ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

ኣብ ኣኼባታት ምእካብና ብዛዕባና እንታይ ይብል፧

ኣብ ኣኼባታት ምእካብና ብዛዕባና እንታይ ይብል፧

“ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።”—1 ቈረ. 11:26

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

መላለዪ *

1-2. (ሀ) የሆዋ፡ ሚልዮናት ሰባት ንድራር ጐይታ ኺእከቡ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚርኢ፧ (ኣብ ገበር ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ንድራር ጐይታ ኣብ ዚእከቡሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚርኢ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እተኣከበ ህዝቢ ጥራይ ኣይኰነን ዚርኢ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ዚእከብ ውልቀ ሰብ የስተብህለሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ዓመት ዓመት ብተኣማንነት ዚእከቡ ይርእዮም እዩ። ገለ ኻባታቶም ከቢድ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ ዘይበዅሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ናብ ካልእ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ዘይመጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብ በዓል ዝኽሪ ግና ፈጺሞም ኣይበዅሩን እዮም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ንፈለማ ግዜ እተኣከቡ፡ ምናልባት እውን እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ደልዮም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ የስተብህለሎም እዩ።

2 የሆዋ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ምርኣዩ ባህ የብሎ እዩ። (ሉቃ. 22:19) ይኹን እምበር፡ ቍጽሪ ሰባት ኣይኰነን ብቐዳምነት ዜገድሶ። ኣብቲ ኣኼባ እተኣከቡሉ ምኽንያት እዩ ብዝያዳ ዜገድሶ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ብውሽጣዊ ድራኸ ይግደስ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ እትስዕብ ኣገዳሲት ሕቶ ኽንምርምራ ኢና፦ ኣብቲ ኣብ ዓዓመት ዚብዓል ዝኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ንዜፍቅሮም ዘዳለዎ ሰሙናዊ ኣኼባታት እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ነቶም ድራር ጐይታ ንምብዓል ምሳና ዚእከቡ ሚልዮናት ሰባት ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

ትሕትና ኽንእከብ ትድርኸና

3-4. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ኣብ ኣኼባታት እንእከብ፧ (ለ) ኣብ ኣኼባታት ምእካብና ብዛዕባና እንታይ ይብል፧ (ሐ) ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:23-26 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ በዓል ዝኽሪ ኽንበኵር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንእከበሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣኼባታት ክፍሊ ኣምልኾና ስለ ዝዀነ እዩ። ኣብ ኣኼባታት እንእከበሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብኡ ብየሆዋ ስለ እንምሃር እዩ። ዕቡያት ሰባት ዋላ ሓንቲ ኺምሃሩ ዜድልዮም ኣይመስሎምን እዩ። (3 ዮሃ. 9) ንሕና ግና፡ ነቲ ኻብ የሆዋን ካብ ውድቡን ዚመጽእ ትምህርቲ ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ።—ኢሳ. 30:20፣ ዮሃ. 6:45

4 ኣብ ኣኼባታት ምእካብና፡ ትሑታት ምዃንና ይገልጽ፣ እወ፡ ክንምሃር ድሉዋትን ፍቓደኛታትን ምዃንና ይሕብር እዩ። ግዴታ ስለ ዚስምዓና ጥራይ ኣይኰነን ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ እንእከብ፣ የግዳስ፡ ነቲ የሱስ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ እተዛረቦ ትእዛዝ ብትሕትና ኽንፍጽሞ ንደሊ ኢና። (1 ቈረንቶስ 11:23-26 ኣንብብ።) እቲ ኣኼባ እቲ ድማ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ የድልድሎ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ኸኣ የዘኻኽረና እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ዚውሃብ መተባብዕን መበራትዕን እኹል ዘይምዃኑ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ሰሰሙን ኣኼባታት ኣዳልዩልና ኣሎ፣ ኣብኡ ኽንእከብ እውን ይምሕጸነና ኣሎ። ትሑታት እንተ ዄንና ንእዘዞ ኢና። ኣብ ሰሰሙን ብዙሕ ሰዓታት መዲብና ኸኣ፡ ነቲ ኣኼባታት እቲ ንዳሎን ኣብኡ ንእከብን ኢና።

5. ትሑታት ሰባት ነቲ የሆዋ ዜቕርቦ ዕድመ ዚቕበልዎ ስለምንታይ እዮም፧

5 ዓመት ዓመት፡ ብዙሓት ትሑታት ሰባት ነቲ የሆዋ ብእኡ ኺምሃሩ ዜቕርቦ ዕድመ ይቕበልዎ ኣለዉ። (ኢሳ. 50:4) ንሳቶም ከኣ ተሓጒሶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ፡ ኣብ ካልእ ኣኼባታት እውን ምእካብ ጀሚሮም ኣለዉ። (ዘካ. 8:20-23) ንሕና እውን ምሳታቶም ሓቢርና በቲ ‘ረዳኢናን መናገፊናን’ ዝዀነ የሆዋ ደስ ኢሉና ንምሃርን ንምራሕን ኢና። (መዝ. 40:17) ነቲ ብየሆዋን በቲ ብዙሕ ዜፍቅሮ ወዱ የሱስን ክንምሃር ዝቐረበልና ዕድመ ኻብ ምቕባል ዚሓይሽ እሞ እንታይ ኪህሉ ይኽእል፧—ማቴ. 17:5፣ 18:20፣ 28:20

6. ሓደ ሰብኣይ ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኺእከብ፡ ትሕትና ብኸመይ ሓጊዛቶ፧

6 ዓመት ዓመት፡ ብእተኻለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምዕዳም ጻዕሪ ንገብር ኢና። ብዙሓት ትሑታት ሰባት ነዚ ዕድመ እዚ ብምቕባሎም ተጠቒሞም እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ሓደ ሰብኣይ ናብ በዓል ዝኽሪ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ተዋህበቶ፣ ግናኸ፡ ነቲ ዝዓደሞ ሓው ኪመጽእ ከም ዘይክእል ነገሮ። ይኹን እምበር፡ በታ በዓል ዝኽሪ እተባዕለትላ ምሸት፡ እቲ ሰብኣይ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከደ። በቲ ሽዑ ዝረኣዮ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣዝዩ ስለ እተደነቐ ኸኣ፡ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኺእከብ ጀመረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እውን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ እዩ ኻብ ኣኼባታትና በዂሩ። ከምዚ ዝበለ ኣወንታዊ ምላሽ ኪህብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ትሑት ብምንባሩ፡ ኣተሓሳስባኡ ኪቕይር ክኢሉ እዩ። እቲ ዝዓደሞ ሓው እውን ብዛዕባኡ፡ “ኣዝዩ ትሑት ሰብ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ነዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ኣምልኾኡ ስሒብዎ እዩ፣ ሕጂ ድማ ጥሙቕ ሓው ኰይኑ ኣሎ።—2 ሳሙ. 22:28፣ ዮሃ. 6:44

7. ኣብ ኣኼባታት እንምሃሮን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦን ነገር ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ኣኼባታት እንምሃሮን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦን ነገር ትሑታት ክንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ቕንያት፡ ኣኼባታትና ኣብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነትን ኣብቲ ህይወቱ በጃ ብምሃብ ዘርኣዮ ትሕትናን የተኵር እዩ። ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እተፈጸመ ነገራት ዚገልጽ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ንተባባዕ ኢና። ኣብቲ ኣኼባታት እቲ እንምሃሮን ኣብቲ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦን ነገር፡ ነቲ የሱስ ምእንታና ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝያዳ ምስጋና ኸነሕድር የኽእለና እዩ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ትሕትናኡ ኽንቀድሖን ፍቓድ የሆዋ ኽንገብርን ንድረኽ ኢና።—ሉቃ. 22:41, 42

ትብዓት ክንእከብ ይሕግዘና

8. የሱስ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 ተባዓት ብምዃን እውን ንየሱስ ክንመስሎ ንደሊ ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብተን ቅድሚ ሞቱ ዝነበራ መዓልትታት ዘርኣዮ ትብዓት እሞ ንሕሰብ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ጸላእቱ ኸም ዜዋርድዎን ከም ዚገርፍዎን ከም ዚቐትልዎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 20:17-19) ኰይኑ ግና፡ ብፍታው ምስ ሞት ፊት ንፊት ተጋጠመ። እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ጌተሴማኔ ዝነበሩ እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። (ማቴ. 26:36, 46) እቶም ኣጽዋር ዝሓዙ ጭፍራ ኺሕዝዎ ምስ መጹ ድማ፡ ንቕድሚት ሰጒሙ መንነቱ ገለጸሎም፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ነቶም ወተሃደራት፡ ንሃዋርያቱ ኺሓድግዎም ነገሮም። (ዮሃ. 18:3-8) የሱስ ዜደንቕ ትብዓት እዩ ኣርእዩ! ሎሚ፡ ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣብነት እቲ የሱስ ዘርኣዮ ትብዓት ኪስዕቡ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብኸመይ፧

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብትብዓት ምእካብካ፡ ንኻልኦት የበርትዖም (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ) *

9. (ሀ) ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ኣብነትና ነቶም ብእምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትና ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

9 ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ፡ ትብዓት የድልየና እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓዘን፡ ጓሂ፡ ወይ ጸገማት ጥዕና ጾይሮም እዮም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ። ገሊኦም ከኣ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም ወይ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም እዮም ኣብ ኣኼባታትና ዚእከቡ። ኣብነትና ነቶም ብእምነቶም እተኣስሩ ኣሕዋትና ኸመይ ከም ዚጸልዎም እውን ንሕሰብ። (እብ. 13:3) ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ ንየሆዋ ነገልግል ከም ዘለና ምስ ሰምዑ፡ ብእምነትን ብትብዓትን ብንጽህናን ንምምልላስ ብርታዐ ይረኽቡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፉ እዩ። ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣሕዋቱ ብተኣማንነት ንኣምላኽ የገልግሉ ኸም ዘለዉ ምስማዑ ኣሐጒስዎ እዩ። (ፊል. 1:3-5, 12-14) ካብ ማእሰርቲ ቐቅድሚ ምፍታሑ ወይ ደድሕሪ ምፍታሑ ድማ፡ ናብ እብራውያን ደብዳበ ጽሒፉ እዩ። ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ነቶም እሙናት ክርስትያናት “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም፡ ኣኼባታቶም ከይሓድጉ እውን ተማሕጺንዎም እዩ።—እብ. 10:24, 25፣ 13:1

10-11. (ሀ) ንመን ኢና ናብ በዓል ዚኽሪ ኽንዕድም ዘሎና፧ (ለ) ኤፌሶን 1:7ከ ኸምኡ ንምግባር ዚድርኸና እንታይ ምኽንያት ትህበና፧

10 ንኣዝማድናን ንመሳርሕትናን ንጐረባብትናን ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድም ከለና፡ ትብዓት ነርኢ ኢና። ግናኸ፡ ስለምንታይ ኢና እንዕድሞም፧ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ብዙሕ ስለ እነማስወሉ፡ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ንድረኽ ኢና። ካብቲ በቲ በጃ ኣቢሉ እተገልጸ “ጸጋ” የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ኺፈልጡ ንደሊ ኢና።—ኤፌሶን 1:7 ኣንብብ፣ ራእ. 22:17

11 ኣብ ኣኼባ ኽንእከብ ከለና፡ ትብዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ክብርቲ ባህርይ እውን ነርኢ ኢና። ነታ ባህርይ እቲኣ ኸኣ ኣምላኽን ወዱን ብዜደንቕ መገዲ ኣርእዮምዋ እዮም።

ፍቕሪ ኽንእከብ ትድርኸና

12. (ሀ) ኣኼባታትና ነታ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ዘዕምቛ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ እንታይ ክንገብር ኢና ተተባቢዕና ዘለና፧

12 ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ትድርኸና እያ። እቲ ኣብ ኣኼባታት እንምሃሮ ኸኣ፡ ነታ ንየሆዋን ንወዱን ዘላትና ፍቕሪ የዕምቛ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ድማ፡ ኣዘውቲርና ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ዝገበሩልና ነገር ንዘኻኸር ኢና። (ሮሜ 5:8) ብሕልፊ ኣብ በዓል ዝኽሪ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቀሩና፡ ዋላ እውን ነቶም ዋጋ እቲ በጃ ዘይተረድኦም ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቀርዎም ንዘኻኸር ኢና። ልብና ብምስጋና ስለ ዚምላእ ከኣ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንየሱስ ክንመስሎ ንጽዕር ኢና። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) ብተወሳኺ ድማ፡ ልብና ንየሆዋ ስለቲ በጃ ኽንውድሶ የለዓዕለና እዩ። ሓደ ኻብቲ ንዕኡ እንውድሰሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታትና ልባዊ ሓሳብ ብምሃብ እዩ።

13. ዕምቈት እታ ንየሆዋን ንወዱን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ግለጽ።

13 ዕምቈት እታ ንየሆዋ ንወዱን ዘላትና ፍቕሪ፡ በቲ ስሊኦም ኢልና እንገብሮ መስዋእትታት ኪርአ ይከኣል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ እተፈላለየ መስዋእትታት ንገብር ኢና። ብዙሓት ጉባኤታት ኣብ መንጎ ሰሙን ኣኼባ ይገብራ እየን፣ እቲ ኣኼባ እቲ ምሸት ድሕሪ ስራሕ ስለ ዚግበር፡ ንደክም ንኸውን። ካልእ ኣኼባ ከኣ ካልኦት ሰባት ኣብ ዜዕርፉሉ ቐዳመ ሰናብቲ እዩ ዚግበር። ደኺምና ኽነስና ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ የሆዋ የስተብህለልና ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! እኳ ደኣስ፡ ብዝያዳ ቓልሲ ብዘጋጠመና መጠን፡ የሆዋ ነታ ንዕኡ እነርእያ ፍቕሪ ብዝያዳ የድንቓ እዩ።—ማር. 12:41-44

14. የሱስ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ፣ በዚ ድማ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ደቀ መዛሙርቱ ኺመዉት ፍቓደኛ ብምዃንን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ጥቕሚ ርእሱ ጥቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ብምቕዳምን ኣርእይዎ እዩ። ንኣብነት፡ ደኺሙ ኸሎ ወይ ተጨኒቑ ኸሎ፡ ካብ ሰዓብቱ ኣይተፈልየን። (ሉቃ. 22:39-46) እወ፡ ኣብቲ ንኻልኦት ኪህቦ ዚኽእል ነገራት እምበር፡ ኣብቲ ኻብ ካልኦት ኪረኽቦ ዚኽእል ነገራት ኣየተኰረን። (ማቴ. 20:28) ንሕና እውን ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ድራር ጐይታ ዀነ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ንምእካብ፡ እተኻእለና ዘበለ ንገብር ኢና።

15. ምናዳ ንመን ኢና ኽንሕግዝ እንደሊ፧

15 ንሕና ኣባላት እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሕውነት ኢና፣ ካልኦት ምሳና ኺሓብሩ እውን ብእተኻእለና መጠን ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር፡ ምናዳ ነቶም “ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ” እሞ ጸኒሖም ዘይንጡፋት ዝዀኑ ሰባት ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። (ገላ. 6:10) ኣብ ኣኼባታትና፡ ብፍላይ ድማ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ብምትብባዕ ፍቕርና ነርእዮም ኢና። ንሕና እውን ከም የሆዋን የሱስን፡ ሓደ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ናብቲ ፈቃር ኣቦናን ጓሳናን ዝዀነ የሆዋ ኺምለስ ከሎ፡ ካብ ልቢ ንሕጐስ ኢና።—ማቴ. 18:14

16. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ኽንተባባዕ እንኽእል፧ ካብ ኣኼባታትናኸ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ (ለ) እዚ ቕንያት እዚ ነቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 3:16 እተዛረቦ ቓላት ንምዝካሩ ግቡእ እዋን ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

16 ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዓርቢ ምሸት 19 ሚያዝያ 2019 ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኺእከቡ፡ ኣብ ዚቕጽል ሰሙናት ንሰባት ንዓድም። (“ ክትዕድሞም ዲኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብ ብምልእታ እዛ ዓመት ከኣ፡ ኣብ ኵሉ እቲ የሆዋ ዘዳለወልና ኣኼባታት ኣዘውቲርና ብምእካብ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ ብትሕትናን ብትብዓትን ብፍቕርን ንምምልላስ፡ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ኣሎና። (1 ተሰ. 5:8-11) እምበኣር፡ ብዛዕባ እታ የሆዋን ወዱን ዘርኣዩና ፍቕሪ ኸመይ ከም ዚስምዓና፡ ብምሉእ ልብና ነርኢ!—ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ዓርቢ ምሸት 19 ሚያዝያ 2019 ዚብዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣኼባ እዩ። ግናኸ፡ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኽንእከብ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኸም እንደሊ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽርን ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትናን ምእካብና ብዛዕባና እንታይ ከም ዚብል ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሓው በታ ኻብ ስድራኡ እተላእከትሉ ደብዳበ ይተባባዕ። ንሱ ኸም ዘይተረስዐ ምፍላጡ፡ ከምኡ ድማ ስድራኡ ኣብ ከባቢኦም ናዕቢ እናሃለወ ኽነሱ ንየሆዋ እሙናት ከም ዝዀኑ ምስማዑ ኣሐጒስዎ እዩ።