ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽኣልና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ፧

ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽኣልና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ፧

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!”—መዝ. 144:15

መዝሙር፦ 111, 109

1. እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ኣብ ዝዀነ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ የሆዋ “ኻብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን . . . ብዙሓት ህዝቢ” ይእክብ ኣሎ። እዞም ሕጉሳት ህዝቢ እዚኦም፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ “ብርቱዕ ህዝቢ” እዮም። ንኣምላኽ ድማ፡ “መዓልትን ለይትን ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡሉ” ኣለዉ። (ራእ. 7:9, 15፣ እ.ጽ.፣ ኢሳ. 60:22) ቅድሚ ሕጂ ንኣምላኽን ንብጻዮም ዜፍቅሩ ኽንድዚ ዚኣኽሉ ህዝቢ ኣይነበሩን።

2. ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት ዚልለዩላ ዘይቅንዕቲ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

2 ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜና፡ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት፡ ጥቕሚ ርእሳ ብእትደሊ ዘይቅንዕቲ ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ” ኸም ዚዀኑ ጽሒፉ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-4) እዛ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እትሓስብ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣንጻር ክርስትያናዊት ፍቕሪ እያ። ስስዐ ዝመልኦ ሸቶታት ምስዓብ፡ ንሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣየምጽኣሎምን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ኣብ ዓለም ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ የስፋሕፍሕ ስለ ዘሎ፡ እዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን “ጽንኩር ግዜ” ዀይኑ ኣሎ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

3 ጳውሎስ፡ ጥቕሚ ርእሳ እትደሊ ፍቕሪ ኸም እተስፋሕፍሕን ንክርስትያናት ጽልዋ ኽትገብረሎም ከም እትኽእልን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ካብቶም ዘይቅንዕቲ ፍቕሪ ዜርእዩ ሰባት ‘ኪርሕቁ’ ምዒድዎም እዩ። (2 ጢሞ. 3:5) ይኹን እምበር፡ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክንርሕቖም ኣይንኽእል ኢና። እሞ ደኣ፡ ካብቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓለማዊ ኣረኣእያ ኽንርሕቕን ነቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ኸነሐጕሶን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ ኣምላኽ ከነንጸባርቖ ዚደልየና ፍቕሪ ምስቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2-4 ተገሊጹ ዘሎ ፍቕሪ ኸነነጻጽሮ ኢና። ድሕሪኡ፡ ንርእስና ኽንምርምር፡ ነታ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን እተምጽእ ፍቕሪ ብኸመይ ከነንጸባርቓ ኸም እንኽእል ድማ ክንርኢ ኢና።

ንኣምላኽ ዲኻ እትፈቱ ወይስ ንርእስኻ፧

4. ንርእስና ሚዛናዊ ዝዀነ ፍቕሪ ምስ ዚህልወና ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ከም ዚዀኑ ጽሒፉ እዩ። ርእስኻ ምፍታው ግና እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧ ርእስኻ ምፍታው ንቡርን ኣገዳስን እዩ። የሆዋ ኸምኡ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። የሱስ እውን፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እዩ ኢሉ። (ማር. 12:31) ንርእስና ዘይነፍቅር እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ከነፍቅር ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን” ዚብል ነንብብ ኢና። (ኤፌ. 5:28, 29) ስለዚ፡ ንርእስና ግቡእ ፍቕሪ ምስ ዚህልወና፡ ጽቡቕ እዩ።

5. ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ካብቲ ዚግባእ ንላዕሊ ዚሓስቡ ሰባት እንታይ ዓይነት ምዃኖም ግለጽ።

5 እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2 እተጠቕሰ ንገዛእ ርእስና ዚህልወና ፍቕሪ ግና ጥዑይ ዓይነት ፍቕሪ ኣይኰነን። ቄናንን ጥቕሚ ርእሱ ዚደልን ዓይነት ፍቕሪ እዩ። ካብ ግቡእ ንላዕሊ ንርእሶም ዚፈትዉ ሰባት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ካብቲ ዚግባእ ንላዕሊ እዮም ዚሓስቡ። (ሮሜ 12:3 ኣንብብ።) ብዘይካ ንሳቶም ካልእ ዘሎ ስለ ዘይመስሎም፡ ብቐንዱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ። ብዛዕባ ኻልኦት ብዙሕ ኣይግደሱን እዮም። ሓደ ነገር ምስ ዜጋጥሞም፡ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ዚወስዱ፡ ንኻልኦት ተሓተትቲ ኺገብርዎም እዮም ዚፍትኑ። ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ መጽሓፍ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ቅንፍዝ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ከመይሲ፡ ቅንፍዝ ነቲ ልስሉስን ምዉቕን ጸምሩ ንውሽጢ ገይሩ፡ ንኻልኦት ነቲ ኣሻዅ ዝባኑ እዩ ዚህቦም። ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ሰባት እውን፡ ከምኡ እዮም። ብሓቂ ድማ ሕጉሳት ኣይኰኑን።

6. ንኣምላኽ ብምፍቃርና እንታይ ውጽኢት ኢና እንረክብ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዜስፋሕፍሕ ሕማቕ ባህርያት ኪገልጽ ከሎ፡ ንርእስኻ ምፍታው ብቐዳምነት እዩ ጠቒስዎ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ገሊኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝጠቐሶ ኻልእ ሕማቕ ባህርያት ብሰንኪ ርእስኻ ምፍታው ዚመጽእ ስለ ዝዀነ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ኣዝዩ እተፈልየ ፍረ እዮም ዜፍርዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ምስ ሓጐስን ሰላምን ዓቕልን ለውሃትን ሕያውነትን እምነትን ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ኣተሓሒዙ እዩ ዚጠቕሳ። (ገላ. 5:22, 23) ሓደ ዘማሪ ኸኣ፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 144:15) የሆዋ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ፣ ህዝቡ ድማ ነዛ ባህርይ እዚኣ እዮም ዜንጸባርቑ። ብዘይካዚ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቶም ኪቕበሉ ጥራይ ዚደልዩ ፈተውቲ ርእሶም ዘይኰኑስ፡ ርእሶም ንጥቕሚ ኻልኦት ምሃብ ባህ ዜብሎም እዮም።—ግብ. 20:35

ፈተውቲ ርእስናን ገንዘብን ተድላን ምእንቲ ኸይንኸውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7)

7. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽንምርምር ዚሕግዘና ኣየናይ ሕቶታት እዩ፧

7 ንርእስና ዘላትና ፍቕሪ ኻብቲ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እትበልጽ እንተ ዀይና ብኸመይ ኢና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:3, 4 ዚርከብ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ዚብል ማዕዳ ኽንሓስበሉ ኣሎና። ንርእስና ድማ ከምዚ ኢልና ንሕተታ፦ ‘ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ህይወተይ አተግብሮ ድየ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ብሓቂ እደሊ ድየ፧ ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን ንዝረኽቦም ሰባት ክሕግዝ እጽዕር ድየ፧’ ግዜናን ጕልበትናን ንኻልኦት ምውፋይ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ጻዕርን ርእሰ መስዋእትን ዚሓትት እዩ። ግናኸ፡ ሞገስ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዝረኸብና ኻብ ምፍላጥ ዚዓቢ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።

8. ገሊኦም በታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም እንታይ እዮም ገይሮም፧

8 ገሊኦም በታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ስራሕ ሓዲጎም ንየሆዋ ብዝያዳ ኼገልግልዎ ወሲኖም እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ኤሪካ፡ ሓኪም እያ። ኰይኑ ግና፡ ብዓውዲ ሕክምና ተፈላጥነት ክትረክብ ኣይጸዓረትን። የግዳስ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከኣ ምስ ሰብኣያ ኣገልገለት። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ኸምዚ ኢላ ገለጸት፦ “ብቛንቋ ወጻኢ ኣብ እነገልግለሉ ኸባቢ ዝረኸብናዮ ብዙሕ ተመክሮታትን ዘጥረናዮ ምሕዝነትን ኣብ ህይወትና ሓጐስ ወሲኹልና እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ዓውዲ ሕክምና እሰርሕ እየ፣ ዝበዝሕ ግዜይን ጕልበተይን ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ምፍዋስን ንጉባኤ ኣብ ምሕጋዝን ስለ ዘውዕሎ ግና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ውሽጣዊ ዕግበትን ክረክብ ክኢለ እየ።”

መዛግብትኻ ኣብ ሰማይ ድዩ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

9. ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሓጐስ ዘየምጽእ ስለምንታይ እዩ፧

9 ጳውሎስ፡ ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ” ከም ዚዀኑ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ሓደ ኣብ ኣይርላንድ ዚነብር ፈላሚ ንሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣዘራረቦ። እቲ ሰብኣይ ድማ ካብ ቦርሳኡ እተወሰነ ኣቕራሽ ኣውጺኡ፡ ብዅርዓት፡ “ኣምላኸይ እዚ እዩ” በለ። ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኢሎም ብድፍረት ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ግና ንገንዘብን ገንዘብ ንዚዕድጎ ነገራትን ብዚፈትዉ ሰባት እያ መሊኣ ዘላ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈታው ብሩርሲ ብብሩር፡ ፈታው ሃብቲ ድማ ብኣታዊ ኸቶ ኣይጸግብን እዩ” ይብለና። (መክ. 5:10) ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት፡ ኵሉ ሳዕ ተወሳኺ ገንዘብ ኪረኽቡ እዮም ዚደልዩ፣ ገንዘብ ኪድልቡ ብዙሕ ስለ ዚጽዕሩ ድማ፡ ኣብ ርእሶም “ብዙሕ ስቓይ” እዮም ዜምጽኡ።—1 ጢሞ. 6:9, 10

10. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሃብትን ድኽነትን እንታይ እዩ ዚብል፧

10 ብርግጽ፡ ኵላትና ገንዘብ የድልየና እዩ። ገንዘብ እተወሰነ ዕቝባ ይዀነና እዩ። (መክ. 7:12) ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ንመሰረታዊ ነገራት ዜድልዮ ገንዘብ ጥራይ እንተ ረኺቡ፡ ብሓቂ ሕጉስ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! (መክብብ 5:12 ኣንብብ።) ኣጉር ወዲ ያቄ፡ “ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ። ግደይ ዝዀነ ምግቢ ጥራይ ኣብልዓኒ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣጉር ስለምንታይ ኣዝዩ ድኻ ኪኸውን ከም ዘይደለየ ኽንርዳእ ኣየጸግመናን እዩ። ከምቲ ቐጺሉ ዝገለጾ፡ ብሰንኪ ድኽነቱ ኸይሰርቕ እሞ ንኣምላኽ ከየሕስር እዩ ፈሪሁ ነይሩ። ሃብቲ ኸይረክብ ዝጸለየ ግና ስለምንታይ እዩ፧ “ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ ‘የሆዋ መን እዩ፧’ ኸይብል” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 30:8, 9) ንስኻ እውን፡ ብኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብሃብቶም ዚእመኑ ሰባት ንዘለዎም ኣረኣእያ ኣስተብሂልካሉ ትኸውን ኢኻ።

11. የሱስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧

11 እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኣይክእሉን እዮም። የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በለ። ቀቅድሚ እዚ ድማ፡ “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ” በለ።—ማቴ. 6:19, 20, 24

12. ቀሊል ናብራ ምንባር፡ ንኣምላኽ ብቐሊሉ ኸነገልግሎ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ብዙሓት ኣሕዋት፡ ቀሊል ናብራ ምንባር ሓጐስ የምጽኣሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዜኽእሎም ተወሳኺ ግዜ ኺረኽቡ ኸም ዚሕግዞም እውን ተገንዚቦም እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ጃክ፡ ንሱን ሰበይቱን ፈለምቲ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝነበሮም ዓብዪ ቤትን ንግድን ሸጦ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ነቲ ዓብዪ ቤትናን ነቲ ኻብ ከተማ ወጻኢ ዝነበረና መሬትን ምሻጥ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ስራሕ ናብ ቤተይ ተበሳጭየ እየ ዝምለስ ነይረ። እታ ፈላሚት ዝነበረት ሰበይተይ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ሕጕስቲ እያ ነይራ። ‘ካብ ኵሉ ዚበልጽ ሓለቓ እዩ ዘሎኒ’ ድማ ትብለኒ ነበረት። ሕጂ ኣነ እውን ፈላሚ ስለ ዝዀንኩ፡ ክልቴና ንሓደ ሓለቓ፡ ማለት ንየሆዋ ኢና እንዓዪ።”

ፈተውቲ ርእስናን ገንዘብን ተድላን ምእንቲ ኸይንኸውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13)

13. ብዛዕባ ገንዘብ ንዘሎና ኣረኣእያ ኽንምርምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ብዛዕባ ገንዘብ ንዘሎና ኣረኣእያ ምእንቲ ኽንምርምር፡ ንርእስና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብቕንዕና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ሓሳብ እኣምነሉን ምስኡ ተሰማሚዐ እነብርን ድየ፧ ገንዘብ ምድላብ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ዝህቦ ነገር ድዩ፧ ካብቲ ምስ የሆዋን ምስ ህዝቡን ዘሎኒ ርክብ ብዝያዳ ንስጋዊ ነገራት ድየ ዝለዓለ ቦታ ዝህቦ፧ የሆዋ ዜድልየኒ ነገራት ከም ዜማልኣለይ ብሓቂ እተኣማመን ድየ፧’ የሆዋ ነቶም ብእኡ ተስፋ ዚገብሩ ፈጺሙ ኸም ዘየሕፍሮም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:33

ንየሆዋ ዲኻ እትፈቱ ወይስ ንተድላ፧

14. ብዛዕባ ተድላ ኺህልወና ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

14 ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት “ተድላ ዚፈትዉ” እዮም። ከምቲ ብዛዕባ ገንዘብ ጥዑይን ሚዛናውን ኣረኣእያ ምሓዝ ጌጋ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ተድላ እውን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ጌጋ ኣይኰነን። የሆዋ ንርእስና ባህታ ኽንከልኣ ወይ ከኣ ሓጐስ ካብ እንረኽበሉ ጥዑይ ንጥፈታት ክንርሕቕ ኣይኰነን ዚደልየና። መጽሓፍ ቅዱስ ንእሙናት ሰባት፡ “ኪድ ምግብኻ ተሓጒስካ ብላዕ፡ ወይንኻ እውን ብሕጉስ ልቢ ስተ” ኢሉ የተባብዖም እዩ።—መክ. 9:7

15. ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:4 ነየናይ ዓይነት ተድላ እያ እተመልክት፧

15 ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:4፡ ንኣምላኽ ረሲዕካ ደድሕሪ ተድላ ብዛዕባ ምጕያይ እያ እትገልጽ። እታ ጥቕሲ፡ ሰባት ካብ ንኣምላኽ ምፍቃር “ብዝያዳ ተድላ” ኸም ዚፈትዉ እያ እትሕብር፣ እዚ ግና፡ ሰባት ንኣምላኽ እተወሰነ ፍቕሪ ኸም ዚህልዎም ዜመልክት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ “እዛ [ጥቕሲ] ብእተወሰነ መጠን ንኣምላኽ እውን ከም ዜፍቅሩ ኣይኰነትን እተመልክት። ፈጺሞም ንኣምላኽ ኣየፍቅርዎን እዮም ማለት እያ።” እዝስ ተድላ ንዚፈትዉ ሰባት ከመይ ዝበለ ሓያል መጠንቀቕታ ዀን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም “ተድላ ዚፈትዉ፡” ብናይ እዚ ህይወት እዚ ተድላ “ዚውሰዱ” ኢሉ እውን ብልክዕ ይገልጾም እዩ።—ሉቃ. 8:14

16, 17. የሱስ ብዛዕባ ተድላ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

16 የሱስ ብዛዕባ ተድላ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ኣብ “መርዓ” ዀነ ኣብ “ድግስ” ተኻፊሉ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃ. 2:1-10፣ ሉቃ. 5:29) ኣብ ሓደ መርዓ፡ ንማይ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ወይኒ ብምልዋጥ ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕጽረት ወይኒ ኣወጊዱ እዩ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ተመጻደቕቲ ሰባት በላዕን ሰታይን ከም ዝዀነ ምስ ወቐስዎ፡ ሚዛናውያን ከም ዘይኰኑ ብንጹር ገሊጹ እዩ።—ሉቃ. 7:33-36

17 ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣብ ተድላ ዘተኰረ ህይወት ኣይኰነን ዚነብር ነይሩ። ንየሆዋ ቐዳምነት ሂቡ፡ ከይሰልከየ ኸኣ ርእሱ ንኻልኦት ወፍዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰባት ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ብዜሳቒ ኣማውታ ሞይቱ እዩ። ነቶም ኣስኣሰሩ ዚስዕቡ ሰባት ድማ ከምዚ በሎም፦ “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ምስ ዚዛረቡልኩምን፡ ሕጉሳት ኢኹም። ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።”—ማቴ. 5:11, 12

ፈተውቲ ርእስናን ገንዘብን ተድላን ምእንቲ ኸይንኸውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18)

18. ተድላ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንፈቱ ርእስና ኽንምርምር ዚሕግዘና ሕቶታት እንታይ እዩ፧

18 ክሳዕ ክንደይ ተድላ ኸም እንፈቱ ርእስና ኽንምርምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሕተታ፦ ‘ካብ ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ብዝያዳ ንመዘናግዒ ቐዳምነት እህቦ ድየ፧ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸገልግሎ፡ ንገለ ኻብቲ ዝፈትዎ ነገራት ክሓድግ ፍቓደኛ ድየ፧ መዘናግዒ ኽመርጽ ከለኹ፡ የሆዋ ንምርጫይ ብዛዕባ ኺህልዎ ዚኽእል ኣረኣእያ እሓስብ ድየ፧’ ንኣምላኽ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኸም ዚጸልኦ እንፈልጦ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኺጸልኦ ኸም ዚኽእል እንጥርጥሮ ነገራት እውን ነወግዶ ኢና።ማቴዎስ 22:37, 38 ኣንብብ።

ሓጐስ እትረኽበሉ መገዲ

19. ፈጺሞም ሕጉሳት ኪዀኑ ዘይክእሉ መን እዮም፧

19 ናይ ሰይጣን ዓለም ንኣስታት 6,000 ዓመት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ መከራ ኣውሪዳ እያ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግና፡ ክትጠፍእ እያ። ይኹን እምበር፡ ምድሪ ንርእሶምን ንገንዘብን ንተድላን ሕሉፍ ፍቕሪ ብዘለዎም ሰባት እያ መሊኣ ዘላ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ ጥቕሞም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ፣ ንትምኒቶም ከኣ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ እዮም ዚህብዎ። ይኹን እምበር፡ ፈጺሞም ሕጉሳት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። የግዳስ፡ ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝጸሓፎ፡ “ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዳኢኡ፡ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 146:5

20. ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ብኸመይ እዩ፧

20 ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኾም የፍቅርዎ እዮም። በብዓመቱ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ይፈልጥዎን የፍቅርዎን ኣለዉ። እዚ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜደንቕ በረኸት ከም እተምጽእ ዜረጋግጽ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እንገብርን ነቲ ልዑላዊ ገዛኢና ኸም ዘሐጐስናዮ ምስ እንፈልጥን ጥራይ ኢና ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ኸኣ ንዘለኣለም ሕጉሳት ኪዀኑ እዮም። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ገለ ባህርያት እታ ጥቕሚ ርእሳ እትደሊ ፍቕሪ ኽንምርምር ኢና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ እዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ኣንጻር እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ከም ዝዀነ ኽንርኢ ኢና።