ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

ንልብኻ ብኸመይ ትሕልዎ፧

ንልብኻ ብኸመይ ትሕልዎ፧

“ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።”—ምሳ. 4:23

መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ

መላለዪ *

1-3. (ሀ) የሆዋ ንሰሎሞን ዝፈተዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሰሎሞንከ እንታይ በረኸት ረኺቡ ነይሩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

ሰሎሞን ገና ብንእስነቱ እዩ ንጉስ እስራኤል ኰይኑ ተሸይሙ። ኣብ መጀመርታ ንግስነቱ ኸኣ፡ የሆዋ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ። ሰሎሞን ድማ፡ “መንእሰይን ዘይምኩርን ክነሰይ፡ ንጊልያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንጊስካዮ ኢኻ። . . . ስለዚ፡ ንጊልያኻ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡ እዙዝ ልቢ ሃቦ” ኢሉ መለሰ። (1 ነገ. 3:5-10) “እዙዝ ልቢ” ምልማኑ፡ ትሑት ምንባሩ እዩ ዜርኢ። ስለዚ ድማ እዩ የሆዋ ንሰሎሞን ዝፈተዎ። (2 ሳሙ. 12:24) ኣምላኽ በቲ መንእሰይ ንጉስ ብዙሕ ባህ ስለ ዝበሎ ኸኣ፡ “ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ” ሃቦ።—1 ነገ. 3:12

2 ሰሎሞን ብተኣማንነት ኣብ እተመላለሰሉ እዋን፡ ብዙሕ በረኸት ረኺቡ ነይሩ እዩ። “ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል” እትኸውን ቤተ መቕደስ ናይ ምህናጽ ክብሪ ረኺቡ ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 8:20) በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ ከኣ ስሙይ ኰይኑ ነይሩ እዩ። ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ድማ ኣብ ሰለስተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሓንቲ ኻብዘን መጻሕፍቲ ኸኣ፡ መጽሓፍ ምሳሌ እያ።

3 ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ልቢ ኣስታት ሚእቲ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ንኣብነት፡ ኣብ ምሳሌ 4:23፡ “ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ” ዚብል ነንብብ ኢና። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ልቢ” ኺብሃል ከሎ ንምንታይ የመልክት፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽንረኽበላ ኢና። ነዚ ዚስዕብ ክልተ ሕቶታት እውን መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ ብኸመይ እዩ ሰይጣን ንልብና ኺብክሎ ወይ ኬበላሽዎ ዚፍትን፧ ንልብና ንምሕላውከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንኣምላኽ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ መልሲ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ኣሎና።

“ልቢ” ንምንታይ የመልክት፧

4-5. (ሀ) “ልቢ” ኺብሃል ከሎ ንምንታይ ከም ዜመልክት ምእንቲ ኽንርዳእ፡ መዝሙር 51:6 ብኸመይ ትሕግዘና፧ (ለ) ኣካላዊ ጥዕናና ንኣገዳስነት ውሽጣዊ እንታይነትና ዜረድኣና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ምሳሌ 4:23፡ “ልቢ” ኺብሃል ከሎ፡ ‘ንውሽጢ ሰብ’ ወይ ‘ንሕቡእ እንታይነት’ የመልክት። (መዝሙር 51:6ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ልቢ” ንውልቃዊ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ድራኸታትናን ትምኒታትናን የመልክት። ነቲ ብደገና መሲልና እንርኣዮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ውሽጥና ብሓቂ ዝዀንናዮ እዩ ዜመልክት።

5 ውሽጣዊ እንታይነትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ንኣካላዊ ጥዕናና እስከ ኸም ምሳሌ ንውሰድ። ቀዳማይ፡ ውሽጢ ሰብነትና ጥዕና ምእንቲ ኺረክብ፡ ጥዑይ ምግቢ ኽንምገብ፡ ኣዘውቲርና እውን ምውስዋስ ኣካላት ክንገብር ኣሎና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ መንፈሳዊ ጥዕናና ንምሕላው፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑይ ምግቢ ኽንምገብ፡ ብየሆዋ ኸም እንኣምን ድማ ከነርኢ ኣሎና። እዛ እምነት እዚኣ ኸኣ ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ብዛዕባ እምነትና ምዝራብን ተጠቓልል። (ሮሜ 10:8-10፣ ያእ. 2:26) ካልኣይ፡ ውሽጥና ሓሚሙ ኽነሱ፡ ነቲ ደጋዊ ትርኢትና ብምዕዛብ፡ ጥዕና ዘሎና ይመስለና ይኸውን። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ሕማቕ ትምኒታት ኣብ ውሽጥና እናዓበየ ኽነሱ፡ ነቲ ቲኦክራስያዊ ልማድና ብምዕዛብ፡ እምነትና ድልድልቲ ዘላ ይመስለና ይኸውን። (1 ቈረ. 10:12፣ ያእ. 1:14, 15) ሰይጣን ብኣተሓሳስባኡ ኺብክለና ኸም ዚድሊ ኣይንረስዕ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚፍትን፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ እንኽእል፧

ብኸመይ እዩ ሰይጣን ንልብና ኺብክሎ ዚፍትን፧

6. ሰይጣን እንታይ ሸቶ እዩ ዘለዎ፧ ነዚ ሸቶኡኸ ብኸመይ እዩ ኺወቕዖ ዚጽዕር፧

6 ሰይጣን ከምኡ ኽንከውን እዩ ዚደልየና፣ እወ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዚብሉን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩን ዓለወኛታት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኽንሓስብን ክንገብርን ኬገድደና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሸቶኡ ብኻልእ መገድታት እዩ ኺወቕዖ ዚጽዕር። ንኣብነት፡ ብብልሹዋት ሰባት ከም እንኽበብ ገይሩ ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19) ሕማቕ ዕርክነት ንኣተሓሳስባናን ንተግባርናን ከም ‘ዜበላሽዎ’ እናፈለጥና ምሳታቶም ግዜ ኸነሕልፍ ይደልየና እዩ። (1 ቈረ. 15:33) እዚ ስልቲ እዚ ኣብ ንጉስ ሰሎሞን ዓይዩ እዩ። ሰሎሞን ሓያሎ ኣረማውያን ኣንስቲ ኣእተወ፣ ንሳተን ድማ ውዒለን ሓዲረን “ሓያል ጽልዋ ኣሕደራሉ፡” “በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ፡” ካብ የሆዋ ድማ ኣርሓቓኦ።—1 ነገ. 11:3፣ እ.ጽ.።

ንልብኻ ኻብቲ ሰይጣን ንምብካሉ ዚገብሮ ጻዕርታት ብኸመይ ክትሕልዎ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. ሰይጣን ንኣተሓሳስባኡ ንምስፍሕፋሕ እንታይ ይጥቀም፧ ነዚ ኽንጥንቀቐሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

7 ሰይጣን ንኣተሓሳስባኡ ንምስፍሕፋሕ፡ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ይጥቀም እዩ። ዛንታ ኽንሰምዕ ከለና፡ ንዘናጋዕ ጥራይ ከም ዘየለና ይፈልጥ እዩ፣ ካብ ሓደ ዚዝንቶ ዛንታ፡ ከመይ ክንሓስብ ከም ዘሎናን ከመይ ኪስምዓና ኸም ዘለዎን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ንምሃር ኢና። የሱስ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ጽቡቕ ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ። ንኣብነት፡ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራውን ምሳሌ እቲ ኻብ ቤቱ ወጺኡ ርስቱ ዝዘረወ ዘራውን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (ማቴ. 13:34፣ ሉቃ. 10:29-37፣ 15:11-32) እንተዀነ ግና፡ እቶም ብኣተሓሳስባ ሰይጣን እተበከሉ ሰባት እውን፡ ንዓና ንምብካል ዛንታ ኼዘንትዉልና ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ንኣተሓሳስባና ኸይበከለ ኼዘናግዓናን ኪምህረናን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። ሓደ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ‘እዚ ፊልም ወይ መደብ ተለቪዥን እዚ ንስጋዊ ትምኒተይ ምርዋይ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ድዩ ዚምህር፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። (ገላ. 5:19-21፣ ኤፌ. 2:1-3) ኣብ ሓደ መደብ፡ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዚተባባዕ እንተ ኣለሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ከም ተላባዒ ሕማም ጌርካ ብምርኣይ ኣርሕቆ።

8. ውሉዳት ልቦም ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ወለዲ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ፧

8 ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ካብቲ ሰይጣን ንልቦም ንምብካል ዚገብሮ ጻዕሪ ንምሕላው ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎኩም። ንደቅኹም ካብ ኣካላዊ ሕማም ንምሕላው ዚከኣለኩም ከም እትገብሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ጽሬት ገዛኹም ትሕልዉ፡ ንደቅኹም ዜሕምም ዝዀነ ነገር ድማ ትጕሕፉ ኢኹም። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንደቅኹም ካብቲ ብኣተሓሳስባ ሰይጣን ዚብክሎም ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን ወብሳይታትን ክትሕልውዎም ኣሎኩም። ንመንፈሳዊ ጥዕና ደቅኹም ንምክንኻን፡ የሆዋ ስልጣን ሂቡኩም ኣሎ። (ምሳ. 1:8፣ ኤፌ. 6:1, 4) ስለዚ፡ ኣብ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ናይ ቤትኩም ሕግታት ንምስራዕ ኣይትፍርሁ። ደቅኹም እንታይ ኪርእዩን እንታይ ከይርእዩን ከም ዘለዎም ንገርዎም፣ ነቲ ውሳነታት ዝገበርኩምሉ ምኽንያታት ድማ ኣረድእዎም። (ማቴ. 5:37) ደቅኹም እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ኣብ መለክዒታት የሆዋ ተመርኲሶም ቅኑዕን ጌጋን ባዕሎም ኪፈልዩ ኣሰልጥንዎም። (እብ. 5:14) ብዘይካዚ ኸኣ፡ ደቅኹም ካብቲ እትብልዎ ዘይኰነስ፡ ካብቲ እትገብርዎ ነገር ብዝያዳ ኸም ዚምሃሩ ኣይትረስዑ።—ዘዳ. 6:6, 7፣ ሮሜ 2:21

9. ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ሓደ ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ፧ እዚ ሓደገኛ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ የሆዋ፡ ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ከም እንውከል ብምግባር እውን፡ ሰይጣን ንልብና ኺብክሎ ይጽዕር እዩ። (ቈሎ. 2:8) ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ሓደ ኣተሓሳስባ እስከ ንርአ፦ ሃብታም ምዃን ኣብ ህይወትና ቐንዲ ሸቶ ኪኸውን ከም ዘለዎ የተባብዕ እዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ይህብትሙ ወይ ኣይህብትሙን ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ሓደጋ እዮም ዘለዉ። ስለምንታይ፧ ገንዘብ ኣብ ምርካብ እምብዛ ስለ ዜተኵሩ፡ ነቲ ሸቶኦም ኪወቕዑ ኢሎም ጥዕናኦም፡ ምስ ስድራኦም ዘለዎም ርክብ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ይስውኡ እዮም። (1 ጢሞ. 6:10) እቲ ጥበበኛ ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ስለ ዚሕግዘና፡ ምስጋና ይግብኦ እዩ።—መክ. 7:12፣ ሉቃ. 12:15

ንልብና ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧

ከምቲ ጥንቲ ዝነበሩ ኣብ መካበብያ ዚቘሙ ሓለውትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ዜበላሹ ጽልዋ ናብ ልብኻ ምእንቲ ኸይኣቱ፡ ንቑሕ ኩን፡ ስጕምቲ ድማ ውሰድ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ) *

10-11. (ሀ) ገዛእ ርእስና ንምክልኻል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ብግዜ ጥንቲ፡ ኣብ መካበብያ ዀይኖም ዚቋመቱ ሓለውቲ እንታይ ይገብሩ ነይሮም፧ ሕልናና ኸም ሓላዊ ዚኸውንከ ብኸመይ እዩ፧

10 ንልብና ኽንሕልዎ እንተ ዄንና፡ ሓደጋታት ኣለሊና፡ ገዛእ ርእስና ንምክልኻል ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። እታ ኣብ ምሳሌ 4:23 “ሓልዎ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ነቲ ሓላዊ ዚዓይዮ ዕዮ እያ እተዘኻኽረና። ብግዜ ንጉስ ሰሎሞን፡ ሓለውቲ ኣብ መካበብያ ኸተማ ዀይኖም ይሕልዉ፡ ሓደጋ ኺመጽእ እንተ ርእዮም እውን ናይ መጠንቀቕታ ደሃይ የስምዑ ነይሮም እዮም። ነዚ ስእሊ እዚ ኣብ ኣእምሮና ምሓዝና ኸኣ፡ ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኸየበላሽዎ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንርዳእ የኽእለና እዩ።

11 ብግዜ ጥንቲ፡ ኣብ መካበብያ ዀይኖም ዚቋመቱ ሓለውቲ ምስ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ተሓባቢሮም እዮም ዚሰርሑ ነይሮም። (2 ሳሙ. 18:24-26) ጸላኢ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን ከኣ፡ ተሓባቢሮም ነቲ ኣፍ ደገታት ብምዕጻው፡ ነታ ኸተማ ኻብ መጥቃዕቲ ይከላኸሉላ ነይሮም። (ነህ. 7:1-3) እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና * ኸም ሓላዊ ዀይኑ ኼገልግለና ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንልብና ኺወርር ምስ በለ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ንኣተሓሳስባና፡ ንስምዒታትና፡ ንድራኸታትና፡ ወይ ንትምኒታትና ኺጸሉ ምስ ፈተነ፡ ሕልናና ኼጠንቅቐና ይኽእል እዩ። ሕልናና ናይ መጠንቀቕታ ደሃይ ምስ ኣስምዐ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኽንሰምዖን ኣፍ ደገና ኽንዓጹን ኣሎና።

12-13. እንታይ ክንገብር ኢና ኽንፍተን እንኽእል፧ ግናኸ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

12 ብኣተሓሳስባ ሰይጣን ምእንቲ ኸይንጽሎ ገዛእ ርእስና ብኸመይ ክንከላኸል ከም እንኽእል እስከ ሓደ ኣብነት ንርአ። የሆዋ፡ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ . . . ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ” ኢሉ ምሂሩና እዩ። (ኤፌ. 5:3) ግናኸ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚርከቡ መዛኑና፡ ምስ ምንዝርና ብዛዕባ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኪዛረቡ እንተ ጀሚሮም እንታይ ኢና እንገብር፧ ‘ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ክንሓድግ’ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። (ቲቶ. 2:12) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ኸም ሓላዊ ዝዀነ ሕልናና መጠንቀቕታ ይህበና ይኸውን። (ሮሜ 2:15) ግናኸ ኽንሰምዖ ዲና፧ ንመዛኑና ኽንሰምዖም ወይ ነቲ ዚርእይዎ ዘለዉ ስእልታት ክንርእዮ ንፍተን ንኸውን። ኣብቲ እዋን እቲ ግና ነቲ ዕላል ኣንፈቱ ብምቕያር ወይ ሓዲግናዮም ብምኻድ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣፍ ደገ ኸተማና ኽንዓጹ ኣሎና።

13 ነቲ መዛኑና ሕማቕ ክንሓስብ ወይ ክንገብር ዚገብሩልና ጸቕጢ ንምጽራሩ፡ ተባዓት ክንከውን ኣሎና። የሆዋ ንጻዕርና ኸም ዚርእዮ፡ ንሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ንምጽራሩ ዜኽእል ብርታዐን ጥበብን ድማ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ዜና 16:9፣ ኢሳ. 40:29፣ ያእ. 1:5) ንልብና ንምሕላው ግና ከመይ ጌርና ኢና ተወሳኺ ነገር ክንገብር እንኽእል፧

ወትሩ ንልብኻ ሓልዎ

14-15. (ሀ) እንታይ ምእንቲ ኺኣቱ ኢና ልብና ኽንከፍት ዘሎና፧ ከመይ ጌርና ኢናኸ ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ (ለ) ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ምሳሌ 4:20-22 ብኸመይ ትሕግዘና፧ (“ ብኸመይ ከም እተስተንትን” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ንልብና ንምሕላው፡ ሕማቕ ጽልዋታት ናብኡ ኸይኣቱ ኽንዓጽዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣወንታዊ ጽልዋታት ናብኡ ኺኣቱ ኽንከፍቶ እውን ኣሎና። ብዛዕባ ምሳሌ እታ ብመካበብያ እተኸብበት ከተማ እሞ ሕሰብ። ሓላው ኣፍ ደገ ንወራር ጸላኢ ንምምካት ንኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ይዓጽዎ እዩ፣ ኣብ ካልእ ግዜ ግና ምግብን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ምእንቲ ኺኣቱ ኢሉ ነቲ ኣፍ ደገታት ይኸፍቶ እዩ። እቲ ኣፍ ደገታት ጠሪሱ ዘይክፈት እንተ ዀይኑ፡ ነበርቲ እታ ኸተማ ብጥሜት እዮም ዚውድኡ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጸልወና፡ ወትሩ ነቲ ኣተሓሳስባ እቲ ልብና ኽንከፍተሉ ኣሎና።

15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ሒዙ ኣሎ፣ ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘንበብና መጠን፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንኣተሓሳስባናን ንስምዒትናን ንተግባርናን ኪጸልዎ ንፈቅድ ኢና ዘለና። ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ኢና ብዙሕ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእል፧ ጥቕሚ ንምርካብ፡ ጸሎት ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባበይ፡ ናብ የሆዋ እጽሊ፡ ኣብ ቃሉ ዘሎ ‘ዜደንቕ ነገራት ብንጹር ንምርኣይ’ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ድማ እልምኖ እየ” ትብል። (መዝ. 119:18) ንሕና እውን ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። ክንጽልን ከነንብብን ከነስተንትንን ከለና፡ ቃል ኣምላኽ ‘ኣብ ውሽጢ ልብና’ ይበጽሕ እዩ፡ ንሕና እውን ንኣተሓሳስባ የሆዋ ንፈትዎ ኢና።—ምሳሌ 4:20-22 ኣንብብ፣ መዝ. 119:97

16. ብዙሓት ሰባት ካብ ፈነወ JW እንታይ ጥቕሚ ረኺቦም፧

16 ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኪጸልወና እንፈቕደሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ኣብ ፈነወ JW ዚርከብ ቪድዮታት ብምርኣይ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከምዚ ይብሉ፦ “እቲ ወርሓዊ መደባት ብሓቂ መልሲ ጸሎትና እዩ ዀይኑልና! ክንጕሂ ወይ ጽምዋ ኺስምዓና ኸሎ፡ ኣበርቲዑናን ኣተባቢዑናን እዩ። እቲ ናይ ፈለማ መዝሙራት ድማ ኵሉ ሳዕ ኢና ኣብ ገዛና እንሰምዖ። ክንክሽን፡ ከነጽሪ፡ ወይ ሻሂ ኽንሰቲ ኸለና፡ ንውልዖ ኢና።” እዚ መደባት እዚ ንልብና ንምሕላው ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺህልወናን ንኣተሓሳስባ ሰይጣን ክንጻረሮን ይምህረና እዩ።

17-18. (ሀ) ኣብ 1 ነገስት 8:61 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ (ለ) ካብ ንጉስ ህዝቅያስ እንታይ ንምሃር፧ (ሐ) ምስቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 139:23, 24 ዝጸለዮ ጸሎት ብምስምማዕ፡ ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧

17 ቅኑዕ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ብዝረኣና መጠን፡ እምነትና እናዓበየት እያ እትኸይድ። (ያእ. 1:2, 3) የሆዋ ብኣና ተሓቢኑ ‘ወደየ’ ወይ ‘ጓለየ’ ኢሉ ስለ ዚጽውዓና፡ ጽቡቕ ይስምዓና፣ ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎና ድሌት ድማ እናሓየለ ይኸይድ። (ምሳ. 27:11) ኵሉ እቲ እነሕልፎ ዘበለ ፈተና ኸኣ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ድማ ነቲ ሓላዪ ኣቦና እነቕርበሉ ኣገልግሎት ብፍርቂ ልቢ ኸም ዘይኰነ ነርኢ ኢና። (መዝ. 119:113) ንየሆዋ ኸኣ ብምሉእ ልብና ኸም እነፍቅሮ ነርኢ ኢና፣ ብምሉእ ልብና ስለ እነፍቅሮ ድማ፡ ትእዛዛቱ ኽንሕሉን ፍቓዱ ኽንገብርን ቈሪጽና ንልዓል ኢና።—1 ነገስት 8:61 ኣንብብ።

18 ግናኸ፡ ጌጋታት ንገብር ዲና፧ እወ፣ ዘይፍጹማት ኢና። እንተ ተዓንቂፍና፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣይንረስዓዮ። ህዝቅያስ ጌጋታት ገይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ተነሲሑ እዩ፣ ንየሆዋ እውን “ብምሉእ ልቢ” ኻብ ምግልጋል ኣየቋረጸን። (ኢሳ. 38:3-6፣ 2 ዜና 29:1, 2፣ 32:25, 26) እምበኣር፡ ነቲ ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ንምብካል ዚገብሮ ፈተነታት ንጻረሮ። “እዙዝ ልቢ” ንምምዕባል ከኣ ንጸሊ። (1 ነገ. 3:9፣ መዝሙር 139:23, 24 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ንልብና እንተ ሓሊናዮ ድማ፡ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና።

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ዲና እሙናት ክንከውን፡ ወይስ ሰይጣን ካብ ኣምላኽና ኼርሕቐና ኢና ኽንፈቅድ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ብርታዐ እቲ ዜጋጥመና ፈተና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንልብና እንሕልወሉ መገዲ እዩ ዚምርኰስ። “ልቢ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሰይጣን ንልብና ኼበላሽዎ ዚፍትን ብኸመይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኽንሕልዎ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 መግለጺ ቓላት፦ የሆዋ ንሓሳባትናን ንስምዒታትናን ንተግባራትናን ክንምርምር፡ ገዛእ ርእስና እውን ክንፈርድ ክእለት ሂቡና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኽእለት እዚ፡ ሕልና ኢሉ ይጽውዖ። (ሮሜ 2:15፣ 9:1) ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና ንኣተሓሳስባና፡ ንተግባራትና፡ ወይ ንዘረባና፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለክዒታት የሆዋ ገይሩ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ኢሉ ይፈርዶ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ጥሙቕ ሓው ተለቪዥን እናረኣየ ኸሎ፡ ብዕሉግ ትርኢት ኪርአ ይጅምር። እንታይ ከም ዚገብር ኪውስን ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ብግዜ ጥንቲ፡ ሓደ ኣብ መካበብያ ዀይኑ ዚቋመት ሓላዊ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ሓደጋ ይርኢ። ነቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ይነግሮም፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣፍ ደገ ይሽጕርዎ።