ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥሪ 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 26 ለካቲት ክሳዕ 1 ሚያዝያ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ

ፈትዮም ይመጹ—ማዳጋስካር

ነቶም ኣብቲ ሰፊሕ ክሊ ማዳጋስካር መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝርግሑ ዝገዓዙ ወጻእተኛታትን ደቂ ዓድን ዝዀነ ኣስፋሕቲ ፍለጦም።

“ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”

መወዳእታ እናቐረበ ብዝመጸ መጠን፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸቕጢ ኸም ዚውስኽ ርዱእ እዩ። ጥቕሲ ዓመት 2018፡ ብርታዐ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ተዘኻኽረና።

በዓል ዝኽሪ ሓድነት የምጽእ

በዓል ዝኽሪ ንሓድነትና ዜደልድለሉ ገሊኡ መገድታት እንታይ እዩ፧ ናይ መወዳእታ በዓል ዝኽሪ መዓስ እዩ ዚውዕል፧

ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ምሃብ ሓደ ኽፋል እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ። በቲ ዘሎና ኽቡር ነገራት ንየሆዋ ምኽባርና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽኣልና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ፧

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኻብቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2-4 ተገሊጹ ዘሎ ፍቕሪ እትፍለ ብኸመይ እያ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ክንረክብ ኪሕግዘና እዩ።

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦትን ንዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ

ኣብ መንጎ ባህርያት እቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ሰባትን ባህርያት ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

ጥንታዎት እስራኤላውያን በብመዓልቱ ንዜጋጥም ዝነበረ ሕጋዊ ምጕት ንምፍታሕ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ መሰረታዊ ስርዓታት ብሓቂ ይጥቀሙሉ ነይሮም ድዮም፧