ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

“ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣየዐሹኻ

“ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣየዐሹኻ

“ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ።”—1 ቈረ. 3:19

መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ

መላለዪ *

1. ቃል ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚህበና፧

የሆዋ ዓብዪ መምህርና ስለ ዝዀነ፡ ንዝዀነ ጸገም ፍታሕ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 30:20, 21) ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕና እተዳሎና፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን፡’ ቃሉ ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ይህበና እዩ። (2 ጢሞ. 3:17) ብትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመላለስ ከለና፡ ሓለፋ እቶም “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ዜስፋሕፍሑ ሰባት ጥበበኛታት ንኸውን ኢና።—1 ቈረ. 3:19፣ መዝ. 119:97-100

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንስጋዊ ትምኒትና ዚማርኽ እዩ። ስለዚ፡ ንኣተሓሳስባን ንተግባርን እቶም ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝዀኑ ሰባት ምጽራር ይኸብደና ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ ኣብ ስርዓት ሰብ . . . እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ይብለና እዩ። (ቈሎ. 2:8) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክልተ ኸንቱ ጥበራ ወይ ሓሶት ከመይ ኢሉ ብመብዛሕትኡ ሰብ ተቐባልነት ረኺቡ ኸም ዘሎ ኽንምርምር ኢና። ኣብ ክልቲኡ ኸኣ፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ስለምንታይ ዕሽነት ከም ዝዀነት፡ ጥበብ ቃል ኣምላኽ ድማ ካብቲ ዓለም እተቕርቦ ዅሉ ኸም እትበልጽ ክንርኢ ኢና።

ኣብቲ ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘሎ ኣረኣእያ እተገብረ ለውጥታት

3-4. ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዛዕባ ስነ ምግባር እንታይ ናይ ኣረኣእያ ለውጥታት ተገይሩ፧

3 ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብቲ ሰባት ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘለዎም ኣረኣእያ ዓብዪ ለውጢ ተገይሩ እዩ። ቅድሚኡ፡ ጾታዊ ርክብ ንእተመርዓዉ ጥራይ ከም ዚፍቀድ፡ ብግህዶ ዚዝረበሉ ጕዳይ እውን ከም ዘይኰነ እዩ ብብዙሓት ዚእመነሉ ነይሩ። እዚ ስርዓታት እዚ ግና ፈሪሱ፣ ፍኑው ዝዀነ ኣረኣእያታት እውን ኣስፋሕፊሑ።

4 ካብ 1920-1930 ዝነበረ ዓመታት፡ ዜጕርዕ ዕስራታት ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ፣ ሰፊሕ ማሕበራዊ ለውጥታት ድማ ኣምጺኡ እዩ። ሓንቲ ተመራማሪት፡ “ፊልምታትን ተዋስኦታትን ደርፍታትን ልቢ ወለዳትን መወዓውዒታትን ነቲ ኣብ ጾታዊ መዘናግዒ ዘተኰረ ዕዳጋ ዜንጸባርቕ ኰይኑ እዩ” ትብል። ኣብቲ ዓሰርተ ዓመት እቲ፡ ሳዕስዒታት ብዝያዳ ንጾታዊ ነገር ዜለዓዕል፡ ኣከዳድና ኸኣ ትሕትና ዝጐደሎ ዀይኑ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ፡ ሰባት ብዜገርም ደረጃ “ተድላ ዚፈትዉ” እናዀኑ ኸይዶም እዮም።—2 ጢሞ. 3:4

ህዝቢ የሆዋ ብስነ ምግባራዊ መለክዒታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይጽለዉን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ካብ 1960ታት ኣትሒዙ እቲ ዓለም ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዋ ኣረኣእያ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

5 ኣብ 1960ታት ከይተመርዓኻ ተኣኻኺብካ ምንባርን ግብረ ሶዶምን ብዘይረብሕ ዚግበር ፍትሕን እናኣስፋሕፍሐ ኸይዱ። ሓያሎ ዓይነት መዘናግዒ ንጾታዊ ተግባር ብብዝሒ ኼርኢ ጀሚሩ። እቲ ፍኑው ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዎ ሕማቕ ጽልዋ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብብዙሕ መገድታት ይርአ ኣሎ። ሓንቲ ደራሲት ከም ዝጸሓፈቶ፡ ጠንቂ ምብትታን ስድራ ቤትን ብሓደ ወላዲ ዚናበራ ስድራ ቤታትን ስምዒታዊ በሰላን ወልፊ ስእለ ጽዩፍን ካልእ ተመሳሳሊ ሽግራትን ምስቲ “ንማሕበረሰብ ዚቐርጾ ዘሎ ብጾታዊ መዳይ ልሙድ ዝዀነ ቝጽጽር ኣልቦነት” ይተሓሓዝ እዩ። ምስፍሕፋሕ እቲ ኸም አይድስ ዝኣመሰለ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት፡ ሓደ ኻብቲ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ እዩ።—2 ጴጥ. 2:19

6. ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዋ ኣረኣእያ ንዕላማ ሰይጣን ዜገልግል ኰይኑ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

6 ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዋ ኣረኣእያ ንዕላማ ሰይጣን ዜገልግል ኰይኑ ኣሎ። እቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ጾታዊ ርክብን መውስቦን ኪበላሾ ኸሎ፡ እዚ ንሰይጣን የሐጕሶ እዩ። (ኤፌ. 2:2) ምንዝርና ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዜደንቕ ውህበት ኣብ ርእሲ ምብልሻዉ፡ ነቶም ዚምንዝሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚስእኑ ኺገብር ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 6:9, 10

ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ስነ ምግባር ዘለዋ ኣረኣእያ

7-8. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት እንታይ ክቡርን ጥዑይን ኣረኣእያ እዩ ቐሪቡ ዘሎ፧

7 ንጥበብ ዓለም ዚስዕቡ ሰባት፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክውንነት ከም ዝረሓቐ ገይሮም የላግጹ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ኣምላኽ ጾታዊ ትምኒት ሂቡ ኻብ ፈጠረና፡ ስለምንታይ ይኽልክለና፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ከምኡ ኢሎም ዚሓትቱ ኸኣ፡ ‘ቃሕ ዝበለካ ዅሉ ኽትገብር ኣሎካ’ ዚብል ግጉይ እምነት ስለ ዘሕደሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ እተፈልየ ነገር እዩ ዚነግረና። ንዅሉ ዘይግቡእ ትምኒትና ኽንቈጻጸር ከም እንኽእል ይምህረና እዩ፣ እዚ እውን ንዓና የኽብረና እዩ። (ቈሎ. 3:5) ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ውህበት መውስቦ ኣዳልዩ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ግቡእ ጾታዊ ትምኒት ብኽቡር መገዲ ዚረውየሉ መሰናድዎ እዩ። (1 ቈረ. 7:8, 9) ኣብ ውሽጢ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ ምንዝርና ዜስዕቦ ጣዕሳን ጭንቀትን ናጻ ዀይኖም ብጾታዊ ርክብ ባህ ኪብሎም ይኽእል እዩ።

8 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ብእተፈልየ መገዲ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጥዑይ ኣረኣእያ የተባብዕ እዩ። ጾታዊ ርክብ ምንጪ ባህታ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 5:18, 19) ይኹን እምበር፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ” እውን ይብል እዩ።—1 ተሰ. 4:4, 5

9. (ሀ) ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብሉጽ ጥበብ ኪስዕቡ እተተባብዑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15, 16 እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ ይርከብ፧ (ሐ) ኣብ ሮሜ 1:24-27 ተዘርዚሩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ምንታይ ርኹስ ተግባራት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

9 ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ህዝቢ የሆዋ በቲ እቶም ‘ንንውርምና ርእሶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ’ ሰባት ዜስፋሕፍሕዎ ኸንቱ ጥበራ ኣይተጸልዉን። (ኤፌ. 4:19) የግዳስ፡ ንስርዓታት የሆዋ ጠቢቖም ኪስዕብዎ እዮም ጽዒሮም። ናይ 15 ግንቦት 1926 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምናዳ ምስ ኣንጻር ጾታ ብእተተሓሓዘ ብሓሳብ ኰነ ብተግባር ንጹህ ኪኸውን ይግባእ” ኢላ ነይራ እያ። ህዝቢ የሆዋ ኣብታ ኣብ ዙርያኦም ዘላ ዓለም ዚኸውን ዝነበረ ነገራት ብዘየገድስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብሉጽ ጥበብ እዮም ስዒቦም። (1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ ብምርካብና፡ ብሓቂ ተባሪኽና ኢና! ነቲ ምስ ስነ ምግባር ዚተሓሕዝ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ኸይንስዕብ፡ የሆዋ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህበና ምዃኑ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። *ሮሜ 1:24-27 ኣንብብ።

ኣብቲ ብዛዕባ ርእሰ ፍትወት ዘሎ ኣረኣእያ እተገብረ ለውጥታት

10-11. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ከም ዚዀኑ የጠንቅቕ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ከምቲ እተባህለ ድማ፡ ዓለም ብዛዕባ ርእስኻ እምብዛ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልወካ እያ እተተባብዕ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ 1970ታት፡ ባዕልኻ እትምሃረሉ መጻሕፍቲ ብብዝሒ ኺዝርጋሕ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ገሊኡ መጻሕፍቲ ድማ፡ “ንኣንበብቱ ንገዛእ ርእሶም ኪፈልጡን ኪቕበልዎን፡ ብመንነቶም እውን ኪሕጐሱ ይምሕጸኖም” እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ኻብዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ “ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጽቡቕን ማራኽን ብቑዕን ሰብ ፍተዎ፣ ንሱ ድማ ንስኻ ኢኻ” ትብል። እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ “ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ሕልናኡን ኣብቲ ንዕኡ ዚዓዪ ሕግታት ባህሉን ተመርኲሱ ጠባያቱ ዚውስነሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃይማኖት” ንምግባር ኪተባባዕ ከም ዘለዎ ገሊጻ እያ።

11 ነዚ ኣረኣእያ እዝስ ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕካዮዶ ትፈልጥ፧ ሰይጣን ንሄዋን፡ ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር እዩ ኣተባቢዕዋ። ‘ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጥ’ እዩ ተዛሪብዋ። (ዘፍ. 3:5) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ርእሶም እምብዛ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም፡ ዋላ ሓደ ሰብ፡—እንተላይ እውን ኣምላኽ፡—ቅኑዕን ጌጋን ኪነግሮም ከም ዘይክእል ይስምዖም። ንኣብነት፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብቲ ሰባት ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎም ኣረኣእያ ይንጸባረቕ ኣሎ።

ሓደ ክርስትያን ነቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት፡ ምናዳ ኸኣ ነቲ ንመጻምድቱ ዜድልያ ነገራት፡ ቀዳምነት ይህብ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ዓለም ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ኣረኣእያ እያ እተተባብዕ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪከባበሩ፡ ቃል ኪዳኖም እውን ኬኽብሩ ይምህር እዩ። “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ብምባል ከኣ፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ የተባብዕ እዩ። (ዘፍ. 2:24) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ብጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ እተጸልዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ሓዳር ንርእሱ ኣብ ዜድልዮ ጥራይ ኬተኵር ብምትብባዕ፡ ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዮም ዜስፋሕፍሑ። ሓንቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ፍትሕ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ገሊኡ ስነ ስርዓት መርዓ፡ እቲ ‘ብህይወት ኽሳዕ ዘለና’ ዚብል ልሙድ ማሕላ፡ ‘ክሳዕ እተፋቐርና’ ብዚብል ድሩት ቃል ተተኪኡ ኣሎ።” እዚ ብዛዕባ መውስቦ ዘሎ ፍኑው ኣረኣእያ፡ ጠንቂ ምብትታን ሓያሎ ስድራ ቤታት ኰይኑ ኣሎ፡ ማእለያ ዘይብሉ ስምዒታዊ ጕድኣት እውን ኣስዒቡ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ዓለም ንመውስቦ ዘለዋ ንዕቀት፡ ዕሽነት ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።

13. ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዕቡያት ዚፍንፍነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ” ይብል። (ምሳ. 16:5) ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንዕቡያት ሰባት ዚፍንፍኖም፧ እቶም ርእሰ ፍትወት ዜማዕብሉን ዜተባብዑን ሰባት፡ ንትምክሕቲ ሰይጣን ስለ ዜንጸባርቑ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሰይጣን፡ እቲ ኣምላኽ ኵሉ ብእኡ ንምፍጣር እተጠቕመሉ የሱስ እኳ ፍግም ኢሉ ኺሰግደሉ ኸም ዚግባእ እዩ ዚኣምን ነይሩ! (ማቴ. 4:8, 9፣ ቈሎ. 1:15, 16) እቶም ንርእሶም እምብዛ ኽብ ኣቢሎም ዚርእዩ ሰባት፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት ምዃኑ እዮም ዜመስክሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም መን ከማይ ዚብሉ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ

14. ሮሜ 12:3 ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ብኸመይ ትሕግዘና፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። ንርእስና ብመጠኑ ኽንፈቱ ኸም ዘሎና ይምህር እዩ። የሱስ፡ “ብጻይካ . . . ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ እዩ፣ እዚ ድማ ንገዛእ ርእስና ብመጠኑ ቘላሕታ ኽንገብር ከም ዘሎና ይሕብር። (ማቴ. 19:19) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንርእስና ኻብ ካልኦት ክብ ኣቢልና ኽንርኢ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ይብል እዩ።—ፊል. 2:3፣ ሮሜ 12:3 ኣንብብ።

15. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም መን ከማይ ዚብሉ ሰባት ዝሃቦ ምኽሪ ጽቡቕ እዩ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

15 ሎሚ፡ ጥበበኛታት ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም መን ከማይ ዚብሉ ሰባት ዚህቦ ምኽሪ የናሽውዎ እዮም። ንኻልኦት ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ ተጠቃዒ ኸም ዚገብረካ፡ ካልኦት እውን ከም ዚብለጹልካ ይማጐቱ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ኣብ ርእሰ ፍትወት ጥራይ ዘተኰረ ኣረኣእያ እንታይ እዩ ኣፍርዩ፧ እንታይ ተዓዚብካ፧ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ዜተኵሩ ሰባትሲ ሕጉሳት ድዮም፧ ሕጉሳት ስድራ ቤት ኣለውዎምዶ፧ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኣለውዎምዶ፧ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣለዎምዶ፧ ካብቲ ዝረኣኻዮ ተበጊስካ እንተ መስኪርካ፡ ኣየናይ እዩ ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ—ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ምስዓብዶ ወይስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ፧

16-17. እንታይ ብምርካብና ኢና ኸነመስግን ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 ሰባት ንምኽሪ እቶም በዛ ዓለም ከም ጥበበኛታት ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ከምቲ ሓደ ገያሺ ኣንፈት ምስ ጠፍኦ ንሓደ ኸምኡ ዝኣመሰለ ገያሺ ኺሕብሮ ዚሓትቶ ጌርካ ኺርኣዩ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ “ጥበበኛታት” ዚብሃሉ ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ “ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 15:14) ብሓቂ እምበኣር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ።

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍዎ ህይወት ብሓጐስ ይዝክርዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ወትሩ “ንምምሃርን ንምግናሕን ንምእራምን ብጽድቂ ንምግሳጽን [ከም] ዚጠቅም” ኣመስኪሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16፡ እ.ጽ.) የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ኻብ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝሓለወና፡ ብዙሕ ኢና እነመስግኖ። (ኤፌ. 4:14) እቲ ዘዳለወልና መንፈሳዊ ምግቢ ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ስርዓታት ጠቢቕና ኽንስዕቦ ብርታዐ ይህበና እዩ። በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዘይጋገ ጥበብ ክንምራሕ ምኽኣልና፡ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ!

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ በይኑ ምንጪ ዜተኣማምን መምርሒ ምዃኑ ዘሎና እምነት ከተደልድለልና እያ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንጥበብ ዓለም ምስዓብ ዜሕዝን ሳዕቤናት ከም ዘለዎ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበብ እንተ ዓዪናሉ ግና ከም እንጥቀም ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 9 ንኣብነት፡ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ(እንግሊዝኛ)፡ ምዕ. 24-26፡ 2ይ ጥራዝ ፡ ምዕ. 4-5 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 50 መግለጺ ስእሊ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ሓድሓደ ነገራት ይርአ። እቲ ሓውን እታ ሓብትን ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ዕዮ ስብከት ይሳተፉ።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ 1980ታት፡ እቲ ሰብኣይ ሰበይቱ ምስ ሓመመት ይከናኸና፣ ጓሎም እውን ነዚ ትርኢ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ሎሚ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍዎ ዜሐጕስ ህይወት ምልስ ኢሎም ይዝክሩ። ጓሎምን ስድራ ቤታን እውን ኣብቲ ሓጐሶም ይካፈሉ።