ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

ሓደ ቐሊል ድራር ብዛዕባ ሓደ ሰማያዊ ንጉስ እንታይ ይምህረና፧

ሓደ ቐሊል ድራር ብዛዕባ ሓደ ሰማያዊ ንጉስ እንታይ ይምህረና፧

“እዚ ስጋይ ማለት እዩ። . . . እዚ . . . ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ።”—ማቴ. 26:26-28

መዝሙር 16 ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

መላለዪ *

1-2. (ሀ) የሱስ ንዝኽሪ ሞቱ ዚኸውን ቀሊል ስርዓት ምስራዑ ዘየገርመና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ባህርያት የሱስ ኢና ኽንምርምር፧

ኣብቲ ኣብ ዓዓመት ዚብዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እንታይ ከም ዚግበር ክትገልጾዶ ትኽእል፧ መብዛሕትና ነቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚግበር መሰረታዊ ነገራት ንዝክሮ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ድራር እተሓላለኸ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ‘ስለምንታይ ደኣ እዩ ቐሊል ድራር ዝዀነ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

2 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት ብቐሊልን ብንጹርን እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማቴ. 7:28, 29) ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንዝኽሪ * ሞቱ ዚኸውን ቀሊል ግናኸ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ስርዓት ሰሪዑልና ኣሎ። እምበኣር፡ ነዚ ድራር ዝኽሪ እዚ፡ ከምኡ ድማ ንገለ ኻብቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት እስከ ንመርምሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ትሑትን ተባዕን ፈቃርን ምዃኑ ብዝያዳ ኽንግንዘብ ኢና፣ ከመይ ጌርና ንዕኡ ብዝያዳ ኸም እንመስሎ እውን ክንምሃር ኢና።

የሱስ ትሑት እዩ

እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን፡ የሱስ ህይወቱ ምእንታና ኸም ዝሃበን ሕጂ ኣብ ሰማይ ነጊሱ ዘሎ ንጉስና ኸም ዝዀነን የዘኻኽረና (ሕጡብ ጽሑፍ 3-5 ርአ)

3. ኣብ ማቴዎስ 26:26-28 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ የሱስ ዝሰርዖ ድራር ዝኽሪ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ቐሊል ዝነበረ፧ እቲ ኽልተ መሰረታዊ ነገራትከ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

3 የሱስ ዝኽሪ ሞቱ፡ 11 እሙናት ሃዋርያቱ ኣብ እተረኽቡሉ እዋን እዩ ሰሪዕዎ። ካብቲ ድራር ፋስጋ ዝተረፈ ወሲዱ ኸኣ፡ ነዚ ቐሊል ዝኽሪ ኣቚሙ እዩ። (ማቴዎስ 26:26-28 ኣንብብ።) ካብቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዝነበረ ድማ፡ ቅጫን ወይንን ጥራይ እዩ ተጠቒሙ። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ እዚ ኽልተ መሰረታዊ ነገራት እዚ፡ ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ምእንታኦም ዜሕልፎ ስጋኡን ደሙን ከም ዜመልክት ነገሮም። እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ እዚ ኣገዳሲ ድራር እዚ ቐሊል ምዃኑ ኣየገረሞምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

4. እቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ምኽሪ ነቲ ንሱ ንድራር ዝኽሪ ቐሊል ገይሩ ዝሰርዓሉ ምኽንያት ክንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ኣገልግሎት የሱስ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ናብ እንዳ እቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ኣልኣዛርን ማርታን ማርያምን ከደ። ኣብቲ ምስ ፈተውቱ ዜሕልፎ ዝነበረ ግዜ ድማ፡ የሱስ ኪምህር ጀመረ። ማርታ እውን ኣብኡ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ እተኽብሮ ጋሻኣ ብዙሕ ምግቢ ኣብ ምድላው ኣስጊላ ነበረት። የሱስ ከኣ ነዚ ተዓዚቡ፡ ንማርታ ብለውሃት ኣረማ፣ ሰፊሕ መኣዲ ምድላው ወትሩ ኣድላዪ ዘይምዃኑ እውን ኣረድኣ። (ሉቃ. 10:40-42) ድሕርዚ፡ ንመስዋእታዊ ሞቱ ሒደት ሰዓታት ምስ ተረፎ፡ ነዚ ዝሃባ ምኽሪ እዚ ባዕሉ ዓየየሉ። ነቲ ድራር ዝኽሪ ቐሊል ገበሮ። እዚ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ይምህረና፧

5. ድራር ጐይታ ቐሊል ምዃኑ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ይምህረና፧ እዚኸ ምስ ፊልጲ 2:5-8 ብኸመይ ይሰማማዕ፧

5 የሱስ ኣብ ኵሉ ዘረባኡን ተግባሩን ትሑት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት ብዓብዪ ትሕትና ምምልላሱ ዜገርም ኣይኰነን። (ማቴ. 11:29) ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መስዋእቲ ኸም ዚኸፍል፡ የሆዋ ድማ ናብ ሰማይ ኣተንሲኡ ኽቡር ቦታ ኸም ዚህቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሞቱ ሰፊሕ ጽምብል ኪግበረሉ ብምሕታት፡ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘየድሊ ቘላሕታ ኣይሰሓበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ቀሊል ድራር ገይሮም ኪዝክርዎ ነገሮም። (ዮሃ. 13:15፣ 1 ቈረ. 11:23-25) እቲ ቐሊል ግናኸ ግቡእ ድራር ከኣ፡ የሱስ ዕቡይ ዘይምንባሩ የርኢ እዩ። ትሕትና ሓደ ኻብቲ ጕሉሕ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ንጉስና ምዃኑ የሐጕሰና እዩ።—ፊልጲ 2:5-8 ኣንብብ።

6. ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንትሕትና የሱስ ክንቀድሓ እንኽእል፧

6 ንትሕትና የሱስ ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧ ካብ ጥቕሚ ርእስና፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ብምቕዳም ኢና ኽንቀድሓ እንኽእል። (ፊል. 2:3, 4) ናብታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እሞ ምልስ ኢልና ንሕሰብ። የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዜሳቒ ኣማውታ ኸም ዚመውት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባ እቶም ብሓዘን ዚውሓጡ እሙናት ሃዋርያቱ ብዙሕ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነታ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንዓታቶም ኣብ ምምሃርን ኣብ ምትብባዕን ኣብ ምብርታዕን ኣሕለፋ። (ዮሃ. 14:25-31) ብትሕትና ተደሪኹ ኸኣ፡ ካብ ርእሱ ንላዕሊ፡ ብኻልኦት ከም ዚግደስ ኣርኣየ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና!

የሱስ ተባዕ እዩ

7. የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ፡ ዓብዪ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ፡ ዜደንቕ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ጸሪፍካ ተባሂሉ ብዜሕፍር መገዲ ኸም ዚቕተል እናፈለጠ ኽነሱ፡ ነቲ ፍቓድ ኣቦኡ ተቐቢልዎ እዩ። (ማቴ. 26:65, 66፣ ሉቃ. 22:41, 42) ስም የሆዋ ምእንቲ ኬኽብርን ልዑላውነት የሆዋ ምእንቲ ኺድግፍን ንዚንስሑ ሰባት መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኪኸፍተሎምን ኢሉ ኸኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንሰዓብቱ ነቲ ዜጋጥሞም ነገር ኣዳልይዎም እዩ።

8. (ሀ) የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ እንታይ እዩ ዝበሎም፧ (ለ) ኣብተን ድሕሪ ሞት የሱስ ዝነበራ ዓመታት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብነት ትብዓቱ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧

8 የሱስ ትብዓት እውን ኣርእዩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣትኵሮኡ ኣብቲ ኺስምዖ ዚኽእል ዝነበረ ጭንቀት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ዜድልዮም ነገራት እዩ ገይሩ። እቲ ንይሁዳ ሰጒጉ ዝሰርዖ ቐሊል ድራር ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዚዀኑ ሰባት፡ እቲ ዚፈስስ ደም የሱስን ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ምዃንን ንዜምጽኦ ጥቕምታት ዜዘኻኽሮም እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 10:16, 17) ንሰማያዊ ጽውዓኦም ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ ድማ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንሱን ኣቦኡን ካባታቶም እንታይ ከም ዚጽበዩ ነገሮም። (ዮሃ. 15:12-15) ብዘይካዚ ኸኣ፡ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዜጋጥሞም ፈተናታት ነገሮም። ድሕሪኡ፡ ኣብነቱ ኺስዕቡ ድሕሪ ምትብባዑ፡ “ኣጆኹም!” በሎም። (ዮሃ. 16:1-4ሀ, 33) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ንሱ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዝሓደጎ መገድን ዘርኣዮ ትብዓትን ስዒቦም እዮም። ብዙሕ መስዋእቲ እኳ እንተ ኣኽፈሎም፡ በበይኑ ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም እዮም።—እብ. 10:33, 34

9. ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ትብዓት ከነርኢ እንኽእል፧

9 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ትብዓት ንስዕብ ኢና። ንኣብነት፡ ብእምነቶም ንዚስጐጉ ኣሕዋትና ንምድጋፍ፡ ትብዓት የድልየና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣሕዋትና ብዘይፍትሓዊ መገዲ ይእሰሩ እዮም። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ምእንታኦም ተቢዕና ብምዝራብ ኰነ ብኻልእ መገዲ ንዓታቶም ዚከኣለና ኽንገብረሎም ኣሎና። (ፊል. 1:14፣ እብ. 13:19) ካልእ ትብዓት እነርእየሉ መገዲ ድማ ወትሩ “ብትብዓት” ብምስባኽ እዩ። (ግብ. 14:3) ተቓውሞን መስጐጕትን እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ከም የሱስ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ቈሪጽና ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ትብዓት ይጐድለና ይኸውን። ሽዑ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10. ቅድሚ ብዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ቕንያት፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

10 ብዛዕባ እቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዚህበና ተስፋ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንትብዓትና ኸነሐይል ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 3:16፣ ኤፌ. 1:7) ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ቕንያት፡ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እነዕብየሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። እምበኣር ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ሞት የሱስ ዘሎ ፍጻመታት እውን ብጸሎት ነስተንትነሉ። ድሕሪኡ፡ ንድራር ጐይታ ኽንእከብ ከለና፡ ትርጉም እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን እቲ ብእኡ ዚውከል መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእትን ብዝያዳ ኺርድኣና እዩ። እቲ የሱስን የሆዋን ዝገበሩልና ምስ ተገንዘብና፡ ካብኡ ንሕና ዀነ ሰብና ብኸመይ ከም እተጠቐምና ድማ ምስ ተረድኣና፡ ተስፋና ትድልድል እያ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትብዓት ክንጻወር እውን ንድረኽ ኢና።—እብ. 12:3

11-12. ክሳዕ ሕጂ እንታይ ተማሂርና ኣለና፧

11 ክሳዕ ሕጂ፡ ካብ ድራር ጐይታ ብዛዕባ እቲ ኽቡር በጃ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘርኣዮ ዜደንቕ ትሕትናን ትብዓትን ተማሂርና ኣለና። የሱስ ኣብ ሰማይ ምእንታና ዚልምን ሊቀ ኻህናት ድሕሪ ምዃኑ እውን፡ ነዚ ባህርያት እዚ የርኢ ኸም ዘሎ ምፍላጥና ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። (እብ. 7:24, 25) ልባዊ ምስጋናና ንምግላጽ ድማ፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዘና፡ ዝኽሪ ሞቱ ብተኣማንነት ከነብዕሎ ኣሎና። (ሉቃ. 22:19, 20) ነዚ ዝኽሪ ኸኣ ኣብታ ኣብ ዓመት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ዕለት፡ ማለት ብ14 ኒሳን ኢና እነብዕሎ።

12 ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቀሊል ነገራት፡ ንየሱስ ምእንታና ኺመውት ዝደረኸቶ ኻልእ ባህርይ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በታ ባህርይ እቲኣ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። እታ ባህርይ እንታይ እያ፧

የሱስ ፈቃር እዩ

13. ኣብ ዮሃንስ 15:9ን 1 ዮሃንስ 4:8-10ን፡ እቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣይዎ ፍቕሪ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ ካብቲ ፍቕሮም ዚጥቀሙኸ መን እዮም፧

13 የሱስ ኣብ ኵሉ ተግባሩ ነታ የሆዋ ንዓና ዘላቶ ሓያል ፍቕሪ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃንስ 15:9፣ 1 ዮሃንስ 4:8-10 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሱስ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ንምሃብ ተደሪኹ እዩ። ካብቶም ቅቡኣት ንኹን ወይ ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ፡” ካብቲ የሆዋን ወዱን በቲ መስዋእቲ ኣቢሎም ዘርኣዩና ፍቕሪ ንጥቀም ኢና። (ዮሃ. 10:16፣ 1 ዮሃ. 2:2) ብዛዕባ እቲ ኣብ ድራር ዝኽሪ ዚህሉ ነገራት እውን እሞ ንሕሰብ፣ ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን እዩ ዜንጸባርቕ። ብኸመይ፧

የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ትሕቲ በበይኑ ዅነታት ኪብዓል ዚከኣል ቀሊል በዓል ዝኽሪ ሰርዐ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ) *

14. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ፡ እተሓላለኸ ጽምብል ዘይኰነስ፡ ኬብዕልዎ ዚግባእ ቀሊል ድራር ብምስራዕ ፍቕሩ ኣርእይዎም እዩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዓዓመት በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ነይርዎም፣ ነዚ እውን ኣብ ትሕቲ በበይኑ ዅነታት፡ እንተላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ኪገብርዎ ነይርዎም። (ራእ. 2:10) እሞኸ ንየሱስ ኺእዘዝዎ ኽኢሎምዶ፧ እወ ኽኢሎም እዮም!

15-16. ገሊኦም ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክሳዕ እዚ ግዜና ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ዀነ፡ ብእተኻእሎም መጠን ነቲ ድራር ጐይታ ዚብዓለሉ ስርዓት ስዒቦም እዮም። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ። ሓውና ሃሮልድ ኪንግ ኣብ ቻይና ንበይኑ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ነቲ በዓል ንምብዓል ጻዕሪ ኺገብር ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። በቲ ዝረኸቦ ገይሩ ድማ፡ ብሕቡእ ንበዓል ዝኽሪ ምድላዋት ገበረ። በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ዕለት ከኣ ንምፍላጥ ዚከኣሎ ጸዓረ። ዝኽሪ ሞት የሱስ ዚብዓለሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ በይኑ ኣብታ እተኣስረላ ሸላ ዀይኑ ዘመረ፡ ጸለየ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረ እውን ኣቕረበ።

16 ካልእ ኣብነት እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ እተኣስራ ኣሓት፡ ድራር ጐይታ ንምብዓል ህይወተን ኣብ ሓደጋ ኣእትየን እየን። እቲ ድራር ቀሊል ብምዃኑ ግና፡ ነቲ ዝኽሪ ብሕቡእ ኬብዕላኦ ኽኢለን እየን። ብዛዕባ ሽዑ ድማ፡ “ከቢብና ደው በልና፣ ኣብ ማእከልና ኸኣ እቲ ቕጫን ወይንን እተቐመጦ ጻዕዳ ጨርቂ ዝለበሰ ድኳ ነበረ። መብራህቲ ሉቸ ኼቃልዓና ይኽእል ስለ ዝነበረ፡ ሽምዓ ተወሊዓ ነበረት። . . . ኵሉ ብርታዐና ንምርግጋጽ ቅዱስ ስሙ ኽንጥቀም ንኣቦና ዝኣተናዮ መብጽዓ ድማ ሓደስናዮ” ኢለን ገሊጸን እየን። ብሓቂ እተደንቕ እምነት እየን ኣርእየን። እወ፡ የሱስ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ዜኽእለና ስርዓት ብምስራዕ ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ።

17. ገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል፧

17 በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ገዛእ ርእስና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንሕተት፦ ‘ፈቃር ብምዃን ዝመጸ ኸመይ ገይረ እየ ንየሱስ ብዝያዳ ኽመስሎ ዝኽእል፧ ካብ ርእሰይ ንላዕሊ፡ ንክርስትያናት ብጾተይ ብዝያዳ እሓልየሎም ድየ፧ ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ካብቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ንላዕሊ እጽበዮም ድየ ወይስ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ እርዳእ እየ፧’ እምበኣር፡ ወትሩ ንየሱስ ንምሰሎ፡ ‘እንደናገጽ’ እውን ንኹን።—1 ጴጥ. 3:8

ነዚ ትምህርትታት እዚ ወትሩ ዘክሮ

18-19. (ሀ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ለ) ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንሓዋሩ እናተባዕለ ኣይኪቕጽልን እዩ። የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ‘መጸ፡’ ንዅሎም እቶም ዝተረፉ “ሕሩያቱ” ናብ ሰማይ ኪእክቦም እዩ፣ በዓል ዝኽሪ እውን ድሕሪኡ ኣይኪብዓልን እዩ።—1 ቈረ. 11:26፣ ማቴ. 24:31

19 ምብዓል ድራር ዝኽሪ ምስ ኣቋረጸ እውን እንተ ዀነ፡ ህዝቢ የሆዋ ነዚ ቐሊል ድራር እዚ ኸም ምልክት ካብ ኵሉ ዝዓበየ ትሕትናን ትብዓትን ፍቕርን ገይሮም ከም ዚዝክርዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ነዚ ዜደንቕ ድራር እዚ ዘብዓሉ ሰባት ንዅሎም እቶም ሽዑ ብህይወት ዚነብሩ ምእንቲ ኺጠቕምዎም ኢሎም፡ ብዛዕባኡ ኺነግርዎም እዮም። ካብዚ ድራር እዚ ሕጂ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ኣብነት እቲ የሱስ ዝሓደጎ ትሕትናን ትብዓትን ፍቕርን ክንስዕብ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ የሆዋ ዓስብና ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ጴጥ. 1:10, 11

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

^ ሕ.ጽ. 5 ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ንምብዓል፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ድራር ጐይታ ኽንእከብ ኢና። እዚ ድራር እዚ ብዛዕባ ትሕትናን ትብዓትን ፍቕርን የሱስ ይምህረና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ባህርያቱ እዚ ኸመይ ጌርና ኸም እንቐድሖ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ዝኽሪ ኺብሃል ከሎ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ወይ ሰብ ንምዝካር ዚግበር ፍሉይ ነገር የመልክት።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ እሙናት ኣገልገልቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ፡ ከምኡ ድማ ኣብዚ ግዜና ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ መጽለሊ ጥራይ ዘለዋ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ በዓል ዝኽሪ የብዕሉ።