ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥቅምቲ 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 3-30 ታሕሳስ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

1918—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ኣብ መጀመርታ እታ ኤውሮጳ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተሸሚማትሉ ዝነበረት ዓመት ዝዀነ ነገራት፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንዓለም ብሓፈሻን ጽቡቕ ተስፋ ዚህብ እዩ ነይሩ።

ሓቂ ተዛረብ

ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሕስዉ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን እዩ ዜምጽእ፧ ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ሓቂ ኽንዛረብ እንኽእል፧

ሓቂ ምሃር

ኣብቲ ንምስክርነት ተሪፉና ዘሎ ግዜ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ንሰባት ሓቂ ኣብ ምምሃርን ከነተኵር ኣሎና። ናውቲ ትምህርቲ ኣብዚ መዳይ ብኸመይ ይጠቕመና፧

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ንውሳነይ ብዙሕ ባሪኽዎ

ቻርለስ ሞሎሃን ብንእስነቱ ንኣገልግሎት ቤት-ኤል ብምምልካት ኣገልግሎቱ ኣስፊሑ እዩ። የሆዋ ድማ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኵሉ መገዱ ባሪኽዎ እዩ።

ንክርስቶስ፡ ነቲ ንጡፍ መራሒና ንእመኖ

ውድብ ኣምላኽ ብፍጥነት ክትግስግስ ከላ፡ ነቲ መራሒና ክርስቶስ ክንኣምኖ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

ለውጥታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ሓሉ

ኣብ ህይወትና ዘይተጸበናዮ ለውጥታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ሻቕሎትን ውጥረትን ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ለውጥታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

እስጢፋኖስ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ መጀመርታ ሰማእት እዩ። መስጐጕቲ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ኣመና ኺሃድእ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧