ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

“ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ”

“ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ”

“ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ።”—ኢሳ. 41:10

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

መላለዪ *

1-2. (ሀ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 ዚርከብ መልእኽቲ ንዮሺኮ ብኸመይ ጸልይዋ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ መልእኽቲ እቲ ኸም ዚዕቀብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

ዮሺኮ ዝስማ እምንቲ ክርስትያን ናብ ሓኪማ ምስ ከደት፡ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ከም እትነብር ተነግራ። እሞኸ እንታይ ገበረት፧ ዮሺኮ ነታ እትፈትዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ንኢሳይያስ 41:10 ዘከረታ። (ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ብኢዳ ሒዝዋ ስለ ዘሎ፡ ከም ዘይትፈርህ ገለጸት። * እቲ ኣብታ ጥቕሲ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ፡ ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክትእመን ሓጊዝዋ እዩ። እታ ጥቕሲ እቲኣ ንዓና እውን ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኸተህድኣና ትኽእል እያ። ከመይ ገይራ ኸምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል ምእንቲ ኺርድኣና፡ ኣምላኽ ነቲ መልእኽቲ እቲ ስለምንታይ ንኢሳይያስ ከም ዝሃቦ እስከ ፈለማ ንርአ።

2 ኣብ ፈለማ፡ የሆዋ ነቶም ደሓር ብምርኮ ናብ ባቢሎን ዚውሰዱ ኣይሁድ ንምትብባዕ ኢሉ እዩ ንኢሳይያስ ነዘን ቃላት እዚአን ዘጽሓፎ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ መልእኽቲ እቲ፡ ንኣይሁድ ምሩኻት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ካብ ሽዑ ንነጀው ዝነበሩን ዘለዉን ህዝቡ ምእንቲ ኺጠቅም ኢሉ እውን ከም ዚዕቀብ ገይሩ እዩ። (ኢሳ. 40:8፣ ሮሜ 15:4) ሎሚ፡ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ኢና እንነብር ዘለና፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ መተባብዒ የድልየና እዩ።—2 ጢሞ. 3:1

3. (ሀ) ኣብታ ጥቕሲ ዓመት 2019 ክትከውን እተሓርየት ኢሳይያስ 41:10 እንታይ ተስፋታት ተዋሂቡና ኣሎ፧ (ለ) እቲ ኣብዚ ተስፋታት እዚ ዚርከብ መረጋገጺ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 ተጠቒሱ ዘሎ እምነት ዚሃንጽ ሰለስተ ተስፋታት ከነተኵር ኢና፦ (1) የሆዋ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ (2) ኣምላኽና እዩ፡ (3) ኪረድኣና እዩ። ከም ዮሺኮ ኣብ ህይወትና ፈተናታት ስለ ዜጋጥመና፡ እዚ መረጋገጺ * እዚ የድልየና እዩ። ኵነታት ዓለም ንዜምጽኦ ጸቕጥታት እውን ክንጻወር ኣሎና። ገሌና እሞ ኸኣ ካብ ሓያላት መንግስትታት መስጐጕቲ ንጻወር ኣለና። እምበኣር፡ ነዚ ሰለስተ መረጋገጺ እስከ በብሓደ ንርኣዮ።

“ኣነ ምሳኻ እየ”

4. (ሀ) እንታይ ቀዳማይ መረጋገጺ ኢና ኽንምርምር፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ ገሊጹ ኣሎ፧ (ሐ) ኣምላኽ እተጠቕመሉ ቓላት ብኸመይ ይጸልወና፧

4 የሆዋ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ብዚብል ቃላት ቀዳማይ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። * ምሉእ ቈላሕታኡ ብምግባርን ፍቕሩ ብምሃብን፡ ምሳና ምዃኑ የርእየና እዩ። ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ብርቱዕ ስምዒትን ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣ እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ” ኢሉ እዩ። (ኢሳ. 43:4) ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕሪ ኺድምስሶ ዚኽእል ሓይሊ የልቦን፣ ንዓና ዘለዎ ተኣማንነት ጠሪሱ ኣይናወጽን እዩ። (ኢሳ. 54:10) ፍቕሩን ዕርክነቱን ከኣ ንልብና የትብዖ እዩ። ከምቲ ንፈታዊኡ ኣብራም (ኣብርሃም) ዘዕቈቦ፡ ንዓና እውን ኬዕቍበና እዩ። የሆዋ ንዕኡ፡ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ። ዋልታኻ ኣነ እየ” ኢልዎ እዩ።—ዘፍ. 15:1

ብሓገዝ የሆዋ፡ ከም ምዕልቕላቕን ከም ሃልሃልታን ንዝኣመሰለ ዝዀነ ፈተና ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ) *

5-6. (ሀ) የሆዋ ኣብ ብሕታዊ ፈተናታትና ኺሕግዘና ኸም ዚደሊ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ዮሺኮ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

5 የሆዋ ኣብ ብሕታዊ ፈተናታትና ኺሕግዘና ኸም ዚደሊ ንፈልጥ ኢና። ከመይሲ፡ ንህዝቡ፡ “ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣ ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ። ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ” ኢሉ ኣተስፍይዎም ኣሎ። (ኢሳ. 43:2) እዚ ቓላት እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

6 የሆዋ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ኬወግደልና ኣይኰነን ኣተስፍዩና፣ ኰይኑ ግና፡ ከም “ኣፍላግ” ዝኣመሰለ ጸገማት ኬስጥመና፡ ወይ ከም “ሃልሃልታ” ዝኣመሰለ ፈተናታት ነባሪ ጕድኣት ኬምጽኣልና ኣይፈቅድን እዩ። ምሳና ኸም ዚኸውን፡ ነቲ ጸገማት ‘ክንሓልፎ’ እውን ከም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። እሞ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ሞት እኳ ንጽህናና ሓሊና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ንፍርህና ኸነሰንፍ ይሕግዘና እዩ። (ኢሳ. 41:13) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዮሺኮ ነዚ ብተመክሮ ርእያቶ እያ። ብዛዕባ እዚ ድማ ጓላ ኸምዚ ትብል፦ “ማማ ክሳዕ ክንደይ ህድእቲ ምንባራ ምስ ረኣና ደንጽዩና እዩ። የሆዋ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዝሃባ ብሓቂ ርኢና ኢና። ማማ ኽሳዕ ዕለተ ሞታ፡ ንሕሙማትን ንኣለይቲ ሕሙማትን ብዛዕባ የሆዋን ተስፋታቱን ትነግሮም ነይራ እያ።” ካብ ተመክሮ ዮሺኮ እንታይ ንምሃር፧ ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና “ኣነ ምሳኻ እየ” ዚብል ተስፋ ንኣምኖ እንተ ዄንና፡ ንዜጋጥመና ፈተናታት ክንጻወር ከለና፡ ተባዓትን ብርቱዓትን ክንከውን ንኽእል ኢና።

“ኣነ ኣምላኽካ እየ”

7-8. (ሀ) እቲ ኻልኣይ መረጋገጺ እንታይ ይብል፧ እንታይ ትርጉምከ ኣለዎ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ‘ኣይትጨነቑ’ ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ሐ) ኣብ ኢሳይያስ 46:3, 4 ዚርከብ እንታይ ቃላት እዩ ንልቢ ህዝቢ ኣምላኽ ኣህዲእዎ ኪኸውን ዚኽእል፧

7 ኣብ ኢሳይያስ ዚርከብ ካልኣይ መረጋገጺ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ​​” ይብል። እዚ ብዛዕባ ጭንቀት እተዘርበ ቓላት እንታይ ማለት እዩ፧ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ፡ ‘ምጭናቕ’ እትብል ቃል፡ “ዘይተፈልጠ ስግኣት ከይመጸኒ ኢልካ ምዩቝ ምባል” ወይ “ሰጊእካ ቐባሕባሕ ምባል” ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ።

8 የሆዋ ነቶም ናብ ባቢሎን ብምርኮ ዚውሰዱ ኣይሁድ፡ ‘ኣይትጨነቑ’ ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ንነበርቲ እታ ሃገር ዜፍርህ ነገር ይመጾም ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ እዩ። እንታይ ዜፍርህ ነገር እዩ ዚመጾም ነይሩ፧ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ምርኮ ኣይሁድ፡ ባቢሎን በቲ ሓያል ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን ተወሪራ እያ። ሽዑ፡ የሆዋ በቲ ሰራዊት እቲ ተጠቒሙ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። (ኢሳ. 41:2-4) ኣብቲ እዋን እቲ ዚነብሩ ዝነበሩ ባቢሎናውያንን ካልኦት ህዝብን፡ ጸላኢ ይመጾም ከም ዘሎ ምስ ተገንዘቡ ድማ፡ ንሓድሕዶም “ኣጆኻ” እናተባሃሃሉ ይተባብዑ ነይሮም እዮም። ጣኦታት ሰሪሖም፡ ካባታቶም ዕቝባ ኺረኽቡ እውን ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 41:5-7) እዚ ኪኸውን ከሎ፡ የሆዋ፡ “ኣታ እስራኤል [ዘይከም ጐረባብትኻ]፡ ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣ . . . ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ” ብምባል ንልቢ እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ኣህዲእዎ እዩ። (ኢሳ. 41:8-10) የሆዋ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ ኸም ዘይረስዖም፡ ንሱ ኣምላኾም ንሳቶም ድማ ህዝቡ ኸም ዝዀኑ ኣረጋጊጹሎም እዩ። “ክስከመኩምን . . . ከናግፈኩምን እየ” ድማ ኢልዎም እዩ። እዚ መረጋገጺ እዚ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ከም ዘበርተዖም ኣየጠራጥርን እዩ።ኢሳይያስ 46:3, 4 ኣንብብ።

9-10. ክንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

9 ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ በቲ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ይጭነቑ ኣለዉ። ንሕና እውን በዚ ጸገማት እዚ ንጽሎ ኢና። ይኹን እምበር፡ ክንፈርህ የብልናን። የሆዋ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ” ኢሉና እዩ። እዚ ቓላት እዚ ኣጸቢቑ ኼህድኣና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓንቲ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ያእቆብን ብንያምን ዚብሃሉ ኽልተ ገያሾ፡ ብነፋሪት እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ንፋስ ነታ ነፋሪት ኬናውጻ ጀመረ። እታ ነፋሪት ክትሕቈን ከላ፡ ካብቲ መጕልሒ ድምጺ፡ “መቐነትኩም እሰሩ። ንእተወሰነ እዋን ብሕማቕ ኵነታት ኣየር ክንሓልፍ ኢና” ዚብል ደሃይ ተሰምዐ። ያእቆብ ብዙሕ ተጨነቐ። ድሕሪኡ ግና እቲ ፓይለት ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣነ ፓይለትኩም እየ። ኣይትጨነቑ” በሎም። ሽዑ፡ ያእቆብ ርእሱ እናነቕነቐ፡ “እንታይ ዘረባኡ እዩ፧ ከመይ ዘይንጭነቕ፧” በለ። እቲ ኣብ ጥቓኡ እተቐመጠ ብንያም ግና ፈጺሙ ኣይተጨነቐን። ስለዚ፡ ያእቆብ፡ “ስለምንታይ እዩ ዘይዓጀበካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብንያም ከኣ ፍሽኽ እናበለ፡ “ነዚ ፓይለት እዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ኣቦይ እዩ!” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብዛዕባ ኣቦይ ክነግረካ። ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኽእለቱን ምስ ፈለጥካ፡ ንስኻ እውን ክትሃድእ ኢኻ” በሎ።

11. ካብዛ ብዛዕባ ኽልተ ገያሾ ዝረኣናያ ምሳሌ እንታይ ንምሃር፧

11 ካብዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ ንምሃር፧ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ፡ ከም ብንያም ሃዲእና ኢና ዘለና። ነቲ ኸም ህቦብላ ዝኣመሰለ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ብደሓን ክንሰግሮ ኸም ዚመርሓና ንፈልጥ ኢና። (ኢሳ. 35:4) ብየሆዋ ንእመን ኢና፣ ስለዚ፡ ዝተረፈ ኽፋል ዓለም ብፍርሂ ተዋሒጡ ኸሎ፡ ሃዲእና ኽንነብር ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 30:15) ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ እነሕድረሉ ምኽንያት ንጐረባብትና ኽንነግሮም ከለና፡ ከምቲ ብንያም ዝገበሮ ኢና እንገብር ዘለና። በዚ ኸምዚ፡ ንሳቶም እውን ብርቱዕ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ የሆዋ ኸም ዚድግፎም ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

“ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ”

12. (ሀ) ሕጂ እንታይ ሳልሳይ መረጋገጺ ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) “ቅልጽም” የሆዋ እንታይ የዘኻኽረና፧

12 እቲ ኢሳይያስ ዝመዝገቦ ሳልሳይ መረጋገጺ፡ “ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ” ዚብል እዩ። ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜጽንዖም ወይ ከም ዜበርትዖም ኪገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ ብሓይሊ ኺመጽእ፡ ቅልጽሙ ድማ ምእንታኡ ኺገዝእ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 40:10) መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ቕልጽም” እትብል ቃል ንሓይሊ ንምምልካት ብምሳልያዊ መገዲ ብዙሕ ሳዕ ይጥቀመላ እዩ። ስለዚ፡ ‘ቅልጽም የሆዋ ኺገዝእ እዩ’ ኪብሃል ከሎ፡ የሆዋ ሓያል ንጉስ ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብርታዐኡ ንኣገልገልቱ ንምክልኻል ተጠቒሙሉ እዩ፣ ሎሚ እውን፡ ነቶም ዚኣምንዎ የበርትዖምን የዕቍቦምን እዩ።—ዘዳ. 1:30, 31፣ ኢሳ. 43:10፡ እ.ጽ.።

ኣንጻር እታ ሓያል ቅልጽም የሆዋ እተሰርሐ ዅሉ ኣጽዋር ኣይኪዕወትን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-16 ርአ) *

13. (ሀ) ብሕልፊ መዓስ እዩ የሆዋ ነቲ ኼጽንዓና ዝኣተዎ ቓል ዚፍጽሞ፧ (ለ) እንታይ መረጋገጺ እዩ ብርታዐ ዚህበናን እምንቶ ዜሕድረልናን፧

13 ብሕልፊ ኻብ ጸላእቲ መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ፡ የሆዋ ነቲ፡ “ከጽንዓካ . . . እየ” ኢሉ ዝኣተወልና ቓል ይፍጽሞ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም፡ ጸላእትና ንዕዮ ስብከትና ደው ንምባል ወይ ንውድብና ንምእጋድ ብዙሕ ይጽዕሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ በዚ መጥቃዕትታት እዚ እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። የሆዋ፡ ብርታዐ ዚህበናን እምንቶ ዜሕድረልናን ውሕስነት ሂቡና ኣሎ። “ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 54:17) እዚ ቓላት እዚ፡ ሰለስተ ኣገዳሲ ሓቅታት የጕልሓልና።

14. እቲ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ ዘይተጸበናዮ ኪዀነና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

14 ቀዳማይ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ክንጽላእ ትጽቢት ንገብር ኢና። (ማቴ. 10:22) የሱስ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ ኸቢድ መስጐጕቲ ኸም ዚወርድ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:9፣ ዮሃ. 15:20) ካልኣይ፡ ጸላእትና ኻብ ጽልኢ ሓሊፎም ካልእ ነገር ከም ዚገብሩ ትንቢት ኢሳይያስ የጠንቅቐና እዩ፣ ኣንጻርና በበይኑ ዓይነት ኣጽዋር ይሰርሑ እዮም። ገለ ኻብዚ ኣጽዋር እዚ ስዉር ምትላልን ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶትን ሕሱም መስጐጕትን ኪጥቀስ ይከኣል። (ማቴ. 5:11) የሆዋ ንጸላእትና፡ በዚ ኣጽዋር እዚ ገይሮም ከይዋግኡና ኣይዓግቶምን እዩ። (ኤፌ. 6:12፣ ራእ. 12:17) ግናኸ፡ ክንፈርህ የብልናን። ስለምንታይ፧

15-16. (ሀ) እንታይ ሳልሳይ ሓቂ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧ ኢሳይያስ 25:4, 5 ነዚ እትድግፎኸ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣብ ኢሳይያስ 41:11, 12፡ እቶም ዚዋግኡና መወዳእታኦም እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

15 ነቲ ሳልሳይ ሓቂ ኽንርስዖ የብልናን። የሆዋ፡ “ኵሉ” እቲ ኣንጻርና እተሰርሐ “ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ እዩ። ከምቲ መንደቕ ካብ ብርቱዕ ሃጽፊ ዜዕቍብ፡ የሆዋ ድማ ካብ “ሃፈጽታ ጨቈንቲ” የዕቍበና እዩ። (ኢሳይያስ 25:4, 5 ኣንብብ።) ጸላእትና ነባሪ ጕድኣት ከቶ ኣይኬውርዱልናን እዮም።—ኢሳ. 65:17

16 ብዘይካዚ፡ የሆዋ፡ እቶም ኣባና “ዚንድሩ” መወዳእታኦም እንታይ ከም ዚኸውን ብዝርዝር ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኣደልዲሉልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 41:11, 12 ኣንብብ።) ጸላእትና ብምሉእ ሓይሎም እኳ እንተ ተቓለሱና፡ እቲ ውግእ እውን ኣዝዩ ብርቱዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ውጽኢቱ ፍሉጥ እዩ፦ ኵሎም ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ “ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።”

ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ብኸመይ ነደልድሎ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ብስሩዕ ብምንባብ፡ ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኸነደልድል ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17-18 ርአ) *

17-18. (ሀ) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት 2019 ምስትንታንና ብኸመይ ይሕግዘና፧

17 ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ንምድልዳል፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኣሎና። ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ እንኽእለሉ መገዲ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘዕቈበሉ መገዲ ዚገልጽ እሙን ዛንታታት ሒዙ ኣሎ። እቲ መዝገብ እቲ ድማ፡ ሕጂ እውን ንዓና ኸም ዚሓልየልና እምንቶ የሕድረልና እዩ።

18 የሆዋ ብኸመይ ከም ዜዕቍበና ንምግላጽ፡ ኢሳይያስ እተጠቕመሉ ጽቡቕ ስእላዊ ቓላት እስከ ንርአ። ንየሆዋ ኸም ጓሳ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ከም ዕያውቲ ገይሩ ብምጥቃስ፡ “ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን እዩ። ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 40:11) ሓያል ቅልጽም የሆዋ ኸም ዝሓቘፈና ምስ ተሰምዓና፡ ዕቝባን ህድኣትን እዩ ዚስምዓና። ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ሃዲእና ምእንቲ ኽንነብር፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነታ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ” እትብል ኢሳይያስ 41:10፡ ጥቕሲ ዓመት 2019 ክትከውን ሓርይዋ ኣሎ። እምበኣር፡ ነዘን ዜተባብዓ ቓላት እዚአን ኣስተንትነለን። ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኬበርትዓኻ እየን።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

^ ሕ.ጽ. 5 ን2019 እተሓርየት ጥቕሲ ዓመት፡ ኣብ ዓለም ወይ ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ሕማቕ ነገር እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ሃዲእና ኽንነብር ዜኽእለና ሰለስተ ምኽንያታት ትህበና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ምኽንያታት እዚ ትገልጽ፣ ብዙሕ ከይንጭነቕን ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ድማ ተተባብዓና። ነታ ጥቕሲ ዓመት ኣስተንትነላ። እንተ ኽኢልካ፡ ሸምድዳ። ነቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ምእንቲ ኽትሰግሮ፡ ከተበርትዓካ እያ።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ መረጋገጺ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ብርግጽ ከም ዚኸውን ዚውሃብ ሓቀኛ ቓል ወይ ተስፋ እዩ። የሆዋ ዚህበና መረጋገጺ፡ በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ጸገማት እምብዛ ኸይንጭነቕ ይሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 4 እግረ ጽሑፍ፦ እታ “ኣይትፍራህ” እትብል ቃል ኣብ ኢሳይያስ 41:10, 13, 14 ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን፡ “ኣነ” እትብል ቃል (ንየሆዋ እተመልክት) ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። የሆዋ ንኢሳይያስ፡ ነታ “ኣነ” እትብል ቃል ደጋጊሙ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ዝደረኾ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኼጕልሓሉ ኢሉ እዩ፡—ኣብ የሆዋ ብምውካል ንፍርህና ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ኣብ ስራሕን ኣብ ጥዕናኦምን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ትምህርትን ፈተናታት የጋጥሞም።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ኣኼባ የኳልፍዎ፣ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ግና ኣይስምብዱን።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንጻወር የበርትዓና።