ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቂ ተዛረብ

ሓቂ ተዛረብ

“ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ።”—ዘካ. 8:16

መዝሙር፦ 56, 124

1, 2. ኣብ ደቂ ሰብ ዝኸፍአ ጕድኣት ዘምጽአ እንታይ ምህዞ እዩ፧ ንዕኡኸ መን እዩ ምሂዝዎ፧

ገለ ኻብቲ ንመዓልታዊ ህይወትና ዘመሓየሸ ምህዞታት፡ ተሌፎን፡ ኣምፑል፡ ማኪና፡ ፍሪጅ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ምህዞታት ግና ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ድማ ባሩድ፡ ፈንጂ፡ ሽጋራ፡ ኣቶማዊ ቦምብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ደቂ ሰብ ዝኸፍአ ጽልዋ ዘሕደረ ቕድሚ እዚ ዅሉ እተማህዘ ምህዞ ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ሓሶት እዩ! ሓሶት ኪብሃል ከሎ፡ ንምትላል ተባሂሉ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ምዝራብ ማለት እዩ። ንሓሶትከ መን እዩ ምሂዝዎ፧ የሱስ ክርስቶስ ን“ድያብሎስ” “ኣቦ ሓሶት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:44 ኣንብብ።) ንሱኸ መዓስ እዩ ንፈለማ ግዜ ሓስዩ፧

2 ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ኣብ ገነት ኤደን እዩ ሓስዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ኣብታ ፈጣሪኦም ዝሃቦም ገነት ባህ ኢልዎም ይነብሩ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ድያብሎስ ኣብ ህይወቶም ጣልቃ ኣተወ። ኣምላኽ ካብታ “ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን” ከይበልዑ ኸም ዝኣዘዞም፡ ትእዛዙ ጥሒሶም ካብኣ እንተ በሊዖም ግና ከም ዚሞቱ፡ ሰይጣን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሄዋን ብተመን ኣቢሉ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” በላ። እዚኣ ቐዳመይቲ ሓሶት እያ ነይራ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ።—ዘፍ. 2:15-17፣ 3:1-5

3. ሰይጣን ብኽፍኣት ተለዓዒሉ እዩ ሓስዩ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጺኡ፧

3 ሰይጣን ብኽፍኣት ተለዓዒሉ እዩ ሓስዩ፣ ከመይሲ፡ ሄዋን ንዕኡ ኣሚና ነታ ፍረ እንተ በሊዓ፡ ከም እትመውት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምኡ ድማ እዩ ዀይኑ። ፈለማ ሄዋን፡ ደሓር ከኣ ኣዳምን ትእዛዝ የሆዋ ምስ ጠሓሱ፡ ኣብ መወዳእታኡ ሞይቶም እዮም። (ዘፍ. 3:6፣ 5:5) ብዘይካዚ ድማ፡ ብሓጢኣት ኣቢሉ፡ “ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።” እወ፡ “ሞት . . . ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነጊሱ እዩ።” (ሮሜ 5:12, 14) ሕጂ፡ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ዝሓለኖ፡ ሰብ ፍጹም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ክንዲ ዜስተማቕር፡ ዕድሚኡ “70 ዓመት፡ ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ ኸኣ 80” ዀይኑ ኣሎ። እዚ እውን እንተ ዀነ፡ “ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ።” (መዝ. 90:10) እዚ ዅሉ ብሰንኪ እቲ ሰይጣን ዝሓሰዎ ሓሶት እዩ መጺኡ!

4. (ሀ) እንታይ ሕቶታት ኢና ምላሽ ክንህበሉ ዘሎና፧ (ለ) ብመሰረት መዝሙር 15:1, 2፡ መን ጥራይ እዩ ዓርኪ የሆዋ ኪኸውን ዚኽእል፧

4 የሱስ ብዛዕባ ተግባራት ድያብሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” ኢሉ እዩ። ክሳዕ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ሓቂ ኣብ ሰይጣን የልቦን፣ ከመይሲ፡ ብሓሶቱ ኽሳዕ ሕጂ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ንሱ እዩ። (ራእ. 12:9) ንሕና ብድያብሎስ ክንታለል ኣይንደልን ኢና። እምበኣር፡ ነዚ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምሮ፦ ሰይጣን ንሰባት ዜስሕቶም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሕስዉ፧ ከም ኣዳምን ሄዋንን ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ምእንቲ ኸይነጥፍእ፡ ከመይ ጌርና ኢና ዅሉ ሳዕ ‘ሓቂ ኽንዛረብ’ እንኽእል፧—መዝሙር 15:1, 2 ኣንብብ።

ሰይጣን ንሰባት ከመይ ገይሩ የስሕቶም ኣሎ፧

5. ሎሚ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ዜስሕቶም ዘሎ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰይጣን ከይጐርሓልና” ኽንጥንቀቕ ከም እንኽእል ኪገልጽ ከሎ፡ “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና” ኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 2:11፣ እ.ጽ.) ድያብሎስ ንብዘላ ዓለም ከም ዚቈጻጸራ፡ ማለት ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንብልሹው ፖለቲካን ስስዐ ንዝመልኦ ንግድን ከም ዚቈጻጸሮ ንፈልጥ ኢና። (1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ሓያል ጽልዋ ንዘለዎም ሰባት ‘ኪሕስዉ’ እንተ ጸለውዎም ዘይንጽበዮ ነገር ኣይኰነናን እዩ። (1 ጢሞ. 4:1, 2) ንኣብነት፡ ገሊኦም ነጋዶ ጐዳኢ ፍርያት ንምሻጥን ንሰባት ንምትላልን ሓሶት ዝመልኦ መወዓውዒ ይጥቀሙ እዮም።

6, 7. (ሀ) ምናዳ ዚሕስዉ መራሕቲ ሃይማኖት ተሓተትቲ ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ሓሶት ኪዛረቡ ሰሚዕካ ትፈልጥ፧

6 ምናዳ ዚሕስዉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ መጻኢ ህይወት እቶም ዚኣምንዎም ሰባት እዮም ኣብ ሓደጋ ዜእትዉ። ሓደ ሰብ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተቐቢሉ ብኣምላኽ እተዀነነ ነገር እንተ ገይሩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪስእን ይኽእል እዩ። (ሆሴ. 4:9) የሱስ፡ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት በዚ ዓይነት ምትላል እዚ ገበነኛታት ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ንሓደ እምነቱ ኸተለውጡ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ዕጽፍኹም ወዲ ገሃነም [ዘለኣለማዊ ጥፍኣት] ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” ኢሉ ኣብ ገጾም ተዛሪብዎም እዩ። (ማቴ. 23:15፣ እ.ጽ.) የሱስ ነቶም መራሕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸቢድ ቃላት ገይሩ እዩ ዀኒንዎም። ብሓቂ ‘ኻብቲ ቐታል ነፍሲ ዝዀነ ኣቦኦም ድያብሎስ’ እዮም ነይሮም።—ዮሃ. 8:44

7 ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ፓስተር፡ ቀሺ፡ ረቢ፡ ሸኽ፡ ወይ ኢማም ዚብሃሉ፡ ወይ ከኣ ብኻልእ መጸውዒ ዚጽውዑ መራሕቲ ሃይማኖት ኣለዉ። ኣሰር እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብምስዓብ ከኣ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዚርከብ ‘ሓቂ ይዓብጡ’ ኣለዉ፣ “ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ለዊጦምዎ” ኣለዉ። (ሮሜ 1:18, 25) ገለ ኻብቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶም፡ ገሃነም እሳት፡ ኢመዋትነት ነፍሲ ሰብ፡ ሪኢንካርነሽን፡ ‘ኣምላኽ ንግብረ ሶዶምን መውስቦ ሕደ ጾታን ኣይኵንኖን’ ዚብል ናይ ዕሽነት ሓሳብ ኪጥቀስ ይከኣል።

8. ኣብ ቀረባ ግዜ ፖለቲከኛታት እንታይ ሓሶት ኪዛረቡ ኢና እንጽበዮም፧ ንሕና ግና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

8 ፖለቲከኛታት እውን ንሰባት ንምትላል ሓሶት ይዛረቡ እዮም። ሓደ ኻብቲ ዓብዪ ሓሶቶም ከኣ ብሕጂ እንሰምዖ ዀይኑ፡ ሽዑ “ሰላምን ደሓንን!” ከም ዝዀነ ገይሮም ኪእውጁ እዮም። ሽዑ ግና “ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት” ኪመጾም እዩ። እምበኣር፡ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘየሎ ገይሮም ኬእምኑና ብዚገብርዎ ጻዕሪ ኣይንታለል! ከም ሓቂ፡ “መዓልቲ የሆዋ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ” ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።—1 ተሰ. 5:1-4

ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሕስዉ፧

9, 10. (ሀ) ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሕስዉ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

9 ሓድሽ ምህዞ ህቡብ እንተ ዀይኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ብብዝሒ እዩ ዚፈሪ። ብዛዕባ ሓሶት እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዀይኑ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ማሕበረሰብ፡ ሓሶት ምንዛሕ ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ፣ ንኻልኦት ዜታልሉ ዘለዉ ድማ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ኣብታ ዩዲጂት ቦታቻርጂ ዝጸሓፋ፡ “ስለምንታይ ንሕሱ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ “ሓሶት ሱር ዝሰደደ ባህርይ ሰብ ምዃኑ ተለልዩ ኣሎ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ሰባት ንርእሶም ንምክልኻል ወይ ገዛእ ርእሶም ንምጥቃም ይሕስዉ እዮም። ጌጋታቶም ንምሽፋን ወይ ቍጠባውን ብሕታውን ጥቕሚ ንምርካብ ይሕስዉ እዮም። ኣብታ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “ብዓብይን ብንእሽቶን፡ ንዘይፈልጥዎም ሰባትን ንመሳርሕቶምን ንፈተውቶምን ንሰቦምን ብቐሊሉ ዚሕስዉ” ሰባት ኣለዉ።

10 እሞኸ እዚ ዅሉ ሓሶት እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ምትእምማን ይጠፍእ፡ ርክባት ድማ ይበላሾ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሰበይቲ ንሰብኣያ እንተ ጠሊማቶ እሞ ንጥልመታ ሓስያ ኽትሽፍን እንተ ፈቲና፡ እቲ እሙን ሰብኣያ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጕሂ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ወይ ከኣ ሓደ ሃሳዪ ሰብኣይ ንሰበይቱ ወይ ንደቁ ኣብ ገዛ እናገፍዖም ክነሱ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግና ፈቃርን ሓላይን ኬምስል ምስ ዚፍትን እሞ ሕሰብ። ይኹን እምበር፡ እዞም መታለልቲ ሰባት እዚኦም ነዚ ኻብ የሆዋ ኺሓብእዎ ኸም ዘይክእሉ ኽንርስዕ የብልናን፣ ከመይሲ፡ ‘ኵሉ ኣብ ቅድሚኡ ቕሉዕን ግሁድን እዩ።’—እብ. 4:13

11. ካብቲ ሃናንያን ሰጲራን ዝገበርዎ ተግባር እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ንምሕሳው ‘ሰይጣን ከም ዘደፋፈሮም፡’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ኣሎ። ሃናንያን ሰጲራን ንሃዋርያት ንምትላል ብልቦም ተንኰል ሓሰቡ። መሬቶም ምስ ሸጡ፡ ካብኡ እተወሰነ ገንዘብ ጥራይ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኡ። እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ጉባኤ ኻብቲ ዝዀንዎ ንላዕሊ ለጋሳት መሲሎም ኪርኣዩ ደለዩ፣ ስለዚ፡ ንሃዋርያት ንብምሉኡ እቲ ገንዘብ ከም ዝወፈይዎ ኣምሲሎም ነገርዎም። የሆዋ ግና እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኺርኢ ይኽእል ነበረ፣ ስለዚ ድማ፡ ስለቲ ተግባሮም ቀጽዖም።—ግብ. 5:1-10

12. ብኽፍኣት ዚሕስዉ ዘይንስሑ ሓሰውቲ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ስለምንታይከ፧

12 የሆዋ ብዛዕባ ሓሶት እንታይ ይስምዖ፧ ሰይጣንን ኵሎም ኣሰሩ ስዒቦም ብኽፍኣት ዚሕስዉ ዘይንስሑ ሓሰውትን ኣብ “ቀላይ ሓዊ” ኺድርበዩ እዮም። (ራእ. 20:10፣ 21:8፣ መዝ. 5:6) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንሓሰውቲ ምስቶም “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽያፍ ዚገብሩ” እዩ ዚጽብጽቦም።—ራእ. 22:15፡ እ.ጽ.።

13. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ ፍልጠትከ እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧

13 የሆዋ “ኸይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን።” ብዘይካዚ እውን፡ ንሱ ‘ኺሕሱ ኸም ዘይክእል’ ንፈልጥ ኢና። (ዘሁ. 23:19፣ እብ. 6:18) ካብተን “የሆዋ ዚጸልአን” ተባሂለን እተዘርዘራ ነገራት ሓንቲ፡ “ሓሳዊት ልሳን” እያ። (ምሳ. 6:16, 17) ስምረቱ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኵሉ ሳዕ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና። ስለዚ ድማ ኢና ‘ንሓድሕድና ዘይንተሓሳሶ።’—ቈሎ. 3:9

‘ሓቂ ኢና እንዛረብ’

14. (ሀ) ካብ ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ኢና እንፍለ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ሉቃስ 6:45 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ግለጾ።

14 ሓደ ኻብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚፍለዩሉ እንታይ እዩ፧ ‘ሓቂ ኢና እንዛረብ።’ (ዘካርያስ 8:16, 17 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና” ድሕሪ ምባሉ፡ ሓደ ኻብቲ ድሕሪኡ ዝዘርዘሮ ነገራት፡ “ብሓቀኛ ዘረባ” ዚብል እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 6:4, 7) የሱስ ከኣ ብዛዕባ ሰብ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:45) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብልቡ ሓቂ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ብኣፉ እውን ሓቂ እዩ ዚዛረብ። ብዓብይን ብንእሽቶን፡ ንዘይፈልጦም ሰባትን ንመሳርሕቱን ንፈተውቱን ንሰቡን ሓቂ እዩ ዚዛረብ። ከመይ ጌርና ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኸም እንመላለስ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣብ ህይወት እዛ መንእሰይ ሓብቲ እዚኣስ ጸገምዶ ትርኢ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

15. (ሀ) ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንእሰያት ንዜጋጥሞም ሕማቕ ጽልዋ መዛኑ ኺጻረሩ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

15 መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብመዛኑኻ ተቐባልነት ክትረክብ ትደሊ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከም ገሊኦም፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ከይህልወካ ተጠንቀቕ። ገሊኦም መንእሰያት ምስ ስድራ ቤቶምን ምስ ኣባላት ጉባኤኦምን ኪዀኑ ኸለዉ ንጹሃት ይመስሉ፣ ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ኪዀኑ ኸለዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብን ግና ካልእ ሰብ እዮም ዚዀኑ። ሕማቕ ቃላት ይዛረቡ፡ ትሕትና ዘየርኢ ኽዳውንቲ ይኽደኑ፡ ክፉእ ሙዚቃ ይሰምዑ፡ መስተ ብብዝሒ ይሰትዩ፡ ሓሽሽ ይወስዱ፡ ብሕቡእ ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ይምስርቱ፡ ወይ ካብዚ ዝገደደ ነገር ይገብሩ እዮም። ህይወቶም ሓሶት እዩ፣ ንወለዶምን ንክርስትያናት ብጾቶምን ንኣምላኽን ይሕስውዎም እዮም ዘለዉ። (መዝ. 26:4, 5) የሆዋ ‘ብኸናፍርና ጥራይ ከነኽብሮ፡ ልብና ግና ካብኡ ርሑቕ’ ኪኸውን ከሎ ይፈልጥ እዩ። (ማር. 7:6) ካብዝስ ነቲ፡ “ምሉእ መዓልቲ ንየሆዋ ፍርሃዮ እምበር፡ ልብኻ ብሓጥኣን ኣይቕናእ” ዚብል ምስላ እንተ ሰዓብናዮ ኣጸቢቑ ይሓይሽ።—ምሳ. 23:17 *

16. ንፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ኣብ እነመልክተሉ እዋን ንዚቐርበልና ሕቶታት ብኸመይ ክንምልስ ኣሎና፧

16 ምናልባት ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል፡ ወይ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትኣቱ፡ ንኣብነት ኣብ ቤት-ኤል ክትኣቱ ትደሊ ትኸውን። መመልከቲ ኽትመልእ ከለኻ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ጥዕናን ምርጫ መዘናግዕን ስነ ምግባርን ዚምልከት ሕቶታት ብቕንዕናን ብሓቅነትን ክትምልሶ ኣሎካ። (እብ. 13:18) ኣብ ርኹስ ወይ ኣብ ዜተሓታት ተግባር እንተ ተሳቲፍካ እሞ ሽማግለታት ነዚ ዘይፈልጥዎ እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ብንጹህ ሕልና ኸተገልግል ምእንቲ ኽትክእል፡ ኪሕግዙኻ ሕተቶም።—ሮሜ 9:1፣ ገላ. 6:1

17. ንሰጐጕቲ ብዛዕባ ኣሕዋትና ኽንዛረቦም ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ኣብ ዓድኻ ዕዮና እተኣገደ እንተ ዀይኑ እሞ ብዛዕባ ኣሕዋት ሕቶታት እንተ ቐሪቡልካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ኵሉ እቲ እትፈልጦ ኽትነግርሲ ግቡእ ድዩ፧ የሱስ ካብ ሓደ ሮማዊ ሹም ሕቶታት ምስ ቀረበሉ እንታይ ድዩ ገይሩ፧ ነቲ፡ “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ የሱስ ምላሽ ዘይበሉ ግዜ ነይሩ እዩ። (መክ. 3:1, 7፣ ማቴ. 27:11-14) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንኣሕዋትና ኣብ ሓደጋ ዜእትዎም ነገር ምእንቲ ኸይንገብር፡ ከነስተውዕል ኣሎና።—ምሳ. 10:19፣ 11:12

መዓስ ስቕ ከም እትብልን መዓስ ኵሉ ሓቂ ኸም እትነግርን ከመይ ጌርካ ምወሰንካ፧(ሕጡብ ጽሑፍ 17, 18 ርአ)

18. ንሽማግለታት ብዛዕባ ኣሕዋትና ኽንዛረቦም ከለና፡ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

18 ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ ንስኻ ብዛዕባኡ ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፧ ሽማግለታት ስነ ምግባራዊ ንጽህና ጉባኤ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለ ዘለዎም፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም እትፈልጥ ኪሓትቱኻ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሰብ እቲ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብተኣማንነት ዚምስክር፡ ሓቂ ይነግር” ይብል። (ምሳ. 12:17፣ 21:28) ስለዚ፡ ንሽማግለታት ከፊሉ ጥራይ ወይ ነቲ ነገር ጠዊኻ ኽትነገሮም ዘይኰነስ፡ ኵሉ እቲ ሓቂ ኽትነግሮም ሓላፍነት ኣሎካ። ነቲ ኣባሲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ ዚሕግዙሉ ብሉጽ መገዲ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኵሉ ሓቅታት ኺፈልጡ ኣለዎም።—ያእ. 5:14, 15

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 ዳዊት እቲ ዘማሪ ናብ የሆዋ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “በቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሓቂ ባህ ይብለካ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 51:6) ሓቀኛነት ካብ ውሽጢ ወይ ካብ ልቢ ኸም ዚመጽእ፡ ዳዊት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም፡ ‘ንሓድሕዶም ሓቂ ይዛረቡ እዮም።’ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን እተፈለና ምዃንና እነርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ብምምሃር እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ብኸመይ ከም እንገብሮ ኸነተኵረሉ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብታ፡ “ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 15፡ ከምኡ ድማ ኣብታ፡ “ክልተ ዓይነት ህይወት—ስለምንታይ እየ ዝነግር፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 16 ርአ።