ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

ፍቕርን ፍትሕን—እከይ ኬጋጥም ከሎ

ፍቕርን ፍትሕን—እከይ ኬጋጥም ከሎ

“ንስኻስ ብእከይ ባህ ዚብለካ ኣምላኽ ኣይኰንካን፣ ክፉእ ምሳኻ ኣይጸንሕን እዩ።”—መዝ. 5:4

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

መላለዪ *

1-3. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 5:4-6፡ የሆዋ ብዛዕባ እከይ እንታይ ይስምዖ፧ (ለ) ህስያ ቘልዑ ምስ “ሕጊ ክርስቶስ” ይጻረር እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ዓይነት እከይ ይጸልእ እዩ። (መዝሙር 5:4-6 ኣንብብ።) ነቲ ዜፈንፍን እኩይ ተግባር ዝዀነ ጾታዊ ህስያ ቘልዑ እሞ ኸኣ ኣመና ይጸልኦ እዩ! ንሕና መሰኻኽሩ ድማ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ንህስያ ቘልዑ ንፍንፍኖ ኢና፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪፍጸም እውን ዕሽሽ ኢልና ኣይንርእን ኢና።—ሮሜ 12:9፣ እብ. 12:15, 16

2 ዝዀነ ህስያ ቘልዑ ምስ “ሕጊ ክርስቶስ” ምሉእ ብምሉእ ይጻረር እዩ። (ገላ. 6:2) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተምሃርናዮ፡ ሕጊ ክርስቶስ፡ ማለት ኵሉ እቲ የሱስ ብቓልን ብኣብነትን ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተን ፍትሒ ዜተባብዕን እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ ሕጊ እዚ እናተመርሑ ንቘልዑ ቕሳነትን ፍቕርን ከም ዚረኽቡ ገይሮም እዮም ዚሕዝዎም። ህስያ ቘልዑ ግና ንቘልዑ ቕሳነትን ፍቕርን ዜስእን ክፉእን ዘይፍትሓውን ተግባር እዩ።

3 እቲ ዜሕዝን፡ ጾታዊ ህስያ ቘልዑ ዓለምለኻዊ ለበዳ ዀይኑ ኣሎ፣ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ በዚ ለበዳ እዚ ተጸልዮም ኣለዉ። ስለምንታይ፧ “እኩያትን ኣምሰሉታትን” በዚሖም ኣለዉ፣ ገሊኦም ድማ ናብ ጉባኤ ኺኣትዉ ይፍትኑ ይዀኑ። (2 ጢሞ. 3:13) ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ኢና በሃልቲ ብዝሩግ ጾታዊ ትምኒት ተሰኒፎም ኣብ ቈልዑ ማህሰይቲ ኣውሪዶም እዮም። እምበኣር፡ ህስያ ቘልዑ ስለምንታይ ከቢድ ሓጢኣት ወይ ከቢድ በደል ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ሽማግለታት ንኸቢድ ኣበሳ፡ እንተላይ ንህስያ ቘልዑ ብኸመይ ኪሕዝዎ ከም ዘለዎምን ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ኬዕቍቡ ኸም ዘለዎምን ክንርኢ ኢና። *

ከቢድ በደል

4-5. ህስያ ቘልዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይ ዚፍጸም በደል ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 ህስያ ቘልዑ ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ሳዕቤናት ኣለዎ። ነቶም ግዳያትን ነቶም ብዛዕባ እቶም ግዳያት ዚግደሱ ሰባትን፡ ማለት ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ንክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ይጸልዎም እዩ። ህስያ ቘልዑ ኸቢድ ሓጢኣት ወይ ከቢድ በደል እዩ።

5 ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይ * ዚፍጸም በደል። በደል ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ንዚፍጸም ጕድኣትን ወጽዓን የመልክት። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ ንቘልዓ ዚሃሲ ዘበለ ሃሳዪ ኸምኡ እዩ ዚገብር፣ ነቲ ቘልዓ ብእተፈላለየ መገድታት ከቢድ ጕድኣት እዩ ዜውርደሉ። ነቲ እቲ ቘልዓ ኣብኡ ኣሕዲርዎ ዝነበረ እምነት ይጠልሞ፣ በዚ ኸምዚ ነቲ ቘልዓ ስግኣት የሕድረሉ። ቈልዑ ኻብ ከምዚ ዝበለ እኩይ ተግባር ዕቝባ ኺግበረሎም ኣለዎ፣ እቶም ግዳያት ከኣ መጸናንዕን ሓገዝን የድልዮም እዩ።—1 ተሰ. 5:14

6-7. ህስያ ቘልዑ ኣብ ልዕሊ ጉባኤን ኣብ ልዕሊ ዓለማውያን ሰበ ስልጣንን ዚፍጸም በደል እዩ ዚብሃል ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ ልዕሊ ጉባኤ ዚፍጸም በደል። ብህስያ ቘልዑ ገበነኛ ዝዀነ ኣባል ጉባኤ፡ ነታ ጉባኤ የንቅፋ እዩ። (ማቴ. 5:16፣ 1 ጴጥ. 2:12) እዚ ነገር እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ነታ እምነት ዚጋደሉ’ ሚልዮናት እሙናት ክርስትያናት ዚፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ። (ይሁ. 3) እኩይ ተግባር ገይሮም ንዘይንስሑን ንጽቡቕ ስም እታ ጉባኤ ንዜንቅፉን ውልቀ ሰባት ዕሽሽ ኢልና ኣይንርእዮምን ኢና።

7 ኣብ ልዕሊ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ዚፍጸም በደል። ክርስትያናት ‘ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ኪግዝእዎም’ ኣለዎም። (ሮሜ 13:1) ስለዚ፡ ንሕግታት እታ እንነብረላ ሃገር ከነኽብር ከለና፡ ንሰበ ስልጣን ከም እንግዝኦም ነርኢ ኢና። ኣባል ጉባኤ ገበናዊ ሕጊ እንተ ጥሒሱ፡ ንኣብነት ህስያ ቘልዓ እንተ ፈጺሙ፡ ንሰበ ስልጣን በዲልዎም ኪብሃል ይከኣል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:8 ኣረኣኢ።) ሽማግለታት ሕጊ እታ ሃገር ከም ዚኽበር ናይ ምግባር ስልጣን እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ንሓደ ሃሳዪ ቘልዓ ኻብቲ በደሉ ዜስዕበሉ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣይሓብእዎን እዮም። (ሮሜ 13:4) እቲ በዳሊ፡ ዝዘርኦ ይዓጽድ እዩ።—ገላ. 6:7

8. ሓደ ሰብ ንኻልእ ኪብድል ከሎ፡ የሆዋ ነዚ ብኸመይ ይርእዮ፧

8 ልዕሊ ዅሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚፍጸም በደል። (መዝ. 51:4) ሓደ ሰብ ንኻልእ ኪብድል ከሎ፡ ንየሆዋ እውን ይብድሎ እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዚርከብ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ብመሰረት እቲ ሕጊ እቲ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ እንተ ዘሚትዎ ወይ እንተ ዓሚጽዎ፡ ‘ንየሆዋ ኸም ዝጠለሞ’ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (ዘሌ. 6:2-4) እምበኣር፡ ሓደ ኣባል ጉባኤ ንሓደ ቘልዓ እንተ ሃስይዎ፡ ቅሳነት ከም ዚስእን ስለ ዚገብሮ፡ ንኣምላኽ ጠሊምዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። እቲ ሃሳዪ ኣብ ስም የሆዋ ዓብዪ ጸርፊ የምጽእ እዩ። ስለዚ፡ ህስያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ከቢድ በደል ጌርና ኽንኵንኖ ኣሎና።

9. ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ውድብ የሆዋ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ እያ ኣዳልያ፧ ስለምንታይከ፧

9 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ውድብ የሆዋ ምስ ህስያ ቘልዑ ዚተሓሓዝ ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ኣዳልያ እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዝወጸ ዓንቀጻት፡ እቶም ግዳያት ጾታዊ ህስያ ዝዀኑ ሰባት ምስ ስምዒታዊ በሰላ ኺቃለሱ ኸም ዚኽእሉ፡ ካልኦት ከመይ ገይሮም ኪሕግዝዎምን ኬተባብዕዎምን ከም ዘለዎም፡ ወለዲ ኸመይ ገይሮም ንደቆም ኬዕቍቡ ኸም ዘለዎም ገሊጹ እዩ። ሽማግለታት ምስ ህስያ ቘልዑ ንዚተሓሓዝ ጕዳይ ከመይ ገይሮም ኪሕዝዎ ኸም ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ። ውድብና ነቲ ጉባኤታት ንህስያ ቘልዑ ዚሕዛሉ መገዲ ብቐጻሊ ትኽልሶ እያ። ስለምንታይ፧ ነቲ ጕዳይ እንሕዘሉ መገዲ፡ ምስ ሕጊ ክርስቶስ ከም ዚሳነ ንምግባር እዩ።

ኣተሓሕዛ ኸቢድ ኣበሳ

10-12. (ሀ) ሽማግለታት ምስ ከቢድ ኣበሳ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ኪሕዙ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧ እንታይ ነገራትከ ኬተሓሳስቦም ይግባእ፧ (ለ) ብመሰረት ያእቆብ 5:14, 15፡ ሽማግለታት እንታይ ንምግባር እዮም ዚጽዕሩ፧

10 ሽማግለታት ምስ ከቢድ ኣበሳ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኪሕዙ ኸለዉ፡ ብመሰረት ሕጊ ክርስቶስ ነተን መጓሰ ብፍቕሪ ኺሕዝወን ከም ዘለዎም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከኣ ቅኑዕን ፍትሓውን ዘበለ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባ ኸቢድ ኣበሳ ኺንገሮም ከሎ፡ ብዙሕ ዜተሓሳስቦም ነገራት ኣለዎም። ሽማግለታት ብቐዳምነት ብዛዕባ ቕድስና ስም ኣምላኽ የተሓሳስቦም እዩ። (ዘሌ. 22:31, 32፣ ማቴ. 6:9) ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕና እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ብዙሕ የተሓሳስቦም እዩ፣ ግዳያት ንዝዀኑ ዘበሉ ዅሎም እውን ኪሕግዝዎም ይደልዩ እዮም።

11 ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣባሲ ኣባል ጉባኤ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት እንተ ተኻኢሉ ንዕኡ ናብ ጥዕናኡ ምምላስ የተሓሳስቦም እዩ። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) ብግጉይ ትምኒቱ ተሰኒፉ ኸቢድ ሓጢኣት ዚገብር ክርስትያን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕሙም እዩ። እዚ ኸኣ ምስ የሆዋ ጥዑይ ርክብ የብሉን ማለት እዩ። * ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንሽማግለታት ከም ሓካይም ጌርና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና። ‘ነቲ ሕሙም [ማለት ነቲ ኣባሲ] ኬጥዕይዎ’ ይጽዕሩ እዮም። እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሮም ከኣ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ናብ ናይ ቀደሙ ንምምላስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ፣ እዚ ዚኸውን ግና እቲ ኣባሲ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ ጥራይ እዩ።—ግብ. 3:19፣ 2 ቈረ. 2:5-10

12 እምበኣር፡ ሽማግለታት ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። ነተን ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃቦም መጓሰ ኣጸቢቖም ይሓልዩለን እዮም። (1 ጴጥ. 5:1-3) ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ጉባኤ ቕሳነት ኪስምዖም ይደልዩ እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኸቢድ ኣበሳ ምስ ሰምዑ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ህስያ ቘልዑ ምስ ሰምዑ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ። ቀጺልና፡ ኣብ መጀመርታ  ሕጡብ ጽሑፍ 13 15 17ን ዚርከብ ሕቶታት እስከ ንርአ።

13-14. ሽማግለታት ነቲ ንውንጀላ ህስያ ቘልዑ ኽትሕብር ዚጠልብ ዓለማዊ ሕግታት ይእዘዝዎ ድዮም፧ ግለጽ።

 13 ሽማግለታት ነቲ ንውንጀላ ህስያ ቘልዑ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ክትሕብር ዚጠልብ ዓለማዊ ሕግታት ይእዘዝዎ ድዮም፧ እወ፡ ከምዚ ዝበለ ሕግታት ኣብ ዘለዎ ዓድታት፡ ሽማግለታት ነቲ ንውንጀላ ህስያ ቘልዑ ኽትሕብር ዚጠልብ ዓለማዊ ሕግታት ኪእዘዝዎ ይጽዕሩ እዮም። (ሮሜ 13:1) እዚ ሕግታት እዚ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ኣይጋጮን እዩ። (ግብ. 5:28, 29) ስለዚ፡ ሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ ውንጀላ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ሕግታት ብኸመይ ከም ዚእዘዝዎ ንምፍላጥ ብኡብኡ መምርሒ ይደልዩ እዮም።

14 ሽማግለታት ንግዳያትን ንወለዶምን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንዚፈልጡ ኻልኦት ሰባትን፡ ብዛዕባ እቲ ውንጀላ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ኬፍልጡ ኸም ዚኽእሉ ይሕብርዎም እዮም። ግናኸ፡ እቲ ውንጀላ ብዛዕባ ሓደ ኣባል ጉባኤ እንተ ዀይኑ እሞ እቲ ጕዳይ ኣብቲ ማሕበረሰብ እንተ ተፈሊጡኸ፧ እቲ ንሰበ ስልጣን ዝሓበረ ክርስትያን ኣብ ስም ኣምላኽ ጸርፊ ኸም ዘምጽአ ዀይኑ ኺስምዖ ኣለዎዶ፧ የብሉን። እቲ ሃሳዪ እዩ ኣብ ስም ኣምላኽ ጸርፊ ኣምጺኡ።

15-16. (ሀ) ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 5:19፡ ሽማግለታት ፍርዳዊ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ዜድልዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ኣባል ጉባኤ ብህስያ ቘልዓ ኸም እተኸስሰ ሽማግለታት ምስ ፈለጡ፡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

 15 ኣብ ጉባኤ፡ ሽማግለታት ፍርዳዊ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም፡ ስለምንታይ እዮም እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ኪህልዉ ዘለዎም፧ እዚ መምርሒ እዚ ኽፍሊ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ልዑል ስርዓት ፍትሒ እዩ። ሓደ ኣባሲ እንተ ዘይተናዚዙ፡ ሽማግለታት ንነገር ንምቛምን ፍርዳዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ክልተ መሰኻኽር ኪህልዉ ኣለዎም። (ዘዳ. 19:15፣ ማቴ. 18:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:19 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሓደ ውንጀላ ህስያ ናብ ሰበ ስልጣን ቅድሚ ምብጻሑ፡ ክልተ መሰኻኽር የድልዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ሽማግለታት ወይ ካልኦት ንሓደ ውንጀላ ገበን ናብ ሰበ ስልጣን ንምብጻሕ፡ እዚ መምርሒ እዚ ኺማላእ ኣየድልን እዩ።

16 ሓደ ኣባል ጉባኤ ብህስያ ቘልዓ ኸም እተኸስሰ ሽማግለታት ምስ ፈለጡ፡ ብመሰረት ዓለማዊ ሕግታት፡ ነቲ ነገር ኪሕብሩ ይጽዕሩ እዮም፣ ድሕሪኡ፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ነገር ይምርምርዎ እዮም። እቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ኽሲ እንተ ኽሒድዎ፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ እቶም መሰኻኽር ዚህብዎ ምስክርነት ይሰምዑ እዮም። እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር እንተ ኣልዮም፡—ማለት ሓደ ኸሳስን ነቲ ተግባር እቲ ወይ በቲ ኽሱስ ንእተፈጸመ ኻልእ ህስያ ቘልዓ ኼረጋግጽ ዚኽእል ሰብን እንተ ኣልዮም፡—ነገር ኪቐውም ስለ ዚኽእል፡ ኮሚተ ፍርዲ ይምስረት። * ካልኣይ ምስክር ዘይምህላዉ፡ እቲ ኽሲ ሓሶት እዩ ማለት ኣይኰነን። ንሓደ ኽሲ ዚድግፉ ኽልተ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይተረኽቡ፡ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ከም እተፈጸመ ሽማግለታት ይግንዘቡ እዮም፣ እዚ ድማ ንገሊኦም ብዙሕ ኪጐድኦም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ንእተጐድኡ ውልቀ ሰባት ቀጻሊ ደገፍ ይህብዎም እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ንጉባኤ ኻብ ሓደጋ ንምዕቋብ ነቲ ብህስያ እተወንጀለ ሰብ ብንቕሓት ይከታተልዎ እዮም።—ግብ. 20:28

17-18. ፍርዳዊ ኮሚተ ዘለዎ ግደ ግለጽ።

 17 ፍርዳዊ ኮሚተ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ እታ “ፍርዳዊ” እትብል ቃል፡ እቲ ሃሳዪ ብሰበ ስልጣን ሕጊ ኣፍሪሱ ተባሂሉ ኪቕጻዕ እንተ ኣለዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ሽማግለታት ኪፈርዱ ወይ ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ እትሕብር ኣይኰነትን። ሽማግለታት ኣብ ምፍጻም ሕጊ ጣልቃ ኣይኣትዉን እዮም፣ ገበናዊ ጕዳያት ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን እዮም ዚሓድጉሎም። (ሮሜ 13:2-4፣ ቲቶ. 3:1) የግዳስ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ እዮም ሽማግለታት ዚፈርዱ ወይ ዚውስኑ።

18 ሽማግለታት ኣብ ፍርዳዊ ኮሚተ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ መንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ግደ እዩ ዘለዎም። ብቕዱሳት ጽሑፋት እናተመርሑ፡ እቲ ሃሳዪ ተነሲሑ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ይፈርዱ። እንተ ዘይተነሲሑ፡ ካብታ ጉባኤ የውጽእዎ፣ ኣብታ ጉባኤ ኸኣ ምልክታ ይንገር። (1 ቈረ. 5:11-13) እንተ ተነሲሑ ግና፡ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሽማግለታት ንዕኡ፡ ኣብ ጉባኤ ዝዀነ ፍሉይ መሰል ኪቕበል ከቶ ኸም ዘይበቅዕ ወይ ኣብ ጉባኤ ኣብ ዘሎ ዝዀነ ሓላፍነት ኬገልግል ከም ዘይክእል ይሕብርዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ እቶም ሽማግለታት ንድሕንነት ቈልዑ ኻብ ዘለዎም ሓልዮት ተላዒሎም፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ዘይባጽሑ ውሉዳት ንዘለውዎም ወለዲ፡ ንደቆም ምስቲ ውልቀ ሰብ ዘለዎም ርክብ ምእንቲ ኺከታተሉ ኼጠንቅቕዎም ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ነቶም በቲ በደል እተጐድኡ ሰባት ምስጢሮም ኪዕቅቡሎም ይጽዕሩ እዮም።

ንደቅኻ ብኸመይ ከም እተዕቍቦም

ወለዲ ንደቆም ግቡእ ትምህርቲ ጾታ ብምሃብ፡ ካብ ጾታዊ ህስያ የዕቍብዎም። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ወለዲ ነቲ ውድብ ኣምላኽ ዘዳለወቶ ሓበሬታ ይጥቀሙ። (ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19፡ ሕጡብ ጽሑፍ 19-22 ርአ)

19-22. ወለዲ ንደቆም ንምዕቋብ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

19 ንቘልዑ ኻብ ጕድኣት ናይ ምዕቋብ ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይ መን እዩ፧ ናይ ወለዲ እዩ። * ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ካብ ኣምላኽ እተዋህቡኹም ሕድሪ ወይ “ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም።” (መዝ. 127:3) ነቲ ሕድሪ እቲ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣሎኩም። ንደቅኹም ኻብ ሃሳዪ ንምዕቋብ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

20 ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ህስያ ንርእስኹም ምሃሩ። እንታይ ዓይነት ውልቀ ሰባት ንቘልዑ ኺሃስዩ ኸም ዚኽእሉን ንምትላሎም እንታይ ስልትታት ከም ዚጥቀሙን ፍለጡ። ሓደገኛ ኪኸውን ንዚኽእል ነገራት ተጠንቀቕሉ። (ምሳ. 22:3፣ 24:3) ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ቈልዓ ብዚፈልጦን ብዚኣምኖን ሰብ እዩ ዚህሰ።

21 ካልኣይ፡ ምስ ደቅኹም ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድ ይሃሉኹም። (ዘዳ. 6:6, 7) እዚ ኸኣ ንፉዕ ሰማዒ ምዃን የጠቓልል እዩ። (ያእ. 1:19) ቈልዑ ብዛዕባ ህስያ ምዝራብ ከም ዚፈርሁ ኣይትረስዑ። ዚኣምኖም ከይስእኑ የፍርሆም ይኸውን፣ ወይ ከኣ እቲ ሃሳዪ ነቲ ተግባሩ ብምስጢር ኪሕዝዎ የፈራርሆም ይኸውን። ገለ ጸገም ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑኩም፡ ብለውሃት ሕቶታት ብምሕታትን ንመልስታቶም ብትዕግስቲ ብምስማዕን ኣብ ልቦም ዘሎ ኸም ዚገልጹ ግበርዎም።

22 ሳልሳይ፡ ንደቅኹም ምሃርዎም። ብዛዕባ ጾታ ዚገልጽ ምስ ዕድሚኦም ዚመጣጠን ሓበሬታ ሃብዎም። ሓደ ሰብ ብዘይግቡእ መገዲ ኺትንክዮም እንተ ፈቲኑ፡ እንታይ ከም ዚብሉን እንታይ ከም ዚገብሩን ምሃርዎም። ነቲ ንውሉዳት ብኸመይ ከም እተዕቍቦም ዚገልጽ ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ ሓበሬታ ተጠቐሙሉ።—“ ንርእስኹምን ንደቅኹምን ምሃሩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

23. ንጾታዊ ህስያ ቘልዑ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እንታይ ሕቶ ኽንምርምር እዩ፧

23 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ንጾታዊ ህስያ ኸም ከቢድ በደልን ከም እኩይ ተግባርን ጌርና ኢና እንርእዮ። ጉባኤታትና ብሕጊ ክርስቶስ ስለ ዚምርሓ፡ ንሃሰይቲ ኻብ ሳዕቤናት በደሎም ኣይሓብኣኦምን እየን። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣደዳ ህስያ ዝዀኑ ሰባት ንምድጋፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንቘልዑ ኻብ ጾታዊ ህስያ ብኸመይ ክንሕልዎም ከም እንኽእል ትገልጽ። ሽማግለታት ንጉባኤ ብኸመይ ከም ዜዕቍቡን ወለዲ ኸመይ ገይሮም ንደቆም ከም ዜዕቍቡን ክንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ ጾታዊ ህስያ ቘልዑ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ዓብዪ ሰብ ንሓደ ቘልዓ ንጾታዊ ትምኒቱ ንምርዋይ ምስ ዚጥቀመሉ እዩ። ንንቡር ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍ ወይ ብመሃንቱስ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ንምድርራዝ ጾታዊ ብልዕቲ፡ ኣጥባት፡ ወይ መቐመጫ፡ ወይ ከኣ ካልእ ዝሩግ ተግባር ኬጠቓልል ይኽእል። ካብቶም ግዳያት ጾታዊ ህስያ፡ መብዛሕትአን ኣዋልድ እኳ እንተ ዀና፡ ኣወዳት እውን ኣደዳ ህስያ ይዀኑ እዮም። መብዛሕትኦም ሃሰይቲ ደቂ ተባዕትዮ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንቘልዑ ዚሃስያ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣለዋ።

^ ሕ.ጽ. 5 መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትስዕብን፡ እታ “ግዳይ” እትብል ቃል ነቲ ብቝልዕነቱ ኣደዳ ጾታዊ ህስያ ዝዀነ ሰብ እያ እተመልክት። እቲ ቘልዓ ኸም እተጐድአን ከም እተወጽዐን ንጹህ ከም ዝዀነን ምእንቲ ኺንጽር ኢልና ኢና ነዛ ቓል እንጥቀመላ ዘለና።

^ ሕ.ጽ. 11 መንፈሳዊ ሕማም ንኸቢድ ሓጢኣት መመኽነይታ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። እቲ ሓጥእ በቲ ዝገበሮ ግጉይ ምርጫታትን ተግባራትን ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እውን ጸብጻብ ኪህብ እዩ።—ሮሜ 14:12

^ ሕ.ጽ. 16 ቈልዓ ኣብ ቅድሚ እቲ እተወንጀለ ሃሳዪ ኪቐርብ ከቶ ኣይግደድን እዩ። እቲ ቘልዓ ንተወሳኺ ስምዒታዊ ጕድኣት ምእንቲ ኸይቃላዕ፡ ወላዲኡ ወይ ካልእ እሙን ሰቡ ንሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ውንጀላ ኺነግሮም ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 19 እዚ ብዛዕባ ወለዲ ዚብሃል ዘሎ ነገራት፡ ንሕጋውያን መጕዚታት ወይ ኣብ ልዕሊ ዘይባጽሑ መንእሰያት ከም ናይ ወለዲ ዝበለ ሓላፍነት ንዘለዎም ካልኦት እውን ይምልከቶም እዩ።