታይ ኢና ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሮም ባዕሎም ብዕምቈት ከም ዜጽንዑ ኽንምህሮም ዘሎና፧

11 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከመይ ገይሮም ከም ዜጽንዑ ኺምሃሩ ኣለዎም። ሓደስቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ንኣኼባታት ጉባኤ ኺዳለዉ ኸለዉ ነቲ መልስታት እንተ ኣስሚሮምሉ፡ ብእኡ ንሕጐስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ከመይ ገይሮም ምርምር ከም ዚገብሩን ከመይ ገይሮም ባዕሎም ብዕምቈት ከም ዜጽንዑን ክንምህሮም ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጸገማት ኬጓንፎም ከሎ፡ ብኡብኡ ኻብ ካልእ ኣባል ጉባኤ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዚደልዩ፡ ባዕሎም ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ብምግባር ከመይ ገይሮም ግብራዊ ምኽሪ ኸም ዚረኽቡ ኺፈልጡ እዮም።

ብዕላማ ኣጽንዕ

12. መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና እንታይ ሸቶታት ኪህልወና ይኽእል፧

12 መጽናዕቲ ዘይትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ብመጽናዕቲ ባህ ዚብለካ ኣይመስለካን ይኸውን። ግናኸ፡ ክትፈትዎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጀመርታ፡ ንውሓት እቲ ንመጽናዕቲ እትምድቦ ግዜ ሓጺር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ እዋን መጽናዕቲ በብቝሩብ ኣንውሓዮ። ኣብ ኣእምሮኻ ሸቶ ይሃሉኻ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ሸቶና፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ እዩ። ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶና ግና ካብ ሓደ ሰብ ንዝቐረበልና ሕቶ ንምምላስ ወይ ብዛዕባ ዘጋጠመና ጸገም ምርምር ንምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

13. (ሀ) ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንእምነታቱ ንምጥባቕ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ግለጽ። (ለ) ነቲ ኣብ ቈሎሴ 4:6 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ክትዓይየሉ ትኽእል፧

13 ንኣብነት፡ ገና ኣብ ትምህርቲ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ኵሎም ደቂ ኽፍልኻ ብኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ይኣምኑ ይዀኑ። ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጣበቐሉ ትደሊ ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ንምግባር ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ መጽናዕቲ ግበር! ሸቶኻ ኽልተ ነገር ዘጣመረ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ (1) ኣምላኽ ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ ዘሎካ እምነት ንምድልዳል፡ (2) ብዛዕባ ሓቂ ንምግላጽ ዘሎካ ኽእለት ንምምሕያሽ። (ሮሜ 1:20፣ 1 ጴጥ. 3:15) ስለዚ፡ ‘ደቂ ኽፍለይ ንፍልቀት ንምድጋፍ እንታይ መጐተ እዮም ዜቕርቡ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብጽሕፋትና ጌርካ ተጠንቂቕካ ምርምር ግበር። ንእምነታትካ ምጥባቕ፡ ከምቲ እትሓስቦ ኸቢድ ከይከውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ብዜኽብርዎ ሰብ ስለ እተነግሮም ጥራይ እዮም ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ። ሓደ ወይ ክልተ ነጥቢ እንተ ረኺብካ፡ ንሓደ ብቕንዕና ዚሓትት ሰብ ዜዕግብ መልሲ ኽትህብ ትኽእል ትኸውን።—ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።

ተገዳስነትካ ኣማዕብል

14-16. (ሀ) ንሓንቲ ብዙሕ ዘይትፈልጣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጣ ትኽእል፧ (ለ) በዚ ኣብዚ ዚርከብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ኣሞጽ ብኸመይ እተማልአ ስእሊ ኽትሕዝ ከም እትኽእል ግለጽ። (“ ንመጽሓፍ ቅዱስ ህያው ግበሮ!” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ጉባኤ ንጽሑፋት ሓደ ኻብቶም ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦም ንኣሽቱ ነብያት ዚብሃሉ ኸነቕርብ ተመዲብና ንበል። እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ፡ ብዛዕባ እቲ ነብዪ ዝጸሓፎ ተገዳስነት ምምዕባል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

15 ፈለማ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ጸሓፊ እዚ እንታይ እየ ዝፈልጥ፧ መን እዩ፧ ኣበይ እዩ ዚነብር ነይሩ፧ ስራሑ እንታይ እዩ ነይሩ፧’ ኢልካ ሕተት። ድሕረ ባይታኡ ንምርጫ ቓላቱ ወይ ነቲ እተጠቕመሉ ምሳሌታት ይጸልዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንስብእና እቲ ጸሓፊ ዜንጸባርቕ ሓረጋት ኣናዲ።

16 ድሕሪኡ፡ እታ መጽሓፍ መዓስ ከም እተጻሕፈት ምፍላጥካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ “ሰሌዳ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ነዚ ብቐሊሉ ኺሕብረካ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ነቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ6 ዘሎ ሰሌዳ ነብያትን ነገስታትን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እታ እተጽንዓ መጽሓፍ፡ ትንቢታት ዝሓዘት እንተ ዀይና፡ ነቲ ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት ምፍላጥካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ነብዪ እንታይ ሕማቕ ኣረኣእያታት ወይ ልምድታት እዩ ኺእርም ፈቲኑ፧ ብግዜኡ ብዓል መን እዮም ነይሮም፧ ሓፈሻዊ ሓሳብ ንምርካብ፡ ልዕሊ ሓደ ምንጪ ኽትውከስ የድልየካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ነብዪ ኣሞጽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድኣካ፡ ነቲ ኣብ ሕድጋታዊ መወከሲታት ኣሞጽ 1:1 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ 2 ነገስትን 2 ዜና መዋእልን ዚርከብ ሓበሬታ ኽትውከስ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ንጽሑፋት እቲ ብዘመን ኣሞጽ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ሆሴእ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ እዚ ምንጭታት እዚ፡ እቲ ኣሞጽ ዝነበረሉ እዋን ከመይ ምንባሩ የብርሃልና እዩ።—2 ነገ. 14:25-28፣ 2 ዜና 26:1-15፣ ሆሴ. 1:1-11፣ ኣሞ. 1:1

ንዝርዝር ነገራት ኣቕልበሉ

17-18. ንንኣሽቱ ዚመስል ዝርዝራት እንተ ኣቕሊብካሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ብሕታዊ መጽናዕቲ ባህ ዜብል ከም ዚኸውን፡ በዚ ኣብዚ ሕጡብ ጽሑፋት ዘሎ ኣብነታት ወይ ብናትካ ኣብነት ጌርካ ብምሳሌ ኣረድእ።

17 ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኸለና፡ ንምፍላጥ ብርቱዕ ድሌት ኪህልወና ኣለዎ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዛዕባ ሞት መሲሕ ዚንበ ኣብ ዘካርያስ ምዕራፍ 12 ዚርከብ ትንቢት ተንብቦ ኣለኻ ንበል። (ዘካ. 12:10) ኣብ ፍቕዲ 12 ምስ በጻሕካ፡ “ዓሌት ቤት ናታን” ብሞት መሲሕ ኣምሪራ ኸም እትበኪ ተንብብ። ነዚ ዝርዝር ነጥቢ እዚ ቐልጢፍካ ኣብ ክንዲ እትሓልፎ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ፡ ‘ኣብ መንጎ ቤት ናታንን መሲሕን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽረኽበሉ ዝኽእል መገዲ ኣሎዶ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ትሓትት። ድሕሪኡ፡ ምርምር ትገብር። እቲ ሕድጋታዊ መወከሲ ኸኣ ናብ 2 ሳሙኤል 5:13, 14 ይመርሓካ፣ ኣብኡ ድማ ናታን ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ዳዊት ምዃኑ ትፈልጥ። ካልኣይ ሕድጋታዊ መወከሲ ድማ ናብ ሉቃስ 3:23, 31 ይመርሓካ፣ ኣብኡ ድማ የሱስ ብማርያም ኣቢሉ ኻብ ዘርኢ ናታን ከም እተወልደ ትፈልጥ። (ናይ ነሓሰ 2017 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32፡ ሕ.ጽ. 4 ርአ።) እዚ ድማ ብዙሕ የስደምመካ! የሱስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዚኸውን ብትንቢት ከም እተነግረ ትፈልጥ ኢኻ። (ማቴ. 22:42) ዳዊት ግና ልዕሊ 20 ኣወዳት እዮም ነይሮምዎ። ዘካርያስ ንእንዳ ናታን ብሞት የሱስ ከም ዚሓዝኑ ፈልዩ ምጥቃሱስ ዜደንቕዶ ኣይኰነን፧

18 ካልእ ኣብነት ድማ ንርአ። ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ ሓደ፡ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኪበጽሓ ምስ መጸ፡ ብዛዕባ እቲ እትወልዶ ወዲ፡ “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 1:32, 33) ምናልባት ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ ገብርኤል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ማለት ኣብቲ የሱስ “ወዲ እቲ ልዑል” ከም ዚኸውን እተዛረቦ ቓላት ነተኵር ንኸውን። ገብርኤል ግና፡ የሱስ “ኪነግስ” ምዃኑ እውን ተነብዩ እዩ። ስለዚ፡ እዘን ገብርኤል እተዛረበን ቃላት ንማርያም እንታይ ትርጉም ከም ዝነበረን ክንሓትት ንኽእል ኢና። የሱስ ንንጉስ ሄሮድስ ወይ ንሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ድሕሪኡ ዝነበሩ ነገስታት ከም ዚትክእ ገይራዶ ሓሲባ እያ፧ የሱስ እንተ ዚነግስ ነይሩ፡ ማርያም ኣደ ንጉስ ምዀነት፣ ምስ ስድራ ቤታ ኸኣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምነበረት። ይኹን እምበር፡ ማርያም ንገብርኤል ከምዚ ኸም ዝበለቶ ዚሕብር ዋላ ሓደ ነገር የልቦን፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ማርያም ከምቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ መንግስቱ ብሉጽ ቦታ ኺውሃባ ኸም ዝለመነት እተጻሕፈ ነገር የልቦን። (ማቴ. 20:20-23) እዚ ዝርዝር ነጥብታት እዚ ነቲ ማርያም ትሕትቲ ሰበይቲ ምንባራ ዝነበረና ፍልጠት የራጕደልና እዩ።

19-20. ኣብ ያእቆብ 1:22-254:8ን ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ከነጽንዕ ከለና እንታይ ሸቶታት እዩ ዘሎና፧

19 ቃል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን እነጽንዓሉ እቲ ዝዓበየ ሸቶና ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብዘይካዚ፡ ‘ከመይ ምዃንና’ ማለት እንታይ ዓይነት ስብእና ኸም ዘሎና ብንጹር ክንርኢ፡ ንኣምላኽ ባህ ንምባል እውን እንታይ ለውጥታት ክንገብር ከም ዜድልየና ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። (ያእቆብ 1:22-25፣ 4:8 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ወትሩ መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርና፡ ንየሆዋ መንፈሱ ኺህበና ንለምኖ። ካብቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀምን ከምቲ ንሱ ዚርእየና ጌርና ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኽንርእን፡ ኪሕግዘና ንለምኖ።

20 እምበኣር፡ ኵላትና ኸምቲ እቲ ዘማሪ ዝገለጾ ዓይነት ናይ ኣምላኽ ሰብ ንኹን! “ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ። . . . ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።”—መዝ. 1:2, 3

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ብልግሲ ተደሪኹ፡ ክንርእዮን ከነንብቦን ከነጽንዖን እንኽእል ብዙሕ ሓበሬታ ይህበና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ከም እነጽንዕ ክንውስን ትሕግዘና፡ ካብ መጽናዕትና ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኽንጥቀም ከም እንኽእል ከኣ ግብራዊ ሓሳባት ትህበና።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ ገጽ፦ ወለዲ ንደቆም ከመይ ገይሮም ሰሙናዊ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዚዳለዉ የርእይዎም።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ ገጽ፦ ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ኣሞጽ መጽናዕቲ ይገብር። እቲ ኣብ ድሕረ ባይታ ዘሎ ስእልታት፡ ነቲ እቲ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብን ብዛዕባኡ ኼስተንትንን ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዚስእሎ ነገር የመልክት።