ኣብቲ ተስፋ እትገብረሉ ነገር ንዘላትካ እምነት ኣደልድላ
“እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት . . . እያ።”—እብ. 11:1።
መዝሙር፦ 54, 55
1, 2. (ሀ) ተስፋ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ተስፋ እቶም ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኣገደስቲ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ ዘለዎም! ኵላትና፡ ካብቶም ቅቡኣት ኰንና ኻብተን “ካልኦት ኣባጊዕ”፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸምን ስም የሆዋ ኪቕደስን ከሎ ኽንርኢ ተስፋ ንገብር ኢና። (ዮሃ. 10:16፣ ማቴ. 6:9, 10) እዚ ሃንቀው ኢልና እንጽበዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት እዩ። ኣብ ናይ ኣምላኽ “ሓድሽ ሰማያት” ወይ ኣብታ “ሓዳስ ምድሪ” ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ እውን ንህንጠ ኢና። (2 ጴጥ. 3:13) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ መንፈሳዊ ብልጽግና ህዝቢ ኣምላኽ ክንርኢ ንደሊ ኢና።
2 እቶም ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ እውን ተስፋ ዚገብርዎ ነገራት ኣለዎም፣ ተስፋኦም ከም ዚፍጸም ግና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ንኣብነት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተጣላዕቲ ኣብ ሎተሪ ኺዕወቱ ተስፋ ይገብሩ እዮም፣ ከም ዚዕወቱ ግና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት፡ “ርግጽ ትጽቢት” ክርስትያናዊ ተስፋና እያ። (እብ. 11:1) ብዛዕባ እቲ ትጽቢት እትገብሮ ነገር ዝያዳ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ግና ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ እቲ ተስፋ እትገብሮ ነገር ድልድልቲ እምነት ምስ እትህልወካ እንታይ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል፧
3. መሰረት ናይ ሓቂ እምነት ክርስትያናት እንታይ እዩ፧
3 እምነት፡ ዘይፍጹማት ሰባት ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ዜጥርይዋ ባህርይ ገላ. 5:22) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎ ወይ ከም ዜድልዮ ኣይገልጽን እዩ። የሆዋ ዅሉ ዚኽእልን ኣዝዩ ጥበበኛን ስለ ዝዀነ፡ ዕላማታቱ ኻብ ምፍጻም ኪዓናቕፎ ዚኽእል የልቦን። ሰማያዊ ኣቦና እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ኣዝዩ ርግጸኛ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ተስፋታት ድሮ ኸም እተፈጸመ ገይሩ እዩ ዝሓስቦ። ስለዚ ድማ እዩ፡ “ኰይኑ” ዝበለ። (ራእይ 21:3-6 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ወትሩ ዚፍጽም “እሙን ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ክርስትያናት ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታቱ ይኣምንዎ እዮም።—ዘዳ. 7:9።
ኣይኰነትን፣ ብተፈጥሮ እትምዕብል እውን ኣይኰነትን። እምነት ክርስትያናት፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ተቐባሊ ልቢ ኺዓዪ ኸሎ እትፈሪ ባህርይ እያ። (ጥንቲ ኻብ ዝነበሩ ኣብነታት እምነት ተመሃር
4. ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧
4 መጽሓፍ እብራውያን፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ዝርዝር ስማት 16 ሰብ እምነት ሒዛ ኣላ። እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፋ ጸሓፊ፡ ብዛዕባኦምን ብዛዕባ ሓያሎ ኻልኦትን ኪዛረብ ከሎ፡ ‘ብእምነቶም ከም እተመስከረሎም’ ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 11:39) ኵላቶም፡ ኣምላኽ ንዕልወት ሰይጣን ንምጭፍላቕን ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻምን ነቲ ዘተስፈዎ “ዘርኢ” ኸም ዜምጽኦ “ርግጽ ትጽቢት” ነይርዎም እዩ። (ዘፍ. 3:15) እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ ህይወት ዚርከበሉ መገዲ ቕድሚ ምኽፋቱ እዮም ሞይቶም። (ገላ. 3:16) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዝኣተዎ ተስፋታት ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ተንሲኦም ፍጹም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—መዝ. 37:11፣ ኢሳ. 26:19፣ ሆሴ. 13:14።
5, 6. እምነት ኣብርሃምን ኣባላት ስድራ ቤቱን ኣብ ምንታይ ዘተኰረት እያ ነይራ፧ ድልድልቲ እምነት ክትህልዎም ዝኸኣለትከ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
5 እብራውያን 11:13 ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰባት ክትገልጽ ከላ፡ “ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም” ትብል። ሓደ ኻብዚኣቶም ኣብርሃም እዩ። ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” ዚርከብ ዜሐጕስ ህይወት እንታይ ኣረኣእያ ነይርዎ፧ የሱስ ተጻረርቱ ንዚሓተትዎ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ ምስ ገበረ፡ ባህ ኢልዎ፣ ርእይዋ ድማ ተሓጒሱ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃ. 8:56) ሳራን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ “ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን” እትመጽእ መንግስቲ ዘተኰሩ ሓያሎ ኻልኦትን እውን ከምኡ ዓይነት ስምዒት እዩ ነይርዎም።—እብ. 11:8-11።
6 ኣብርሃምን ኣባላት ስድራ ቤቱን እምነቶም ኬደልድሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብዛዕባ ኣምላኽ እተማህሩ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ሰባት ብምስማዕ፡ ብመለኮታዊ ራእያት፡ ወይ ዜተኣማምን ምንጪ ዘለዎ ጥንታዊ ሰነዳት ብምንባብ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ እተምሃርዎ ኣይረስዕዎን፣ እኳ ደኣስ፡ ንተስፋታትን ንስርዓታትን ኣምላኽ ኣኽቢሮም ይርእይዎን የስተንትንሉን ነይሮም እዮም። እዞም ሰብኡትን ኣንስትን እዚኦም፡ ርግጽ እምነት ስለ ዝነበረቶም፡ ዝዀነ ይኹን መከራ ተጻዊሮም ንኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ቘሪጾም ነበሩ።
7. የሆዋ እምነትና ምእንቲ ኸነደልድል ኢሉ እንታይ መሰናድዎታት እዩ ገይሩልና፧ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
7 የሆዋ፡ ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽትህልወና ኢሉ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ‘ሕጉሳት’ ክንከውንን ‘ኪሰልጠናን’ እንተ ደሊና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲርና፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ በብመዓልቱ ኸነንብቦ ኣሎና። (መዝ. 1:1-3፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ከምቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ብዛዕባ ተስፋታት የሆዋ ኣዘውቲርና ኸነስተንትንን ንስርዓታቱ ኽንእዘዞን ኣሎና። የሆዋ ብ“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ብምሃብ እውን ባሪኹና እዩ። (ማቴ. 24:45) ስለዚ፡ ነቲ ኻብቲ የሆዋ ዘዳለወልና መንፈሳዊ መሰናድዎታት እንምሃሮ ትምህርቲ ኣኽቢርና ብምርኣይ፡ ከምቶም ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ “ርግጽ ትጽቢት” ዝነበሮም ጥንቲ ዝነበሩ ኣብነታት እምነት ክንከውን ኢና።
8. ጸሎት ንእምነትና ኼደልድላ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 ጸሎት እውን ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር እምነቶም ኬደልድሉ ብዙሕ ሓጊዝዎም እዩ። ኣምላኽ ንጸሎቶም ኪምልሰሎም ከሎ፡ እምነቶም ደልዲላ እያ። (ነህ. 1:4, 11፣ መዝ. 34:4, 15, 17፣ ዳን. 9:19-21) ንሕና እውን የሆዋ ኸም ዚሰምዓናን ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር ከም ዜበርትዓናን ብምትእምማን ናብኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ጸሎትና መልሲ ኺረክብ ከሎ ድማ፡ እምነትና ዝያዳ ኽትድልድል እያ። (1 ዮሃንስ 5:14, 15 ኣንብብ።) እምነት ሓንቲ መዳይ ፍረ መንፈስ ስለ ዝዀነት፡ ከምቲ የሱስ ዜተባብዓና፡ መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውሃበና፡ ‘ብቐጻሊ ኽንልምን’ ኣሎና።—ሉቃ. 11:9, 13።
9. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መን እውን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧
9 ይኹን እምበር፡ ናብ ኣምላኽ እንጽልዮ ጸሎት፡ ብብሕቲ ሓገዙ ንምርካብ ዚቐርብ ለመና ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ንየሆዋ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ “ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ” ዝዀነ “ዜደንቕ ግብርታት” ከነመስግኖን ክንውድሶን ንኽእል ኢና! (መዝ. 40:5) ብዘይካዚ፡ ኣብ ጸሎትና፡ ‘ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንና ኽንዝክሮም’ ኣሎና። ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ‘እቶም ዚመርሑና’ እውን ክንጽሊ ኣሎና። የሆዋ ነቲ ብሓድነት እንጽልዮ ጸሎት ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህበሉ ኽንርኢ ኸለና ልብና ይትንከፍ እዩ!—እብ. 13:3, 7።
ኣይተለማለሙን
10. ኣብ ንጽህናኦም ዘይተለማለሙ ኣብነት ዝዀኑና ኣገልገልቲ ኣምላኽ መን እዮም፧ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ፈተናታት ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ደቀን ዝሞተወን እሞ ብትንሳኤ እተቐበላኦም እሙናት ኣንስቲ ጠቒሱ ኣሎ። “ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ . . . ዝኣበዩ” ኸም ዘለዉ እውን ጠቒሱ እዩ። (እብ. 11:35) ጳውሎስ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ናቦትን ዘካርያስን ዝኣመሰሉ ገሊኦም እሙናት ሰባት ንኣምላኽ ብምእዛዞምን ፍቓዱ ብምግባሮምን ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም እዮም። (1 ነገ. 21:3, 15፣ 2 ዜና 24:20, 21) ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ንጽህናኦም ብምልምላም ‘ሓራ ኺወጹ’ ኣጋጣሚ ኸም ዝነበሮም ርዱእ እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት፡ ‘ኣፍ ኣናብስ ኪዓጽዉን ንሓይሊ ሓዊ ኼጥፍኡን’ ኣኽኢላቶም እያ።—እብ. 11:33, 34፣ ዳን. 3:16-18, 20, 28፣ 6:13, 16, 21-23።
11. ገሊኦም ነብያት ብምኽንያት እምነቶም እንታይ ፈተናታት እዮም ተጻዊሮም፧
11 ከም ሚክያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ነብያት ብምኽንያት እምነቶም፡ “ብላግጽን . . . ብማእሰርትን ተፈቲኖም” እዮም። ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ድማ፡ “ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም” እዮም። ኵሎም፡ “ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት” ስለ ዝነበሮም፡ ተጻዊሮም እዮም።—እብ. 11:1, 36-38፣ 1 ነገ. 18:13፣ 22:24-27፣ ኤር. 20:1, 2፣ 28:10, 11፣ 32:2።
12. ፈተናታት ብምጽዋር ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዝሓደገ መን እዩ፧ ከምኡ ኺገብር ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧
12 ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም እምነት ዘርኣዩ ሰብኡትን ኣንስትን ምስ ገለጸ፡ ቀጺሉ ብዛዕባእቲ ኻብ ኵሎም ብዝያዳ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣጕልሐ። ኣብ እብራውያን 12:2፡ “ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ” በለ። እወ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነት እምነት ‘ከነስተብህለሉ’ ኣሎና። (እብራውያን 12:3 ኣንብብ።) ከም ኣንቲጳስ ዝኣመሰሉ ቐዳሞት ክርስትያናት እውን ከም የሱስ ኣብ ንጽህናኦም ኣይተለማለሙን። (ራእ. 2:13) እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ እምነት “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ይጽበዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት ግና ካብኡ ዚዓቢ ትንሳኤ ኺረኽቡ፡ ማለት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪትንስኡ እዮም። (እብ. 11:35) መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም ተኣማንነቶም ሓልዮም ሞይቶም ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺገዝኡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ተንሲኦም እዮም።—ራእ. 20:4።
ዘመናውያን ኣብነታት እምነት
13, 14. ሩዶልፍ ግሪከን እንታይ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ኪጻወር ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧
13 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ንኣምላኽ ዜምልኹ ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ ተስፋኦም ብምትኳርን ፈተናታት ንእምነቶም ኬዳኽማ ብዘይምፍቃድን ኣብነት የሱስ ይስዕቡ እዮም። እቲ ብ1925 ኣብ ጀርመን እተወልደ ሩዶልፍ ግሪከን ከም ኣብነት ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ፍጻመታት ዜርኢ ስእልታት ኣብ መናድቕ ቤቱ ተሰቒሉ ኸም ዝነበረ ይዝክር። ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓንቲ ስእሊ ተዅላን ዕየትን፡ ነብርን ማሕስእን፡ ምራኽን ኣንበሳን ብሓንሳእ ሓቢሮም ብሓደ ንእሽቶ ወዲ ኺጓሰዩ ኸለዉ ተርኢ ነበረት። . . . ከምዚ ዝበለ ስእልታት ኢሳ. 11:6-9) ኣብ ፈለማ ብጌስታፖ ናዚ፡ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ብኮምኒስታዊ ሽታዚ ምብራቕ ጀርመን ንሓያሎ ዓመታት ብርቱዕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዝነበረቶ ድልድልቲ እምነት ግና ሓልዩ እዩ።
ነባሪ ዝዀነ ጽልዋ ሓዲጉለይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (14 ሩዶልፍ ካልእ ከቢድ ፈተናታት እውን ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። እታ ዚፈትዋ ኣዲኡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ራቨንስብራክ ተኣሲራ ኸላ ብሕማም ቲፎ ሞተት፣ ኣቦኡ ድማ እምነቱ ስለ ዝደኸመት፡ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይኰነ ዚገልጽ ሰነድ ፈረመ። ሩዶልፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እውን ተዓዲሙ እዩ። ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ቺለ ምስ ተመደበ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ፈተናታት ሩዶልፍ ግና ኣየብቅዐን ነይሩ። ፖትሲ ንዝስማ ሚስዮናዊት ምስ ተመርዓወ ዝወለድዋ ሕጻን ጓሎም ሞተቶም። ጸኒሑ ኸኣ፡ እታ ዝፈትዋ ሰበይቱ እውን ኣብ 43 ዓመታ ሞተት። ሩዶልፍ እዚ ዅሉ ፈተናታት ተጻወረ፣ ኣሪጉን ደኺሙን እኳ እንተ ነበረ፡ ታሪኽ ህይወቱ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1997 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 20-25 ኣብ ዝወጸሉ እዋን ስሩዕ ፈላምን ሽማግለን ኰይኑ የገልግል ነበረ። [1]
15. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ ይጻወሩ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧
15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድን ቀጻልን መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ወትሩ ብተስፋኦም ይሕጐሱ እዮም። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኤርትራን ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን ተኣሲሮም ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ምስቲ የሱስ ሰይፊ ኸየልዕሉ ዝኣዘዞም ቃል ተሰማሚዖም ስለ እተመላለሱ እዮም ተኣሲሮም። (ማቴ. 26:52) ገለ ኻብቶም እሱራት፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመት ተኣሲሮም ዘለዉ ነገደን ይስሃቅን ጳውሎስን ይርከብዎም። እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ብዕድመ ንዚደፍኡ ወለዶም ኪሕግዙን ኪምርዓዉን ዝነበሮም መሰል እኳ እንተ ተሓድጉ፡ ከቢድ ግፍዒ እናኣጋጠሞም እሙናት ኰይኖም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ወብ ሳይት jw.org ዝወጸ ስእሎም ዚርአ ሕጉስ ገጾም፡ ነታ ድልድልቲ እምነቶም ኣጽኒዖም ከም ዚሓዙ እዩ ዜርኢ። ሓለውቶም እውን ከይተረፈ የኽብርዎም እዮም።
16. ድልድልቲ እምነት እተዕቍበካ ብኸመይ እያ፧
16 ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ ተጻዊሮም እዮም። እቲ ዘጋጠሞም ናይ እምነት ፈተና ድማ እተፈላለየ እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትና፡ ድኽነት፡ ውግእ ሓድሕድ ወይ ባህርያዊ ሓደጋታት ተጻዊሮም እዮም። ካልኦት ከኣ ከም ሙሴን ካልኦት ኣበውን ዓለማዊ ምሾት ወይ ዝና ገዲፎም እዮም መጺኦም። ኣብ ፍቕረ ንዋይን ጥቕሚ ርእስኻ ቐዳምነት ኣብ ምሃብን ዘተኰረ ህይወት ኪነብሩ ንዚቐርበሎም ፈተና ኣበርቲዖም ይቃለስዎ እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕርን እታ ኣብቲ የሆዋ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም ዜዐርዮን ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ጽድቂ ኣብ ዚሰፍና ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ከም ዚኽሕሶምን ዘተስፈዎ ተስፋ ዘላቶም ድልድልቲ እምነትን እያ።—መዝሙር 37:5, 7, 9, 29 ኣንብብ።
17. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧
17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምስትንታንን ኣዘውቲርካ ምጽላይን ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ርኢና ኢና። ከምኡ ምግባርና ድማ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ተስፋና “ርግጽ ትጽቢት” ብምግባር ናይ እምነት ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ዚገልጾ ነገራት ካብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ንላዕሊ እውን የጠቓልል እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።
^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 14) ነታ ኣብ ናይ 22 ሚያዝያ 2002 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ኣንድሬ ሃናክ ዝስሙ ስሎቫክያዊ እትገልጽ፡ “ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ብሩህ ተስፋ ኣሎኒ” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ርአ።