ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”

“ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”

ጥቕሲ ዓመት 2018፦“እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ . . . ሓይሎም ይሕደስ።”—ኢሳ. 40:31

መዝሙር፦ 3, 47

1. እንታይ ዓይነት ጸገማት እዩ ዜጋጥመና፧ የሆዋ በቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዚሕጐስከ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ሓያሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ከቢድ ጸገማት ጥዕና ይቃለሱ እዮም። ገሊኦም፡ ንሳቶም ባዕላቶም ብዕድመ ደፊኦም ክነሶም፡ ንኣረጋውያን ቤተ ሰቦም ይጥውሩ እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ንስድራ ቤቶም ይትረፍዶ ኣቕሓ ምሾት፡ መሰረታዊ ነገራት እኳ ኼማልኡሎም ስለ ዘይክእሉ፡ ነዚ መሰረታዊ ነገራት እዚ ንምምላእ ብትግሃት ይጽዕሩ እዮም። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሓደ ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ጸገማት ብሓንሳእ ይደራረቦምን ምስዚ ጸገማት እዚ ይቃለሱን እዮም። እዚ ዅሉ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግዜኻ ይወስደልካ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ከኣ ንሓይልኻ ይጽንቅቖ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምሉእ ብምሉእ ትተኣማመን ኢኻ፣ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ ድማ ጽኑዕ እምነት ኣሎካ። በዚ እምነትካስ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!

2. ኢሳይያስ 40:29 እንታይ መተባብዒ እያ እትህበና፧ ግናኸ፡ እንታይ ዓይነት ከቢድ ጌጋ ኢና ኽንፍጽም እንኽእል፧

2 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ልዕሊ ዓቕምኻ ስለ ዝዀነካ ዓቕልኻ ጸቢቡካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ በይንኻ ኣይኰንካን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ብዙሕ ሳዕ ንጸገማቶም ኪጾርዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም ከም ዝነበረ ይገልጸልና እዩ። (1 ነገ. 19:4፣ እዮ. 7:7) ይኹን እምበር፡ ኣብ ክንዲ ዚሕለሉ፡ የሆዋ ምእንቲ ኼበርትዖም ኣብኡ ተወኪሎም እዮም። እቲ ‘ንድኹም ሓይሊ ዚህብ’ ኣምላኽ ድማ ኣየሕፈሮምን። (ኢሳ. 40:29) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና በረኸት ዘይኰነስ ጾር ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ካብ ሓቂ ብምርሓቕ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸቕጥታት ኪዋጽኡሉ ምፍታን ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከምቲ ሰይጣን ኪገብርዎ ዚምነዮ፡ ቃል ኣምላኽ ምንባብን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምክፋልን ሓዲጎምዎ እዮም።

3. (ሀ) ነቲ ሰይጣን ኬዳኽመና ዚገብሮ ጻዕሪ ኸነፍሽሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ድያብሎስ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምስ እንካፈል፡ ብርታዐ ኸም እንረክብ ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ክንብርትዕ ኣይደልየናን እዩ። ስለዚ፡ ብኣካላውን ስምዒታውን መገዲ ሓይልኻ ኸም እተጸንቀቐ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ የሆዋ ኣይትርሓቕ። የግዳስ፡ ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ ድማ፡ ‘ኬጽንዓካን ኬበርትዓካን’ እዩ። (1 ጴጥ. 5:10፣ ያእ. 4:8) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኬዳኽም ዚኽእል ክልተ ዅነት ክንርኢ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ከም እንፈትሖ ድማ ክንመያየጥ ኢና። ፈለማ ግና፡ ካብ ኢሳይያስ 40:26-31፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኼበርትዓና ዘለዎ ኽእለት ክንመያየጥ ኢና።

ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ሓይሎም ይሕደስ

4. ካብ ኢሳይያስ 40:26 እንታይ ኢና እንምሃር፧

4 ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ። ኣብ ዩኒቨርስ ንዘለዉ ዅሎም ከዋኽብቲ ኪቘጽሮም ዚኽእል የልቦን። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ጋላክሲ ሊሐ ጥራይ ኣስታት 400 ቢልዮን ከዋኽብቲ ኸም ዘለዉ እዮም ዚኣምኑ። የሆዋ ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ፡ ስም ወይ መጸውዒ ኣውጺኡሎም እዩ። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧ የሆዋ ነዞም ህይወት ዘይብሎም ከዋኽብቲ ብሕታዊ ተገዳስነት ዘለዎ ኻብ ኰነ፡ ብዛዕባኻ ደኣ ኽሳዕ ክንደይ ዘይግደስ! ምኽንያቱ፡ ግዴታ ዀይኑካ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ብዘሎካ ፍቕሪ ተደሪኽካ ኢኻ እተገልግሎ። (መዝ. 19:1, 3, 14) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቑ ይፈልጠካ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ይብለና። (ማቴ. 10:30) ሓደ ዘማሪ ድማ፡ “የሆዋ ነቲ እቶም መንቅብ ዘይብሎም ዜሕልፍዎ ይፈልጦ . . . እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 37:18) እወ፡ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ፈተናታት የስተብህለሉ እዩ። ንዅሉ ጸገማትካ ኽትጻወሮ ዜኽእለካ ብርታዐ ድማ ኪህበካ ይኽእል እዩ።

5. ኣምላኽ ኬበርትዓና ኸም ዚኽእል ክንተኣማመን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ኢሳይያስ 40:28 ኣንብብ። የሆዋ፡ ምንጪ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ንጸሓይ ዚህባ መጠን ጸዓት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ እሞ ሕሰብ። ዴቪድ ቦዳኒስ ዝስሙ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዚጽሕፍ ጸሓፊ፡ ጸሓይና ኣብ ሓደ ኻልኢት ጥራይ፡ ክንዲ ቢልዮናት ኣቶማዊ ቦምባታት ዚኸውን ጸዓት ከም እተውጽእ ገሊጹ እዩ። ካልእ ተመራማሪ ድማ፡ ጸሓይ ንደቂ ሰብ ን200,000 ዓመት ዜድልዮም ጸዓት ኣብ ሓደ ኻልኢት ተመንጭው ከም ዘላ ቐሚሩ እዩ። እቲ ንጸሓይ ሓይሊ ዚህባ ኣምላኽ፡ ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብርታዐ ኸም ዚህበና እሞ ኸመይ ኢልና ኽንጠራጠር ንኽእል፧

6. ኣርዑት የሱስ ምሹእ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ምፍላጥናኸ እንታይ ጽልዋ እዩ ዚገብረልና፧

6 ኢሳይያስ 40:29 ኣንብብ። ንየሆዋ ምግልጋል ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣርዑተይ ጹሩ” በሎም። ወሲኹ ድማ፡ “ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ” በሎም። (ማቴ. 11:28-30) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ እዩ! ሓድሓድ ግዜ፡ ካብ ቤትና ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ወይ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንከይድ ከለና ድኻም ይስምዓና እዩ። ክንምለስ ከለና ግና እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ተሓዲስናን ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ክንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብርታዐ ረኺብናን ኢና እንምለስ። እወ፡ ኣርዑት የሱስ ምሹእ እዩ።

7. ሓቅነት ማቴዎስ 11:28-30 ዜብርህ ተመክሮ ኣዘንቱ።

7 ሕጂ ከይላ ኢልና እንጽውዓ ሓንቲ ሓብቲ፡ ድኻም ከም ዚስምዓ ዚገብር ሕዱር ሕማምን ሕማም ጭንቀትን መርዘንን ነበራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ይኸብዳ ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ህዝባዊ መደረ ምስ ሰምዐት ግና ከምዚ በለት፦ “እቲ መደረ ብዛዕባ ተስፋ ምቝራጽ እዩ ነይሩ። እቲ ትምህርቲ፡ ለውሃትን ሓልዮትን ብዜንጸባርቕ መገዲ ስለ ዝቐረበ፡ ንብዓት ስዒሩኒ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ከም ዘሎኒ መዘኻኸሪ ረኺበ እየ።” ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ብምጽዓራ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተሓጒሳ!

8, 9. ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

8 ኢሳይያስ 40:30 ኣንብብ። ዋላ እውን ብዙሕ ክእለት እንተ ሃለወና፡ ብብርታዐና ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ግና ድሩት እዩ። ኵላትና ነዚ ኽንርስዕ የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ክእለት እኳ እንተ ነበሮ፡ ዝደለዮ ኺገብር ዜኽእሎ ዓቕሚ ግና ኣይነበሮን። ብዛዕባ እዚ ንኣምላኽ ምስ ነገሮ ድማ፡ ኣምላኽ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን” በሎ። ጳውሎስ ንትርጉም እዘን ቃላት እዚአን ተረዲእዎ ነበረ። “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ድማ በለ። (2 ቈረ. 12:7-10) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ጳውሎስ ብዘይ ሓገዝ ዝለዓለ ምንጪ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት ድሩት ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ምስ ዚደክም፡ መንፈስ ኣምላኽ ዜድልዮ ዘበለ ብርታዐ ኺህቦ ይኽእል ነበረ። ብዘይካዚ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ዘይክእል ነገራት ኪገብር ዜኽእሎ ብርታዕ እውን ኪህቦ ይኽእል ነበረ። ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። የሆዋ ምስ ዜሐይለና፡ ብሓቂ ብርቱዓት ኢና እንኸውን!

10. የሆዋ ንዳዊት፡ ጸገማቱ ኼሰንፍ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

10 እቲ ዘማሪ ዝነበረ ዳዊት፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ። “ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣ ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል” ኢሉ ድማ ዘመረ። (መዝ. 18:29) እወ፡ ንገለ ኻብቲ ዜጋጥመና ኸም “መንደቕ” ዝኣመሰለ ጸገማት፡ ብብርታዐና ‘ኽንሓዅሮ’ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ጸገማት እዚ ኽንሰግሮ፡ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ።

11. መንፈስ ቅዱስ ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ግለጽ።

11 ኢሳይያስ 40:31 ኣንብብ። ንስሪ፡ ኣየር እናቐዘፈ ነዊሕ ርሕቀት ዚንሳፈፍ ብብርታዐኡ ጥራይ ኣይኰነን። ምዉቕ ኣየር ነቲ ንስሪ ናብ ላዕሊ የንሳፍፎ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ንስሪ ጕልበቱ ኪቝጥብ ይሕግዞ እዩ። ስለዚ፡ ከቢድ ዝዀነ ነገራት ምስ ዜጋጥመካ፡ ብዛዕባ ንስሪ ሕሰብ። የሆዋ በቲ “ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ” ኣቢሉ ኼንሳፍፈካ ወይ ኪሕግዘካ ለምኖ። (ዮሃ. 14:26) ኣብ መዓልቲ፡ ኣብ ዝደለናዮ ሰዓት ክንልምኖ ንኽእል ኢና። ብፍላይ ከኣ ምስ ኣባላት ጉባኤና ዘይምርድዳእ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነዚ መለኮታዊ ሓገዝ እዚ ኽንረክብ ዝያዳ ኽንሓትት የድልየና ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዜጋጥመና ግና ስለምንታይ እዩ፧

12, 13. (ሀ) ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዘይምርድዳእ ዜጋጥም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጽ ዛንታ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

12 ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ዘይምርድዳእ የጋጥመና እዩ። ስለዚ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብቓላቶምን ብተግባራቶምን ኬሕርቑና፡ ንሕና እውን ከነሕርቖም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ከቢድ ፈተና ኪዀነና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ካልእ ፈተናታት ግና፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ምስቶም ዘይፍጹማት ክነሶም የሆዋ ዜፍቅሮም ሰብኡትን ኣንስትን ብኸመይ ብሓድነት ክንዓዪ ኸም እንኽእል ክንምሃር ይሕግዘና እዩ።

የሆዋ ንዮሴፍ ኣይረስዖን፡ ንዓኻ እውን ኣይክርስዓካን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13 እቲ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጽ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣገልገልቱ ኺፍተኑ ኸም ዚፈቅድ እዩ ዜርኢ። ዮሴፍ መንእሰይ ከሎ፡ እቶም ቀናኣት ደቂ ኣቦኡ ንባርነት ስለ ዝሸጥዎ፡ ናብ ግብጺ ተወስደ። (ዘፍ. 37:28) የሆዋ ነቲ ዅነታት ይርእዮ ነይሩ እዩ፣ እቲ ጻድቕ ፈታዊኡ ዝነበረ ዮሴፍ ግፍዒ ኺወርዶ ምስ ረኣየ ኸም ዝሓዘነ ድማ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይወሰደን። ድሕሪ ግዜ፡ ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ እውን፡ የሆዋ ጣልቃ ኣይኣተወን። ግናኸ፡ ኣምላኽ ንዮሴፍ ረሲዕዎ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፣ እኳ ደኣስ፡ ‘ዮሴፍ ዚገብሮ ዘበለ የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ።’—ዘፍ. 39:21-23

14. ቍጥዓ ‘ብምሕዳግ’ እንረኽቦ መንፈሳውን ኣካላውን ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

14 ካልእ ኣብነት ድማ ንርአ። ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ግፍዒ ዘጋጠሞ ሰብ መሸም ብዙሕ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ፈታው ኣምላኽ ዝነበረ ዳዊት፡ ቂም ኣይሓዘን። እኳ ደኣስ፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣ ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 37:8) ቍጥዓ ‘እንሓድገሉ’ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ‘ኸም ሓጢኣትና ዘይገብረና’ የሆዋ ኽንመስሎ ስለ እንደሊ እዩ። (መዝ. 103:10) ኰይኑ ግና፡ ቍጥዓ ‘ምሕዳግ’ ካልእ ረብሓታት እውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ቍጥዓ ኸም ልዑል ጸቕጢ ደምን ጸገማት ኣካላት ምስትንፋስን ዝኣመሰለ ሕማማት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ንጸላም ከብዲ ኸምኡ ድማ ንላልሽ ወይ ጣፍያ እውን ኪጐድእ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ጸገማት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ክንቍጣዕ ከለና፡ ከነመዛዝን ኣይንኽእልን ኢና። ተቘጢዕና ንኻልኦት እንዛረቦ ወይ እንገብሮ ጐዳኢ ነገር ድማ፡ ዝያዳ ጭንቀት ኪፈጥረልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ” ይብል። (ምሳ. 14:30) እሞ ደኣ ኻልኦት ብስምዒት ኪጐድኡና ኸለዉ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ምስ ሓውና ሰላም ክንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እዩ።

ኣሕዋትና ምስ ዜጕህዩና

15, 16. ሓደ ሰብ ምስ ዚብድለና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ኤፌሶን 4:26 ኣንብብ። ካብ ዓለም ግፍዒ ምስ ዚወርደና፡ ኣየገርመናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ወይ ኣባል ስድራ ቤትና ዚጐድኣና ነገር ምስ ዚዛረብ ወይ ምስ ዚገብር፡ ብዙሕ ንድቈስ ንኸውን። እሞ ደኣ ንሓያሎ ዓመታት ቂም ንሕዝ ዲና፡ ወይስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ስዒብና ነቲ ነገር ቀልጢፍና ነደቅሶ ኢና፧ ነቲ ዅነታት ቀልጢፍና ምስ ዘይንፈትሖ፡ ምስ ሓውና ዕርቂ ምፍጣር ብዝያዳ እዩ ዚኸብደና።

16 ሓደ ሓው ከም ዘጕሃየካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ ዝገበሮ ነገር ክትርስዖ ኣይከኣልካን። እሞ ደኣ ምስኡ ዕርቂ ንምፍጣር እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ ፈለማ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ። ምስ ሓውካ ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ኽትዘራረብ ኪሕግዘካ ለምኖ። እቲ ሓውካ፡ ሓደ ኻብቶም ፈተውቲ የሆዋ ኸም ዝዀነ ድማ ኣይትረስዕ። (መዝ. 25:14) ኣምላኽ የፍቅሮ እዩ። የሆዋ ንፈተውቱ ብለውሃት እዩ ዚሕዞም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና። (ምሳ. 15:23፣ ማቴ. 7:12፣ ቈሎ. 4:6) ካልኣይ፡ ንሓውካ እንታይ ከም እትብሎ ኣቐዲምካ ሕሰብ። ኰነ ኢሉ ኸም ዝጐድኣካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ክትርድኣሉ ጽዓር። ኣብቲ ዘጋጠመኩም ዘይምርድዳእ ግደ ኺህልወካ ኸም ዚኽእል እውን ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ከተዘራርቦ ኸለኻ፡ “ምናልባት ትማሊ እምብዛ ተነቃፊ ዀይነ ክኸውን እኽእል እየ፣ ይኹን እምበር፡ ክትዛረበኒ ኸለኻ፡ ከምዝን ከምዝን ተሰሚዑኒ” ኢልካ ዘረባኻ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዝርርብኩም ከምቲ ዝደለኻዮ ሰላም ክትፈጥር እንተ ዘይክኢልካ፡ ካልእ ኣጋጣሚ ድለ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ምእንቲ ሓውካ ጸሊ፡ የሆዋ ኺባርኾ ድማ ለምነሉ። ኣምላኽ ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት ሓውካ ኸተተኵር ኪሕግዘካ ለምኖ። እቲ ውጽኢት ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቲ ፈታው ኣምላኽ ዝዀነ ሓውካ ኽትረብሖ ኻብ ልብኻ ጻዕሪ ብምግባርካ ኸም ዚሕጐስ ርግጸኛ ኹን።

ብሕሉፍ ጌጋታትና ምስ እንሳቐ

17. ሓጢኣት ምስ እንፍጽም፡ የሆዋ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነዚ መሰናድዎ እዚ ኽንጥቀመሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

17 ገሊኦም ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙ፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዘይበቕዑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ጸጸት ንሓደ ሰብ ብዙሕ ኬሳቕዮ ይኽእል እዩ። እቲ ጸጸት ዚስምዖ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፡ “ስቕ ኢለ ኸለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ማህሚኑ። መዓልትን ለይትንሲ ኢድካ ኸቢዳትኒ” በለ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ዳዊት መንፈሳዊ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ንዅነታቱ በቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዚደልየና መገዲ ፈቲሕዎ እዩ። “ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ . . . ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (መዝ. 32:3-5) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ ድሉው እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብጉባኤ ኣቢሉ ዚገብረልካ ሓገዝ ክትቅበሎ ኣሎካ። (ምሳ. 24:16፣ ያእ. 5:13-15) እምበኣር፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ኣብኡ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትደናጐ። ይኹን እምበር፡ ሓጢኣትካ ይቕረ ምስ ተባሃለልካ እውን፡ እቲ ዝገበርካዮ ጌጋታት ንሕልናኻ የሳቕዮ ይኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

18. ኣብነት ጳውሎስ ነቶም ዘይረብሑ ዀይኑ ዚስምዖም ኪሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ በደላት ይጭነቕ ነይሩ እዩ። “ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ ኸኣ፡ ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” ድማ በለ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ብጸጋ ኣምላኽ ግና ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ” በለ። (1 ቈረ. 15:9, 10) የሆዋ፡ ሓጥእ ምዃኑ እናፈለጠ እዩ ተቐቢልዎ ነይሩ፣ ብዛዕባ እዚ ኺግንዘብ እውን ንጳውሎስ ትጽቢት ይገብረሉ ነበረ። ብዛዕባ ሕሉፍ ሓጢኣትካ ኻብ ልቢ እንተ ተነሲሕካ፡ ከምቲ ዚድለ ጌርካ ድማ እንተ ተናዚዝካ፡ የሆዋ ምሕረት ከም ዚገብረልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ንየሆዋ እመኖ፡ ምሕረቱ ድማ ተቐበል።—ኢሳ. 55:6, 7

19. ጥቕሲ ዓመት 2018 እንታይ እያ፧ ግብእቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

19 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ብዝመጸ መጠን፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸቕጢ ኸም ዚውስኽ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ “ንድኹም ሓይሊ፡ ጕልበት ንዘይብሉ ኸኣ ምሉእ ብርታዐ” ዚህብ ኣምላኽ፡ ክትጸንዕ ዚሕግዘካ ዘበለ ነገር ከም ዚህበካ ርግጸኛ ኹን። (ኢሳ. 40:29፣ መዝ. 55:22፣ 68:19) እምበኣር፡ ኣብ 2018፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእከብ ከለና፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኽንዝክሮ ኢና። ነታ፡ “እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ . . . ሓይሎም ይሕደስ” እትብል ጥቕሲ ዓመት ድማ ኣብቲ ኣዳራሽ ተሰቒላ ኽንርእያ ኢና።—ኢሳ. 40:31