ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ኦ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካን ነቲ ጽቡቕ ስምካ ንውድሶን ኣለና።”—1 ዜና 29:13

መዝሙር፦ 80, 50

1, 2. የሆዋ ነቲ ዘለዎ ነገር ብልግሲ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ፡ ለጋስ ኣምላኽ እዩ። ዘሎና ዘበለ ዅሉ ድማ ካብኡ ዝረኸብናዮ እዩ። ንዅሉ ወርቅን ብሩርን ኰነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ኻልእ ባህርያዊ ጸጋታት ዚውንኖ የሆዋ እዩ። ነዚ ድማ፡ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ይጥቀመሉ እዩ። (መዝ. 104:13-15፣ ሃጌ 2:8) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ነቲ ጸጋታቱ ብተኣምራዊ መገዲ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ዚገልጽ ጸብጻባት ንረክብ ኢና።

2 የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ ኣብ ምድረ በዳ ኸለዉ ን40 ዓመት ማናን ማይን ሂብዎም እዩ። (ዘጸ. 16:35) ሳላኡ ድማ፡ “ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎምን።” (ነህ. 9:20, 21) የሆዋ ብነብዪ ኤልሳእ ኣቢሉ፡ ሓንቲ እምንቲ መበለት ንዝነበራ ሒደት ዘይቲ ብተኣምር ኣብዚሕዎ እዩ። ሳላ እዚ ውህበት ኣምላኽ እዚ ድማ፡ እታ መበለት ዕዳኣ ኸፊላን ንዓኣን ንወዳን መናበሪ ዚኸውን እኹል ገንዘብ ረኺባን እያ። (2 ነገ. 4:1-7) የሱስ እውን ብሓገዝ የሆዋ መጊቡ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ገንዘብ ሂቡ እዩ።—ማቴ. 15:35-38፣ 17:27

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሆዋ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ፍጥረታት ዚኸውን ማእለያ ዘይብሉ ጥሪት ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣገልገልቱ ብገንዘቦም ንዕዮ ውድቡ ኺድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ኣሎ። (ዘጸ. 36:3-7፣ ምሳሌ 3:9 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ኻብኡ ዝረኸብናዮ ኽቡር ነገራት ተጠቒምና ንዕኡ ኽንህቦ ትጽቢት ዚገብረልና ስለምንታይ እዩ፧ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ንዕዮ ኣምላኽ ብገንዘቦም ዝደገፉ ብኸመይ እዮም፧ ሎሚ፡ ውድብ የሆዋ ነቲ ብወፈያ ዚርከብ ገንዘብ ብኸመይ እያ እትጥቀመሉ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክንመያየጥ ኢና።

ንየሆዋ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧

4. ንዕዮ የሆዋ ብምድጋፍ፡ ንየሆዋ እንታይ ኢና ኸነርእዮ እንኽእል፧

4 ንየሆዋ እንህቦ፡ ስለ እነፍቅሮን ከነመስግኖ ስለ እንደልን እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንታና ዝገበሮ ነገራት ምስ እንሓስብ፡ ብዙሕ ኢና እንድነቕ። ንጉስ ዳዊት ነታ እትስራሕ ቤተ መቕደስ ዜድልያ ነገራት ብዚምልከት ኪገልጽ ከሎ፡ ዘሎና ዘበለ ዅሉ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ኸም ዝዀነ፡ ንየሆዋ እንህቦ ዘበለ ድማ ንሱ ዝሃበና ነገር ከም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ።1 ዜና መዋእል 29:11-14 ኣንብብ።

5. ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ንየሆዋ ብልግሲ እንህቦ ህያብ ሓደ መሰረታዊ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

5 ምሃብ እውን ሓደ ኽፋል እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኺብሉ ኸለዉ ሰሚዑ እዩ። (ራእ. 4:11) እሞ ደኣ ብሉጽ ጥሪትና ንየሆዋ ብምሃብ፡ ንዕኡ ኸነኽብሮን ክንውድሶን ዚግብኣና ዀይኑዶ ኣይስምዓካን፧ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ ኣብ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐርቡ ብሙሴ ኣቢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ንየሆዋ ዚህብዎ ህያብ ድማ ሓደ ኽፋል እቲ ኣብዚ በዓል እዚ ዜቕርብዎ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ፡ “ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ” ተባሂሉ ድማ ተነጊርዎም ነበረ። (ዘዳ. 16:16) ሎሚ እውን፡ ንየሆዋ ብልግሲ እንህቦ ህያብ፡ ሓደ ኽፋል ኣምልኾና እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዕዮ ውድብ የሆዋ ዘሎና ሞሳን ደገፍን ከነርኢ ንኽእል ኢና።

6. ህያብ ምሃብ ንዓና እውን ዚጠቕመና ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

6 ህያብ ምሃብ ንዓና እውን ይጠቕመና እዩ። ተቐበልቲ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ለጋሳት ወሃብቲ እውን ምዃንና ጠቓሚ እዩ። (ምሳሌ 29:21 ኣንብብ።) በታ እትውሃቦ ንእሽቶ መውዕሎ ተጠቒሙ ንወለዱ ህያብ ብዛዕባ ዚዕድገሎም ቈልዓ እሞ ሕሰብ። እቶም ወለዱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዚብሎም! ምስ ስድራ ቤቱ እናነበረ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ውሉድ እውን፡ ወለዱ ንዜውጽእዎ ወጻኢታት ንምሽፋን እተወሰነ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ወለዱ ኸምኡ ኺገብር ትጽቢት ዘይገብሩ እንተ ዀነ እውን እኳ፡ ስለቲ ዝገበሩሉ ብዙሕ ነገራት ሞሳኡ ዚገልጸሉ ጽቡቕ መገዲ ስለ ዝዀነ ኪቕበልዎ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኻብ ጥሪትና ንዕኡ ምሃብና ንዓና እውን ከም ዚጠቕመና ይፈልጥ እዩ።

ጥንቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ዚህቡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

7, 8. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ (ሀ) ንፍሉይ ዕዮታት ህንጸት ዚኸውን ህያብ ብምሃብ፡ (ለ) ንዕዮ ኣምላኽ ብሓፈሻ ብገንዘቦም ብምድጋፍ፡ ኣብነት ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧

7 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ንዕዮ ኣምላኽ ብጥሪቶም ይድግፉ ነይሮም እዮም። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ንፍሉይ ዕዮ ህንጸት ዚኸውን ህያብ ሂቦም እዮም። ንኣብነት፡ ሙሴ ንህንጸት ማሕደር ዚኸውን ወፈያ፡ ንጉስ ዳዊት ከኣ ንህንጸት ቤተ መቕደስ ዚኸውን ወፈያ ኺውፈ ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 35:5፣ 1 ዜና 29:5-9) ብግዜ ንጉስ ዮኣስ ከኣ፡ ካህናት በቲ ህዝቢ ዝወፈዮ ገንዘብ ገይሮም ቤት የሆዋ ጸጊኖም እዮም። (2 ነገ. 12:4, 5) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ፡ ኣብ ይሁዳ ብርቱዕ ጥሜት ምስ ኰነ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሙ፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰድዱሎም ወሰኑ።”—ግብ. 11:27-30

8 ብዘይካዚ፡ ህዝቢ የሆዋ ነቶም ንዕዮ ኣምላኽ ዚመርሑ ብገንዘቦም ደጊፎምዎም እዮም። ንኣብነት፡ ሕጊ ሙሴ፡ ሌዋውያን ከም ካልኦት ነገዳት ርስቲ ኪቕበሉ ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ። የግዳስ፡ እስራኤላውያን ንሌዋውያን ዕሽር፡ ማለት ዓሰርተ ኢድ ይህብዎም ነበሩ። እዚ ድማ፡ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ዕዮ ማሕደር ጥራይ ኬተኵሩ ሓጊዝዎም እዩ። (ዘሁ. 18:21) ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ገሊአን ኣንስቲ ንየሱስን ንሃዋርያቱን “ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ።”—ሉቃ. 8:1-3

9. ምንጪ እቲ ብግዜ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ወፈያታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

9 ብርግጽ፡ ምንጪ እቲ ዚግበር ዝነበረ ወፈያታት እተፈላለየ እዩ። እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ማሕደር ኪህነጽ ከሎ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ግብጺ ሒዞምዎ ዝመጹ ጥሪት እዮም ሂቦም። (ዘጸ. 3:21, 22፣ 35:22-24) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከኣ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ከም መሬትን ኣባይትን ዝኣመሰለ ንብረቶም ሸይጦም፡ ነቲ ገንዘብ ናብ ሃዋርያት ኣምጽእዎ። እቶም ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ገንዘብ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዜድልዮ ይዕድልዎ ነበሩ። (ግብ. 4:34, 35) ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ኣዋህሊሎም ምስ ኣቐመጡ፡ ንዕዮ ኣምላኽ ንምድጋፍ ይውፍይዎ ነበሩ። (1 ቈረ. 16:2) ስለዚ፡ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት እጃሞም የበርክቱ ነይሮም እዮም።—ሉቃ. 21:1-4

ሎሚ ኽንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10, 11. (ሀ) ነቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ለጋሳት ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንመስሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ብዛዕባ ዘሎካ ፍሉይ መሰል እንታይ ይስምዓካ፧

10 ሎሚ፡ ንፍሉይ ዕላማ ወፈያ ኽንገብር ክንሕተት ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ጉባኤኹም ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የድልያ ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ ሕጂ እትጥቀምሉ ዘለኹም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕደስ ይህሉ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ንምሕዳስ ከምኡ ድማ ንዓበይቲ ኣኼባታት ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ኣሕዋት ንምድጋፍ ዚኸውን ገንዘብ ከም ዜድሊ ንፈልጥ ንኸውን። ነቶም ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ዀነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ ኣሕዋት ዚኸውን ገንዘብ እውን ንውፊ ኢና። እቲ እንገብሮ ወፈያ፡ ንሚስዮናውያንን ንፍሉያት ፈለምትን ነቶም ኣብ ዕዮ ወረዳ ዜገልግሉ ኣሕዋትን ንምድጋፍ ይውዕል እዩ። ጉባኤኹም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትና ዚጠቅም ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንምህናጽ ኪውዕል እተመደበ ወፈያ ብቐጻሊ ኸም እትውፊ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

11 ኵላትና ነቲ የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚዓይዮ ዘሎ ዕዮ ኽንድግፎ ንኽእል ኢና። መንነት እቶም ወፈያታት ዚገብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይፍለጥን እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ገንዘብ ከነእቱ ኸለና ወይ ከኣ ብjw.org ጌርና ወፈያ ኽንገብር ከለና፡ ክንደይ ከም ዝሃብና ብሰባት ኪርኣየልና ኣይንደልን ኢና። ወፈያኻ ሒደት ከም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑካኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ መብዛሕትኡ ወፈያታት፡ ሒደት መጠን ዘለዎ ወፈያታት ብብዝሒ ምስ ተዋህለለ ዚርከብ ደኣ እምበር፡ ሒደት ሰባት ብዚገብርዎ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ወፈያታት ከም ዘይርከብ ኣይትረስዕ። ድኻታት ዝዀኑ ኣሕዋትና እውን ከይተረፉ፡ ከምቶም ኣብ መቄዶንያ ኣብ “ሕሉፍ ድኽነት” ዝነበሩ ክርስትያናት ክነሶም፡ ወፈያ ኺገብሩ ሃረር ይብሉን ብልግሲ ይህቡን እዮም።—2 ቈረ. 8:1-4

12. ውድብና ነቲ ዚውፈ ገንዘብ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ እትጽዕር ብኸመይ እያ፧

12 ኣመሓዳሪ ኣካል ንገንዘብ ውድብ ኣምላኽ ብዚጥቀመሉ መገዲ እሙንን ኣስተውዓልን ኪኸውን ይጽዕር እዩ። (ማቴ. 24:45) ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ባጀት ኬዳልዉ ኸለዉ ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ ይጽልዩ እዮም። ነቲ ብወፈያ ዚርከብ ገንዘብ ብዛዕባ ዚጥቀምሉ መገዲ ድማ ብጥንቃቐ ይሓስቡሉ እዮም። (ሉቃ. 14:28) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብወፈያ ዚርከብ ገንዘብ ዚሕዙ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ፡ ነቲ ወፈያታት ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ጥራይ የውዕልዎ ነበሩ። ንኣብነት፡ እዝራ ነቲ ንጉስ ፋርስ ዝወፈዮ ወርቅን ብሩርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ሒዙ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። እቲ ሒዝዎ እተመልሰ ወፈያ ኸኣ፡ ብናይ ሕጂ ዋጋ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዚግመት እዩ ነይሩ። እዝራ እዚ ወፈያታት እዚ ንየሆዋ እተዋህበ ህያብ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ንብረት እዚ ኣብ ጕዕዞ ኻብ ሓደጋ ንምድሓን ዚሕግዝ ዝርዝር መምርሒታት ሂቡ እዩ። (እዝ. 8:24-34) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ኣሕዋት ዚኸውን ረድኤት ኣኪቡ ነይሩ እዩ። እቶም ነቲ ረድኤት ዜብጽሑ ነቲ እተወፈየ ገንዘብ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና” ኸም ዚሓልዩን ከም ዜመሓድሩን ገይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:18-21 ኣንብብ።) ሎሚ እውን፡ ውድብና ንኣብነት እዝራን ጳውሎስን ብምቕዳሕ ነቲ ዚውፈ ገንዘብ ብጥንቃቐ ተመሓድሮን ትጥቀመሉን እያ።

13. ውድብ የሆዋ ኣብ ቀረባ እዋናት ነቲ ዕዮ ንምቕላል ምትዕርራያት ዝገበረት ስለምንታይ እያ፧

13 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ካብቲ ዚረኽብዎ ኣታዊ ንላዕሊ ምእንቲ ኸየውጽኡ ወይ ከኣ ቀሊል ናብራ ብምንባር ኣብ ዕዮ የሆዋ ዝያዳ ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ምትዕርራያት ይገብሩ ይዀኑ። ውድብ የሆዋ እውን ከምኡ እያ እትገብር። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ሓደስቲ ዕዮታት ህንጸት ተኻይዱ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብቲ እንረኽቦ ገንዘብ ዝያዳ ወጻኢታት ኣውጺእና ኢና። ስለዚ፡ ውድብ ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ነቲ ብልግሲ እትህባ ወፈያታት ክትቍጥብ ትጽዕር እያ። ነቲ ዕዮ እተቕልለሉ መገድታት ድማ ተናዲ እያ።

ወፈያታትካ ዘለዎ ጥቕሚ

ወፈያታትካ ንዓለምለኻዊ ዕዮና ይሕግዝ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14-16. (ሀ) ሳላ እቲ እትገብሮ ወፈያ እንታይ እዩ ተዓሚሙ፧ (ለ) ካብቲ መሰናድዎታት ብኸመይ ኢኻ ተጠቒምካ፧

14 ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኣሕዋት፡ ከም ሎሚ ገይሮም ብዙሕ መንፈሳዊ ህያባት ተቐቢሎም ከም ዘይፈልጡ ይዛረቡ እዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ jw.org ከምኡ እውን ፈነወ JW (JW ብሮድካስቲንግ) ተጀሚሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከኣ ብሓያሎ ቛንቋታት ተሓቲሙ እዩ። ብ2014/ 2015፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዋ 14 ኸተማታት ዚርከብ ዓበይቲ ስታድዩማት፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ!” ዘርእስቱ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኻይዱ እዩ። እቶም ኣብዚ ኣኼባ እዚ እተኻፈሉ ድማ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም።

15 ሓያሎ ሰባት ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚረኽብዎ ዘለዉ ዜደንቕ ጥቕምታት ሞሳኦም ገሊጾም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ እስያ ኣብ እትርከብ ሃገር ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ መሰናድዎ ፈነወ JW ከምዚ በሉ፦ “ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኢና እነገልግል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ጽምዋ ይስምዓና እዩ፣ ዕዮ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ከም ዝዀነ ድማ ንርስዖ ኢና። ነቲ ኣብ ፈነወ JW ዚወጽእ እተፈላለየ መደባት ክንርኢ ኸለና ግና፡ ኣባላት ዓለምለኻዊ ሕውነት ከም ዝዀንና ንዝክር ኢና። ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንፈነወ JW ኣዝዮም እዮም ዚፈትውዎ። ብዙሕ ሳዕ፡ ነቲ ወርሓዊ መደብ ምስ ረኣዩ፡ ናብ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝያዳ ዝቐረቡ ዀይኑ ኸም እተሰምዖም ይዛረቡ እዮም። ኣባላት ውድብ ኣምላኽ ብምዃኖም ከኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓበን ይስምዖም እዩ።”

16 ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣስታት 2,500 ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይህነጽ ወይ ብዝለዓለ ደረጃ ይሕደስ ኣሎ። ኣባላት ሓንቲ ኣብ ሆንዱራስ እትርከብ ጉባኤ ዝዀኑ ኣሕዋት ነቲ እተሰርሓሎም ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀሙ ምስ ጀመሩ ኸምዚ በሉ፦ “ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ ስለ ዝዀንናን ዜደንቕ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዘሎናን ብሓቂ ኢና እንሕጐስ። ሳላኦም ኣብ ማሕበረሰብና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሃንጽ ዝነበረና ሕልሚ ተጋሂዱ እዩ።” ካልኦት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ጽሑፋትን ብቛንቋኦም ምስ ተተርጐመ፡ ረድኤት ምስ ረኸቡ፡ ወይ ከኣ ሰባት ኣብ ዚውሕዙሉ ኽፋል ከተማ ዚውሃብ ፍሉይ ምስክርነትን ካልእ ብግህዶ ዚውሃብ ምስክርነትን ኣብ ከባቢኦም ዘለዎ ውጽኢት ምስ ረኣዩ ብውድብ የሆዋ ተሓቢኖም እዮም።

17. እቲ ውድብና እትዓይየሉ መገዲ፡ ደገፍ የሆዋ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ነቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት ጥራይ ተጠቒምና ነዚ ዅሉ ዕዮ ብኸመይ ክንዓዪ ኸም ዝኸኣልና ኣይርድእዎን እዮም። ኣብ ሓደ ዓብዪ ትካል ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ቤት ሕትመትና ዑደት ገበረ። ኵሉ ዕዮ ብወለንተኛታትን ብወለንታ ብዚግበር ወፈያን ዚዕየ ምዃኑ፡ ገንዘብ ንምእካብ ዚግበር ፍሉይ ምድላዋት ከኣ ከም ዘየሎ ምስ ፈለጠ ተገረመ። እቲ ዕዮ በዚ ኸምዚ ኺዕይየ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ድማ ገለጸ። ሓቁ ድማ እዩ! ንሕና እውን እንተ ዀነ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኽንዓይዮ ዝኸኣልና ሳላ ደገፍ የሆዋ ጥራይ እዩ።—እዮ. 42:2

ንየሆዋ ብምሃብና እንረኽቦ በረኸት

18. (ሀ) ንመንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብና ምስ እንድግፍ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧ (ለ) ንደቅናን ንኻልኦት ሓደስቲ ሰባትን እጃሞም ኬበርክቱ ኸነሰልጥኖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 የሆዋ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚካየድ ዘሎ ዓብዪ ዕዮ ኽንድግፍ ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብና ምስ እንድግፍ ከም እንባረኽ ድማ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ሚል. 3:10) የሆዋ፡ ብልግሲ ዚህብ ሰብ፡ ጽቡቕ ከም ዚረክብ ኣተስፍዩና እዩ። (ምሳሌ 11:24, 25 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ምሃብ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ፣ ከመይሲ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብ. 20:35) ስለዚ፡ ንደቅናን ንኻልኦት ሓደስቲ ሰባትን፡ ነዚ ዕዮ እዚ ወፈያ ብምግባር ብኸመይ በረኸት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ብቓልናን ብግብርናን ከነሰልጥኖም ፍሉይ መሰል ኣሎና።

19. እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘተባብዓትካ ብኸመይ እያ፧

19 ኵሉ እቲ ዘሎና ነገራት ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ እዩ። ካብቲ ንሱ ዝሃበና መሊስና ንዕኡ ምሃብና ኸኣ፡ ከም እነፍቅሮን ምእንታና ኢሉ ንዝገበሮ ነገራት ከም እነማስወሉን ዜርኢ እዩ። (1 ዜና 29:17) እስራኤላውያን ንህንጸት ቤተ መቕደስ ወፈያ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ “ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ መስዋእቲ ፍታው ስለ ዝሃብዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታው ተሓጐሰ።” (1 ዜና 29:9) ንሕና እውን ነቲ ኻብኡ ዝረኸብናዮ ነገራት ንዕኡ ብምሃብ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ንጽዓር።