ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በዓል ዝኽሪ ሓድነት የምጽእ

በዓል ዝኽሪ ሓድነት የምጽእ

“ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!”—መዝ. 133:1

መዝሙር፦ 18, 14

1, 2. ኣብ 2018 ብፍሉይ መገዲ ሓድነት ዚፈጥረልና ፍጻመ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን፡ 31 መጋቢት 2018 ነቲ በብዓመቱ ዚብዓል ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ኺእከቡ እዮም። ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሚልዮናት ሰባት በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ እዮም። እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ፡ ኣብ ምድርና ዓመት ዓመት ካብ ዚኽሰት ካልእ ፍጻመታት ብዝያዳ፡ ኣብ ሰባት ሓድነት ዚፈጥር ፍጻመ እዩ።

2 የሆዋን የሱስን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ኣብዚ ፍሉይ ፍጻመ እዚ ተኣኪቦም ኪርእዩ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዚሕጐሱ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡” “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ” ኢሎም ከም ዚጭድሩ ይንበ እዩ። (ራእ. 7:9, 10) ዓመት ዓመት፡ ክንድዚ ዚኣኽሉ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ብምክፋል ንየሆዋን ንየሱስን ምኽባሮም፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜደንቕ እዩ!

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና ምላሽ ክንረኽበሉ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣርባዕተ ሕቶ ምላሽ ክንረኽበሉ ኢና። (1) ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንበዓል ዝኽሪ ኽንዳሎን ኣብኡ ብምእካብና ኽንጥቀምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (2) በዓል ዝኽሪ ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ (3) ኣብዚ ሓድነት እዚ ብብሕትና ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (4) ናይ መወዳእታ በዓል ዝኽሪ ኺህሉ ድዩ፧ እንተ ኣልዩኸ፡ መዓስ እዩ ዚውዕል፧

ንበዓል ዝኽሪ ኽንዳሎን ኣብኡ ብምእካብና ኽንጥቀምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4. ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኽንእከብ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕሰብ። ኣኼባታት ጉባኤ ሓደ ኽፋል እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ። የሆዋን የሱስን ድማ ነቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ዓመታዊ ኣኼባ እዚ ኽትእከብ እትገብሮ ጻዕሪ የስተብህሉሉ እዮም። ኣብ በዓል ዝኽሪ ፈጺምና ኽንካፈል ዘይንኽእለሉ ኣካላዊ ጸገማት ወይ ካልእ ኵነታት እንተ ዘየልዩ፡ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኽንካፈል ዝከኣለና ንገብር ኢና። ነቲ ንኣምልኾ እንገብሮ ኣኼባታት ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ብተግባርና እንተ ኣርኢና፡ የሆዋ ንስምና ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ፡” ማለት ኣብቲ ስም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ሰባት እተጻሕፈሉ “መጽሓፍ ህይወት” ኪጽሕፎ ተወሳኺ ምኽንያት ኪረክብ እዩ።—ሚል. 3:16፣ ራእ. 20:15

5. ቀቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘለዋ መዓልትታት፡ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና ንርእስና ኽንፍትና’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ቀቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘለዋ መዓልትታት፡ ግዜ መዲብና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ብጸሎትን ብጥንቃቐን ክንምርምሮ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 13:5 ኣንብብ።) ከምኡ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና ንርእስና ብምፍታን’ እዩ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተታ፦ ‘የሆዋ ፍቓዱ ኺፍጽም ዝሓረያ ብሕታዊት ውድብ እዚኣ ጥራይ ከም ዝዀነት ብሓቂ እኣምን ድየ፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽን ክምህርን ዝከኣለኒ ዘበለ እገብር ድየ፧ ተግባራተይ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለናን መወዳእታ እዚ ስርዓት ሰይጣን ከም ዝቐረበን ብሓቂ ኸም ዝኣምን ዜርኢ ድዩ፧ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ዘሎኒ ምትእምማን ምስቲ ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ክውፊ ኸለኹ ዝነበረኒ ምትእምማን ሕደ ድዩ፧’ (ማቴ. 24:14፣ 2 ጢሞ. 3:1፣ እብ. 3:14) ነዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ምላሽ ከም እንህበሉ ምሕሳብና፡ ንርእስና ኽንምርምር ኪሕግዘና እዩ።

6. (ሀ) ህይወት ዚርከበሉ ብሕታዊ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ በብዓመቱ ንበዓል ዝኽሪ ዚዳሎ ብኸመይ እዩ፧ ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6 ብዛዕባ ኣገዳስነት በዓል ዝኽሪ ዜጕልሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዓንቀጻት ኣንብብ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኣስተንትን። (ዮሃንስ 3:16፣ 17:3 ኣንብብ።) ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከበሉ ብሕታዊ መገዲ፡ ንየሆዋ ‘ብምፍላጥን’ በቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ‘ብምእማንን’ እዩ። እምበኣር፡ ንበዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኽትዳሎ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ክትቀርቦም ዚሕግዘካ መደብ መጽናዕቲ ኣውጽእ። ሓደ ንነዊሕ እዋን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ርአ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዛዕባ በዓል ዝኽርን ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ንዓና ዘላቶም ፍቕርን ዚገልጽ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ይእክብ ነይሩ እዩ። ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ሰሙናት ከኣ ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኸም ብሓድሽ የንብቦ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት በዓል ዝኽሪ ድማ የስተንትን እዩ። በብግዜኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝኣከቦ ጽሑፍ ካልእ ተወሳኺ ዓንቀጻት ይውስኸሉ እዩ። እዚ ሽማግለ እዚ፡ ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኸም ብሓድሽ ስለ ዜንብቦ፡ ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ስለ ዜንብቦን ስለ ዜስተንትነሉን፡ በብዓመቱ ሓድሽ ነገራት ኪምሃር ክኢሉ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላቶ ፍቕሪ ብዝያዳ ኸም ዝደልደለት እዩ ዚስምዖ። ከምዚ ዓይነት መደብ መጽናዕቲ ምስ እተውጽእ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ዝያዳ ኺዓምቝ እዩ፣ ካብ በዓል ዝኽሪ ድማ ብዝያዳ ኽትጥቀም ኢኻ።

በዓል ዝኽሪ ንሓድነትና የደልድሎ

7. (ሀ) ናይ መጀመርታ ድራር ጐይታ ኣብ እተባዕለትላ ምሸት፡ የሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ጸልዩ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎት የሱስ ምላሽ ከም ዝሃበሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

7 ናይ መጀመርታ ድራር ጐይታ ኣብ እተባዕለትላ ምሸት፡ የሱስ ሰዓብቱ ኸምቲ ንሱን ኣቦኡን ዘለዎም ዓይነት ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም ጸልዩ እዩ። (ዮሃንስ 17:20, 21 ኣንብብ።) የሆዋ ድማ ነቲ ፍቑር ወዱ ዘቕረቦ ጸሎት ምላሽ ሂቡሉ እዩ። በዓል ዝኽሪ ኻብ ካልእ ኣኼባ ህዝቢ ኣምላኽ ብዝያዳ፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድነት ከም ዘሎ የረጋግጽ እዩ። ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ እተፈላለየ ዓሌትን ሕብሪ ቘርበትን ዘለዎም ሚልዮናት ሰባት ብሓደ ይእከቡ እዮም። እዚ ድማ፡ የሆዋ ንወዱ ኸም ዝለኣኾ ዚኣምኑ ምዃኖም ዜርኢ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት፡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ብሓደ ኺእከቡ ልሙድ ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ከምኡ ዓይነት ኣኼባ ግቡእ ከም ዘይኰነ እዩ ዚሕሰብ። የሆዋን የሱስን ግና ነዚ ሓድነት እዚ ይፈትውዎ እዮም።

8. የሆዋ ንህዝቅኤል ዝሃቦ ብዛዕባ ሓድነት ዚገልጽ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧

8 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን፡ እቲ ዘሎና ሓድነት ኣየገርመናን እዩ። ወረግ የሆዋ ብዛዕባኡ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ዝነገሮ መልእኽቲ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ክልተ ዕንጨይቲ፡ ማለት ዕንጨይቲ “ይሁዳ”ን ዕንጨይቲ “ዮሴፍ”ን ብሓደ ኸም ዚላገባ ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (ህዝቅኤል 37:15-17 ኣንብብ።) ኣብ ናይ ሓምለ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለ፦ “የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ተመልሱ ኸም ሓደ ህዝቢ ገይሩ ኼሕብሮም ምዃኑ ዚሕብር ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ ሃቦ። እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ብሓደ ኺሓብሩ ምዃኖም ዚሕብር እዩ።”

9. ፍጻመ ትንቢት ህዝቅኤል ኣብቲ ዓመት ዓመት ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ዚርአ ብኸመይ እዩ፧

9 ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ የሆዋ ነቶም ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ዕንጨይቲ “ይሁዳ” ዝዀኑ ቕቡኣት በብቝሩብ መሊሶም ኪውደቡን ኪሓብሩን ሓጊዝዎም እዩ። እቶም ከም ዕንጨይቲ “ዮሴፍ” ዝዀኑ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ነቶም ቅቡኣት ብዝያዳ ኺሓብርዎም ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ እቲ ኽልተ ጕጅለ “ሓደ መጓሰ” ዀነ። (ዮሃ. 10:16፣ ዘካ. 8:23) የሆዋ፡ ንኽልቲኡ ዕንጨይቲ ኸም ዜላግቦን ኣብ ኢዱ ሓደ ዕንጨይቲ ኸም ዚገብሮን ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 37:19) ሎሚ እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኦም፡ ነቲ ኣምላኽ ብትንቢታዊ መገዲ “ጊልያይ ዳዊት” ኢሉ ዝጸውዖ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ እናተገዝኡ፡ ብሓደ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። (ህዝ. 37:24, 25) እቲ ዓመት ዓመት፡ ቅቡኣት ተረፍን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ብሓባር ዜብዕልዎ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተገሊጹ ዘሎ ፍሉይ ሓድነት ብንጹር ዜርኢ እዩ። ግናኸ፡ ነዚ ሓድነት እዚ ምእንቲ ኽንሕልዎን ምእንቲ ኸነደልድሎን፡ ብብሕትና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ሓድነትና ንምድልዳል ብብሕትና እነበርክቶ እጃም

10. ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘሎ ሓድነት ከነደልድሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ሓደ ኻብቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘሎ ሓድነት ከነደልድሎ እንኽእለሉ መገዲ፡ ትሕትና ብምምዕባል እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ትሑታት ኪዀኑ ምዒድዎም ነይሩ። (ማቴ. 23:12) ትሑት ዝልብና እንተ ዄንና፡ ከምቲ ኣብ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዚንጸባረቕ፡ ንርእስና ኻብ ካልኦት ኣልዒልና ኣይንርእን ኢና። የግዳስ፡ ነቶም ዚመርሑና ብትሕትና ንግዝኦም ኢና፣ እዚ መንፈስ ተኣዛዝነት ከኣ፡ ንሓድነት ጉባኤ የደልድሎ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ትሑታት ምስ እንኸውን ንኣምላኽና ነሐጕሶ ኢና፣ ከመይሲ፡ ንሱ “ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ።”—1 ጴጥ. 5:5

11. ብዛዕባ እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምስትንታን፡ ሓድነትና ኸነደልድል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘሎ ሓድነት ከነደልድሎ እንኽእለሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብምስትንታን እዩ። ኣብ ድሮ እታ ፍልይቲ ምሸት፡—ብፍላይ ከኣ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡—ብዛዕባ እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብርዝነት ሕሰብ። (1 ቈረ. 11:23-25) እቲ ቕጫ ነቲ ኸም መስዋእቲ ዝቐረበ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ የሱስ፡ እቲ ወይኒ ድማ ነቲ ዝፈሰሰ ደሙ እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ትርጉም እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ፡ ክልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ ኸም ዜጠቓልል ኣይትረስዕ። እዚኣተን ከኣ፡ እታ የሆዋ ምእንታና ኢሉ ወዱ ብምሃብ ዘርኣያ ፍቕርን እታ የሱስ ብፍታዉ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ብምሃብ ዘርኣያ ፍቕርን እየን። ነዘን የሆዋን የሱስን ዘርኣዩና ፍቕሪ ምስ እነስተንትነለን፡ ንሕና እውን ከነፍቅሮም ክንድረኽ ኢና። ብዘይካዚ፡ እታ ንሕናን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ንየሆዋ ዘላትና ናይ ሓባር ፍቕሪ፡ ንማእሰር ሓድነትና ተደልድሎ እያ።

ይቕረ ምስ እንብል፡ ሓድነትና ኢና እነደልድል (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

12. የሱስ ኣብቲ ምስ ባሮቱ ብዛዕባ እተጸባጸበ ንጉስ ዝሃቦ ምሳሌ፡ የሆዋ ይቕረ ኽንብል ትጽቢት ከም ዚገብረልና ብንጹር ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ሓድነትና ኸነደልድል እንኽእለሉ ሳልሳይ መገዲ፡ ንኻልኦት ብናጻ ይቕረ ብምባል እዩ። ንዝበደሉና ይቕረ ምስ እንብለሎም፡ ነቲ ሳላ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሕድገት ሓጢኣት ሞሳ ኸም ዘሎና ኢና እንርኢ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:23-34 ዚርከብ ሓደ ኻብ ምሳሌታት የሱስ መርምሮ። ንርእስኻ ድማ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ኸተግብሮ እድረኽ ድየ፧ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾተይ እዕገሶምን ጸገሞም እርድኣሎምን ድየ፧ ብብሕቲ ንዝበደሉኒ ይቕረ ኽብለሎም ድሉው ድየ፧’ ደረጃ እቲ ዚፍጸም በደል እተፈላለየ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ዘይፍጹማት ሰባት ንገሊኡ ዓይነት በደል ይቕረ ኺብሉ ይኸብዶም ይኸውን። እቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ግና፡ የሆዋ ኻባና እንታይ ከም ዚጽበ እዩ ዚምህረና። (ማቴዎስ 18:35 ኣንብብ።) ኣሕዋትና ኻብ ልቢ ኺንስሑ ኸለዉ ይቕረ ዘይንብለሎም እንተ ደኣ ዄንና፡ የሆዋ እውን ይቕረ ኸም ዘይብለልና የሱስ ብንጹር ሓቢሩ እዩ። ነዚ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ነቲ ባህ ዜብል ሓድነትና ኽንሕልዎን ከነደልድሎን እንኽእል፡ ከምቲ የሱስ ዝመሃረና ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብለሎም እዩ።

13. ገበርቲ ሰላም ምዃንና፡ ሓድነትና ዜደልድል ብኸመይ እዩ፧

13 ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብለሎም፡ ገበርቲ ሰላም ከም ዝዀንና ኢና እነርኢ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኢሉ ዝሃቦ ማዕዳ ዘክር። (ኤፌ. 4:3) ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብታ በዓል ዝኽሪ እትብዓለላ ምሸት፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እትሕዘሉ መገዲ ኣጸቢቕካ ሕሰብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ቂም ከም ዘይሕዝ አርኢ ድየ፧ ሰላምን ሓድነትን ንምስፋን ብዝገብሮ ሓያል ጻዕሪ ድየ ዝፍለጥ፧’ ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣርዚንካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ።

14. ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኸም እንተዓጋገስ’ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ሓድነትና ኸነደልድል እንኽእለሉ ራብዓይ መገዲ፡ ነቲ ፈቃር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምምሳል ፍቕሪ ምስ እነርኢ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ብዛዕባ ኣሕዋትና፡ ‘ኣሕዋተይ ስለ ዝዀኑ ተገዲደ እምበር፡ ፈትየ ኣይኰንኩን ዘፍቅሮም’ ክንብል የብልናን። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምስቲ ጳውሎስ፡ ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኽንተዓጋገስ’ ዝሃቦ ማዕዳ ዚጋጮ እዩ። (ኤፌ. 4:2) ጳውሎስ፡ ‘ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ’ ጥራይ ከም ዘይበለ ኣስተብህል። የግዳስ፡ “ብፍቕሪ” ዚብል እውን ወሲኹሉ እዩ። እዚ ድማ ፍልልይ ኣለዎ። ኣብ ጉባኤና፡ የሆዋ ዝሰሓቦም እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት እዮም ዘለዉ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ናብኡ ዝሰሓቦም ከኣ፡ ዚፍቀሩ ስለ ዝዀኑ እዮም። እሞ ደኣ ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና፡ ፍቕርና ኸም ዘይግብኦ ጌርና ኽንፈርዶ ግቡእ ድዩ፧ እምበኣር፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘና፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና።—1 ዮሃ. 4:20, 21

ናይ መወዳእታ በዓል ዝኽሪ—መዓስ፧

15. በዓል ዝኽሪ ንመወዳእታ እዋን እትበዓለላ መዓልቲ ኸም እትመጽእ ብኸመይ ንፈልጥ፧

15 በዓል ዝኽሪ ንመወዳእታ እዋን እትበዓለላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ። ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ጳውሎስ ኣብታ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ናብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቲ፡ በብዓመቱ በዓል ዝኽሪ ብምብዓል፡ ‘ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ኸም ዚነግሩ’ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 11:26) እታ “ዚመጽእ” እትብል ቃል፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እተነበዮ ‘ምምጻእ’ እያ እተመልክት። የሱስ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ኸምዚ በለ፦ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ፡ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም፣ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። [የሱስ] ድማ ንመላእኽቱ ብዓብዪ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ንሳቶም እውን ንሕሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ኪእክብዎም እዮም።” (ማቴ. 24:29-31) እቲ የሱስ ‘ንሕሩያቱ ዚእክበሉ’ እዋን፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ሽልማቶም ዚረኽቡሉ እዋን እዩ ዜመልክት። እዚ ዚፍጸም ድማ፡ ብርቱዕ ጸበባ ጅምር ምስ ኣበለ፡ ቀቅድሚ ውግእ ኣርማጌዶን እዩ። ሽዑ፡ እቶም 144,000 ምስ የሱስ ኰይኖም ንነገስታት ምድሪ ኺስዕርዎም እዮም። (ራእ. 17:12-14) ቀቅድሚ እታ የሱስ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኪእክብ ‘ዚመጸላ’ እዋን እትብዓል በዓል ዝኽሪ ድማ፡ እታ ናይ መወዳእታ ኽትከውን እያ።

16. ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ኽትእከብ ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 ሃየ እምበኣር፡ ኣብቲ 31 መጋቢት 2018 ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ኽንእከብ ንቝረጽ። ህዝቢ የሆዋ ንዘለዎም ሓድነት ዝያዳ ኸነደልድሎ ምእንቲ ኺሕግዘና ድማ ንየሆዋ ንለምኖ። (መዝሙር 133:1 ኣንብብ።) በዓል ዝኽሪ ንመወዳእታ እዋን እትበዓለላ መዓልቲ ኸም እትመጽእ ኣይትረስዕ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብቲ ኣኼባ ኽንእከብ ዝከኣለና ንግበር፣ ነቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚርአ ባህ ዜብል ሓድነት ድማ ኣኽቢርና ንርኣዮ።