ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንእሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም’

‘ንእሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም’

“ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም።”—2 ጢሞ. 2:2

መዝሙር፦ 103, 101

1, 2. ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ስራሖም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንመንነቶም በቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ ኪገልጽዎ ይጽዕሩ እዮም። ሓያሎ ሰባት፡ ክብሮም ብስራሖም ወይ ብሓላፍነቶም ከም ዚዕቀን እዩ ዚስምዖም። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደ ኻብቲ ንሓደ ሰብ ክትፋለጦ ኸለኻ እትሓትቶ ሕቶታት፡ “እንታይ እዩ ስራሕካ፧” ዚብል እዩ።

2 ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ብስራሖም ይገልጾም እዩ። ንኣብነት፡ “ማቴዎስ እቲ ኣካብ ቀረጽ፡” “ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡” “ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪም” ኢሉ ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 10:3፣ ግብ. 10:6፣ ቈሎ. 4:14) ሰባት ብመንፈሳዊ ዕዮኦም ወይ ሓላፍነቶም እውን ይፍለጡ እዮም። ብዛዕባ ንጉስ ዳዊትን ነብዪ ኤልያስን ሃዋርያ ጳውሎስን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ንሕና እውን ነቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።

3. ዓበይቲ ኣሕዋት ንመንእሰያት ኬሰልጥንዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

3 መብዛሕትና ነቲ እንዓዮ ዕዮ ንፈትዎ ኢና፣ ካብኡ ኽንፍለ እውን ኣይንደልን ኢና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ካብ ግዜ ኣዳም ኣትሒዙ፡ ሓደ ወለዶ ኣሪጉ ብኻልእ ሓድሽ ወለዶ ይትካእ እዩ። (መክ. 1:4) ኣብዚ ቐረባ ግዜያት ድማ፡ እዚ ምትኽኻእ እዚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍሉይ ብድሆታት ፈጢሩሎም እዩ። ዕዮ ህዝቢ የሆዋ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ውድብ የሆዋ ድማ ንሓያሎ ሰባት ብስራት ምእንቲ ኸተብጽሓሎም ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብስፍሓት ትጥቀም ኣላ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ዓበይቲ ኣሕዋት ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ኪለምዱ የጸግሞም ይኸውን። (ሉቃ. 5:39) ብዘይካዚ፡ መንእሰያት ካብቶም ዓበይቲ ዝሓሸ ብርታዐን ሓይልን ኣለዎም። (ምሳ. 20:29) ስለዚ፡ ዓበይቲ ኣሕዋት ንመንእሰያት፡ ዝያዳ ሓላፍነት ምእንቲ ኼሰክምዎም ምስ ዜሰልጥንዎም፡ ፍቕራውን ግብራውን እዩ።መዝሙር 71:18 ኣንብብ።

4. ገሊኦም ኣሕዋት ንኻልኦት ሓላፍነት ምሃብ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧ (“ ገሊኦም ሓላፍነት ዘይህቡሉ ምኽንያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ኣሕዋት ንመንእሰያት ሓላፍነት ኪህብዎም ይኸብዶም ይኸውን። ገሊኦም ነቲ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ መሰል ከይስእኑ ይፈርሁ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ መንእሰያት ክንዲ ናታቶም ኪዓይዩ ኸም ዘይክእሉ ስለ ዚስምዖም፡ ነቲ ዕዮ ባዕሎም እንተ ዘይመሪሖምዎ ብዚግባእ ከም ዘይዕየ ይሓስቡ እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ንኻልኦት ኬሰልጥኑ ግዜ ኸም ዘይብሎም ይዛረቡ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መንእሰያት ዝያዳ ዕዮ ምስ ዘይውሃቦም፡ ትዕግስቶም ኪጽንቀቕ የብሉን።

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

5 ነዚ ጕዳይ እዚ ብኽልተ ሸነኽ ፈላሊና እስከ ንርኣዮ። ቀዳማይ፡ ዓበይቲ ኣሕዋት ንመንእሰያት ዝያዳ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ጢሞ. 2:2) ካልኣይ፡ መንእሰያት ኣሕዋት ነቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ኪሕግዝዎም ከለዉ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዙ ዘለዎምን ካባታቶም ኪምሃሩ ዚኽእሉን ብኸመይ እዮም፧ ፈለማ፡ ንጉስ ዳዊት ንወዱ፡ ኣገዳሲ ሓላፍነት ኪስከም ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ።

ዳዊት ንሰሎሞን ኣዳለዎን ደገፎን

6. ንጉስ ዳዊት እንታይ ኪገብር እዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧

6 ዳዊት ንሓያሎ ዓመታት ኰብሊሉ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ንጉስ ኰነ፡ ኣብ ምሹእ ቤት ድማ ተቐመጠ። ንየሆዋ እተወፈየ “ቤት” ወይ ቤተ መቕደስ ብዘይምህላዉ ስለ ዝጐሃየ ኸኣ፡ ቤተ መቕደስ ኪሰርሕ ደለየ። ንነብዪ ናታን ድማ፡ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡ ታቦት ኪዳን የሆዋ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። ናታን ከኣ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር” ኢሉ መለሰሉ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻልእ መምርሒ ሃበ። ንናታን ድማ፡ “ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሃንጸለይን ኢኻ” ኢሉ ንዳዊት ኪነግሮ ሓበሮ። የሆዋ ንዳዊት ከም ዚባርኾ ብፍቕሪ ተደሪኹ እኳ እንተ ኣረጋገጸሉ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ዚሰርሓ ግና ወዱ ሰሎሞን ምዃኑ ሓበሮ። እሞኸ ዳዊት እንታይ ምላሽ ሃበ፧—1 ዜና 17:1-4, 11, 12፣ 29:1

7. ዳዊት ንመምርሒ የሆዋ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡሉ፧

7 ዳዊት ቤተ መቕደስ ብምህናጽ ዚረኽቦ ስም ከም ዝሰኣነ ሓሲቡ እናኣስቈርቈረ ደገፍ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓለን። ብርግጽ ከኣ፡ እታ ቤተ መቕደስ፡ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ደኣ እምበር ቤተ መቕደስ ዳዊት ተባሂላ ኣይኰነትን እትፍለጥ። ዳዊት ሓሳብ ልቡ ኺፍጽም ብዘይምኽኣሉ ጕህዩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ምሉእ ብምሉእ ደጊፍዎ እዩ። ብትግሃት ጕጅለ ዓየይቲ ወዲቡ፡ ነቲ ዕዮ ዚኸውን ሓጺንን ነሓስን ብሩርን ወርቅን ኣዕጫው ቄድሮስን ከኣ ኣኪቡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰሎሞን፡ “ሕጂ ድማ ወደየ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን፡ ይቕናዕካ እውን፣ ከምቲ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ኸኣ፡ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ህነጽ” ኢሉ ኣተባቢዕዎ እዩ።—1 ዜና 22:11, 14-16

8. ዳዊት፡ ሰሎሞን ብቕዓት ከም ዘይብሉ ገይሩ ዝደምደመ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ እንታይከ ገበረ፧

8 1 ዜና መዋእል 22:5 ኣንብብ። ዳዊት፡ ሰሎሞን ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ተቘጻጺሩ ኺዓይዮ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ቤተ መቕደስ፡ “ኣዝያ ዓባይ” ክትከውን እኳ እንተ ነበራ፡ ሰሎሞን ግና ኣብቲ ግዜ እቲ “ንእሽቶን ዘይምኩርን” እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት፡ የሆዋ ንሰሎሞን ነቲ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም ከም ዜዕጥቖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ደገፍ ብምትኳር፡ ብዙሕ ናውቲ ኣዳለወ።

ንኻልኦት ብምስልጣን ባህ ይበልካ

መንእሰያት ተወሳኺ ሓላፍነት ኪስከሙ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ዓበይቲ ኣሕዋት ሓላፍነቶም ንመንእሰያት ብምሃብ ባህ ኪብሎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

9 ዓበይቲ ኣሕዋት ሓላፍነቶም ንመንእሰያት ኪህቡ ምስ ዚግደዱ ኺጕህዩ የብሎምን። የግዳስ፡ መንእሰያት ሓላፍነታት ኪሕዙ ምስልጣኖም ነቲ ዕዮ ዚጠቅም እዩ። ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ነቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ስራሕ፡ መንእሰያት ሰልጢኖም ምስ ዚትክእዎም፡ ባህ ኪብሎም ኣለዎ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ንወዱ ምዝዋር ማኪና ብዛዕባ ዚምህሮ ኣቦ እሞ ሕሰብ። እቲ ወዲ ብቝልዕነቱ፡ ንኣቦኡ ማኪና ኺዝውር ከሎ ይዕዘቦ እዩ። እቲ ወዲ ምስ ዓበየ፡ ኣቦኡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጸሉ። ማኪና ኺዝውር ዚኽእለሉ ዕድመ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣቦኡ ተወሳኺ መምርሒ እናሃቦ ማኪና ምዝዋር ይጅምር። ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ኣቦን ወድን በብተራ ማኪና ይዝውሩ ይዀኑ፣ ድሕሪ ግዜ ግና፡ እቲ ወዲ ኣብ ክንዲ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኡ ዚበዝሕ ግዜ ማኪና ይዝውር ይኸውን። እዚ ጥበበኛ ኣቦ እዚ፡ ወዱ ኣብ ክንዳኡ ማኪና ብምዝዋሩ ይሕጐስ ደኣ እምበር፡ ንሱ ኺዝውር ከም ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዖን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዓበይቲ ኣሕዋት ንመንእሰያት ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት ምእንቲ ኪቕበሉ ኼሰልጥንዎም ከለዉ ይሕበኑ እዮም።

10. ሙሴ ብዛዕባ ኽብርን ስልጣንን ከመይ ይስምዖ ነይሩ፧

10 ብዕደመ ዝደፋእና ኣሕዋት፡ ካብ ቅንኢ ኽንሕሎ ኣሎና። ኣብ ሰፈር እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ከም ነብያት ምስ ኰኑ፡ ሙሴ እንታይ ከም እተሰምዖ ኣስተብህል። (ዘሁልቍ 11:24-29 ኣንብብ።) እቲ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ እያሱ፡ ደው ከብሎም ደለየ። ንስምን ንስልጣንን ሙሴ ዜናእስዎ ዘለዉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ። ሙሴ ግና፡ “ስለይዶ ቐኒእካ ኢኻ፧ ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ነብያት እንተ ዚዀኑ፡ የሆዋ ኸኣ መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር መን ምሃበ፧” በሎ። ሙሴ እቲ ጕዳይ ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዎ ኣስተብሂሉ ነበረ። ንርእሱ ኽብሪ ኺረክብ ኣይደለየን፣ እኳ ደኣስ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቲ ናቱ ዓይነት መንፈሳዊ ውህበት ኪረኽቡ ኸም ዚብህግ ገለጸ። ንሕና እውን ከም ሙሴ፡ ካልኦት እቲ ንሕና ኽንረኽቦ እንኽእል ዝነበርና ፍሉይ መሰላት ኪረኽቡ ኸለዉ ባህ ይብለና ድዩ፧

11. ሓደ ሓው ሓላፍነቱ ንኻልእ ምስ ሃበ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት እንታይ በለ፧

11 ኣብዚ ግዜና፡ ንሓያሎ ዓመታት ብትግሃት ዝዓየዩን ንኻልኦት ተወሳኺ ሓላፍነታት ኪስከሙ ዘሰልጠኑን ኣብነት ዝዀኑ ብዙሓት ኣሕዋት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ፒተር ዝስሙ ሓው ንልዕሊ 74 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣገልገለ፣ ካብዚ እቲ 35 ዓመት ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዩ ኣገልጊሉ። ክሳዕ እዚ ቐረባ እዋን፡ ሓላዊ ኽፍሊ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ፖል ዝስሙ ምስ ፒተር ኰይኑ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ መንእሰይ ሓው ነቲ ሓላፍነት ተቐቢልዎ ኣሎ። ፒተር ብዛዕባ እቲ ለውጢ ስራሑ ኸመይ ከም እተሰምዖ ምስ ተሓትተ፡ “ዝዓበየ ሓላፍነታት ኪቕበሉ ዝሰልጠኑን ነቲ ዕዮ ብዚግባእ ዚኣልዩን ኣሕዋት ምህላዎም ተሓጒሰ እየ” በለ።

ነቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ነኽብሮም

12. ካብቲ ብዛዕባ ሮብዓም ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ንምሃር፧

12 ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ ወዱ ሮብዓም ንጉስ ኰነ። ሮብዓም ሓላፍነቱ ብዛዕባ ዚዋጽኣሉ መገዲ ምኽሪ ምስ ደለየ፡ ፈለማ ንዓበይቲ ሰባት ሓተተ። ይኹን እምበር፡ ንምኽሮም ኣይተቐበሎን። የግዳስ፡ ንምኽሪ እቶም መተዓብይቱ ዝዀኑ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣጕባዝ ሰምዐ። ውጽኢቱ ድማ ሕማቕ ነበረ። (2 ዜና 10:6-11, 19) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ካብቶም ዓበይትን ተመክሮ ዘለዎምን ኣሕዋት ምኽሪ ኽንደልን ክንቅበልን ኣሎና። መንእሰያት ንዅሉ ነገራት ብናይ ቀደም ኣሰራርሓ ኺገብርዎ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ነቲ ዓበይቲ ኣሕዋት ዚህብዎ ምኽሪ ቐልጢፎም ኪነጽግዎ ግና የብሎምን።

13. መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ኺተሓባበሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ገሊኦም መንእሰያት ነቲ ንዓበይቲ ኣሕዋት እውን ዜጠቓልል ንጥፈታት የተሓባብሩ ይዀኑ። እዞም መንእሰያት እዚኦም፡ ሕጂ ዝያዳ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም ካብ ጥበብን ተመክሮን እቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ኪጥቀሙ ይጽዕሩ እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ንፒተር ተኪኡ ሓላዊ ሓደ ኽፍሊ ጨንፈር ቤት-ኤል ዝዀነ ፖል፡ “ካብ ፒተር ምኽሪ ኽረክብ እጽዕር እየ፣ ኣብቲ ኽፍሊ ጨንፈር ንዘለዉ ኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ እውን አተባብዖም እየ” በለ።

14. ካብቲ ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዝነበረ ምትሕብባር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣብ ጐድኒ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኑ ንሓያሎ ዓመታት ዓይዩ እዩ። (ፊልጲ 2:20-22 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ [እሰድደልኩም ኣለኹ]። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ ኬዘኻኽረኩም እዩ” በለ። (1 ቈረ. 4:17) እዚ ሓጺር ሓሳብ እዚ፡ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ብዙሕ ይተሓባበሩ ኸም ዝነበሩ እዩ ዜርኢ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ግዜ መዲቡ ‘ምስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ሜላታቱ’ ምሂርዎ እዩ። ጢሞቴዎስ ጽቡቕ ገይሩ ስለ እተማህረ ድማ፡ ጳውሎስ ፈተዎ፡ ንሰብ ቈረንቶስ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ከኣ ተኣማመነ። ሽማግለታት ንኻልኦት ኣብ ጉባኤ ምእንቲ ኺመርሑ ኼሰልጥንዎም ከለዉ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኖም ይኽእል እዩ።

ኵላትና ግደ ኣሎና

15. ለውጥታት ብብሕትና ኺጸልወና ኸሎ እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ ኣገዳሲ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ዕቤት የርኢ ኣሎ፣ ዕቤት ኪህሉ ኸኣ ለውጢ የድሊ እዩ። እቲ ዚግበር ለውጥታት ንዓና ብብሕትና ዚጸልወና እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ረብሓታት የሆዋ ደኣ እምበር ኣብ ርእስና ብዘይምትኳር ትሕትና ነርኢ። ከምኡ ምግባርና ሓድነት የምጽኣልና እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም፦ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡ ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት . . . ኢና።”—ሮሜ 12:3-5

16. ዓበይትን መንእሰያትን ኣንስቶምን፡ ሰላምን ሓድነትን ውድብ የሆዋ ንምሕላው እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

16 ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ረብሓታት እታ እተደንቕ መንግስቲ የሆዋ ንምቕዳም ንዕየ። ኣቱም ዓበይቲ፡ ነቶም መንእሰያት ዕዮኹም ኪዓይዩ ኣሰልጥንዎም። ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ሓላፍነት ተቐበሉ፡ ትሑታት ኩኑ፡ ንዓበይቲ ኣኽብርዎም። ኣትን ኣንስቲ፡ ጵርስኪላ ንዝሓደገቶ ኣብነት ስዓባ። ንሳ ንኣኪላስ ሰብኣያ ዅነታቶም ኪለዋወጥ ከሎ ብተኣማንነት ኣሰንያቶን ደጊፋቶን እያ።—ግብ. 18:2

17. የሱስ ብደቀ መዛሙርቱ እንታይ ምትእምማን እዩ ነይርዎ፧ እንታይ ኪገብሩኸ እዩ ኣሰልጢንዎም፧

17 ንኻልኦት ተወሳኺ ሓላፍነት ኪቕበሉ ብምስልጣን ዝመጸ፡ ካብ የሱስ ዚበልጽ ኣብነት የልቦን። ንሱ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኸም ዜብቅዕን ካልኦት ንዕዮኡ ኸም ዚቕጽልዎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብኣታቶም ይተኣማመን ነበረ፡ ካብ ዝገበሮ ዝዓቢ ግብርታት ከም ዚገብሩ እውን ነገሮም። (ዮሃ. 14:12) ብዚግባእ ኣሰልጠኖም፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ነቲ ብስራት ዘርግሕዎ።—ቈሎ. 1:23

18. እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎና፧ ሕጂኸ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

18 የሱስ መስዋእታዊ ሞት ምስ ሞተ፡ ተንሲኡ ናብ ሰማያት ከይዱ እዩ፣ ኣብኡ ድማ፡ “ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን” ዝዀነ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ። (ኤፌ. 1:19-21) ቅድሚ ኣርማጌዶን እሙናት ኴንና እንተ ሞይትና፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክንትንስእ ኢና፣ ኣብኡ ድማ፡ ብዙሕ ዜዕግብ ዕዮ ኺህልወና እዩ። ሕጂ ግና፡ ኵላትና ኽንካፈለሉ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። እምበኣር፡ መንእሰያት ኰንና ዓበይቲ፡ ‘ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃልወና።’—1 ቈረ. 15:58